S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስልማትኩም ቅድስና ይኹን - ቊ.5 (12 ጥቅምቲ 2025 ፈ | ጥቅምቲ 2, 2018 ግዕዝ)

 "ስልማትክን እቲ ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን’ምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፋዊ (ላዕላዊ) ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ፡ እተን ተስፋአን ኣብ ኣምላኽ ዝገበራ ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ኸም’ዚ’የን ዝተሰለማ።" 1ጴጥ3፡3-5

እንሆ ዘመነ ክረምት ወዲእና ናብ ዘመነ ጽጌ (ናብ ዘመን ዕንበባ) ሰጊርና ኣለና። ነቲ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና’ሳገረ፡ ናብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ዘብቅዓና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ስርዓተ ክሊማ ሃገርናን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ሕዳር 5 ዘሎ ቕንያት፡ "ዘመነ ጽጌ" ይብሃል። "ጽጌ" ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም "ዕንበባ" ማለት’ዩ። ብወርሕን ብዕለትን ጠቒስና እንተ ዘይፈለናዮ’ኳ፡ እዚ ቕንያት’ዚ ብርግጽ ምድርና በቲ ዝርካቡ ዕንበባታት እተጊጸሉ ወቕቲ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ኣናህብ ብቝጽሪ እምብዛ በዚሖም ኣብ ዕንበባታት ዓሲሎም፡ ቆፎታት ንህቢ’ውን ብመዓር ተቐጺጹ ብተደጋጋሚ ዚብርበረሉ፡ ጣዕሚ መዓሮም ጥራሕ ዘይኰነ ምርረት ሕንዞም ከይተረፈ ’ነስተማቕረሉ ወቕቲ’ዩ። 

ምስ’ዚ እግዚኣብሔር ብኪነ ጥበቡ ዝፈጠሮን ዝሰርዖን ወቕቲ ጽግያት ተዛሚዱ ዚዝከር፡ ክልተ ኣገደስቲ መንፈሳዊ ፍጻመታት’ውን ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመነ ስድደት’ዩ። ብምኽንያት ንጉስ ሄሮድስ ዝወጠኖ ህልቂት ህጻናት ቤት ልሄም፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ቅዱስ ዮሴፍ ንህጻን ኢየሱስን ነዲኡ ድንግል ማርያምን ሒዙ ናብ ግብጺ ዝተሰደደሉ ጊዜ ዚዝከረሉ ዘመን’ውን’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ "ጾመ ቍስቋም" ወይ ከኣ፡ "ጾመ ጽጌ" ዚብሃል ናይ ፍቓድ ጾም ዚጽወመሉን፡ "ማኅሌተ-ጽጌ" ዚዝመረሉን ዘመን’ውን’ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ዝኽሪ ድማ፡ "ኣባ ዮሓኒ" ዝተባህሉ ገዳማዊ ኣቦ ዚዝከሩሉ’ዩ። እዞም ሓዋርያዊ ኣቦ’ዚኦም፡ ሶርያ ዝመበቈሎም ግብጻዊ መነኮስ’ዮም። ቅድሚ’ቶም ትሽዓተ ቕዱሳን (ተስዓቱ ቅዱሳን) ናብ ምድሪ ሓበሻ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ናብ ሃገርና ኣትዮም ቅዱስ ወንጌል ሰቢኾም እምነት ክርስትና ዘእተዉን፡ ነታ በዅሪ ገዳማት ሃገርና ዝዀነት ገዳም ደብረ ሲና ኣብ 451 ዓ.ም ዝመስረቱን ኣቦ’ዮም። ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም ዝዓረፉሉ ዕለት ድማ፡ ሕዳር 5’ዩ።

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ጥቅምቲ 2 ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ትዌድሶ መርዓት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦

“እታ መርዓት "ወልድ ሓወይ ንዓ፡ ናብ በረኻ ንውጻእ ነቲ ዝዓንበበ ወይንን ዝፈረየ ሮማንን ንርኣይ" ብምባል ትውድሶ። ንሰማይ ብኸዋኽብቲ፡ ንምድሪ ድማ ብዕንበባታት ሰለመ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ንሰንበት ጐይታኣ ዝዀነ፡ ወልድ ዋሕድ’ዩ። እታ መርዓት፡ "ወልድ ሓወይ ቃልካ ጥዑም’ዩ" ኢላ ትውድሶ።

