"እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን’ዮም።" ይሁ 1፡19
እንሆ’ዚ ሰንበት’ዚ መበል 14 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓተ ክሊማ ሃገርና፡ ክረምቲ ዚውድኣሉን ዚወጻሉን ዕለት ስለ ዝዀነ፡ "ፀአተ ክረምት" (ምውጻእ ክረምቲ) ይብሃል። ቅዱሳን ሐዋርያት፡ ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ዚዝከሩሉ ዕለት’ውን’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "ትብሎ መርዓት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “መርዓት ንመርዓዊኣ "ወልድ ሓወይ! ከይደንጔኻ ናባይ ንዓ፡ ምስ ዝጸገየ መስቀል ጋዲ፡ ምስ ጴጥሮስ ዓዋዲ፡ ምስ ጳውሎስ መሳደዲ፡ ማርያም ንመስቀሉ ኢዳ ናብ እተእትዎ ኣይትደንጒ ቀልጢፍካ ንዓ" ትብሎ። ናይ ጋዲ መስቀሉ’ዩ ጸገዩ፡ ናይ ጋዲ መስቀሉ’ዩ ጸገዩ።
ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማይ ኣጽንዓ፡ ንሐዋርያት ድማ፡ ስልጣን ሃቦም፡ ንሕሙማት ኪፍውሱ ሥልጣን ሃቦም። ኣብ ዕለተ ሰንበት ብሰላም ኣዕረፉን ተሓጐሱን።” ማለት’ዩ። እዛ መርዓት’ዚኣ ቤተ ክርስትያን’ያ፡ እቲ መርዓዊ ኸኣ፡ ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ መርዓዊኣ ምስ’ቶም "ኣዕሩኸይ" ዝበሎም ኣዕኑድን ምርኡያትን ሃዋርያቱ ኺመጻ ብኽብርን ብፍቕርን ጸውዓቶ። እዚ ምጽዋዕ’ዚ ድማ፡ ንምጽኣት ጐይታና ዜመልክተና’ዩ። ኣብ "በአተ ክረምት (ምእታው ክረምቲ)" ኣብ ሰነ 25፡ ብመሠረት ማቴ24፡32,33 ምጽኣቱ ኸም ዝቐረበ ዜመልክት ትምህርትን ዕለትን ምዃኑ ኸም ዝጠቐስና ዚዝከር’ዩ። እዚ ምውዳእን ምዝዛምን ክረምቲ ድማ፡ ምጽኣት ተፈጺሙስ፡ ናብ’ቲ እኽልን ሓሰርን፡ ማለት ጻድቃንን ሓጥኣንን፡ ዚፈላለዩሉ ናይ ቀውዕን ዓውድን ናይ ፍርዲ ወቕቲ ኸም ዝበጻሕና ዜመልክተና’ዩ (ማቴ 3፡11 ፣ 12,13፡24-30,36-43,47-50 ፣ 25፡31,32)። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ጻድቃንን ሓጥኣንን ብሓባር’ዮም ዚነብሩ። ምጽኣቱ ምስ ተፈጸመ’ሞ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ምስ ቈምና ግን፡ እቶም ዓጻዶ መላእኽቲ ንሓጥኣንን ጻድቃንን ኪፈላልዩና፡ ነቶም ሓጥኣን ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ኺድርብይዎም፡ ነቶም ጻድቃን ግና፡ ብኣኽብሮት ናብ’ቲ ናይ ክብሪ ማሕደሮም፡ ናብ የማን ኣቦ ኼግዕዝዎም’ዮም። እቲ ናይ ይሁ1፡17-25 ንባብና፡ ካብ ውድቀት ሓልዩ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብሓጐስን ብዘይ ነውርን ኣብ ቅድሚ’ቲ መለኮታዊ ኽብሩ ደው ዜብለና ጐይታና ባዕሉ ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ ናይ ማር 2፡23-28 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ ናይ ሰዊት ወቕቲ ዚሰማማዕ ኰይኑ፡ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ እናሓለፉ ኸለዉ ደቀ መዝሙሩ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ ካብ’ቲ ሰዊት እናሓሰዩ ኸም ዝተመገቡ፡ እቲ ዕለት ሰንበት ስለ ዝነበረ ድማ፡ እቶም ኣይሁድ ከም ዝነቐፍዎም ዚትርኽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ይሁ 1፡7-25 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ኣብ ሰብኣዊ ባህርይ ግን፡ ምፍልላይ ንቡር ነገርዶ ኣይኰነን፧ ባህርያትና፡ ኣተሓሳስባና፡ ምርጫታትናን፡ ድልየታትና፡ ግዳሰታትናa ወዘተ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ምፍልላይና ስለምንታይ’ዩ ዘይቅቡል ዚኸውን፧ ይትረፍ ብዓይኒ መንፈስን ብዓይኒ ኣምላኽን ተራእዩ፡ በረኣእያ ናይ ሰብ ጥራሕ እንተ ረኣናዮ’ውን፡ ምፍልላይ ንቡር ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ዝተፈላለና ዓይነት ሰባት ኢና ማለት፡ ሕብረትን ሓድነትን ዘየድልየና ሰባት ኢና ማለት ኣይኰነን። ዝተፈላለና ዓይነት ገይሩ ዝፈጠረና፡ ብሓደ ሓቢርና ምሉኣት ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ’ዩ። ሰብ ብገዛእ ርእሱ ምሉእ ፍጥረት ስለ ዘይኰነ፡ ዝደለዮ ዅሉ ኪኸውንን ኪገብርን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ብዓቕሙ ነቲ ኪዀኖን ኪገብሮን ዚኽእል ኵሉ ምስ ገበረ፡ ነቲ ዝጐደሎን ኪገብሮ ዘይከኣለን ድማ፡ ካልእ ሰብ ይገብረሉን ይመልኣሉን። ከም’ዚ ዓይነት ምምልላእ ኪገብር እንተ ዘይክእል፡ ዘርኢ ሰብ ኣብ ገጽ ናይ’ዛ ምድሪ ህላውነቱ ኼውሕስ ኣይምኸኣለን። ዋላ ኺነብር እንተ ዚኽእል’ኳ፡ ናብራኡ ኻብ ናይ እንስሳ ዝኸፍአ‘ምበር፡ ዚሓይሽ ኣይምዀነን ነይሩ።
ፍልልያት ናይ ሓድነት መሰረት ምዃኖም፡ እግዚኣብሄር ገና ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ብኣዝዩ ንጹር መገዲ ኣርእዩና’ዩ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ናይ ጾታ፡ ናይ ቅርጺ ኣካላት፡ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ባህርይ፡ ናይ ዓቕሚ ምፍልላይ፡ ናይ ኪዳናዊ ሓድነት መሰረት’ዩ። ኣብ መንጎኦም ዘላ ነፍሲ ወከፍ ፍልልይ፡ ኣብ ሓድነቶም ዘለዋ ኣበርክቶ ብቓላት ጥራሕ ክትገልጾ’ኳ ዜጸግም’ዩ። ዋላ ኣብ መንጎ ተመሳሳሊ ጾታ ዘሎና ሰባት፡ ብዙሕ ካልእ ፍልልያት ኣሎና። ፍልልያትና ግን፡ ንሕብረትናን ሓድነትናን’ዮም ንቡርን ኣገዳስን ዚገብርዎ’ምበር፡ ንምፍልላያትና ኣይኰነን። ኣብ መንጎና ባህርያዊ ፍልልያት ስለ ዘሎ ጥራሕ፡ ናይ ግድን ክንፈላለይ ከም ዘለና ዚኣምን ኣተሓሳስባ፡ ሰይጣን ዘስረጸልና ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ’ምበር፡ ባህርያዊ ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ኣብ ኵሉ ናይ ሰብ ጕዳያት’ውን ኵሉ ጊዜን ኣብ ኵሉ ኵነታትን ቦታን ሓቂ’ዩ።
እግዚኣብሄር ናይ ሓድነት ኣገዳስነት ዝገለጸሉ መረዳእታኡ እንታይ ይመስል፧ እግዚኣብሄር ኣገዳስነት ናይ ሓድነት ንምግላጽ፡ ዘይተጠቕመሉ ኣብነት የለን። ገሊኡ ብተፈጥሮ ገይሩ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ’ዩ። ዜስተውዕል ኣእምሮ ንዝተዓደሎ ሰብ፡ ተፈጥሮ ብዛዕባ ሓድነት ዜመሓላልፈሉ መልእኽቲ ብዙሕን ሓያልን’ዩ። ከም’ቲ ንመጽሓፍ ኣንቢብካ ጥራሕ ክትርድኦ ’ትኽእል፡ ንተፈጥሮ’ውን ዜንብቦ ኣእምሮ የድልይ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ "እቲ ባህርይ (ተፈጥሮ) ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን’ዩ" ብምባል ገኒሑ ኣሎ (1ቈረ11፡14)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስ ገይሩ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ሓድነት ኪምህረና ምስ ደለየ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ፡ ብዛዕባ ሓድነት ናይ’ዚ ተፈጥራዊ ሰብነትና ምግላጽ’ዩ። ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎን መዓልታዊ እንግልገለሉን ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብቐሊሉ ኺርድኣና ዚኽእል ምሩጽ ትምህርታዊ ኣብነት’ዩ። ብኸም’ዚ ዚስዕብ ድማ ተገሊጹልና ኣሎ።
