"እቲ ኣብ መወዳእታ ዚሰዓር ጸላኢ’ውን ሞት’ዩ፡ . . . እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ’ውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ፡ እዚ (ሰብ ምዃኑ) ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ (ዅሎም ሰባት) ከኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ’ዩ።" 1ቈረ 15፡26 ቀ.ት ፣ እብ 2፡14,15ካ.ት
እንኳዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ኣብቅዓና!! ርሑስን ዝተባረኸን በዓለ ትንሳኤ ይግበረልና!! ነዚ ዘመነ ጾም’ዚ ብረድኤት ኣምላኽ ብሰላም ፈጺምና፡ ናብ’ዚ ብሃንቀውታ ’ንጽበዮን ብኽብሪ ’ነብዕሎን ዝኽሪ ትንሳኤኡ ምብጻሕና፡ ኣዝዩ ዓብይ ትዕድልቲ’ዩ። ብህይወት ምጽናሕና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም መጠን ዕብየቱን ኣገዳስነቱን ነዚ ዓብይ ጾም’ዚ መንፈሳዊ ህይወትና ንምህናጽ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ብርግጽ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ተኣምራዊ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ስለ ’ንኸውን፡ ብሓቂ ኽቡር ትዕድልትን ጸጋን’ዩ ዚዀነልና። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ከም ዜረጋግጸልና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ብትንሳኤና ’ንሓብሮ ግብራዊ ናብራ’ምበር፡ ዓመታዊ ጽንብል ጥራሕ ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ገና ብህይወት ዝነበሩ ተገልገልቱ፡ "ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩም" እናበለ ይጽሕፍ ነበረ። እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ "መዓስ ምስ ሞትና ደኣ ኢና፡ ሕጂ ምስኡ ’ንትንስእ፧" ዚብል ሕቶ ዜልዕለልና’ዩ። እዚ ሕቶና’ዚ’ውን በቲ፦
"ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡. . .ምስኡ’ውን ኣተንስኣና . . . ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና"
ብዚብል ሓዋርያዊ ቓል ተመሊሱልና ኣሎ (ቈሎ 3፡1)። እዚ ዓብይ ምስጢር’ዚ፡ በዓለ ትንሳኤ ናይ’ቶም ምስ ክርስቶስ ዝተንስኡ ሰባት በዓል ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። ኣብ ደምበ ምዉታት እናነበርካ፡ በዓለ ትንሳኤ ምብዓል ግርምቢጥ ተግባር’ዩ ዚኸውን። ገና ብኣካለ ስጋ ብህይወት እናሃለና ብመንፈስ ምዉታት ዚገብረና ድማ፡ በደልናን ሓጢኣትናን’ዩ። ጐይታና ነዚ ዅሉ መሪር መከራን ሞትን ዝተቐበለ ኸኣ፡ ካብ’ዛ ሞት’ዚኣ ምእንቲ ኼተንስኣና’ዩ። ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ ገና ብሓጢኣትካ ምዉት ኴንካ ምንባር፡ ነቲ መሪር ስቓይን ሞትን ናይ ክርስቶስ ከንቱ ናይ ምግባር ሃቐናን ፈተነን ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሓጢኣትና ኣዝዩ’ዩ ዜኽብዶ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ኽብርቲ ናይ ትንሳኤ ዕለት፡ ክልተ ትንሳኤ ኸነኽብር’ዩ ዚግባእ። እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ፡ ብዓብዩ እቲ ናይ ጐይታና ትንሳኤ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይን ነቲ በዓልን ኣበዓዕላናን ትርጕም ዜልብሶን ትንሳኤ ድማ፡ እቲ ናትና ትንሳኤ’ዩ። እቶም ንጽል ትንሳኤ ጥራሕ ’ነብዕል ዘለና፡ በቲ ’ነብዕሎ ዘለና ትንሳኤ ክርስቶስ ንጕዳእ’ምበር ኣይንረብሕን ኢና። ምኽንያቱ ነቶም ንትንሳኤኡ ብትንሳኤኦም ዘየኽበርዎ ሰባት፡ ብቝጥዓ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ኪፈርዶም’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፦
