". . . ነታ ኣምላኽ ዚመጻላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እና’ቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ህይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክትነብሩ’ዩ ዚግብኣኩም።. . . ስለ’ዚ ድማ ኣቱም ፍቁራተይ፡ [ንምጽኣቱ] እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ መንቅብን ብዘይ ነውርን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኴንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።" 2ጴጥ3፡11,12,14 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም ሓምሻይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ደብረ ዘይት" ይብሃል። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ንኡስ ዘመናት’ዮም ዘለዉና። እቲ ቐዳማይ ኣብ ዘመነ ነብያት ካብ ታሕሳስ 4 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ንኡስ ዘመን ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ እዚ ዘለናዮ ሓምሻይ ሰንበትን ንኡስ ዘመንን’ዩ።
ደብረ ዘይት (ከረን-ዘይቲ) ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብን ካብ ኢየሩሳሌም ብ75 ሜትሮ ዚብርኽን ከረን’ዩ። እቲ "ደብረ ዘይት" ዚብል ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከብዎ ኸረን ስለ ዝነበረ’ዩ። ፍረ ናይ ኣውልዕ ከኣ፡ እቲ ዝበለጸ ዘይቲ ስለ ዚህብ፡ እቲ ኸረን "ደብረ ዘይት (ከረን ዘይቲ)" ተባህለ። ጐይታና ኻብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ድሕሪ ምውዓሉ፡ ብለይቲ ግን ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 21፡37)። ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ብዓብይ ክብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ ድማ፡ ካብ ደብረ ዘይት ተበጊሱ’ዩ (ማቴ 21፡1)። ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን፡ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኣብ ዚርከብ ጌተሰማነ እናጸለየ ኸሎ’ዩ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 26፡30-36)። ኪዓርግ ከሎ’ውን ካብ ደብረ ዘይት ናብ ሰማይ ዓረገ (ግብ 1፡12፣ሉቃ 24፡51,52)። ብመሰረት’ቲ ኣብ ዘካ 14፡4 ዘሎ ትንቢት ድማ፡ ብምጽኣቱ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ደብረ ዘይት ከም ዚቐውም ይእመን።
ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ብስፍሓት ዘስተምሃረ ኣብ’ዚ ደብረ ዘይት ዀይኑ’ዩ። ነዚ ብዛዕባ ምስጢረ ምጽኣት ክትምህረሉ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ዝመረጸቶ ንኡስ ዘመን፡ "ደብረ ዘይት" ኢላ ዝሰመየትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ፡ "ዘመነ ምጽኣት" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። እቲ ቐዳማይ በቲ ቦታ ኺጽዋዕ ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ በቲ ኣርእስቲ ናይ’ቲ ትምህርቲ ተጸዊዑ ማለት’ዩ። ኵሉ ናይ ክርስትና ትምህርቲ፡ ነቲ ናይ ጐይታና ምጽኣት ብቑዓት ንምግባርና ዝዓለመ’ዩ። ምኽንያቱ ዘለኣለማዊ መጻኢና፡ በቲ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ዚውሃበና ፍርዲ’ዩ ዚውሰን። እቲ ፍርዲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለና ዝገበርናዮ ግብሪ፡ ዝተዛረብናዮ ቓላት፡ ዝነበረና ዓይነት ናብራን ዝምድናታትን ዚምርኰስ’ዩ (ማቴ 16፡27፣1ቈረ 3፡12-15፣2ቈረ 5፡10፣ራእ 22፡12፣2ዜና 6፡23፣እዮ 34፡11፣መዝ 62፡12፣ኤር 17፡10፣32፡19፣ህዝ 18፡20)። ምጽኣት፡ እቲ ዝዓበየ ተስፋ ናይ ክርስትያን’ዩ። ምኽንያቱ ሳላ እምነቱን ኣካይዳኡን ንምጽኣት ንረብሓኡ ኺጥቀመሉ ዜኽእሎ ልቦና ረኺቡ’ዩ። ብምጽኣት ተስፋ ዘይገብር፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ክርስትያን ኣዝዩ ዜደንግጽ ክርስትያን’ዩ (1ቈረ 15፡19)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ናይ ጐይታና ባዕሉ ዀነ፡ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ትምህርትን ኣገልግሎትን ናብ ምጽኣት ዜትኵር ዝነበረ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን ኣብ’ቲ ክርስቶስ ባዕሉ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሓዋርያትን ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ ከም ምዃና መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ብተደጋጋሚ ምስጢረ ምጽኣት እተስተምህረሉ ንኡሳን ዘመናት ሰሪዓትልና ትርከብ። ብዛዕባ ምጽኣት ብስፍሓት ዜስተምህር መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን’ዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ሙታን፡ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና’ዩ ዚፍጸም። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝደረሶ መዝሙር ድማ፡ "እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “ጐይታና ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ፡ ንደቀ መዝሙሩ፡ ‘ብዙሓት ብስመይ “ኣነ ክርስቶስ’የ” እናበሉ ኪመጹ’ዮም’ሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ፡ ተዳሊኹም ጽንሑ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድኅን’ዩ። ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ንወዲ ሰብ፡ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኪናወጽ’ዩ። ሽዑ ዅሎም ሓጢኣተኛታት ናይ’ዛ ምድሪ ኺበኽዩ’ዮም’ በሎም። ጐይታ ብትእዛዙን ብቓሉን ብኣእላፍ መላእኽትን ካብ እግዚኣብሔር ብዚኸውን ምንፋሕ መለኸትን ኪወርድ’ዩ። ጐይታ ሰንበትን ፈጣር ህይወትን’ዩ’ሞ፡ ኣቦ ኣብ’ታ ሰዓት’ቲኣ ካብ ሞት ሓጢኣት ይምሓረና።
ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስ ተቐመጠ፡ ኵሎም ደቀ መዝሙሩ ናብኡ ቐረቡ። ብዕለተ ሰንበት ድማ፡ "ሰላም ንኣኻትኩም፡ ተዳሊኹም ንበሩ" በሎም።” ማለት’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ’ውን ምጽኣት-ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ 2ጴጥ3፡1-18 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ንትጽቢትከ ጽቡቕን ሕማቕን ኣለዎ ድዩ፧ ብመሰረቱኸ እንታይ ትጽቢት ’ንገብረሉ ጒዳይዶ ኣሎና’ዩ፧ እዛ ንነብረላ ዘለና ግዝፍቲ ዓለም ጊዝያዊትን መጻንሒትን’ምበር፡ ነባሪት ኣይኰነትን። ንሕና’ውን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸም ሓለፍቲ መገዲ ከም ኣጋይሽን ስድደተኛታትን’ምበር፡ ንሳ ኽሳዕ ዘላ ናይ ምጽናሕ ዕድል’ኳ ዘይብልና፡ ሰብ ሓጺር ዕድመ ኢና። እቲ ቐንዲ ሃገርናን ዓለምናን፡ ካልእ’ዩ። ንሓጥኣን ኰነ ንጻድቃን፡ ነናትና ዓለም ተዳልዩልና ኣሎ። ስለ’ዚ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ’ነሕልፎ ህይወት፡ ናይ ትጽቢት ህይወትን ናብራን’ዩ። ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣጥፊኡ፡ ንምዉታት ኣተንሲኡ፡ ንህሉዋት ከካብ ዘለውዎ ኣኻኺቡ፡ ንትጽቢትና መወዳእታ ዚገብረሉ ድማ፡ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ ብዓብዩን ብመሰረቱን፡ ትጽቢትና ኢየሱስ’ምበር ካልእ ኣይኰነን። እቲ ዝዓበየ ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ንኢየሱስ ምጽባይ ጥራሕ’ዩ። ዝዀነ ኻልእ ተግባርን ተልእኾን የብልናን። ይሕመቕ ይጸብቕ፡ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ’ንገብሮ ዅሉ ግብርታት፡ ነዛ ዓባይ ትጽቢትና ንኸነጸብቓ ወይ ንኽንጽይቓ እንገብሮ’ዩ። ብሓጢኣት እናተቘማጣዕና ኽንነብር እንተ መሪጽና፡ ነዛ ትጽቢትና ኽንጽይቓን ከነጸልምታን ተዓጢቕና’ለና ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ሓጢኣት ተጸዪፍና ብጽድቂ ኽንነብር እንተ መሪጽና ድማ፡ ነታ ትጽቢትና ኸነጸብቓን ከነድምቓን ዝመረጽና ለባማትን ብልህታትን ሰባት ኴንና ኣለና ማለት’ዩ። ይትረፍ ክርስትያን ምዃንና ዘይምዃንና፡ ዋላ ሰብ ምዃንና ዘይምዃንና’ውን፡ ብትጽቢትና’ዩ ዚውሰን። ንእንስሳ ዋላ ሓንቲ ትጽቢት የብሉን። ምግቡ ማእሪሩ ደኒኑ ዚበልዓን ዚሰትያን እንተ ረኺቡ፡ ካብ ተባላዒ ኣራዊት እንተ ድሒኑ፡ ፍትወቱ ዜተንፍሰሉ ጊዝያዊ መጻምድቲ እንተ ረኺቡ፡ በቃ ኻብ’ዚ ዚሓልፍ ካልእ ጾርን ሓልዮትን ፈጺሙ የብሉን። ናይ መብዛሕትኡ ኣብ ገጽ’ዛ ምድሪ ዚነብር "ሰብ" ናብራ፡ ካብ’ዚ ናይ እንስሳታት ዚፍለየሉ ዋላ ሓንቲ ነጥቢ የብሉን። ዝሓሸ ኺምሃርን ኪምዕብልን ኪምህዝን ኪሰርሕን ዚኽእል ኣእምሮ ስለ ዝተዋህበና፡ እንስሳታት ኪገብርዎ ዘይክእሉ ምድራዊ ጥበባት ኣማዕቢልና፡ ክዳውንቲ ኽንለብስ፡ ኣሳእን ክንወድይ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ምሂዝና ክንግልገል ኣኽኢሉና ይኸውን። እንተ ዀነ እዚ ምድራዊ ብልጫታት’ዚ ይትረፍ ካብ ትጽቢት፡ ካብ እምነት’ውን እና’ርሓቐና፡ ነቲ እንስሳ ምዃን ሓሊፍናዮስ፡ ኣጋንንቲ ናብ ምምሳል ይኽብክበና ኣሎ። እቲ ንኣምላኽ ዚጸምእን ዚናፍቕን ናይ ውሽጢ ሰብና ባህርይ እናሃሰሰ ኸይዱ፡ ብዝኸፍአ ደረጃ ምድራውያን እናዀንና፡ ብዘይካ’ዛ ሓላፊት ዓለም ካልእ ተስፋን ትጽቢትን ዘይብልና ዄንና ንበላሸውን ዘለኣለማዊ መጻኢና ነጸልምትን ኣለና። ነቲ ዝዓበየ ናይ ትጽቢት ጒዳይና ደርቢና፡ ብሓላፍን ዘይረብሕን ጒዳያት ክንውሓጥ፡ ንሰብኣዊ መንነትና ዘይምጥን ናይ ውርደት ምርጫ’ዩ።
ነዚ ምድራዊ ናይ ትጽቢት ናብራና ብኸመይ ኢና ኸነጸብቖ ንኽእል፧ ንርእሱ እቲ ትጽቢትና ኣብ ናብራና ንዘለዎ ግደኸ ብኸመይ ኢና ኸነስተውዕሎ ’ንኽእል፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ብንጹር መሊሱልና ኣሎ። ጽቡቕ ጌርና ኣቕሊብናሉ እንተ’ሊና፡ መሪሕ ጥቕስና ናይ’ቲ ’ንጽበዮ ዘለና ኢየሱስ ኣምላኽነት ዜረጋግጽ ጥቕሲ’ዩ። ኢየሱስ መቸም፡ ንጸበዮ ኣይንጸበዮ፡ ኸይመጸ ኣይኪተርፍን’ዩ። እቲ "መልእኽቲ ናብ እብራውያን" ዝጸሓፈ ቕዱስ ጳውሎስ ጐይታ ነቶም ዚጽበይዎ ዅሎም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣን ካብ ሞትን ኬድሕኖም ከም ዚመጽእ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
"ከም’ቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡ’ውን ፍርዲ ዝተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፡ ንምድሓን ናይ’ቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ... ኺግለጽ’ዩ።" እብ9፡27,28
ኢየሱስ ብመለኸት ሊቀ መላእኽትን በእላፋት መላእኽትን ተዓጂቡ ብዜርዕድ ክብሪ ዚመጽእ ነቶም ዚጽበይዎ ንኼድሕን ካብ ኰነ፡ ንእኡ ምጽባይ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ ልዑል ክብሪ ኸም ዘለዎ ዜመልክተና’ዩ። "ምእንቲ’ቶም ዚጽበይዎ’ዩ ዚመጽእ" ማለት ግን፡ "ነቶም ዘይጽበይዎ ረሲዕዎም’ዩ" ማለት ኣይኰነን። ንሳቶም’ኳ እንተ ዘይተጸበዩ፡ ንኣኣቶም ኪውሕጥ ኣፉ ኸፊቱ ዚጽበዮም ዘለኣለማዊ ማሕደር ግን ኣሎ። በእምሮኦም ብልቦም’ዮም ዘይተጸበይዎ’ምበር፡ በቲ ግብራዊ ኣካይዳኦም ግን ድሮ መሪጾምዎን ተጸብዮምዎን’ዮም። ፍሉይነት ናይ’ቶም እሙናት ተጸበይቲ ክርስቶስ ግን፡ በእምሮን ብግብርን ዚጽበዩ ምዃኖም’ዩ። ንትጽቢትና ኸነጸብቖ ዜኽእለና፡ ነቲ ጐይታና ምስ መጸ ዚገብሮ ምስ ’ንፈልጥን ንእኡ እናዘከርናን ብእኡ እናተመራሕናን ምስ ‘ንነብር’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ደጋጊሞም ከም ዝነገሩና፡ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩን ከከም መገዱን’ዩ ኺፍረድ (ማቴ16፡27 ፣ ራእ20፡12 ፣ 22,12)። እዚ ሓቂ’ዚ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ ዝተረጋገጸ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ዘይውዳእ መርትዖታት ዘለዎ መለኮታዊ ፍትሒ’ዩ። ብእልፊ እኩይ ግብሪ ዝተበላሸወ ህይወት ሒዝካ፡ ነቲ ፍትሓውን ጻድቕን ፈራዲ ምጽባይ፡ ካብ በሃም እንስሳ’ኳ ዘይትጽበዮ ነውራም ዕሽነት’ዩ።
ነቲ ፈቲናን ደጋጊምናን ዝገበርናዮ ግብርታትና ንሕና ባዕላትና "ንርስዖ" እንተ ዀንና’ኳ፡ ንሱ ግን ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኪርስዓልና ኽንጽበዮ ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ዝገበርናዮ ንሱ ንኺፈልጦ፡ ክንገብሮ ኸለና ኺርእየና ወይ ክንዛረቦ ኸለና ኺሰምዓና፡ ሰብን እዝግን ኣብ ዚርእይዎ ኣብ ቃልዕ ኣደባባይ ክንገብሮ ናይ ግድን ኣይኰነን። ንሕና ንግብርታትና ምስ ገበርናዮ ጥራሕ ኢና ’ንፈልጦ። ንሱ ግን ምስ ገበርናዮ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ’ዩ ዚፈልጦ። ስለ’ዚ ነዚ መለኮታዊ ባህርይ’ዚ መዓልትን ለይትን እንተ ዘከርናዮ ጥራሕ ኢና ነቲ ትጽቢታዊ ናብራናን ግብርናን ከነጸብቖ ’ንኽእል። ኣብ ዕጹው ገዛን ኣብ ክዉል ቦታን ከለና፡ ኣብ ጸልማት ከለና፡ ምስ ሰብ ኴንና ዀነ በይንና ኸለና፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘለና እናሓሰብና፡ ንእኡ ነቲ በዒንቲ ስጋ ዘይርኣይ ኣምላኽ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይኒ-ሕልናና ኣቐሚጥና ኽንነብር’ዩ ዚግብኣና (መዝ16፡8 ፣54፡3,86፡14)። ነዛ መንፈሳዊት ጥበብ’ዚኣ እንተ ዘይፈሊጥናያን እንተ ዘይመሊኽናያን ግን፡ ንትጽቢትና ዀነ ንመጻኢና ብዝኸፍአ መገዲ ኸነጸልምቶ’ምበር፡ ከነጸብቖ ኣይክኣለናን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጽኒዕካ ምሓዝ፡ ነቲ ዕለታዊ ናብራና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብመሰረቱ ነቲ ውሽጣዊ ሕልናና’ዩ ዚፍውሶ። እዚ ምፍዋስ’ዚ ኸኣ፡ ከም’ቲ መሪሕ ጥቕስና ኣዚዙና ዘሎ፡ ብቕድስናን ብፍርሃት ኣምላኽን ተመሪሕና መንቅብን ነውርን ዘይብሉ ህይወት ክንነብር ዜኽእለና’ዩ። ናይ ስጋ ነገር ኰይኑ ብሓጢኣት እንተ ተዓንቀፍና ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ድኻምና ፈሊጡ ዝሰርዓልና ዜንጽህን ዜጽድቕን ዜድሕንን ናይ ንስሓ ምስጢር ተጠቒምና፡ ናብ’ታ ቕድስናና ኽንምለስ ንኽእል ኢና። ኵሉ’ቲ "ኣይትግበር" ዚብል፡ ገዛእ ርእስና ኻብ ክፉእ ክንገትእን ክንሕልውን ዝተዋህበና ትእዛዛት፡ ከምኡ’ውን እቲ ሰናይና ኼዕዝዝን ንኣምላኽ ኬምስለናን ዝተዋህበና "ግበር" ዚብል ትእዛዛት፡ ኣጸባብያና ኸነጸብቕ ዚሕግዙና ንድሕነትና ዝተሰርዑ ናይ ምሕረት ትእዛዛት’ዮም። ብዓቕሚ ስጋና ኽንገብሮም ከም ዘይንኽእል ፈሊጡ ግን፡ እቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ንእኡ ኽንፍጽም ዜኽእለና ስፍሪ ዘይብሉ ጸጋ ኣውሒዙልና’ዩ። ስለ’ዚ ኣጸባብያና ኸነጸብቕ ዜኽእለና ንጹር መምርሕን ዜኽእል ሓይልን ተዋሂቡና ስለ ዘሎ፡ ከነመሳምሰሉ ዀነ ኸነመኽንየሉ ’ንኽእል ዝዀነ ይኹን ጕድለት የልቦን። እታ ጒዳይ ናይ ምርጫን ጽቡቕ ፍቓድን ጒዳይ ኰይና ጥራሕ’ያ ትተርፍ ማለት’ዩ። ኣምላኽ ዘመን ትጽቢት ዝሰርዓልና ምኽንያት፡ ግብርናን ኣካይዳናን ከነጸብቕ ንኺገብረና ንረብሓና ኢሉ’ምበር፡ ሰንፈላል ኪገብረናን ብትጽቢት ኬሐልለናን ኢሉ ኣይኰነን። መንፈሳዊ ብስለትና ዚግሃድ ድማ፡ በቲ ኣምላኽ ንረብሓና ኢሉ ዝሰርዓልና ትጽቢት፡ ብዝለዓለ ደረጃ ኽንረብሓሉ ምስ ’ንኽእል ጥራሕ’ዩ። እቲ ገና ኻብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዘይተናገፈ ሰብ ግና፡ በቲ ንረብሓኡ ኢሉ ዝተዋህቦ ዕድል፡ ናብ ገሃነም ክሳዕ ምውራድ ኪጒድኣሉ ይነብር ማለት’ዩ።
ንትጽቢትና ኽንርስዖን ከነበላሽዎን ዚድርኸና ፈተናታት ኣሎዶ፧ ብኸመይ ኢናኸ ከነለልዮን ክንስዕሮን ’ንኽእል፧ ሰይጣን ኣብ ዚገዝኣ እክይቲ ናይ ሓጢኣት ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣብ ዘየቋርጽ ፈተና ኸም ’ንነብር ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ "ዕድመና ምሉእ ኣብ ልዕሊ መፈንጠራን መጻወድያን ኢና ንመላለስ ዘለና" ምባል፡ ነቲ ኽውንነት ብዝነጸረ መገዲ ዚገልጾ’ዩ። ከም’ቲ ብዛዕባ ጐይታና፡ "ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድአ፡ ንጊዜኡ ሓደጎ።" ዚብል ቃል ተጻሒፉልና ዘሎ (ሉቃ4፡13)፡ ንሕና’ውን ናብ’ዚ ኣርኣያ’ዚ ገጽና ኽንዓብይ’ዩ ዚግብኣና። ዘዋደዶ ዅሉ መጻወድያ መኺኑን ማይ ዓሚኹን ከም ዚተርፍ እንተ ጌርናዮ፡ እቲ "ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቀደም መደቦም" ዚብል ቃል ኣባና ይፍጸም ኣሎ ማለት’ዩ (ሮሜ 8፡29)። ዘዝተጻወደ ዅሉ መፈንጠራ እናተዓወተ የዋርደናን የበላሽወናን እንተ’ልዩ ግን፡ ትርጕምን ጻማን ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ መሪር ሳዕቤን ዘለዎ ዀይኑ ትጽቢትና ይበላሸው ኣሎ ማለት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ሰይጣን ከይብለጸልናስ፡ ንውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና" ኸም ዝበለ፡ ጐይታ ኻባና ዚጽበዮ መንፈሳዊ ብስለትን ብቕዓትን ነዚ’ዩ ዚመስል (2ቈረ2፡10,11)። ለባማት ኣቦታትና፡ "ኣማጽኣ ሰይጣን ዘይፈልጥሲ ኣይመንኵስ" ከም ዚብሉ፡ ኵሉ ጊዜ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ኴንና ኽንነብር’ዩ ዚግብኣና። ጐይታና እቲ ዝኸበደ ናይ መስቀል ፈተና ይጽበዮ እናሃለዎ’ኳ፦
"ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ (ዝዀነ ድያብሎስ) ይመጽእ ኣሎ’ሞ፡ ኣባይ ሓንቲ (ስልጣን) የብሉን። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን ከም’ታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ’ውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ ከም’ዚ ይኸውን ኣሎ።. . ." ብምባል ዓብይ ኣርኣያ ሓዲጉልና ኣሎ (ዮሃ14፡30,31)። ሰይጣን ኣብ ልዕሊኡ ዝዀነ ዓይነት ስልጣን ኪህልዎ ዘይከኣለ፡ ብፍቕሪ ኣቦኡ ተደሪኹ ነቲ ኣቦኡ ዝኣዘዞ ዅሉ ይገብር ስለ ዝነበረ’ዩ። ዝተኣዘዞ ገዲፉ ዘይተኣዘዞ እንተ ዚገብር ግን፡ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፡ ንሰይጣን ዕድል ምሃቦ’ሞ፡ ንሱ ኸኣ ብዝኸፍአ መበላሸዎ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ተባሪሮም ናብራኦም ዝተበላሸወ፡ ሓጢኣት ብምፍጻም ንፈተና ሰይጣን ኢዶም ስለ ዝሃቡ’ዩ። እሙናትን ጥዑያትን ተጸበይቲ፡ ሰይጣን ብኸመይ ካብ ትጽቢት ከም ዜብኵሮም ዚፈልጡ ብልህታት’ዮም። ሰብ ብሓጢኣት ዚንውር፡ ብዘይካ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኻልእ ትጽቢት ምስ ዘይህልዎ’ዩ። ነቲ ሰማያዊ ኣምላኽን ነቲ ተዳልዩሉ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዓለምን ህይወትን ዜማዕድው ሰብ ግን፡ ሓጢኣት ካብ’ቲ ተስፋኡ ኸም ዚፈልዮ ስለ ዚፈልጥ፡ ብዘይጠቅም ከንቱ ምኽንያታት ብሓጢኣት ኣይንውርን’ዩ። ምሕጣእ ማለት፡ ምስ’ቲ ጻድቕ ኣምላኽ ምውጋእ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ተጸባዪ ሰብ ኪሓጥእ እንተ መሪጹን እንተ ፈቒዱን፡ ነቲ ትጽቢቱ ከንቱ ይገብሮ ኸም ዘሎ ኼስተውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ በቲ ሓጥእ ተግባሩ፡ ናይ ምርጫ ለውጢ ኸም ዝገበረ ግብራዊ መልእኽቲ የመሓላልፍ ኣሎ። እቶም ኣብ ማቴ7፡21-23 ጐይታና ጠቒስዎም ዘሎ ተጸበይቲ፡ ዓበይቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበታት ዝተዓደሎም፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ’ዮም። ንጐይታና ብርግጽ ይጽበይዎ ምንባሮም’ውን ርዱእ’ዩ።
ጐይታ ግን፦ "ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን (ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ)’ሞ፡ ካባይ ርሓቑ።" ኢሉ መለሰሎም (ሉቃ14፡25-27)። ካብ’ዚ መልሲ’ዚ፡ ንትጽቢቶም ዘበላሸወሎም፡ እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ "ግብሪ ዓመጻ" ምዃኑ ንጹር’ዩ። እቶም ተጸበይቲ ነቲ ብስም ኢየሱስን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ዚፍጸም ዝነበረ ዓበይቲ ተኣምራትን ነቲ ተዓዛቢ ህዝቢ ዜርእዮም ዝነበረ ኣድንቖትን’ምበር፡ ነቲ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ግብሪ ዓመጻ ፈጺሞም ኣየስተውዓሉሉን። ንሳቶም’ኳ ፈትዮም እንተ ረስዕዎ፡ እቲ ብዓመጻኦም ነቲ ቕዱስ ተኣምራቱ ዘነወሩሉ ጐይታ ግን ኪርስዖ ኣይኰነሉን’ዩ። ነቲ መግለጽ ጽድቁን ከኣልነቱን ኪኸውን ዝሃቦም ውህበታት ጸጋ፡ ንሳቶም ግን መጐልበብ ክፍኣቶም ብምግባር፡ ንክርስቶስ ናይ ዓመጻ ኣገልጋሊ ኣምሲሎምዎ ነበሩ። ብኸም’ዚ ኸኣ ንኣገልግሎቶም ኰነ ንትጽቢቶም፡ ከም ዘይሓውይ ገይሮም ኣበላሽውዎ። ነቲ ግብሪ ዓመጻ ኼዘውትሩ ዜፈንጥሮም ፈተናታት ዲያብሎስ ፈጺሞም ኣየለለይዎን። እቲ ዜዘውትርዎ ዓይነት ዓመጻ፡ ብኸመይ ከም ዘታለሎም ኣይተገልጸልናን። ግን ድማ ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ብግህዶ ተነጊሩና’ዩ። ንኣብነት ንሃዋርያ ይሁዳ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። ወንጌል ዚሰብኽን ከም ኵላቶም ብጾቱ ብስም ክርስቶስ ተኣምራት ዚፍጽምን ሃዋርያ ነበረ። እንተ ዀነ፡ ድያብሎስ ናብ ልቡ ፍቕሪ ገንዘብን ስሰዐን ስለ ዘስረጸሉ፡ ካብ’ቲ ተዀልኲልዎ ዚኸይድ ዝነበረ ማሕፉዳ፡ ገንዘብ ኪሰርቕ ጀመረ። ነዚ ሰራም ኣበሳ’ዚ ብነጻነት ይገብል ስለ ዝሓደጎ፡ ኣብ መወዳእታ ንጐይታኡ ናብ ምሻጥ ማዕበለ (ዮሃ12፡4-6 ፣ ማቴ26፡14-16)። ንትጽቢቱ ፈጺሙ ስለ ዝረስዖን ስለ ዘዋደቖን፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ዜጸልምት ምርጫ ዕቡዳት ኣልዓለ። ነተን ንጐይታኡ ሸይጡ ዝረኸበን 30 ቕርሺ ገንዘብ፡ ሓንቲ ሳንቲም ከየልዓለለን ድማ፡ ብገዛእ ኢዱ ተሓኒቑ፡ ብታህዋኽ ናብ’ቲ ዚጽበዮ ዝነበረ መሪር ዘለኣለማዊ ስቓዩ ኣተወ (ማቴ 27፡3-10 ፣ግብ1፡15-20)። ስለ’ዚ ነቶም ንትጽቢትና ዜበላሸዉ መፈንጠራታት ብልዑል ምስትውዓል ክንጥንቀቐሎም ይግብኣና። ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተግባር ቅድሚ ምግባርና፡ "እዚ ኽገብሮ ዝደልይ ዘለኹ ተግባር፡ ንትጽቢተይ ንዘለኣለማዊ መጻኢየይን ብኸመይ ኰን ይጸልዎ ይኸውን፧" ኢልና ኽንምርምር ናብ ’ንኽእለሉ መንፈሳዊ ብስለት ክንዓብይ እንተ ዘይክኢልና፡ መፈጸምታና ኺበላሸወና ይኽእል’ዩ።
ብዛዕባ ትጽቢትና ዕቱባትን ጥንቁቓትን ከይንኸውን ዚገብረና፡ ቀልብና ቐልጢፉ ኻብ ትጽቢትና ዚዝረፈሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ትጽቢትና፡ ብባህርዩ መንፈሳዊ’ዩ። ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዘሎ ተስፋና ኢና ’ንጽበይ ዘለና። ብዓይኒ መንፈስ ብእምነት ’ነማዕድዎ’ምበር፡ በዒንቲ ስጋና ’ንርእዮ ኣይኰነን። ነዚ መንፈሳዊ ትጽቢት’ዚ ድማ፡ ኣብ’ዛ ሓጥእ ዓለም’ዚኣ ዄንና ኢና ’ንጽበይ ዘለና። ንቐልብና ዚሰርቕን ዘይተደላዪ መኣዝን ዜትሕዝን ማእለያ ዘይብሉ ዅነታት የጋጥመና’ዩ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘጋጠመና ምድራዊ ዅነታት ክንዋሳእ ክንብል፡ ነቲ ዝዓበየ ትጽቢትናን ተስፋናን ንርስዖ። እቲ ዝኸፍአ ጌጋናን ጸገምናን ድማ፡ ነቲ ናብራናን ነቲ ትጽቢትናን ’ነዛምደሉ መንፈሳዊ ብስለት ዘይብልና ምዃኑ’ዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ነቲ ምድራዊ ናብራኻን ዝምድናታትካን፡ ብመንጽር’ቲ ሰማያዊ ተስፋኻን ትጽቢትካን ምምራሕን ምምሕዳርን ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ተስፋኻን ትጽቢትካን ኣብ’ቲ መዓልታዊ ናብራኻ ከም ዚግሃድ ምግባር ማለት’ዩ። ንኣብነት ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ዝሙት፡ ባእሲ፡ ወዘተ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ፡ "ኣይፋለይን" ኢልካ ነቲ ዝሙት ተጸዪፍካ ቕድስና ምምራጽ፡ ነቲ ባእሲ ተሓሲምካ ሰላምን ፍቕርን ምምራጽ፡ ሓቀኛን ዕቱብን ተጸባዪ ናይ ምዃንካ፡ ኣሉ ዘይብሃል ግብራዊ መርትዖ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ብዓይኒ ዘይርኣይ ተስፋኻ፡ ኣብ’ቲ ብዓይኒ ዚርኣይ ናብራኻ ክትገልጾ’ዩ ዚግባእ። ንትጽቢትናን ናብራናን ዜዛምድ መንፈሳዊ ብስለት ከነጥርይ ናይ ግድን’ዩ። ትጽቢትና ንናብራና መንፈሳዊ ኪገብሮ እንተ ዘይክኢሉ፡ ይትረፍ ብዛዕባ ትጽቢትና ዕቱባት ክንከውን፡ ብመሰረቱ ትጽቢት ዚብሃል ከም ዘይብልና’ዩ ዜቃልዓና። ትጽቢትና ንናብራና የጸብቖ፡ ናብራና ድማ ንትጽቢትና ይገልጾ። ንትጽቢትናን ንናብራናን እንተ ኣፋቲሕናዮም ግን፡ ካብ ደምበ ኣባጊዕ ኰብሊልና፡ ናብ ደምበ ኣጣል ተጸንቢርና ኣለና ማለት’ዩ።
እምበኣር ኣጻብያና ኸመይ ከም ዘሎ ንመርምር። ዓዲ ብዘየእትው ትጽቢት ተበላሺናን ነዊርናን ከይንህልው ንጠንቀቕ። ጐይታ፡ ዘመን ትጽቢት ዝሰርዓልና ንኽንረብሓሉ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ካብ መልክዕና ንላዕሊ፡ ትጽቢትና ኸም ዚጽብቕ ርግጸኛታት ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
15 መጋቢት 2026 | መጋቢት 6, 2018 ግዕዝ (መበል 27 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፵፱(፶)፡፫ "እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ።ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።" "ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸብቦ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ተሰ 4፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 24፡10-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 24፡1-28 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ እንዘ ይነብር እግዚእነ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