"ከም’ቲ ሰብነት ሓደ ኸሎስ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ እቲ ኣካላት ከኣ ብዙሕ ከሎ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ኸምኡ’ዩ። ከመይ ንሕና፡ ኣይሁድ ኰንና ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፡ ሓደ መንፈስ’ውን ሰተና። እቲ ሰብነት ከኣ ብብዙሕ’ምበር፡ ብሓደ ኣካል (ጥራሕ) ዝተሰርሐ ኣይኰነን። እግሪ፡ "ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ ናይ ሰብነት (ኣካል) ኣይኰንኩን" እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ሰብነት (ኣካል) ምዃኑ ይተርፎ’ዩ፧ እዝኒ ድማ፡ "ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ሰብነት (ኣካል) ኣይኰንኩን" እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ሰብነት (ኣካል) ምዃና ይተርፍ’ዩ፧ ብዘሎ’ቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ሰብነት ኵለንተናኡ ምስማዕ (ጥራሕ) እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት ኣብ’ቲ ሰብነት ሰርዖ። ኵሉ ሓደ (ዓይነት) ኣካል (ጥራሕ) እንተ ዚኸውን፡ ሰብነት (ኣይምሃለወን ነይሩ)። ሕጂ ግና እቲ ኣካላት’ኳ ብዙሕ እንተ ዀነ፡ እቲ ሰብነት ግና ሓደ’ዩ። ስለ’ዚ ዓይኒ ንኢድ፡ "ኣይደልየክን" ክትብላ ኣይትኽእልን’ያ። ርእሲ ድማ ነእጋር "ኣይደልየኩምን’የ" ኪብሎም ኣይክእልን’ዩ። እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት’ዮም ኣዝዮም ዜድልዩ። ነቲ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ሕሱር ኣካል ዚመስለና ኸኣ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፡ ንሕፍረትና’ውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። ነቲ ኽቡር ኣካላትና እዚ (ኽትገብረሉ) ኣየድልዮን’ዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ኺጻወር (ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ)’ምበር፡ ኣብ’ቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፡ ኵሉ’ቲ (ዝተረፈ) ኣካላት ምስኡ ይስቀይ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኵሉ’ቲ (ኻልእ) ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ። 1ቈረ12፡12-26 ካ.ት።
". . . ከም’ቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ኸኣ ብዙሓት ከለና፡ ኣብ ክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና። ከም’ቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ኣሎና . . . ።" ሮሜ 12፡4-6 ካ.ት