ብመጀመርታ ኽረምቲ፡ ብድሕሪኡ’ውን ናይ ቀውዒ ዕንበባታት ገበረ። ነቲ እኽሊ’ውን የጸብቖ። ከም’ቲ ብነብዪ፡ "ደብሪ መቕደሰይ ክትወርሱ፡ ሰናብተይ ኣኽብሩ" ዝተባህለ፡ ንዕረፍትን ንመድሃኒትን ኪኸውን ኣብ ጊዜኡ መዓልታት ሰናብቲ ፈቐደ (ሃበ)።

እንሆ ዕንባባ ተራእየ። መርዓቱ ድማ፡ "ወልድ ሓወይ ከም ከርበ ይምእዝ (ይጥዕም)" ትብል። ነቢይ ዕንባቆም፡ "ናይ ወልድ ስነ ምግባር ኣድነቕኩ" ይብል። (ኦ) ንጉስ ሰላም ክርስቶስ፡ ልዕልናኻ ዓብዪ፡ ክብርኻ ድማ፡ መስተንክር’ዩ። ንዕረፍቲ ሰንበት ሠራዕካ።” 

ማለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን፡ ብዛዕባ መርዓት ዚገልጹ ብምዃኖም፡ እዚ ናይ ዘመነ ጽጌ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ መርዓት"’ዩ። መርዓት ’ትብሃል ዘላ ድማ፡ እታ ክርስቶስ ዝመርዓዊኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ያ። እቲ ናይ ኤፌ 5፡21-33 ንባብና፡ ጐይታና ንመርዓቱ ርእሱ በጃ ብምሃብ ከም ዝቐደሳ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 5፡25-32)። ኣብ’ቲ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ድማ፡ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ፡ ጐይታና መርዓት ዘላቶ መርዓዊ ምዃኑ መስኪሩሉ ኣሎ (ዮሃ 3፡25-36)። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ብዛዕባ ኣንስቲ (መርዑት) ንሰብኡት (ንመርዓውቲ) ኪዀናኦ ዚግባእ ጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ ድማ፡ "ሰበይትኻ (መርዓትካ) ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራዪት ወይኒ ኽትከውን’ያ" ብምባል፡ ናብ’ቲ ናይ’ዚ ንኡስ ዘመን’ዚ መልእኽቲ ኣመልኪቱና ኣሎ። ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ከም መርዓት ክርስቶስ መጠን፡ ከም ፈራዪት ወይኒ ዓንቢባ፡ ብዙሕ ፍረ ኽትፈርይ ይግብኣ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን’ዚ፡ እታ መርዓት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ብቕዱስ ወንጌል ብዛዕባ ’ትፈርዮ ዘላ ፍረ ’ንምርምረሉ ወቕቲ’ዩ። እታ መርዓት ክርስቶስ፡ ቤተ ክርስትያን፡ በቶም ኣገልገልታን ምእመናናን ዝቘመት’ያ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ 1ጴጥ3፡1-9 ንባብና ዝተወስደ’ዩ። 

እዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዘመነ ጽጌን እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስልማት ዘማእከለ ንባብን ዘለዎ ዝምድና እንታይ ይመስል፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርን፡ እቶም ዚስዕቡ ሰናብቲ ናይ ዘመነ ጽጌ መዝሙራትን ከም ዜመልክቱና፡ እዚ ዘመን’ዚ ምድርና እትስለመሉ ናይ ስልማት ዘመን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ያሬድ፡ "ኣሠርገወ ሰማየ በከዋክብት፡ ወምድርኒ በስነ ጽጌያት . . . " (ንሰማይ ብኸዋኽብቲ፡ ንምድሪ ድማ ብዕንበባታት ሰለመ ኣማዕረገ) ብምባል ንኣምላኽ ዘመስገነ። ጐይታና’ውን ብዛዕባ ’ንምገቦ ምግቢ ዀነ ’ንለብሶ ኽዳውንቲ ኽንጭነቕ ከም ዘይግብኣና ብኣብነት ኪገልጽ ከሎ፡- 

