“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 15፡19።
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእ ክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።
መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን ጣዕሳን ግና፥ ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
በስመ ኣብ ወወልድ! ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን እንዳበልና መንፈሳዊ ሰላምታ ነቐድም። ቀጺልና: ንግደት/ክብረ-በዓል ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ሮቸስተር ኒው ዮርክ 23 መስከረም 2017 ከነኽብር ስለ ዝኾና ናይቲ መንፈሳዊ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ሓሙስ 28 የካቲት 2019: ንምሕረት ዝፈጥን ፈራዲ- 3ይ ክፋል
ረቡዕ 27 የካቲት 2019: ህይወት ቅዱሳን፡ ያእቆብ- መበል 11 ክፋል
“ድሕሪ ሸሚንተ መዓልቲ ኸኣ . . . መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ’ውን፡ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም። ድሕሪ’ዚ ኸኣ ንቶማስ፡ ‘ኣጻብዕካ (ኣብ’ዚ ኣንብር)፡ ነእዳወይ’ውን ርኣይ፡ ኢድካ ናብ’ዚ ኣምጽእ’ሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን’ በሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ፡ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን’ በሎ፡ ኢየሱስ ከኣ ‘ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም’ በሎ።” ዮሃ 20፡26-29 ካ.ት
“ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ” (ማርቆስ 2.3-5)።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን 5ይ - ክፋል
“-እዛ ሰበይቲ እዚኣ፥ ናይ ሓደ ተራ ሰብ ኣደ፥ ወይ ወላዲት እንተደኣ ኮይና፥ እዚ ኩሉ ምስጋና ከመይ ኣቢሉ ክጸሓፈላ ከኣለ-? ማለት ክርስቶስ ሓደ ተራ ሰብ፥ ወይ ነቢይ እንተደኣ ኮይኑ፥ ካብ ተፈጥሮኣዊ-ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፥ ከመይ’ሉ ክውለድ ከኣለ-? ብዝተረፈ ምዉታን ከተንሥእ, ድዉያን ክፍውስ, ዕዉራን ከርኢ, ለምጻማት ከንጽህ, እዚ ኩሉ ኃይሊ’ዚኸ፥ ከመይ’ሉ ንዕኡ ካብ ኣምላኽ ክወሃቦ ከኣለ-? እዚ ኩሉ’ዚ ድማ ኣብ ቁርዓን’ውን ተጻሒፉ ዝርከብ’ዩ-”
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ 2018 - Daily Radio broadcasted in 2018
|
ወርሒ |
Month |
“-ኣምላኽ ሰማይ ከቃንዓልና እዩ’ሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና-” ብዝብል መራሒ-ቃል፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ከተማ-ማንችስተር፥ ካብ 15/09/1917 ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ። እዚ ናይ ማንችስተርን, ሎንዶንን, በርኒንግሃምን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማኅበረ-ምእመናን ተሳቲፎሞ ዝቐነዩ ጉባኤ’ዚ፥ ወለድን መንእሰያትን ብኃባር ከሳትፍ ዝኸኣለ ጉባኤ ብምንባሩ፥ ኣብ ተመክሮና ሓድሽን ፍሉይን’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