ኣብ’ዚ ለቢስናዮ ዘለና ሰብነት፡ ምፍልላይ ዚብሃል ፈጺሙ የልቦን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ እቲ ሓደ ኣካል ብምኽንያት ሕማም ካብ’ቲ ግቡእ ዕዮኡ ምስ ዚበኵር፡ እቶም መዓይይቱ ዝዀኑ ዝተረፉ ኣካላት፡ ነቲ ዕዮ ኬከሓሕሱን ጐደሎኡ መሊኦም ናብ ንቡር ኪመልስዎን’ዮም ዚክኣሎም ኵሉ ጻዕሪ ዚገብሩ። ኣብ ሰብነትና ዘሎ ናይ ኣካላት ምድግጋፍን ምምልላእን ምስ ዜቋርጽ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ሞት ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። ልክዕ ከምኡ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሓድነትናን ሕብረትናን ምፍልላይ ምስ ዚኽሰት፡ መንፈሳዊ ሞት ከም ዝሞትና ዓብይ መርትዖን መረጋገጽን’ዩ። ንኣና ነቶም ኣእምሮና ዝጸልመተ ደኣ’ዩ ኣብ ዝተፈላለየ ጒጅለታት ተኸፋፊልና ገና ብህይወት ዘለናን ጽቡቕ ዘለናን ዚመስለና’ምበር፡ እግዚኣብሄርሲ ከም ዝተበታተኸ ኣካላት ናይ ሓደ ሬሳ ገይሩ’ዩ ዚርእየና። ብዛዕባ ሓድነት ካብ’ዚ ትምህርታዊ ኣብነት’ዚ ዚበልጽ፡ ዝዀነ ኻልእ ኣብነት ኪህልወና ኣይክእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ።
ተፈጥሮ ብግብራዊ ኣርኣያኡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብቓሉን ብመንፈሱን እናመሃረና ኸሎ፡ ምፍልላይ ጥራሕ ዚብርሃናን ዚሰልጠናን ደኣ ስለምንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቑ ሰሪቱ ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርናን ዑረትን’ዩ። ከም’ቲ ቓሉ ደጋጊሙ ዚብለና፡ እናረኣና ዘይንርእይ ዕዉራት፡ እናሰማዕና ዘይንሰምዕ ጸማማት ምዃንና ጥራሕ’ዩ (ማቴ 13፡23፣ ህዝ 12፡2፣ ኤር 5፡21፣ ኢሳ 6፡9,10)። ምፍልላይ፡ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዝሳዕቤኑ መንፈሳዊ ሞት ምዃኑ እናተነግረካ፡ ንእኡ ጥራሕ ምምራጽን ምትጋህን፡ ካልእ መግለጽን መረዳእታን ኽትረኽበሉ ዚክኣል ኣይኰነን።
እቲ ኻልኣይ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ጠንቂ ድማ፡ ናይ’ቲ ናይ ምፍልላይ ሃዋርያን መሃዝን ዝዀነ ድያብሎስ ዘይሕለል ጻዕሪ’ዩ። ኣሽንኳይ ኣብ’ዛ ባዕሉ ኣበላሽዩ ባዕሉ ዚገዝኣ ዘሎ ውድቕቲ ዓለም፡ ኣብ ገነት፡ ኣብ’ታ ሓጥእን ሓጢኣትን ኪነብረላ ዘይክእል ገነት’ኳ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኪፈላልይ ዝኸኣለ፡ ናይ ምፍልላይ ወሓለ’ዩ፡ ኣብ ኣምላኽ’ኳ እንተ ዘይሰለጦ ኣብ ሰብ ስለ ዝሰለጦ፡ ብዘይ መስዋእቲ ዘይዕረቕ ምፍልላይ ፈጠረ። እዚ ምፍልላይ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ኣምላኽ ሰብ ኪኸውንን ኪመውትን ዝጠለበ። ምፍልላይ ካብ ንሰብ ዘኽፈሎ፡ ንኣምላኽ ዘኽፈሎ ዋጋ፡ ኪግመት ብዘይክእል ዕጽፍታት ዝኸበደ’ዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝተፈጥረ ምፍልላይ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ’ቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ውልቀ ሰባት ዚፍጠር ባእስን ምፍልላይን’ውን፡ ንኣምላኽ’ዩ ዝኸበደ ዋጋ ዜኽፍሎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ዓስቢ ናይ’ቲ ዝፈጸምናዮ ናይ ምፍልላይ ሓጢኣት፡ ብዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ’ንፍደዮ። በዛ ንሓድነትን ምፍልላይን ‘ትምልከት ኣርእስቲ፡ ‘ንፍቓድ ኣምላኽ ረጊጽና፡ ንፍቓድ ሰይጣን ከነገልግል ስለ ዝመረጽና፡ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ዚውሃበና ፍርዲ፡ ይውሕደና’ምበር ኣይበዝሓናን’ዩ። ምስ ኣምላኽ ተሓባቢርና ግብሪ ድያብሎስ ኣብ ክንዲ ነፍርስ፡ ብኣንጻሩ ምስ ድያብሎስ ተሓባቢርና ግብሪ ኣምላኽ ከነፍርስ ንመርጽ ኣለና። እዚ ኸኣ፡ "ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ" ኢልካ እናተኣመንካ እትገብሮ ምዃኑ፡ ነቲ ናይ’ቲ ተግባርካ ሰይጣናውነት ዜድምቖን ዜጕልሖን’ዩ።