"ከመይከ ብዛዕባ ኽዳን ’ትጭነቑ፡ ንዕንበባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዪ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ፡ ምስናይ’ዚ ግና፡ ሰለሞን’ኳ በቲ ኹሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻብኣቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበይ ሳዕሪ መሮር ከም’ዚ ገይሩ ዚኸድን ካብ ኰነ፡ ኣቱም፡ ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን።"

ብምባል፡ ንምድሪ ኻብ ናይ ነገስታት ብዚበልጽ ልብሲ ኸም ዜማዕርጋ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ6፡28-30)። ሰብ’ውን ካብ’ቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረቱ ዘርኣዮ ስልማት ተማሂሩ’ዩ ንገዝኡን ከባቢኡን ብዕንባባታት ኬማዕርግ ዚርኣይ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዘመነ ስልማት (ዘመን ጽጌ)’ዚ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዕሚቝና ኽንሓስብ ይግብኣና’ዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና፡ ነዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ስልማት ዚገልጽ ንባብ፡ ብዘይ ምኽንያት ኣይሰርዑልናን። እግዚኣብሄር ንዓለምና ብዕንበባ ኺስልማ ኸሎ፡ በቲ ’ንዕዘቦ ዘለና ተፈጥሮ ገይሩ ዓብይ መልእኽቲ የመሓላልፈልና ኸም ዘሎ፡ ኣእምሮና ኺስሕቶ ፍጹም ኣይግባእን’ዩ። ነዛ ግእዝቲ (ህይወት ዘይብላ) ምድሪ ኣብ ምስላማ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኻብ ተገደሰ፡ ነቲ በርኣያኡ ዝፈጠሮ ህያው ሰብ ግዳ ኽንደይ ብዝበለጸ መገዲ ኺስልሞ ኸም ዚደልይ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ጐይታ’ውን ኣብ’ዚ ዘንበብናዮ ቓሉ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዘረጋገጸልና።

እግዚኣብሄር ግን ንስለ መልክዕ ኢሉ ጥራሕ ኣይኰነን ንምድሪ ብዕንበባ ዜማዕርጋ። ንዅሉ ፍጥረቱ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንሰብ፡ ምእንቲ ኺምግብ’ዩ ዚገብሮ። ሕጊ ተፈጥሮ ኸም ዚምህረና፡ ዕንበባ፡ ናይ ፍረ ናይ ፈለማ ደረጃ’ዩ። እቶም ዚዕንብቡ ኣትክልትን፡ ዘራእትን፡ ነቲ ፍረ ናይ ምፍራይ መስርሕ ብዕንበባ’ዮም ዚጅምርዎ እቲ ዕንበባ መስርሑ ምስ ወድኦ ይረግፍ’ሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ፍረ ይወጽእ። እቲ ፍረ ንሰብ ወይ ንእንስሳ ዚጠቅም’ዩ። ኣብ ፍጥረት፡ ባዶ ወይ ከንቱ ጽባቐ የለን። ገሊኦም ዕንበባታት ዚብላዕ ፍረ ስለ ዘይሃቡናስ ካብ ጽባቐ ዚሓልፍ ቍም ነገር ዘይብሎም ይመስለና ይኸውን። እቲ ሰብ ዚጥቀመሉ ዝበለጸ ምግቢ ዝዀነ መዓር ግን ካብ’ዞም ናይ ጽባቐ ዕንበባታት’ዩ ዚፈርይ። በቲ ብምዕንባብ ዘፍረይዎ ፍረ ህላውነቶም ስለ ዜውሕሱ፡ ምድርና ናይ ህያዋን ዓለም ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ንሳ ባዕላ ብእተፍርዮ፡ ካብኣ ብዝወጸ ስልማት (ዕንበባ)’ዩ ዜማዕርጋ’ምበር፡ ካብ ካልእ ዓለም ኣምጺኡ ኸም ዘይስልማ ድማ ክንስሕቶ ዘይግባእ፡ ክንምሃረሉ ዝተሰርዓልና መስተንክር ምኽርን ጥበብን ናይ ኣምላኽ’ዩ።