"24ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ፡ በቲ ዝለኣኸኒ’ውን ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር’ምበር ናብ ፍርዲ ኣይኪበጽሕን’ዩ። 25እቶም ምዉታት ድምፂ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ’ያ። እቶም ዚሰምዕዎ ዘበሉ ድማ፡ ብህይወት ከም ዚነብሩ ብሓቂ ብሓቂ፡ እብለኩም ኣለኹ። . . . 28 እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ምዉታት ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ’ሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። 29ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሣኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሣኤ ዅነኔ ኪኸዱ’ዮም።"
ብምባል ካብ ደምበ ምዉታት ከነምልጥ ዝመዓደና። ነዚ ኽቡር በዓለ ትንሳኤ’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር፡ "ይትፌሣሕ ሰማይ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦
“ሰማይ ትተሓጐስ፡ ምድሪ’ውን ባህ ይበላ፡ መሰረታት መዓሙቝ መለኸት ይንፍሑ። ኣኽራንን ኰረቢትን ኵሎም ኣእዋም መሮርን ይጨድሩ። ሎሚ ኣብ ሰማይ ዓብይ ሓጐስ (ኰነ)። ምድሪ ድማ፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር።
ኣኽራንን ኵድኵዶታትን ኵሎም ኣእዋም መሮርን ይጨድሩ። ሎሚ ኣብ ሰማያት ዓብይ ሓጐስ ኰነ። ምድሪ ድማ፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ፡ ፋሲካ ትገብር።
ነቲ ፍጹም ንጉስ፡ ኣይሁድ ፈረድዎ፡ ዓቀይቲ ንኽዳውንቱ ተማቐልዎ። ርእሱ’ውን ብዘንጊ ሃረምዎ። ንጐድኑ ብዂናት ወግእዎ። ትንሳኤኡ ኣብ ሰንበት ገበረ። ንነገስታትን ንኣሕዛብን ንሃገራትን ሰላም ይጽግው።” ንነገስታትን ንኣሕዛብን ንሃገራትን ሰላም ይጽግው (ይህብ)።
ማለት’ዩ። በዚ ትንሳኤ’ዚ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዚሕጐሱሉ ምኽንያት፡ ምስጢሩን ረብሓኡን ኪኖ ዓቕሚ ኣእምሮ ሰብ ዚምጠጥ ኣዝዩ ዓብይ ስለ ዝዀነ’ዩ። እታ ትንሳኤ ኣብ ጐይታና ጥራሕ ተደሪታ ትተርፍ እንተ ትኸውን፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዜፈስህ በዓል ኣይምዀነን ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ብትንሳኤኡ ነቲ ሥልጣን ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ድያብሎስ ስዒሩ፡ ኣጽዋሩን ስልጣኑን ስለ ዝገፈፎን፡ ንሕና ድማ ብህይወት ከለና መንፈሳዊ ትንሳኤ፡ ምስ ሞትና’ውን ኣካላዊ ትንሳኤ ስለ ’ንረክብ፡ ደረት ዘይብሉ ፍስሓን ሓጐስን ኺስምዓና ይግባእ’ዩ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢና ዘንበብናዮ ጥቕሲ፡ ትንሳኤ ሙታን ንሓጥኣንን ጻድቃንን ተሰሪዑልና ኸም ዘሎ ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ እቶም ኣብ ሞትን መቓብርን ተዓቝቦምን ተሓቢኦምን ኪነብሩ ዚትስፈዉ ሓጥኣን፡ ተስፋኦም ከንቱ ዀይኑ’ዩ። እቶም ብኣምላኽ ተስፋ ገይሮም ብጽድቂ ዚነብሩ ዅሎም ድማ፡ ናይ ሞትን መቓብርን ስግኣቶም፡ ብትንሳኤ ክርስቶስ ንዘለኣለም ተቐንጢጡ’ዩ። ብትንሳኤ ክርስቶስ ዘይፍስሁ፡ ሰይጣንን ሰዓብቱን ጥራሕ’ዮም። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ 1ቈረ 15፡20-41 ንባብና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ እብ 2፡14,15 ዝተዛመደ’ዩ።
