|
2019 |
|
| ወርሒ | Month |
|
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo |
|
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገር ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።” ቈሎ 3፡1-3 ካ.ት (2ቈረ 10፡4,5)።
ክቡራት ግዱሳት ኣቦታት፣ ኣሕዋትን ኣሓትን፣ነዘን ቀሪበን ዘለዋ ሕቶታት፣ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰንየን ንጹርን ኣዕጋብን መልሲ ክወሃበን ከሎ ብዙሕ ኣማኒ ክመሃርን ክጥቀምን ስለ ዝኽእል ግዜኹም ሰዊእኩም ምምላሽኩም ኣቐዲመ ኤመስግነኩም( ድሌትኩም እንተ ዘይኮይኑ ስም ምጥቃስ ግዴታ ኣይኮነን)
ብቀሺ ብርሃነ ጠዓመ - ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተዋህበ ስብከት (ዓርቢ 21 ሓምለ 2017)
“ንስኻትኩም ግና፡ እቲ ቤተ ኣምላኽ እትስርሓሉ ጊዜ ገና እዩ፧ በልኩም።” እዚ ቓል እዚ፡ ኣንጻር እግዚኣብሄር ካብ ዝተዘርቡ ቃላት ሓደ እዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ንዕዮ ኣምላኽ ዜሰናኽሉ፡ ነቲ በሃሊኦም ድማ ባዕላዊ ዕንወት ዜስዕቡ ቓላት፡ እግዚኣብሄር ኪጸሮም ዚኸብድዎ መረርትን ክፋኣትን ቃላት እዮም።
ከም-ዝፍለጥ ንህብን ሃመማን ተመሳሰልቲ’ዮም። ምውዓሎም ግና ሓደ ኣይኮነን። ከመይሲ ሃመማ ዝርከበሉ ኣድራሻ፥ ኣብ ጎዱፍ ክኸውን ከሎ። ንህቢ ግና ኣብ ቖፎ መዓር’ዩ ዝርከብ። ምርጫ ሰባት’ውን ከምኡ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም መንገዲ ዴማስ መሪጾም፥ ናብቲ ባሕሪ-ዓለም ዘሊሎም ብምእታው ክሕምብሱ ከለዉ። ገሊኦም ድማ ብኣንጻሩ መንገዲ ቤት-ኣምላኽ መሪጾም፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምውዓሎም ምሕዳሮም ዝገብሩ ኣለዉ።

|
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo 2017-2019 |
“ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዘለዎ (ኽነሱ)፡ ሓዉ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ (‘ሞ እንተ ዘይረድኦ) ከመይ ኢሉ ‘ንኣምላኽ አፍቅር’የ’ ኺብል ይኽእል፡ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን’ምበር ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።” 1ዮሃ 3፡17,18 ካ.ት
ካብቲ ብራእይ ከይደዮ ዝሓደርኩ ተመስጦ ተመሊሰ፥ ነፍሰይ ክፈልጥ ምስ-ጀመርኩ፥ ኣእምሮይ ዝስሕት ዘሎኹ ኮይን’ዩ ተሰሚዑኒ። ኣበይ ከም-ዘለኹ-? ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። እቲ ምሳይ ዝሓደረ ክዳውንቲኸ ኣበይ ደኣ ከይዱ-? ብምባል ኣብ ሃሰውሰው ኣቶኹ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንሓሳባተይ ኣዋቕዖ። ናብቲ ዝሓደርኩዎ ቦታ ክምለስ፥ ሃረር ካብ ምባለይ ዝተላዕለ ከኣ፥ “-ኣታ ጎይታይ-! በጃኻ ካብዚ ዓለም’ዚ ርሒቐ ከም-ዝነብር ግበረኒ። ከመይሲ ስለ-ዘፍቅረካ ካባኻ ርሒቐ ክነብር ኣይክእልን’የ። ብዘይ ፍቕርኻ ከኣ ኣነ ሕይወት የብለይኒ። እቲ ካብ ኣዕይንትኻ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን -”
ሰንበት 31 መጋቢት 2019: ደብረ ዘይት - ዝሕልቲ ፍቕሪ
ቀዳም 30 መጋቢት 2019: ሓጢኣትን ሳዕቤኑን - 9ይ ክፋል
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