ናይ’ቲ ሰብ ዜዘውትሮ ስልማት ትርጕምን ዕላማንከ እንታይ’ዩ፧ ምስ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምስላም ዕላማን ውጽኢትንከ ይመሳሰልዶ ይጻረር ይኸውን፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ቅድም፡ "እግዚኣብሄር፡ ሰብ ብምንታይ’ዩ ኺስለም ዚደልዮ፧" ዚብል ሕቶ ኽንምልስ የድልየና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ብንጹር መሊሱልና ኣሎ። ስልማት ሰብ፡ እቲ ኣብ ልብና ዝማሕደሩ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ኪኸውን ኸም ዚግብኦ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ስልማት’ዚ ኻብ ሰብ ሕቡእ’ዩ። ንኣምላኽ ግን ግሁድ’ዩ። እዚ መንፈስ’ዚ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ፡ እዚ ሃዋርያዊ ቓል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ መንፈስ ደኣ’ዩ ኣብ ልብና ሕቡእ’ምበር፡ እቲ ንሱ ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትና ዜግህዶ ለውሃትን ህድኣትን ግን፡ ዅሉ ሰብ ዚርእዮን ዚምስክረሉን’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ብዝበለጸን ብዝነጸረን መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።

"ከምኡ’ውን ኣንስቲ ርእሰን ብምቝናን (ብስሩሕ ርእሲ) ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቍ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ኽዳውንቲ ምግያጽ ዘይኰነ፡ ግቡእን ትሕትና ዜርእይን ክዳን ይከደና። ከም’ቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ (ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለወን ኣንስቲ) ዚግባእ ብሰናይ ግብሪ  ኺስለማ እደልይ ኣለኹ።"          

1ጢሞ2፡9,10 ካ.ት

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽትታት’ዚ፡ ጾታ ዘይፈልይ፡ ኵሉ ክርስትያን ኪህልዎ ዚግባእ፡ ኣምላኽ ዝኣዘዞን ዜኽብሮን ስልማት’ዩ። ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ትሕትና፡ ለውሃት፡ ህድኣት፡ ከምኡ’ውን ኵሉ ሰናይ ግብሪ፡ ብኣርኣያን መልክዕን ናይ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ ዝተዋህበ፡ መንፈሳውን ነባርን ዘለኣለማዊ ረብሓ ዘለዎን ስልማት’ዩ። እዚ ስልማት’ዚ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዚፈርይ፡ ባህርያዊ ስልማትና’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ምሳሌ፡ ኣብ ምዕራፍ 31፡ ንጉስ ልሙኤል ዝጸሓፎ ቓል ኣሎ። እዚ ቓል’ዚ እታ ለባም ኣዲኡ ዝመሃረቶ’ዩ። ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ብዛዕባ’ታ ደገኛ (ለባም) ሰበይቲ ብዙሕን መሳጥን መግለጺ ኣስፊሩ ኣሎ። ስልማት ናይ’ዛ ለባም ሰበይቲ ትግሃት፡ ሕያውነት፡ ልግሲ (ንጽጉማት)፣ ጸጋን ጥበብን ዝመልኦ ዘረባ ወዘተ ምዃኑ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ ነቲ መልእኽቱ፦ 

"ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ’ዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ’ዩ። ንእግዚኣብሄር ’ትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፡ ኣብ ደጌታት’ውን ተግባራ ይንኣዳ።"

ብምባል ዛዘመ (ምሳ31፡30,31)። ስለ’ዚ በቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓት መሰረት፡ ስልማት ሰብ ፍርሃት እግዚኣብሄርን፡ እቲ ብእኡ ዚፈርዮ ሰናይ ባህርይን ተግባርን’ዩ። እዚ ኽቡር ስልማት’ዚ ድማ፡ ካብ ውሽጢ’ቲ ሰብ ዚፈርይ’ምበር፡ ሸሚትካ ወይ ተለቂሕካ ኣምጺእካ ኣብ ሰብነትካ ትልጥፎ ደጋውን ኣፋውን (Superficial) ኣይኰነን። ንምድሪ ካብ ውሽጣ ብዚበቍል ዕንበባታት ከም ዘማዕረጋ፡ ነቲ ግራት ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ድማ፡ በቲ ኻብ ውሽጡ ዜፍርዮ ሰናይ ባህርይን ግብርን ኬማዕርጎን ኪስልሞን ይደልይ። ንምድሪ ብዝናም ገይሩ ስልማት ኸም ’ትፈርይ ይገብራ፡ ንሰብ ድማ ብመንፈሱ ገይሩ ስልማቱ ኸም ዚፈርይ ይገብሮ። እምበኣር ሰብ፡ ነዚ መለኮታዊ ትርጕምን ዕላማን ናይ ስልማት ኬስተውዕሎን ኪትግብሮን’ምበር፡ ናቱ ናይ ስልማትን ትርጕም ዕላማን ኪምህዝ ኣይግብኦን’ዩ። 

