በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍቁራን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን፣ እንቋዕ ናብ’ዚ ጥንታዊ ሓድሽ ዓመት ቤተ ክርስቲያን፡ በዅሪ ዕለትን ወርሕን ዓውደ ዓመት ግእዝ ኣብጽሓኩም።
“ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ” “ኣኽሊል ዓመት ብምሕረትካ ትባርኽ” ወይ ከኣ “ንዓመት ብምሕረትካ ትኽልላ” መዝሙር 64(65)፡12።
እዚ ኣብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ዝስበኽ፡ መዝሙር ነቢይን ንጉስን ዳዊት፡ናብ’ቲ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ብሓልዮቱ፡ብሰናይ ድሌቱን ብዓሚቝ ፍቕሩን፡ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ዝፈጸሞ ግብሪ ድሕነት ይመርሕ።ነ’ዚ ብምስትንታን ድማ ኢዩ ዓመተ ምሕረት ዝበሃል።
ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን፡ ብነቢይ ኢሳይያስ፦ “ብሕርይቲ መዓልቲ ሰማዕኩኻ፡ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ”ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት፡ ኢሳ-49፡8።
ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን፡ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፦ “እንሆ እታ ሕርይቲ መዓልቲ ሕጂ ኢያ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ከኣ ሎሚ ኢያ” ብምባል ይገልጾ።2 ቆሮ-6፡2።
ትርጉምን ምስጢርን ሕርይቲ መዓልቲ ፡መዓልቲ ምድሓን ማለት እምበኣር፡ እዚ እነኽብሮ ዘሎና በዓል ርእሰ ዓውደ ዓመት ዓመተ ምሕረት ምዃኑ የረድእ። ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ማለት ዕልቕልቕ ማይ ምስ ኮነ፡ምኢትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ቀላይ ጸምበለል ክትብል ዝጸንሐት መርከብ ኖህ፡ብኣቈጻጽራ መጽሕፍ ቅዱስ ኣብ ሻብዓይ ወርሒ፡ ቅንያት ወይ ወርሓት ክፋል መስከረም-ጥቅምቲ ብግእዝ፡ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት፣ብባሕቲ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ወርሒ ኸኣ እቲ ማይ ነጸፈ። ዘፍ-8፡4-13።
እቶም ብሓጢኣት ተበላሽዮም ዝነበሩ ሕዝቢ፡ምኢትን ዕስራን ዓመት፡ ኖህ ብቓልን ብግብርን ሰቢኹሎም፡እግዚኣብሔር ንንስሓ ብትዕግስቲ ተጸብይዎም፡ምስማዕን ምእዛዝን ምስ ኣበዩ፡ኵሎም ብማይ ኣይሂ ተደምሰሱ፣እቲ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ዝነበረ ጻድቕ ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ስለ ዝረኸበ፡ሻምናይ ርእሱብመርከብ ደሓነ። ዘፍ-6፡1-12።7፡11-24።1ጴጥ-3፡20።
ኣምላኽ ነ’ታ ብሓጢኣት ደቂ ሰብ ዝተበላሸወትን ብዓመጻኦም ዝረኸሰትን ዓለም ብማይ ኣይሂ ኣጽርዩ፡ከም ብሓድሽ ሒደት ነፍሳት ከም ዝባዝሑ ስለ ዝገበረ፡ዓመተ ኖህ ብልደተ ሓዳስ ዓለም ብዓመተ ንጽሕና ዓለም፡ኖህ ከኣ ብዳግማይ ኣቦ ኵሉ ወለዶታት ይፍለጥ። “ኖህ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዝነገርዎ ዘይርአ ነገር ምስ ኣመነ ፈርሐ።
ንስድራኡ ከድሕን ከኣ መርከብ ሰርሐ፣ በ’ዚ ድማ ንዓለም ኰነና፣ ብእምነት’ውን ወራሲ ጽድቂ ኮነ”።ዕብ 11፡7።
“ነ’ታ ቀዳመይቲ ዓለም’ውን ኣይነሓፋን፣ እኳ ደኣ ናብ’ታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ኣውረደ፣ ነ’ቲ ሰባኺ ጽድቂ ዝኾነ ኖህ ግና፡ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሓኖ” ። 2ጴጥ2፡5።
መርከብ ኖህ፡ ነ’ቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ነፍሳት፡ካብ’ቲ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ብላይ ዓለም ናብቲ ብማይ ኣይሂ ዝተሓጽበ ሓድሽ ዓለም ከም ዘሰጋገረቶም፡ቤተ ክርስቲያን ድማ ብጥምቀት ካብ’ዚ ሓላፊ ዓለም’ዚ ናብ’ቲ ዘየሓልፍ ዘለዓለማዊ መንግስተ ሰማያትን ሓድሽ ሕይወትን እተሰጋግር ኮይና ብመርከብ ትምሰል።
“ኣብ’ታ መርከብ ሒደት ማለት ሾመንተ ነፍሳት፡ብማይ ደሓና፣ ማይ ናይ’ቲ ሕጂ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት ኢዩ” ይብል ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ።1ጴጥ-3፡20-21።
ካብ’ዚ ዝርከብ ትምህርቲ ቀዳማይ ነገር፡እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዕድመ ዝህቦ፡ከም ፍቓዱ ንኽመላለስን ዝበደሎ ብንስሓ ንኽኽሕስን፡ብትዕግስቲ ዝጽበዮ ምዃኑ ኢዩ። ግናኸ ትዕግስቱ ክሳብ መኣስ ከም ዝጸንሕ ስለ ዘይፍለጥ፡ብጊዜኡ ምንሳሕ የድሊ።
እዚ ርእሰ ዓውደ ዓመት ብስሙ ዝጽዋዕ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ’ውን፡-
“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ” እናበለን ንንስሓ ብማይ እናኣጥመቐን ኢዩ ተልእኮኡ ጀሚሩ። ማቴ-3፡1-2።ማር-1፡4-5።ሉቃ-3፡3።
ካልእ ድማ፡እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ካብ ዝነበርዎ ባርነት ናጻ ወጺኦም፡ናብ ምድሪ ርስቲ ዝተመልሱሉ ንምዝካርን ነ’ቲ ብበርቅን ነጐዳን ተሰንዩ ዝተዋህበ ሕጊ ኦሪት ንምሕላውን፡ ብኣቈጻጽራኦም ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ሃይማኖታዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዝባዊ ሓድሽ ዓመት፡ብግእዝ ከኣ ወርሓት መፋርቕ መስከረም-ጥቅምቲ፡በዓል መለኸት ከኽብሩ ተኣዘዙ። ኣብ መጽሕፍ ኦሪት ከም ዝተጻሕፈ፡
“ኣብ ሻብዓይ መጀመርታ መዓልቲ(ባሕቲ)፡ዕረፍቲ፡ ብድምጺ መለኸት ከኣ መዘከርታን ቅዱስ ኣኼባን ግበሩ”። ዘሌ-23፡23።
“ኣብ መዓልቲ ሓጐስኩም፡ ኣብ ዓውደ ዓመትኩምን ኣብ ባሕቲ ኣዋርሕኩምን መለኸት ንፍሑ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከኣ ንመዘከርታ ክኾነልኩም ኢዩ” ይብል።ዘሁ-10፡10።
ኣብ መዝሙር ዳዊት’ውን፦ “ብባሕቲ በ’ታ ፍልጥቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ” ዝብል ጥቕሲ ኣሎ። መዝ-80(81)፡2-3።
እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ክፍጽምዎ ዝተኣዘዘ ነበረ።ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ግና፡ብነፍሲ እስራኤላውያን ዝኾኑ ሕዝበ ክርስቲያን፡ዘኽብርዎም በዓላት ናቶም መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ኣለዎም። ደሃይ መለኸት ክብሪ መንግስቲ እግዚኣብሔርን ኣዋጅ ሓድሽ ዓመተ ምሕረትን የመልክት። “ኣምላኽ ብዕልልታ፡ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” ይብል ቅዱስ ዳዊት።መዝ-46(47)፡5።
እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፡- ”ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ፡
መገድታቱ’ውን ኣቕንዑ፡
ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡
እምባን ኵርባን ትሕት ይበል፡
ጥውይዋይ ዝኾነ ኵሉ ይቕናዕ፡
ድንጉር ይተኻኸል፡
ስጋ ዝለበሰ ኵሉ ምድሓን ኣምላኽ ከርኢ ኢዩ”
ዝብል ኣዋጅ ነጋሪ ዝተጸውዐ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝዝከር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ነ’ዚ ብግብሪ ይገልጾ።ኢሳ-40፡3-5።ማቴ-3፡3።ማር-1፡2-4።ሉቃ-3፡1-6።ዮሓ-1፡23።
ቅዱስ ዮሓንስ ገና ከይተወልደ ከሎ፡ንታሕጓስን ባህታን ከም ዝኸውን፡ብልደቱ ብዙሓት ከም ዝሕጐሱ፡ወዘተ- - -ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንኣቦኡ ዘካርያስ ገሊጹሉ ነበረ።ሉቃ-1፡14።
ምስ ተወልደ’ውን ኣዝማድን ጐረባብትን ኤልሳቤጥ ኣዲኡ ምሳኣ ተሓጐሱ።ሉቃ-1፡57-58።
ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ታሕጓስ ግና፡
ንብዙሓት ካብ ሕዝቢ እስራኤል ናብ ኣምላኾም ክመልሶም፡
ብቑዕ ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር ከዳሉ፡ሉቃ-1፡16-17።
ሕዝቢ ሕድገት ሓጢኣቶም ዝረኽቡሉ ናይ ድሕነት ፍልጠት ክህብ፡ሉቃ-1፡77።
እምበር፡ ንባዕሉስ እቲ ንልቢ ሰብ የሐጕሶ ዝተባህለ ወይኒ’ውን ኣይሰተየን። መዝ103(104)፡14።ሉቃ-1፡15።
እኳ ደኣ ናብራ ብሕትውና እናነበረ፡ ኣብ ክንዲ ልሙጽ ክዳን ሃሪ፡ብጸጕሪ ገመል ዝተኣልመ ሓርፋፍ ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ክንዲ ምግቢ ጥልላት ቈጽሊ መሮርን መዓር በረኻን ተመጊቡ ኢዩ፡ካብ’ተን ኣብ በረኻ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ገዛውቲ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣዋጅ መንግስተ ሰማያት ኣዊጁ።
በ’ዚ ድማ፡እቲ እምባን ኵርባን ሓዂሩ፡ሽንጭሮን ሩባን ተሳጊሩ፡ክሳብ ጫፍ ዓለም ተመጣጢሩ፡ዝሓስብ ልቢ(ኣእምሮ) ደቂ ሰብ፡ እምነት ክርስቶስ ክቕበልን ብመገዲ እግዚኣብሔር ክመላለስን ቅኑዕ ጐደና ንስሓ ጸሪጉ፡ካብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንዝመጹ ናይ ንስሓ ጥምቀት ኣጥመቐ። ማቴ-3፡1-6።
ንስሓ ብጾምን ብጸሎትን ፡ብትሕትናን ብስግደትን፡ ከም ዝኾነ ኸኣ፡ብቓልን ብግብርን ይምህረና። ጽሑፍ ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ፡ቃሎም’ውን ክሳብ ወሰን ዓለም በጽሐ”ከም ዝብል፡ሮሜ 10፡18። ቤተ ክርስቲያን፡ካብ ሓዋርያት ጀሚራ እትምህሮ ወንጌል፡ኣብ ምሉእ ዓለም ስለ ዘቃልሕ፡ብኣዋጅ ደሃይ መለኸት ዘይኮነስ፡ብስብከተ ወንጌል ኢያ ደሃያ እተስምዕን ንሕዝባ ናብ ንስሓ እትጽውዕን።
ስለ’ዚ ኣብ ክንዲ ደሃይ መለኸት፡መግለጺ ሓድሽ ዓመት ስጋዊ ኣቈጻጽራ፡ብትምህርቲ ወንጌል ኣቢልና፡ምጅማር መወዳእታ ዘይብሉ ዘለዓለማውነት መንፈሳዊ ኣቈጻጽራ ንርዳእ።
ቅዱስ ጳውሎስ፡-
“ሕጂ ድማ ብክርስቶስ ዘሎ ኵሉ፡ንሱ ሓድሽ ፍጥረት ኢዩ፣ እቲ ናይ ቀድም ሕሊፉ፡እንሆ ኵሉ ሓድሽ ኮይኑ ኣሎ”።2 ቆሮ-5፡17።
ከም ኡ’ውን፦ “ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝንብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ ኢዩ፣ እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸኣ ቅድም ክትንስኡ ኢዮም” ከም ዝበሎ፡1ተሰ-4፡16።
ናብ’ቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሓድሽ ሕይወትን ኣብ መወድእታ እዚ ዓለም’ዚ ዝመጽእ ዘየሓልፍ ዘለዓለማውነትን ነስተንትን።ሓድሽ ዓመት ከኣ ነ’ዚ ኢዩ ዘዘኻኽረና።
በ’ዚ መንፈስ’ዚ በዓል ሓድሽ ዓመት ከም’ቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፦ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ኢዩ፣ ንድኻታት ብስራት፡ ንስቡራት ልቢ ክጽግን፡ ንዝተማረኹ ናጽነት፡ ንእሱራት ምፍታሕ፡ ክሰብኽ እግዚኣብሔር ቀቢኡኒ ኢዩ’ሞ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዘድሕነላ ዓመት ጸጋ፡ ሕርይቲ ኢለ ክሰምያ፡ ንጸላእቱ ዝብቀለላ ዓመት ከም ዝመጸት ክእውጅ፡ ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ለኣኸኒ” ዝተባህለ፡ኢሳ-61፡1-2።
ክፍጸመልና ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ክኸውን ንጽሊ።
ደቂቀ እንጦንዮስ ዘክርስቶስ
፩ መስከረም ፳፻፲፬ ዓ/ም ግእዝ (11 መስከረም 2021 )
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