ሳልሳይ ጠንቁ ድማ ብሻራ ዝተኣሳሰረ ናይ ርኹስ ረብሓ ዛዕባ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ (ሮሜ16፡17,18)። እቶም ናይ’ቲ ምፍልላይ ሃንደስትን ቀለስትን ዝዀኑ ሰባት፡ እንተ ብስልጣን እንተ ብገንዘብ እንተ ብኽብሪ ወዘተ፡ ንኣኣቶም ዜገድሶም ሕቡእ ረብሓ ኣሎ። እዚ ናይ ረብሓ ጕዳይ ግን፡ ዋላ ኻብ’ቶም ዚስዕብዎም ኰነ ዚጻረርዎም ሰባት ስዉር’ዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ነታ ቕዱይ ቅብኢ ኣብ እግሪ ጐይታ ኣፍሲሳ ብጸጕሪ ርእሳ ዝደረዘቶ ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ "እዚ ቕዱይ ቅብኢ’ዚ ን300 ድሪም ተሸይጡ ንድኻታት እንተ ዚውሃብ ምሓሸ" ኢሉ ኺነቅፍ ከሎ፡ ተሓዝ ገንዘብ ንሱ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ገንዘብ ናብ ኢዱ ስለ ዚኣትው፡ ንሱ’ውን ኣሕፍስ ኣቢሉ ናይ ምስራቕ ዕድል ከም ዘምለጦ እናተራእዮ ዝተዛረቦ ናይ ጥበራ ዘረባ’ምበር፡ ብዛዕባ ድኻታት ሓልዮት ኣቃጺልዎ ዝበሎ ኣይነበረን። እዛ ጥሙሕ’ዚኣ ኸኣ ብዘይካ ካብ’ቲ ልቢ ዚምርምር ጐይታ፡ ካብ ኵላቶም ደቀ መዝሙር ስውርቲ’ያ ዝነበረት። ጐይታና "ሓደ ካባኻትኩም ኬትሕዘኒ’ዩ" ምስ በለ፡ ኵላቶም "ኣነዶ ዀን እኸውን" ‘ምበር፡ ሓደ’ኳ "ይሁዳዶ ዀን ይኸውን" ዝበለ ኣይነበረን። ንጉስ ሰለሞን፡ "እቲ ንርእሱ ዚፍለይ ሰብ ትምኒቱ ይደልይ፡ ንዅሉ ጥበብ’ውን ይቃወሞ፡" ኸም ዝበለ፡ እዚ ዅሉ ቕልውላው ’ትፈጥር፡ እታ ናይ ረብሓ ትምኒት’ያ(ምሳ18፡1)።
ምፍልላይ፡ ክትዓግቶ ኽሳዕ ዘይክኣል ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዚዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ ምፍልላይ፡ ንጽል ሓጢኣት ኣይኰነን። ብዙሓት ብጾት ዘለዎ፡ ጕጅለ ወይ ስድራ ቤት ናይ ሓጢኣት’ዩ። ቅንኢ፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ስሰዐ፡ ንዕቀት፡ ትዕቢት፡ ሕሰም፡ ተንኰል፡ ጃህራ፡ ሕምየት፡ ሓሶት ጥልመት ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ከበድትን መረርትን ኣጋንንታውያን ዝዀኑ መዓይይቲ ባህርያት ኣለዉዎ። ንምፍልላይ ከም ዕላማ ህይወቱ ገይሩ ዝሓዞ ሰብ፡ "ስጋ ዝለበሰ ጋኔን" ክትብሎ’ዩ ዚቐልል። እቶም እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ዚስዕቡ ድማ፡ ኣብ ጽዑቕ ስልጠናን ልምምድን ዘለዉ ሕጹያት’ዮም። ሓደ ጉጅለ ዀይኖም ተፈልዮም ዓወቶም ጸንቢሎም ምስ ወድኡ፡ ሓደ ኻብኣቶም ነቲ ዝቐሰሞ ስልጠናን ተመክሮን ኣብ’ታ ንእሽቶ ጒጅለ ኺትግብሮ ይጅምር ማለት’ዩ። ምፍልላይ ኪፈትሑ ዚጋደሉ ሽማግለታት፡ ምስ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ጒጅለ ኣበሳታት ስለ ዚገጥሙ፡ መብዛሕትኦም ተሓሊሎም፡ ብዙሕ ቈሲሎም ከይሰለጦም’ዮም ዚተርፉ። ንምፍልላይ ኣዚና ኽንጽየፎ እንተ ዘይክኢልና፡ ናብ ልቡሰ-ስጋ ኣጋንንቲ’ዩ ዚልውጠና። ምፍልላይ፡ ናይ መንፈሳውነት መንሽሮ’ዩ። ንመንሽሮ-ስጋ (ካንሰር) መድሃኒት ከም ዘይብሉ፡ ካብ ናይ ምፍልላይ ሕማሞም ሓውዮም ናብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ዚምለሱ’ውን "የለውን" ምባል’ዩ ዚቐልል። ዋላ እንተ ተመልሱ’ውን ዕላመቱ ዘይጠፍእ መንፈሳዊ በሰላ ሓዲጉሎም’ዩ ዚኸይድ። ምናልባት ገሊኦም ንስሓ ረኺቦም እንተ ጠዓዩ’ኳ፡ ሕውየት ከይረኸቡ ካብ እምነቶምን ካብ ጐይታኦምን ተፈልዮም ዘለኣለማዊ መጻኢኦም ጸልሚቱ ዚተርፉ ብዙሓት’ዮም።