ንምንታይ ኢና ኣብ መዓልቲ በዓለ-ትንሳኤ ብዛዕባ ሞት ንመሃር ዘለና፧ ነዚ ኽቡር ናይ ትንሳኤ በዓል ነብዕል ዘለና፡ ሞት ስለ ዝተሳዕረ’ዩ። ሞት እንተ ዘይስዓር ነይሩ፡ ትንሳኤ ሕልምን ከንቱ ተስፋን ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ትንሳኤ፡ ናይ ስዕረት-ሞት ውጽኢት’ዩ። በቲ ዝዓበየ ተስፋና፡ በቲ ውጺኢት ክንሰምዮ ስለ ዝተመርጸ’ዩ፡ በዓልና "ትንሳኤ" ተባሂሉ’ምበር፡ ንትንሳኤ ዝወለደ ዓብይ ፍጻመስ፡ ስዕረተ-ሞት’ዩ። በቲ ውጺኢት ዘይኰነ፡ በቲ ቐንዲ ፍጻመ እንተ ዚጽዋዕ፡ "በዓል ስዕረተ ሞት" ምተባህለ ማለት’ዩ። ነዚ መሪሕ ጥቕስታትና ብዕምቈት እንተ ኣድሂብናሉ፡ ነዚ ዝበልናዮ ሓቂ’ዩ ዜመልክተና። ኣብ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ንትንሳኤ ዚምልከት ዝዀነ ይኹን ቃል ኣይንረክብን ኢና። እቲ ትንሳኤ ዝወለደ ምስጢር ግና፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑን ኣንጸባሪቑን ኣሎ። እዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ናይ "ምስጢረ ስጋዌ" መሰረት ኣጕሊሑ ኣርእዩና እንሆ። እዚ ምስጢር’ዚ ኸኣ፡ "እግዚኣብሄር ወልድ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብሞቱ ንሞት፡ ማለት ነቲ ስልጣን ሞት ዘለዎ ድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕር’ዩ" ዚብል፡ ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር’ዩ። እምበኣር ንመሰረት-እምነትና ብዕምቈት ንፍለጦን ንረድኣዮን።
መጽሓፍ ቅዱስና፡ ከምኡ’ውን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ መሰረተ እምነትናን ስርዓተ ኣምልኾናን ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ ኢየሱስ ጐይታና ብትንሳኤኡ ዘይኰነስ፡ ብሞቱ’ዩ ንሞት ዝሰዓሮ። ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ፡ "ብሞቱ. . . ምእንቲ ኺስዕር" ዚብል ሓረግ ነስተውዕለሉ። እቶም ነዚ ምስጢር’ዚ ብዕምቈት ዝተረድእዎን መሰረት እምነትና ገይሮም ዝተኸልዎን ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ቅዳሴታትና፦
"እቲ ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ፡ ንምዉታት ህያዋን ኪገብሮም ሞተ።"ዚብል ሓያል ምስጢር ኣስፊሮምልና ኣለዉ (ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ዲዮስቘሮስ . . .)። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን።
ግን ንምንታይ’ዩ ስዕረት ሞት ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ዜናን ዓብይ በዓልን ዚኸውን፧ እግዚኣብሄር ዚኣክል ኣምላኽ ንሓደ ፍጥረቱ ዝዀነ ውዱቕ መልኣኽ ስለ ዝሰዓሮስ ንምንታይ’ዩ ዚሕድሰናን ዜገርመናን፧ ኣምላኽ ብሰይጣን ከይስዓር ስግኣት ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ እዚ’ሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብን ዘይከውንን’ዩ። ሓጢኣትን ሞትን፡ ኣብ መንጎ ሰብን ሰይጣንን’ምበር፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰይጣንን ዘሎ ጕዳይ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይሓጥእን፡ ፈጺሙ ኸኣ ኣይመውትን’ዩ። እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ስጋ-ለበስ ፍጡር ዝዀነ ሰብ ግና፡ በቲ ረቒቕ መንፈስ ዝዀነ ሰይጣን ተሳዒሩስ፡ ብስልጣን ሞት ይግዛእ ነበረ። ብማእሰር ሞት (ብፍርሃት ሞት) ተመቝሑ ባርያ ሓጢኣት ኰይኑ ብመንፈስ ምዉት ኰይኑ ዘመኑ የሕልፎ ነበረ። ነዚ ዝሰዓሮ ሓያልን ረቂቕን መልኣኽ-ጸልማት ስዒሩ ሓራ ዚወጻሉ ዝዀኑ ይኹን ተኽእሎ ኣይነበሮን። ቅዱስ ጳውሎስ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ሓጢኣት ጸሊኡ ጽድቂ ኺገብር ከም ዘይክእል ገይሩ ብሕጊ-ሓጢኣት ብጽኑዕ ኣሲርዎ ይነብር ነበረ (ሮሜ 7፡1-24)። ካብ’ዚ ናይ ሞት መቝሕ’ዚ ኽንፍታሕ’ንኽእል፡ ዋጋ ናይ’ቲ ብስጋ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ኪኽፈል ምስ ዚኽእል ጥራሕ’ዩ። ዋጋ ሓጢኣት ከኣ፡ ጊዝያዊ ሞት-ስጋ ጥራሕ ዘይኰነስ ዘለኣለማዊ ሞት ናይ ስጋን ነፍስን’ዩ። እዚ ስቓያዊ ሞት’ዚ ኣብ ገሃነመ-እሳት (ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ) እናተጠጠቕካን ኣስናንካ እናሓርቀምካን ምንባር’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ዓለም ቤት ማእሰርቲ’ኳ ንሕልፈት ዝተፈርደ ሰብ፡ ንዕዳ ናይ’ቲ ዝፈጸሞ ገበን ባዕሉ ኸፊሉ ሓራ ኺወጽእ ኣይክእልን’ዩ። ኰይኑ ተሪፉ ሓራ ዝዀኑ ሰባት ዕዳኡ እንተ ኸፊሎምሉ ጥራሕ’ዩ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኪፍታሕ ተኽእሎ ዚህልዎ።
ናይ ሓጢኣት ዕዳ ድማ፡ ናይ ገንዘብ ዕዳ ዘይኰነስ፡ ናይ ሞት ዕዳ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክንዳኻ በጃ ዀይኑ ዚሞተልካ ሰብ ጥራሕ’ዩ ኼድሕነካ ዚኽእል። ምኽንያቱ ኺመውት ዚኽእል ኣካል ጥራሕ’ዩ፡ ዕዳ-ሞት ኪኸፍል ዚኽእል። ኣምላኽ መዋቲ ስጋ ስለ ዘይብሉ ዕዳ-ሞትና ኪኸፍለልና ኣይክእልን’ዩ። ዝዀነ ነገር ከይከፈለ፡ ነቲ ሓጢኣት ናይ ምሕዳግ መለኮታዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ "ምሒረ ኣለኹ" ኢሉ ኸይሓድገልና ድማ፡ ነቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ባዕሉ ይጻረሮን ይግህሶን የፍርሶን ኣሎ ማለት’ዩ (Incarnation)። መሰረት ዝፋኑ ጽድቅን ፍትሕን ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ባህርዩ’ዚ እንተ ግሂስዎ ንኣምላኽነቱ የፍርሶ ኣሎ ማለት’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ዕሽነት ከኣ፡ ኣብ ሰብ’ምበር፡ ኣብ እግዚኣብሄር የለን። እዚ መለኮታዊ ባህርዩ’ዚ’ዩ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ሰብ ኪኸውንን ናይ መርገም ሞት ሞይቱ ዕዳ-ሞትና ኪኸፍልን ኪፈቅድ ዝደረኾ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ወልድ ኣምላኽነቱ ኸይሓደገ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋና ወሲዱ፡ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ኰነ። "ተዋህዶ (Self Contradiction) ማለት፡ "መለኮቱን ስጋናን ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ክሳዕ ምዃን ተወሃሃደ። ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኰነ" ማለት’ዩ። ተዋህዶ እንተ ዘይፍጸም፡ ሞት ኣይምተሳዕረን፡ ድሕነት ኣይምተረኽበን፡ ተስፋን ተኽእሎን ናይ ትንሳኤ ፈጺሙ ኣይምሃለወን ማለት’ዩ።
እቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ እቲ ዓብይ ገበል ዝዀነ ሰይጣን፡ "ዘርኢ ናይ’ታ ሰበይቲ ርእስኻ ኪጭፍልቕ’ዩ" ዚብል ፍርዱ ኻብ ዝተነግሮ ዕለት ጀሚሩ፡ ነዚ ብኣምላኽ ዝተበየነሉ ምኽሪ-ጥፍኣት ኪዝርዝርን ኬፍሽልን ንልዕሊ 3000 ዓመታት ተጋዲሉ’ዩ። ነቲ ኢየሱስ ዚውለደሉ ዘርእን ህዝብን ኬጥፍእ፡ ኬሕጥእ፡ ካብ ኣምላኽ ኪፈላልይ ዚክኣሎ ዅሉ ገበረ። ብዛዕባ’ዚ ተስፋ’ዚ ንዝተነበዩ ነብያት ተፈጽፊጾም፡ ተጨፍሊቖም፡ ተሰዪፎም፡ ተመጊዞም ከም ዚሞቱ ገበረ (ማቴ 5፡12፣21፡34-46፣ 23፡29-37፣ እብ 11፡32-38)። ነቲ ዝተወልደ መድሓኒ ድማ ካብ’ታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ንኼጥፍኦ ኽሳዕ መወዳእታ ተጋደለ (ማቴ 2፡13-16፣4፡6፣12፡14፣26፡ 4፣27፡1፣ ማር 3፡6፣ ሉቃ6፡11፣ ዮሃ 5፡18፣7፡1,19፣11፡53)። ፍጡርን ውዱቕን ምዃኑ ከይተርፎ’ዩ’ምበር፡ ሞት ኢየሱስ ማለት ናቱ ስዕረትን ጥፍኣትን ማለት ምዃኑ ኣይተረድኦን። በቶም ሰዓብቱን ኣገልገልቱ ገይሩ ንገዛእ ጥፍኣቱ ይበላሓትን ይተግህን ነበረ። ስለ’ዚ ሰኣን ምስትውዓሉ ኸይተረድኦ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ንዘርኢ ኣዳም ናይ ምድሓን ጥንታዊ ሓሳብን ፍቓድን ተወፍዩ የገልግል ነበረ (ማቴ 16፡21፣17፡22,23፣ 20፡17-19፣ ሉቃ 24፡25-27,44-47፣ ግብ 2፡22-24፣3፡13-15,17,18፣ 4፡25-28,13፡27-30)።
እሞ ኢየሱስ ደኣ ነዚ ናይ ሞት መልኣኽ ከመይ ገይሩ ብሞት ሰዓሮ፧ ብሞት ጌርካ ንሞት ምስዓር ዚክኣል እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ናትና ናይ ሰባት ሞትዶ ኣይበዝሕን፧ እንታይ ኴንና ንሕና ብሞትና ጌርና ዘይሰዓርናዮ፧ ኣብ መንጎ ሞትናን ሞት ኢየሱስን፡ ዓብይ ናይ ጠንቅን ናይ ዓይነትን ፍልልይ ኣሎ። ንሕና በቲ ብሰሪ ዕሽነትና ፈቲና ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ስለ ዝሞትና፡ ሕጋዊ ሞት’ዩ። በቲ ኣምላኽ ዝደንገጎ ጻድቕ ሕጊ፡ ሞት ዝተበየነልና ዓለወኛታትን ገበነኛታትን ኢና። ስለ’ዚ ይትረፍ ንሞት ክንዋጋኦ’ሞ ኽንስዕሮ፡ ቍሊሕ ኢልና ኽንጥምቶ’ኳ ኣይንኽእልን ኢና። ንሞት ክንዋግኣሉ ዜኽእለና ሕጋዊ ቝመናን ብቕዓትን የብልናን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ መሪሕ ጥቕስና፡ "እቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ (ሓጥኣን)" ብምባል ገሊጹና ዘሎ። ባርያ ንጐይታኡ፡ ገበነኛ እሱር ድማ ንሓለቓኡ ኺጥምተሉን ኺምጕተሉን ዚኽእል መሰልን ትብዓትን የብሉን።
ሞት ኢየሱስ ግን ሞት ጻጽቕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓለቓ-ሞት’ዩ ኣብ ልዕሊኡ መሰልን ትብዓትን ዘይህልዎ። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ዝበሎ ኢየሱስ "ምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋ" ደኣ ለቢሱ’ምበር፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይገበረን (ሮሜ 8፡3፣ዮሃ 8፡46፣2ቈረ 5፡21፣ እብ 4፡15፣7፡26፣ 1ጴጥ 2፡22-24፣1ዮሃ 3፡5)። ቅዱሳን ነብያት ገና ቕድሚ ምውራዱ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ ድሕሪ ምዕራጉ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዮም ደጋጊሞም ዝመስከሩ። ስለ’ዚ ሞት ንኢየሱስ ኣጽኒዑ ኺሕዞ ዜኽእሎ ሕጋዊ መሰረትን ልዕልናን የብሉን። ስዕረቱ ’ምበኣር፡ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚብገስ። ሞትን ሲኦልን ዘይዓቕሞም’ዮም ሒዞምን ውሒጦምን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
". . . ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም፡ ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። . . . ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።" ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣነጸረልና (ግብ 3፡14,15፣2፡24)።
