S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት 5 መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሮም ከምዝተወስዱ ካብ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣረጋጊጽና ኣሎና። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ገዳማውያን ኣቦታት ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መቐጸልታ ዕንወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብምዃኑ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኣጽንዖት ይኹንኖ።

“ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ እንተ ዘይህልው ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእ’የ’ሞ፡ ምሳይ ክወስደኩም’የ። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸደ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።  . . . መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዮሃ 14፡2-4,6 ካ.ት

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም “ይግብኦ” ኢልኩም ጸሊኹም ዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ  ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትና “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዚብል ኣርእስቲ ርኢና። ብልብኻ መገድኻ ምሕሳብ ድማ ናይ ንስሓ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። መገድኻ መርሚርካ ኣበሳኻ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ብድሕሪኡ ኽትገብሮም ዝእግባእ ተኸታተልቲ ስጕምትታት ኣለው።

ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ-ካህናት ሎሚ ዓመትውን ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ንሠለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካየድ ቀንዩ ብሰላም ተዛዚሙ።

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ

“ግናኸ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ’ዩ፡ ስለ’ዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ርእሶም ዚገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። . . . ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ’ዩ፡ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉ’ዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኰነኸ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን’ዩ፧ እቲ ጻድቕ (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን ካብ ኰነኸ፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን’ዩ።” 1ጴጥ 4፡7,17,18 ካ.ት

በርናባስ፡ ናይ ትውልዲ ስሙ ዮሴፍ ኮይኑ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። በቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝነኣድ ባህርይ፡ ንኣመንትን ንመራሕቲ ቤተክርስትያንን ዝነበሮ ምቕሉል ኣገልግሎትን፡

ብቀሺ ኣስመሮም ሞሳዝጊ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት

“ካብቲ ቐዳማይሲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ሃጌ 2:9

እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ፥ ጸኒዑ ይርከብ ከም ዘሎ ዝእመነሉ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር። ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ንምዕቃብ ብዘለዎ ሓላፍነት፥ ብብዙሕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ድሕሪ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ምእታዎም፥ ማለት ካብ 1998 ዓ/ም (2006) ኣትሒዙ። እዚ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝጐዓዝ ዘሎ መንበረ-ጵጵስና፥ ታሪኽን ክብርን ሓድነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንምዕቃብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓበንን ተስፋን ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div