ሰብ ብሓጢኣት ተበኪሉ፡ ካብ እግዚኣብሄር ብዕልወት ካብ ዚፍለይ ንደሓር ግን፡ ምስ’ቲ ናይ እግዚኣብሄር ትርጕምን ዕላማን ገጽ ንገጽ ዚራጸም ስጋውን ሰይጣናውን ዕላማ መሃዘ። እቲ ኻብ ውሽጡ ዜፍርዮ ስልማት እምብዛ ኽፉእ ስለ ዝዀነ ንእኡ ኼከሓሕስ፡ ካብ ተፈጥሮ ብዝተለቅሖ ዘይናቱ ስልማት ኣብ ሰብነቱ እናለጠፈ፡ ብዘይናቱ ጽባቐ ኺጥብርን ኪጥበርን ይነብር ኣሎ። ወርቂ፡ ኣልማዝ፡ ዕንቍ ወዘተ እናሰርሐን እናዓደገን ኣብ ሰብነቱ ይሰዅዖን የንጠልጥሎን፡ ጽባቐ ናይ’ቲ ስልማት፡ ናቱ ጽባቐ ከም ዝዀነ ኼመልክት ይፍትን። ነቲ እግዚኣብሄር ካብኡ ዚጽበዮ ስልማትን ጽባቐን ግን ኣይግደሰሉን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ የጽልኦ፡ ይጽየፎ፡ ሕመቕ ኰይኑ ይርኣዮ። ናይ ስጋ ስልማት ጥራሕ ስለ ዚጥቀም፡ ብዝኸፍአ ናብ ዝሙት፡ ቅንኢ፡ ውድድር፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ግብዝነት ወዘተ ይኣትው። መንፈሳዊ ህይወቱ ዝሞተ፡ ስጋኡ ብሓጢኣት ዝበለ ዚንቀሳቐስ ሬሳ ናብ ምዃን ወዲቑ ኽነሱ፡ ብኣፋዊ ወይ ደጋዊ ስልማት ግን፡ ብጽቡቕ ሕብሪ ዝተለቕለቐ ብእምነ በረድ ዝማዕረገ መቓብር መሲሉ ይነብር። ስለ’ዚ፡ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ምስ’ቲ ናይ እግዚኣብሄር ዕላማ ገጽ ንገጽ እናተራጸምናን ኢድ ብኢድ እናተዋጋእናን ንነብር ኣለና ማለት’ዩ።

ሓደ ሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ብሰናይ ግብሪ ዝተሰለመ ዀይኑ፡ እዚ ናይ ኣፋዊ ስልማትን ጽባቐን ነገር ኬዘውትር እንተ መረጸኸ ይክኣልዶ፧ እግዚኣብሄርከ ብኸመይ ይርእዮ፧ እግዚኣብሄር እቲ ኽንኰኖ ዚደልየና፡ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ ብዘየማትእ መገዲ ኣነጺሩ ነጊሩና’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቓሉ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትዎን’ዩ። "ቃለይ ካብ ዚሓልፍ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል" ዚብል ኣምላኽ’ዩ (ምሳ31፡30,31)። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ’ዩ" ብምባል ኣብ እግዚኣብሄር ለውጢ ዚብሃል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጹልና’ዩ ( እብ13፡8 ፣ ያእ1፡17 ፣ ዘሁ23፡9,27 ፣ 1ሳሙ15፡29 ፣  እዮ23፡13 ፣ መዝ33፡11 ፣ 102፡27 ፣ መክ3፡14 ፣ ሚል3፡6 ፣ 2ጢሞ2፡19፣እብ6፡17)። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ኣእምሮና ጽኑዕ ኰይኑ ኪስረት ዚግብኦ።

እዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘይልወጥ ዚገብሮ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ፡ ምስ ናትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስ ናይ እግዚኣብሄር ቅድስና’ውን ዝተዛመደ ስለ ዝዀነ’ዩ። እዚ ናይ ስልማትን ኣለባብሳን ምምልኻዕን ጕዳይ፡ ማዕረ ኽንደይ ናይ ምንዝርናን ዝሙትን ጠንቂ ዀይኑ ኸም ዘሎ ንዓይነ ስዉር’ኳ ዘይክወሎ፡ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግሁድ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር፦ "ፍቓድ እግዚኣብሄር ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ’ዩ።  . . . ናይ’ዚ ዅሉ ነገራት’ዚ ፈዳይ ሕነ ኸኣ፡ ኣምላኽ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር’ዩ ጸዊዑና። እምበርኣ እቲ ነዚ (ሓቂ’ዚ) ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽ’ምበር ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።"

ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (1ተሰ4፡3,6,7 ካ.ት)።

መንፈስ ቅዱስ ምስ’ዚ ናይ ቅድስና ኣርእስቲ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ  ኣስተውዒልና፡ ምስ’ቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ነቲ መንፈሳዊ ስልማት ኣብ ህይወትና ዜፍርዮ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ነዛምዶ። ብፍርሃት እግዚኣብሄር ተደሪኹ ብቕድስና ኺነብር ዚደልይ ክርስትያን፡ ብጠባርን ከንቱን ጸባቐ፡ ንናይ ምንዝርና ርኽሰት ዜለዓዕል ስጋዊ ተግባር ኣየዘውትርን’ዩ። ብመሰረት 1ቈረ6፡19,20፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዚሓድር፡ ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ውዱቕ ስጋና ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ ንኺገብሮ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ቅድስናና ዚብህግ ኣምላኽ ምዃኑ፦ "ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ" ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዘሌ20፡26 ፣ 1ጴጥ1፡15,16)። ንሕና ብመልክዑን ምስሉን ዝተፈጠርናሉ ዕላማ፡ ባህርያት እግዚኣብሄር ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ዘይቅዱስ ተግባርና፡ ንኣና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንእግዚኣብሄር ከተርክስ ናይ ምፍታን እኩይ ሃቐና’ዩ (1ተሰ4፡3,6,7 ካ.ት)። ስለ’ዚ ዅሉ ተግባርና፡ ዘረባና፡ ሓሳባትና ዀነ ዅሉ ኣለባብሳናን ኣካይዳናን፡ ምስ’ቲ መንፈስ ቅዱስ ዝጸገወና ናይ ቤት መቕደስ መንነት ዚቃደው ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ቃል እግዚኣብሄር፦ "ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብል መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ" ኢሉ ኣዚዙና’ዩ (ሮሜ12፡1 ፣ 1ቈረ6፡19)። "ስጋና ናትና’ዩ" ኢልና ኸም ዝደለናዮ ኸይንኸውን ከኣ፡ በቲ ብመሪር መከራ-መስቀል ዝፈሰሰ ኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተዓደግና ጥሪትን ንብረትን ናይ ኣምላኽ ምዃንና ብንጹርን ብተደጋጋምን ተነጊሩና’ዩ (1ቈረ6፡19,20 ፣1ጴጥ1፡8,9 ፣ 2፡9 ፣ ገላ4፡4,5 ፣ ራእ5፡9,10)። ሓደ ኻብ’ቲ ንኣበሳና ኣዝዩ ዜኽብዶ ዘሎ ድማ፡ ዋንነት ኣምላኽ ክሒድና፡ ኣብ ዘይንብረትና ኸም ዝደለናዮ ንገብርን ንኸውንን ምህላውና’ዩ። እግዚኣብሄር ኣኽቢዱ ሕነ ኺፈድይ ኻብ ዚገብሮ ምኽንያት ሓደ ድማ እዚ ሓቂ’ዚ’ዩ። ኣዋልድ ኢየሩሳሌም በቲ ንሱ ዘይደልዮን ዘይኣዘዞን ኣገባብ ኪስለማን መቕደስ ስጋአን ኬርክሳን ምስ መረጻ ዝበየነለን ፍርዲ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ።

"መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ "ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዐን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ’ሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ (ንመንበስበስታ) ኣዋልድ ጽዮን ኬንኵዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ’ዩ። በታ መዓልቲ’ቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ’ዩ። ንዅትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር ዝተሰርሐ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡ ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡ ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ ንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ’ዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን’ዩ። ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ’ዮም። ደጌታትኪ ኪቚዝማን ኪሓዝናን’የን፡ ዓንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ’ያ።"                            

ኢሳ3፡16-26

 

"በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡" እንጌራና ንበልዕ፡ ክዳንና’ውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡" እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ’የን።" ኢሳ 4፡1

 

ንሕና ጽቡቕ ኰይኑ ዝተራእየና ዅሉ ኽንገብር ከለና፡ ኣዒንቲ ሰባት ጥራሕ’ምበር፡ ኣዒንቲ ኣምላኽ ይርእያና ኸም ዘለዋ ፈቲና ንርስዖን ንኽሕዶን ኣለና። ንኣና ኣዝዩ ዜገድሰና ልሳናትን ኣዒንትን ናይ ሰባት ዜመሓላልፉልና መልእኽቲ ጥራሕ’ዩ። እተን ኣብ ዓይኒ ሰባት ብጽባቐ ዝደመቓ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ግን፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ኣዝየን ተፈንፊነን ኸም ዝነበራ ከቶ ኣይተሰቈረንን። ሰብኡት ኢየሩሳሌም ንሓዳር ወይ ንምንዝርና ይሓርይወን ከም ዘለዉ’ምበር፡ እግዚኣብሄር ንምንታይ ይሓርየንን ይምድበንን ከም ዘሎ ኣይፈለጣን። እቲ ጥፍኣተን ዘይደልይ ሕያዋይ ኣምላኽ ግን፡ ኪንስሓን ኣካይዳአን ኬሕውያን ስለ ዝደለየ በዚ ዜኽብሮ ባርያኡ ገይሩ ፍርዱ ኣፍለጠን። እቲ ዘይተለወጠን ዘይልወጥን ኣምላኽ፡ ሕጂ’ውን ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ገይሩ፡ እቲ ንሱ ዚደልዮን ዜኽብሮን ስልማት እንታይ ምዃኑ፡ ንእኡ እንተ ዘየኽበርና ድማ ፍርዱ እንታይ ከም ዚኸውን ብግብራዊ መገዲ ኣፍሊጡ’ዩ። 

እሞ ሕጂ እንታይ ክንገብር፡ እንታይ ክንከውን’ዩ ዚድለይ ዘሎ፧ እቲ ኽንኰኖን ክንገብሮን ዚግብኣና’ሞ፡ እንሆ ቓል እግዚኣብሄር ብንጹር ኣፍሊጡና ኣሎ። ብባህልን ኣካይዳን ናይ ዓለም ዘይኰነ፡ ብቓል እግዚኣብሄር ንመራሕ። ዕዳጋን ዘመን-ኣምጽኦ ቕድን ፋሽንን ኪመርሓና ብምፍቃድ፡ ርእስና ኣይነሕስር። መፍቶን ድራርን ናይ ስነ ጽባቐ ኢንዱስትሪታት ኣይንኹን። ዓለም፡ ብሰይጣን’ያ ’ትመሓደር። ጥበባ ድማ፡ ንፍትወት-ስጋ ምዕፋር’ዩ። ስለ’ዚ በብዕለቱን በብወቕቱን ሓድሽ ናይ ኣለባብሳ ቕዲ እናመሃዘት ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ክንኵብልልን ክንሽፍትን ትድርኸናን ትደፍኣናን ኣላ። እቶም ቅዲ ኽዳውንቲ ዚነድፉን (Fashion Designers)፡ እቶም ነቲ ዝተነድፈ ልብስን ስልማታትን ኣብ ሰብነቶም ዜወዓውዑ ውልቀ ሰባትን (Modelists)፡ ጕዳይ እንጀራኦምን ረብሓኦምን’ዮም ዚገብሩ ዘለው። እቶም ምስ ኣምላኽ ዝዀነ ጕዳይ ዘይብሎም ከሓድትን ዓለማውያንን እንተ ሰዓብዎም ምርጫኦም’ዩ፡ ንኣኣቶም ከኣ ይምልከት። እቶም "ብኣምላኽ ንኣምን፡ ንኣምላኽ ንፈርህን ንስዕብን ክርስትያን ኢና" ’ንብል ሰባት ግን፡ መራሕን መምርሕን ዝተዋህበና ሰባት ኢና። ብመስዋእትን ደምን ናይ ክርስቶስ፡ ስጋና መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተዋህበና ሰባት ኢና። ብፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ’ምበር፡ ብፍቓድ ስጋናን ብፍትወት ዓለምን ክንምራሕ ከቶ ኣይግባእን’ዩ። ንሕና ብቕድስቲ እምነትን ጥምቀትን ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ዝዀንና ህዝቢ ኢና (1ቈረ6፡19,20፣12፡27፣ ኤፌ5፡29,30)። ንስጋና ብቕድን ኣካይዳን ኣላብሳን ናይ ዓለም ከነነውር ከለና፡ ንሰብነት ክርስቶስ ነነውር ከም ዘለና ኽንዝንግዕ ኣይግባእን’ዩ። በዚ ነገር’ዚ "ኣንስተይቲ፡ ተባዕታይ" ኢልካ ኽትፈልየሉ ብዘይትኽእል መጠን፡ ናብ ከመይ ዝበለ ኣሰቃቒ ደረጃ ወዲቕና ኸም ዘለና፡ ግሁድን ኣሉታ ዘይውሃቦን ኰይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ብምውዕዋዕ ጥራሕ ዘይኰነ ብደረጃ ሕጊ፡ ዓይኑ ብዘፍጠጠ ኣስገዳድ ናብ ዝኸፍአ ጾታዊ ርኽሰት ገጽና ንኽብከብ ኣለና። እዚ ርኽሰት’ዚ የማነ ጸጋምና ንዘለዋ "ኣብያተ ክርስቲያን" ከይተረፈ ድሮ ውሒጥወን ኣሎ። ንኣና ነዞም ዓበይቲ’ኳ እንተ ዘየርከበና፡ ነቶም  ብዓለማዊ ኣገባብ ዘዕበናዮም ደቅና ኺውሕጦም ምዃኑን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኣባይትና ኣሳፊሑ ኽንርእዮ ምዃንናን ግን ኣይንዘንግዕ።

እምበኣር ናብ ኣምላኽ ንህደምን ንተዓቘብን። ስልማትና ቕድስና ይኹን። ናይ ስርቂ ጽባቐን ስልማትን ኣይንመነይን ኣይነዘውትርን። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ውሽጥና ስልማትን ጽባቐን ነፍርይ። ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ቅድስና፡ ንጽህና፡ ለውሃት፡ ህድኣት፡ ትሕትና፡ ብሓፈሻ ፍረ መንፈስ ንሰለም። ሽዑ ዋላ ኽሻ እንተ ተኸደንና’ኳ ኣይከነኽፍእን፡ ኣይክንከፍእን ድማ ኢና። ኣምላኽ ብመልክዑ ዝፈጠረና ኽቡራት ኢና’ሞ፡ ሰብ-ሰርሖ (man-made) መሲልና ርእስና ኣይነዋርድ። ቅድስና ኣምላኽ ለቢስና፡ ነፍስናን፡ ስጋናን ነኽብር!! ንኣምላኽ ኣብ’ዛ ርኽስቲ ዓለም ንቐድሶን ነኽብሮን!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

12 ጥቅምቲ 2025 | ጥቅምቲ 2, 2018 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.5)

ምስባክ

መዝ: ፻፳፯(፻፳፰)፡፪-፫ "ፍረ ፃማከ ተሴሰይ። ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።"

"ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ’ዮም።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቁረ 9፡1-12

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 21፡31-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 5 : 10 - 16

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div