ናይ ምፍልላይ ሓቀኛ ትርጕምን መልእኽትንከ እንታይ’ዩ፧ መብዛሕትኡ ሰብ፡ ኣብ ናይ ምፍልላይ ኣበሳ ዚጥሕል፡ ናይ’ቲ ምርጫኡ ሓቀኛ ትርጕምን መልእኽትን እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈልጦ’ዩ። ልክዕ ከም’ዚ ደቂ ገዛውቲ ወይ መማህርቲ ዝዀኑ መንእሰያት ኪጻወቱን ኪዘናግዑን ኪደልዩ ኸለዉ፡ ናብ ክልተ ጒጅለ ተመቒሎም ኣንጻር ጋንታታት ኣቝሞም ሓመድ ዚጋበሩ፡ ንምፍልላይ ድማ ከም ሓደ ጸወታ ወሲዶም ጒጅለኦም ክትስዕር ብዅሉ ዓይነት ሓጢኣት ዚክኣሎም ኵሉ ይገብሩ። ምፍልላይ ማለት፡ ከም ኣገላልጻ ቅዱስ ጳውሎስ "ምቍርራጽ" ማለት’ዩ። ንሰብ ፊልጲ፡ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ኸም ዝበላ ብቐሊሉ ብዘይትርድኣካ መገዲ፦
"ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ።"
‘ትብል ኣዝያ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላለፈሎም (ፊል 3፡2)። እቶም ምፍልላይ ዚፈጥሩን ዜመሓደሩን ዓየይቲ፡ ብኣኽላባት’ዮም ዚምሰሉ። ኣኽላባትን ካልኦት ተባላዕቲa እንስሳታትን፡ መነባብሮኦም ነቲ ግዳዮም በቲ ምሕረት ዘይብሉ በላሕቲ ኣስናኖም እናቘራረጹን እናመንጨቱን ምብላዕ’ዩ። ንኻልእ ግዳይ ደኣ’ዮም ዚቘራርጹ’ምበር፡ ንገዛእ ሰብነቶም ግን ከምኡ ገይሮም ኣይቈራርጹን’ዮም። ብጻዮምን ሓዎምን ንዝዀነ እንስሳ ግን፡ ምስኡ ሓቢሮም ደኣ ንኻልእ ንጓና እንስሳ የጥቅዑ’ምበር፡ ንሓድሕዶም እናተሃዳደኑ ኣይባልዑን’ዮም። ከቢድ ጸገም ዚፍጠር ዘሎ፡ ኣብ’ቶም ክልተ ዝእግሮም ሰብ ዚመስሉ ኣኽላባት’ዩ። ካብ’ቶም ባህርያውያን ኣኽላባት ብዝተፈልየ ዘይንቡር መገዲ፡ ንገዛእ ኣሕዋቶምን ንገዛእ ሰብነቶምን ብዘይንሕስያ ዚቘራርጹ ኣጋንንታውያን ፍጥረት’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ካብ’ዞም ኣኽላባት’ዚኣቶም ተጠንቀቑ" ዚብለና ዘሎ። "ገዛእ ሰብነቶም ዚቘራርጹ" ዜብለና ዘሎ ምኽንያት፡ ቤተ ክርስትያን "ብብዙሓት ኣካላት ዝቘመት ሓንቲ ሰብነት" ምዃና’ዩ (1ቈረ 10፡15-17፣12፡12,13፣ሮሜ 2፡4,5)። እቲ "ሓደ ስጋ፡ ሓደ ሰብነት" ምዃንና ኸኣ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ናይ ክርስቶስ ሰብነት’ዩ። ክርስቶስ፡ እቲ ርእሲ’ዩ። ንሕና ቤተ ክርስትያን ከኣ፡ እቲ ዝተረፈ ሰብነቱ ኢና። ብክርስቶስ ኣሚኑ ዝተጠመቐን ብቕዱስ ቍርባን ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝተኻፈለን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበለን ኵሉ፡ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ክቱት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ "እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡" ተባሂሉልና ኣሎ (1ቈረ 6፡15)። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፦ "እምበኣር ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።" ብምባል ብኣጽንዖት ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ12፡17)። ኣስዒቡ’ውን፡ "ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ይከናኸና ኣሎ።" ኢሉ ኣብረሃልና(ኤፌ 5፡29,3)። ጐይታና እታ ሰብነቱ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ሓንትን ህያውን ሰብነት ኰይና ኽትነብረሉ ኢሉ ምእንታኣ ህይወቱ በጃ ሂቡ ብዘይምቍራጽ ከኣ እናተኸናኸነ የንብራ ኣሎ። እቶም ኣካል ናይ ሰብነት ክርስቶስ ናይ ምዃን ክብሪ ረኺቦም ኬብቅዑ፡ ኪፈላልይዋ ዚጋደሉ ዘለዉ ደኣ እንታይ ግብሩ’ዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ፧. ትንተና ብዘየድልዮ መገዲ ንክርስቶስ’ዮም ዚዋግእዎን ዚቘራርጽዎን ዘለዉ። እቲ ዘልዓልናዮን ‘ንጥቀመሉን ዘለና ኣርእስቲ ናይ ምፍልላይ ብዘየገድስ፡ ውግእና ምስ ክርስቶስ’ምበር ምስ’ቶም ‘ንተሃላለኾም ዘለና ሰባት ኣይኰነን። ዋላ ኣብ’ቶም መባእስትና ኺጽወር ዘይክእል ዚመስል ከቢድ ጸገም ይሃልው፡ ምቍርራጽን ምፍልላይን ብጐይታና ዀነ ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ ከም መፍትሒ ዀይኑ ቐሪቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ሰብ ቈረንቶስ "ኣነ ናይ ኣጵሎስ’የ፡ ኣነስ’ባ ናይ ጳውሎስ፡ ኣነ ግና ናይ ኬፋ’የ" ዚብል ናይ ቈልዑ ዚመስል ምፍልላይ ከም ዘለዎም ምስ ሰምዐ ዝሓተቶም ኣገዳሲት ሕቶ "ክርስቶስዶ ተመቒሉ’ዩ፧" ‘ትብል’ያ (1ቈረ 1፡13)። እምበኣር ክትመቓቐል፡ ክትፈላለይ፡ ክትቈራረጽ ኢልካ ርኹስ ገድሊ ኽትጋደል ከለኻ፡ ተግባርካ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ትፍጽሞ ኸም ዘየለኻ ምፍላጥ፡ ናብ ንስሓ ዚመርሕ፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ዚባልህን ዜንጽህን መንፈሳዊ ብልህነት’ዩ። ልክዕ ከም ጐይታኻን ከም ኣቦታትካ ሃዋርያትን ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ህይወትካ ኽሳዕ ምኽፋል ክትምጠጥን ክትጋደልን እናተገብኣካ፡ እልፊ ዘይጠቅም ምኽንያት እና’ልዓልካ ንክርስቶስን ንቤተ ክርስትያኑን ክትፈላልይ ምህላኽ፡ መሪር ሳዕቤን ዘለዎ ሰይጣናዊ ምርጫ’ዩ።
ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ንሓድነትን ምፍልላያትን ኣመልኪቶም ዘቕረቡልና ምሕጽንታን ዝሃቡና ምዕዶንከ እንታይ ይመስል፦ "ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ’ምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም እምዕደኩም ኣለኹ።" 1ቈረ1፡10
"ብትሕትና ብለውሃትን ብህድኣትን፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ (ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት) ብማእሰር ሰላም (ጠሚርኩም) ክትሕልውዎ ተጋደሉ።" ኤፌ4፡2,3
"ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ፡ ሓንቲ’ኳ "ንርእሰይ ይጥዓመኑ" ብምባል ወይ’ውን ውዳሰ ኸንቱ (ንምርካብ ኢልኩም) ኣይትግበሩ። ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ’ምበር፡ ንርእሱ ዜሕሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም’ውን ይሃሉኹም።" ፊል 2፡2-5
መሪሕ ጥቕስና’ውን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ምፍልላይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዝተፈልዮም ስጋውያን ሰባት ተግባር’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንሰብ ቈረንቶስ ምፍልላይ ናይ መንፈሳዊ ቝልዕነትን ናይ ስጋውነትን መርኣያ ምዃኑ ብምግላጽ ገኒሕዎም ኣሎ (1ቈረ3፡1-5)። እቲ ዘልዓልካዮ ነጥቢ ቕኑዕን ርትዓውን ስለ ዝዀነ ጥራሕ፡ ነቲ ናይ ምፍላይ ሃቐናኻ ቅኑዕን ቅቡልን ኣይገብሮን’ዩ። ምኽንያቱ ብቕኑዕ ሓሳብ ተበጊስካስ ናብ እኩይ መደምደምታ ዝበጻሕካ፡ ውህደት (integrity) ናይ ኣተሓሳስባን መንነትን ዝጐደሎ ስግንጢር ሰብ ትኸውን ኣለኻ። ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ሓድነት ዚዓብይ ዝዀነ ኻልእ ኣርእስቲ ኺህልው ኣይክእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ።
ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዚርኣይ ዘሎ ምፍልላይን ሻራን፡ ካብ’ቲ ዓለማዊ ምፍልላያት ዝኸበደን ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሕዝንን ኰይኑ የነውረና’ሎ። ዋላ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካ’ውን ጕዳያት’ውን እንተ ዀነ፡ ዚኽሰት ዘሎ ምፍልላያት በቶም ዚዕዘቡና ህዝብታት፡ ብደረጃ ህዝቢ ሓሚምናን ዓቢድናን ከይንኸውን ናብ ዜሰክፎም ደረጃ ይዓርግ ኣሎ። ይትረፍ ክርስትያን ምዃን፡ ሰብ ካብ ምዃን’ውን እናሓደርና ንጐድል ኣለና። እምበኣር እቶም ነዚ ጽሑፍ’ዝን ነዚ ስብከት’ዝን ንከታተል ዘለና ዅላትና፡ ቅድሚ ዅሉ ኻብ’ዚ ሰራም መንሽሮ’ዚ ሓራ ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ዋላ’ኳ ንሕና ባዕላትና ኣሳወርቲ ናይ’ቲ ሓዊ እንተ ዘይኰንና፡ ካብ’ቶም ኣብ ከባቢኡ ዓሲሎም ባህ ኢልዎም ዚስሕኑ ዘይምዃንና ኸነረጋግጽ’ውን መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ብዛዕባ ምፍልላይ ከም’ቲ ኣምላኽ ዚጕህዮ ዘሎ ንጕህይ ምህላውና፡ ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስትያንን ሰባትን ድማ ልዑል ቅንኣት (Zeal) ይስምዓና ምህላዉ ነረጋግጽ። ሰላም ዜስፍኑ፡ ሓድነት ዜጽንዑ ንኣምላኽ መዓይይቱ ዄንና ንንበር። ንሕውየት ቤተ ክርስትያንን ንሕውየት ግዳያትን፡ ብጸሎትና ዀነ ብዅለንተናዊ ዓቕምና፡ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ንጋደል!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
5 ጥቅምቲ 2025 | መስከረም 25, 2018 ግዕዝ (4ይ ሰንበት: ቊ.4) |
||
|
ምስባክ መዝ:138(139)፡17,18 "ወበኀቤየሰ ፈድፋደ ክቡራን አዕርክቲከ እግዚኦ። ወፈድፋደ ፀንዑ እምቀደምቶሙ። እኌልቆሙ እምኆፃ ይበዝኁ።" "ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር’ዩ፡ ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ’ዩ። እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፡ እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ’የ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ገላ 2፡11-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| ይሁ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 14፡8-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማር 2፡23-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘሐዋርያት | መዝሙር፦ ትብሎ መርዓት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