“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር” ኤርምያስ 29:11።“ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።
መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን ጣዕሳን ግና፥ ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ዝጸንሐት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 26 ሓምለ 2018 (ሐምለ ፩፱, ፳፲ ግእዝ) ምሉእ ውህደት ምግባራ ብሓቂ ዘሕጉስ ዜና እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሓደ ኮይኖም ንኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክመርሕዋ፥ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ-ዕርቂ ብኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።
“ስለ’ዚ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጠቑ፡ ከምኡ’ውን (ጥንቁቓት ኩኑ)፡ ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።” 1ጴጥ 1፡13 ካ.ት
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን 5ይ - ክፋል
“-እዛ ሰበይቲ እዚኣ፥ ናይ ሓደ ተራ ሰብ ኣደ፥ ወይ ወላዲት እንተደኣ ኮይና፥ እዚ ኩሉ ምስጋና ከመይ ኣቢሉ ክጸሓፈላ ከኣለ-? ማለት ክርስቶስ ሓደ ተራ ሰብ፥ ወይ ነቢይ እንተደኣ ኮይኑ፥ ካብ ተፈጥሮኣዊ-ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፥ ከመይ’ሉ ክውለድ ከኣለ-? ብዝተረፈ ምዉታን ከተንሥእ, ድዉያን ክፍውስ, ዕዉራን ከርኢ, ለምጻማት ከንጽህ, እዚ ኩሉ ኃይሊ’ዚኸ፥ ከመይ’ሉ ንዕኡ ካብ ኣምላኽ ክወሃቦ ከኣለ-? እዚ ኩሉ’ዚ ድማ ኣብ ቁርዓን’ውን ተጻሒፉ ዝርከብ’ዩ-”
ሰሉስ 31 ሓምለ 2018: ሓድነት ቤተ ክርስቲያን (ሓድነት መርኣያ ህላውነት) 1ይ ክፋል
“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ (ክርስቶስ) ኪግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ (ንሱ) ዚመጻላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ። (ክርስቶስ) ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወልደ’ውን ፍለጡ።” 1ዮሃ 2፡28-29 ካ.ት
"እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። /ያዕ 5፥16/
ምስ ሳሚያ ክገብሮ ዝጸናሕኩ ምዝርራብ ኣቋሪጸ ምስ-ከድኩ፥ ውሽጠይ ስለ-ዝተሃወኸ ክረጋጋእ ኣይከኣልኩን። በዚ ድማ “-ክርስቶስ ማለት መን’ዩ-?-” ብምባል፥ ክምልሶ ብዘይክእል ሕቶ ነፍሰይ ኣብ ምጭናቕ ኣቶኹ። ከመይሲ ክርስቶስ ዝብል ስም ብዘልዓልኩ ቁጽሪ፥
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