ሞት ዝተሳዕረሉ ኻልኣይን መሰረታውን ምኽንያት ድማ ናይ ስብእና ክርስቶስ (Humanity of Christ) ምስጢር’ዩ። ኣቐዲምና’ውን ከም ዘፍኣምናዮ፡ ኢየሱስ ብተዋህዶ (ብውህደት ስጋን መለኮትን) ዝቘመ ኣካልነት (Personality) ዘለዎ’ዩ። ኢየሱስ፡ ስግው-መለኮት (Incar nate logos)፡ ማለት ስጋ ዝለበሰ መለኮት’ዩ። ሰይጣን ድማ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ሓለፋ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ’ዩ። ሰይጣን ብልዕልና ተፈጥሮኡ ዝዀነ ኻልእ መልኣኽ ዘይዳረጎ፡ ዝለዓለ ኪሩብ’ዩ ዝነበረ (ህዝ 28፡12-17፣ኢሳ 14፡12-15)። ስለ’ዚ ንእግዚኣብሄር ወልድ ሓለፋኡ ኺፈልጦ ዚኽእል ዝዀነ ኻልእ ፍጡር የለን። ይትረፍ ንሱ፡ እቶም ተራ ኣጋንንቱ’ኳ መን ምዃኑ ኣለልዮምዎስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ እናበሉ የንቀጥቅጡን ተደፊኦም ይሰግዱሉን ምሕረት ኪገብረሎም ይምሕጸንዎን ነይሮም’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ "ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ" እናበሉ ይጭድሩ፡ ከምኡ ድማ "እቶም ኣጋንንቲ ይፈልጥዎ ነበሩ’ሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን" ተባሂሉ ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ 4፡1-11)። ስለ’ዚ ኸኣ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ኼረጋግጽ ብዙሕ ፈተኖ (ማር 1፡24,34፣3፡12፣ግብ 16፡17,18፣ማቴ 8፡28-32)። በቶም ኣገልገልቱ ፈሪሳውያን ገይሩ’ውን ብዘይ ምቍራጽ ይፍትኖ ነበረ (ዮሃ 1፡19፣2፡18፣5፡10,16፣6፡41,52፣7፡1፣10፡24፣ማቴ 26፡63)። ከም ኵሉ ሓጥእ ሰብ ኪጠምይን ኪደክምን ኪሓምምን ስለ ዝረኣዮ ድማ፡ "ከም ኵሉ ሰብ ብሞት ኪስዓርን ኪግዛእን ይኽእል’ዩ" ዚብል ግጉይ ተስፋ ስለ ዘሕደረ፡ ንምቕታሉ ብዙሕ ተሃንደደ። ብዙሓት ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ብህይወት ከለዉ ኺስዕሮም እንተ ዘይከኣለ’ኳ፡ ምስ ሞቱ ኣብ ሲኦል ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ስለ ዝረኣየ፡ ኢየሱስ’ውን ከምኣቶም ብማእሰር-ሞት ተኣሲሩ ኺነብረሉ ተተስፈወ። ምኽንያቱ ብህይወቱ’ምበር፡ ብሞቱ ገይሩ ኺስዕሮ ኸም ዝመደበ ከቶ ኣይፈለጠን። ምኽንያቱ እዚ ምስጢር’ዚ ዋላ ኻብ’ቶም ናይ መላእኽቲ ሕልቅነታትን ስልጣናትን ከይተረፈ፡ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር’ዩ ( ኤፌ 3፡5,7-11፣ቈሎ 1፡25-27፣2፡2,3፣ሮሜ 16፡25፣ማቴ 13፡11)። ነዛ እምብዛ ረቃቕ ምስጢር’ዚኣ ኣስተውዒልዋ እንተ ዚኸውን፡ ንክርስቶስ ኪቐትሎ ዘይኰነስ፡ ካብ ሞት ኪሕልዎ ምተጋደለ ነይሩ።
ሳላ’ቲ ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዝተፈጸመ ናይ ስጋን መለኮትን ተዋህዶ ግን፡ መለኮት ነቲ ናይ ስጋ መዋትነት ገንዘቡ ብምግባር ብስጋ ሞተ። እቲ ስጋ’ውን ነቲ ናይ መለኮት ህያውነት ገንዘቡ ብምግባር፡ ብመለኮት (ብመንፈስ) ህያው ኰነ (1ጴጥ 3፡18)። ኢየሱስ ሰብ ጥራሕ (ዕሩቅ ብእሲ) እንተ ዚኸውን ነይሩ ግን፡ ከም ኵሎም’ቶም ዝቐደሙ ቕዱሳን፡ ኣብ ሲኦል ተዋሒጡ ብሞት ተገዚኡ ምነበረ ነይሩ። መለኮት ጥራሕ ነይሩ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ ዘይመውትን ዋጋ ሓጢኣትናን ሞትናን ኪኸፍል ዘይክእልን ምዀነ። ስለ’ዚ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ብጥፉኡ፡ እቲ መልኣከ-ሞት ድያብሎስ ድማ ብዕዉቱ ምነበረ ነይሩ።
ሓጢኣት ብዘይ ሞት፡ ብዘይ ምፍሳስ ደም ስርየት (ሕድገት) ከይረክብ ዝሓገገ እግዚኣብሄር ባዕሉ’ዩ ( እብ 9፡22፣ዘሌ 17፡11፣8፡15)። እግዚኣብሄር ከምኡ ዝኣዘዘ፡ ብዘይ ደም ኬድሕን ስለ ዘይፈቐደ’ምበር፡ ስለ ዘይክኣለ ኣይኰነን። እቲ ጕዳይ ናይ ክእለት ዘይኰነስ፡ ናይ ውሳነ ናይ መትከል (principle) ጕዳይ’ዩ። ነቲ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ምእንቲ ኸይህብ፡ ብኸምኡ ብዘይ ዋጋ ምኽፋል እንተ ዚሓድገልናን እንተ ዜድሕነናን፡ እግዚኣብሄር ናይ ባህርይ ናይ ኣሰራርሓ ምሉእነት ዘይብሉ ጐደሎ’ምዀነ’ሞ፡ "ኣምላኽ" ኪብሃል ኣይምበቕዐን ነይሩ። ስለ’ዚ ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ኢየሱስ ንሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሰይጣን’ውን ብድኻሙ ብሞቱ ሰዓሮ። ንሰይጣን ንኺስዕሮስ፡ ነቲ ዝለዓለ መለኮታዊ ሓይሉ ኣይተጠቕመን። ብኣንጻሩ ብናይ ሰብ ስጋን ድኻምን ሞትን ገይሩ ሰዓሮ። ንናይ ሰይጣን ስዕረት፡ ኪጽንበልን ኪብዓልን ዚበቅዕ ዓብይ ዓወት ዚገብሮ ድማ ንሱ’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ምስትንታንን ብዛዕባኡ ምምስጋንን ጐሲና፡ ነዚ ኽቡርን ቅዱስን በዓልና ናይ ወርቅን ጨርቅን፡ ናይ ብልዕን መስተን፡ ናይ ዳንኬራን ዕብዳንን ብዓል ክንገብሮ ኸለና፡ ነዚ ዓብይ ምስጢርን ዓወትን’ዚ ኻብ ሰይጣን ንላዕሊ ነቃልሎን ነሕስሮን ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ።
ኢየሱስ ንሞት ብሞቱ ስለ ዝሰዓሮስ፡ ንሕና ንሕጐሰሉን ’ነብዕለሉን ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ካብ’ዚ ዓወቱ’ዚ ንሕና ደቂ ኣዳም ’ንረኽቦ ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ኣይሞተን፡ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ኸኣ ኣይተንስአን። ምእንታና ምእንቲ’ዞም ሓጢኣተኛታት ጸላእቱ ኢሉ’ዩ ዝገበሮ ( ሮሜ 5፡6-10፣4፡25፣ዮሃ 3፡15,16፣15፡13፣1ጴጥ 3፡18፣1ዮሃ 3፡16፣4፡20)። መሪሕ ጥቕስና’ውን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንኣና ኻብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼናግፍ’ዩ፡ ራእሲ ህይወት (Author of life) ክነሱ፡ ርእሱ ንውርደትን ስቓይን ናይ መስቀል፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንሞትን ሲኦልን ኣሕሊፉ ዝሃበ።
"ስለ’ዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ብዅሉ (ዋላ ብሞት’ውን) ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሳቕዩ’ዩ’ሞ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይክኣሎ’ዩ።" እብ 2፡17,18
"ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና ዝተፈተነ’ዩ’ምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን’ሞ፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። ስለ’ዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባ’ውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።" እብ 4፡14-16
ንኣና ምእንቲ ኼድሕን፡ ብዘይካ ብሓጢኣት፡ በቲ ንሕና ’ንሓልፎ ዅሉ ሓለፈ። ክብሪ ንፍቕሩን ሕያውነቱን ተበጃውነቱን ይኹን። ንሱ ስለ ዝሞተልና ኣካላዊ-ሞት እንተ ዘይተረፈልና’ኳ፡ ዘይጥለም ተስፋ ትንሳኤ ግን ሂቡና’ዩ። ኣብ’ዛ እክይቲ ዓለም’ዚኣ ብጽድቂ ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ነቲ መጠን ዘይብሉ ሓይሊ ትንሳኤኡ ጸገወና (ኤፌ 1፡17-21፣ፊል 3፡10,11፣ሮሜ 8፡10,11)። ብትንሳኤኡ ኻብ’ቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ዝወረደና መንፈሳዊ ሞት ኣተንስኣና።
"ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ ምስኡ’ውን ኣተንስኣና፡ ኣብ’ቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባና ምእንቲ ኼርእይ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።" ኤፌ 2፡5-7
"ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን’ዩ፡ ንስኻትኩም’ውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣለኹም። ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ናይ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም’ውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።" ቈሎ 2፡10-13
ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዓለማዊ ትምኒትን ሓጢኣትን ተጸዪፍና፡ ርእስና ብምግታእን ብጽድቅን ብመንፈሳውነት እንተ ነበርና፡ ኣእምሮናን ቀልብናን ኣብ’ዚ ምድራዊ ጕዳያት ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኣብ ሰማያት ክንገብር እንተ ፈቒድናን እንተ ኽኢልናን፡ ገና ብህይወት ከለና’ኳ ናይ ረብሓ ትንሳኤኡ ተኻፈልቲ ዄንና ኣለና ማለት’ዩ (ቈሎ 3፡1-4፣ቲቶ 2፡11-14)። እቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ዚፍጸም ኣካላዊ ትንሳኤ ድማ ናብ ዝዓበየን ዘይምጥነናን ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኼእትወና’ዩ። ህጻን ብጽያፉ ኸም ዚጻወት፡ ብግዕዘይ ሓጢኣትና ኽንጻወት እንተ መሪጽና ግን፡ ደቂ ትንሳኤ ዘይኰንናስ፡ በቲ ናይ ክርስቶስ መሪር ስቓይን ሞትን በቲ ኽቡር ትንሳኤኡን እነላግጽ ደቂ ሞትን ጥፍኣትን ኴንና ንነብር ኣለና ማለት’ዩ።
እምበኣር ንሕና’ውን ልክዕ ከም’ቲ ሰዓሪ ጐይታና ንሞት ብጽድቅናን ብሞትናን ምእንቲ ኽንስዕሮ፡ ኣብ’ዛ ሓጻር መዋእልና ብጽድቂ ንንበር፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ሞት ጻድቃን ንሙት። ኣብ’ዚ መእተው ትምህርትና ብንጹር ተነጊሩና ከም ዘሎ፡ ተኻፈልቲ ረብሓ ትንሳኤኡ ንኸውን፡ ኣብ ትንሳኤኡ እንተ ሓቢርናዮ ጥራሕ’ዩ። ካብ መዓልቲ ትንሳኤኡ ኽሳዕ መዓልቲ ምጽኣቱ ዘሎ ዅሉ ዘመን፡ ዘመን ትንሳኤ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ናብራ ትንሳኤ ዚነብር ኵሉ ክርስትያን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣን ኣብ’ታ ’ትመጽእ ዓለምን ንዘለኣለም ረብሓ ትንሳኤ ኺጐናጸፍ’ዩ። ኣብ ዘመነ ትንሳኤ እናበርካስ፡ ናብራ ሞት ምንባር እቲ ዝኸፍአ ናይ ዓያሱ ምርጫ’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን፡ ካብ’ዚ ዕሽነትን ጥፍኣትን’ዚ ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ። እምበኣር ድርብ ትንሳኤ ነብዕል’ምበር፡ ርእስና ኻብ ትንሳኤ ነጺልና ኣብ ደምበ ምውታት ሰፊርና፡ ብጥበራ ገዛእ ሞትናን ጥፍኣትናን ኣይነብዕል።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
12 ሚያዝያ 2026 | ሚያዝያ 4, 2018 ግዕዝ (መበል 31 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮ "ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም።ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን።ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። ዓዲ፡" መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 2፡22-36 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