S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጂ ኽትንስእ’የ!! ቊ.39(26 ሚያዝያ 2026 ፈ | ሚያዝያ 18, 2018 ግዕዝ)

"እቲ ኣነ (ኻብ ጐይታ) ዝተቐበልክዎ (ምህሮ እንታይ ምዃኑ) ቅድሚ ዅሉ ነጊረኩም’የ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስአ። . . . ‘ስለምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ።’ ይብል እግዚኣብሄር።" 1ቈረ15፡3,4 ፣ መዝ12፡5

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ "ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት" ዘርእስቱ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 20፡1-18 ንባብና መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦

“ብመዓልቲ ሰንበት (እሑድ) ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት ከሎ፡ ናብ’ቲ መቓብር ኣንጊሃ ኸደት። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብ’ቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን በጽሐት። "ንጐይታይ ካብ መቓብር ወሲዶምዎ። ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን" በለቶም። ክልቲኦም ብሓንሳእ ጐየዩ’ሞ፡ እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ።

ነቲ ፍጹም ንጉስ ኣይሁድ ፈረድዎ። ጭፍራ ዓቀይቲ ንኽዳውንቱ ተማቐልዎ። ርእሱ ብዘንጊ ሃረምዎ፡ ንጐድኑ ብዂናት ወግእዎ። ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ ኸርበ፡ ብሰፍነግ ኣስተይዎ። ንነገስታትን ነህዛብን ንኣህጉራትን ሰላም ምእንቲ ኺህብ፡ ትንሳኤኡ ኣብ ሰንበት ገበረ።”

ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ሰንበት’ዚ ኽሳዕ’ቲ ዚስዕብ ቀዳም ዘሎ ንኡስ ዘመን፡ ንዝኽሪ ናይ’ዛ ቕድስቲ ኣደ’ዚኣ ዝተሰርዐ "ዘመነ መግደላዊት"’ዩ። በቲ ንማርያም መግደላዊት ዘኽበረ ዕዙዝ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ምስ ዚግለጽ’ውን፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ ፍቅር" ይብሃል’ዩ። ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ኣብ ታሪኽ ጐይታና ብተደጋጋሚ ’ትጥቀስ ኣገዳሲት ሰብ’ያ። ቅዱስ ወንጌል ሓቢሩና ኸም ዘሎ፡ ሰይጣን ዝሰዓራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝሓደርዋ ኣዝያ ጕድእቲ ሰብ’ያ ዝነበረት (ማር 16፡9)። እቲ ሰይጣን ንዝሰዓሮም ኬሕውይን ካብ ማእሰርቶም ኪፈትሕን ዝመጸ ጐይታ’ዩ ኻብ’ዞም ሕሱማት ኣጋንንቲ ብሥልጣን መለኮቱ ዘናገፋ( ሉቃ 8፡2,3፣ማር 16፡9)። ኵላቶም ደቀ መዝሙሩ ኣዝዮም የፍቅርዎ ኸም ዝነበሩ ርዱእ’ኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ማርያም መግደላዊት ፍቕሪ ፍሉይ ከም ዝነበረ ግን፡ ንቕዱስ ወንጌል ብምስትውዓል ንዘንበቦ ዅሉ ሰብ፡ ግሁድን ብሩህን’ዩ። ኵላቶም ወንጌላውያን፡ ስም ናይ’ተን ቅዱሳን ኣንስቲ ኺጠቕሱ ከለዉ፡ ብቐዳምነት ዚጠቕሱ ንማርያም መግደላዊት’ዮም። ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሪሳዊ ንጐይታና ብቕዱይ ቅብኢ ኣእጋሩ ቐቢኣ፡ ብጸጕሪ ርእሳ ዝደረዘቶ፡ ማርያም መግደላዊት ከም ዝዀነት’ዮም ዚኣምኑ። ጐይታና ብዛዕባ’ዛ ሰብ’ዚኣ "ብዙሕ ከም ዘፍቀረቶ" መስኪሩ ኣሎ (ሉቃ 7፡36-50፣ማቴ 26፡6-13፣ማር 14፡3-9)። ማርያም መግደላዊት ኻብ’ተን ክሳዕ መስቀል ዝሰዓባኦ፡ ኣብ’ታ ጸባብ እዋን ድማ፡ ክሳዕ’ታ ዝዓረፈላ ሰዓት ኣብ እግሪ መስቀሉ ደው ዝበላ ቕዱሳን ኣንስቲ ሓንቲ’ያ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ኽሳዕ ዚቐብርዎ’ውን ኣይተፈልየቶን። ሰንበተ ኣይሁድ (ቀዳም) ሓሊፉ፡ ቅድሚ ዅላተን ኣንስቲ ስጋኡ ኽትቀብእ ናብ መቓብር ዝገስገሰት’ውን ንሳ’ያ። ንኸም’ዚ ዝበለ ፍቕራ ኽብሪ ብምሃብ፡ ቅድሚ ዅሎም ሓዋርያት ንእኣ ስለ ዝተራእያ፡ በዅሪ ኣበሳሪትን ምስክርን ትንሳኤኡ ብምግባር ኣኽበራ። ነቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩ ሓዋርያት፡ ትንሳኤኡ መስከረትሎም። ናይ’ቲ ዘርኣየቶ ዕዙዝ ፍቕርን እሙንነትን ትብዓትን ጻማ፡ ኣብ ምድሪ ኣርኣያ። እቲ ኽትገብረሉ ዝሓሰበቶ ኸይገበረትሉ ኸላ ንሬሳኡ ምስ ሰኣነቶ ኣዝያ ጐሃየት። "ሰብ’ዩ ወሲድዎ፡ ተሰሪቑ’ዩ" ኢላ ስለ ዝኣመነት ድማ፡ ኣብ’ቲ መቓብር ደው ኢላ ትበክይ፡ ንዝሓተታ ዅሉ ድማ፡ "ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን’የ" ትብል ነበረት። ንጐይታ’ውን ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ "ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ" በለቶ። ንኸም’ዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪ እቲ፦

"6ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል’ያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ’ዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚአብሔር’ዩ’ሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። 7ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት’ኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ፡ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህልው፡ ኣዝዮም ምነዓቕዎ ነይሮም።"

ዚብል ንጉሥ ሰለሞን ዝጸሓፎ ቓል ጥራሕ’ዩ ዚገልጾ (መሃ 8፡6,7)። እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን’ዚ ብስማ ኺጽዋዕ ዘድለየሉ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ፍቕሪ ብልጫን ክብርን ምእንቲ ኽንምሃርን ከነስተውዕልን’ዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ብፍቕሪ ሃብታማት ዝዀኑን ሰባት ዘለዎ ኽብሪ ኣዝዩ ፍሉይ’ዩ። ጐይታና ንፈሪሳውያን ከም ዝበሎም፡ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ምፍቃር’ዩ (ማቴ 22፡34-40፣ማር 12፡28-34፣ሉቃ 10፡25-28)። ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ ብምልኣት ዝተግበረ፡ ካብ ማርያም መግደላዊት ዚበልጽ ካልእ ኣብነት ክንረክብን ክንጠቅስን ኣይክኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ፍቕርና፡ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ፡ ነዚ ናይ ማርያም መግደላዊት ክሳዕ ዚመስል፡ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን እናዓበየ ኪኸይድ ይግባእ (ፊል 1፡9-11)። ሞት’ኳ ዘይዓግቶን ዘየህስሶን ፍቕሪ ኸይሓዝካ፡ ንኣምላኽ ከተስምሮ ኣይክኣልን’ዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዚጐድል፡ ንዓለምን ፍትወታን ዘለና ፍቕሪ ምስ ዚዓዝዝ’ዩ። ንኽልተ ጐይተት ምፍቃር ድማ ኣመንዝራነት ስለ ዝዀነ፡ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓይልናን ንኣምላኽ ጥራሕ ምፍቃርና ኸነረጋግጽ ይግባእ። እምበኣር "ዘመነ መግደላዊት"፡ ዘመን ፍቕሪ’ዩ’ሞ፡ ብፍቕሪ ንሃብትመሉ። ፍቕሪ ናብ ፍጹምነት ’ተብጽሕ መንፈሳዊት ጐደና’ያ (ቈሎ 3፡14 ካ.ት፣ሮሜ 13፡8-10፣1ቈረ 13፡1-8፣1ዮሃ 2፡10,11፣3፡14-16,18፣4፡7,11,12,16-21)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ 1ቈረ15፡1-19 ንባብና ዝተወስደን ምስ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መዝ12፡5,6 ምስባክና ዝተዛመደ’ዩ።

እዚ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክና፡ ከም ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ናይ’ዚ ትምህርትና ዝተመርጸሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ትንሳኤ ምዃኑ ዅላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ቓል’ዚ ድማ ብነብዪ ዳዊት ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተነግረ መሲሓዊ (ክርስቶሳዊ) ትንቢት’ዩ። ነቲ ጥቕሲ ምስ ’ንምልከቶ፡ "ይብል እግዚኣብሄር" ብዚብል ትንቢታዊ ቓል ከም ዝተዛዘመ ንግንዘብ ኢና። ዳርጋ መብዛሕትኡ መዝሙራት ናይ መዝሙረ ዳዊት፡ ትንቢታዊ ትሕዝቶ ዝመልኦ’ዩ። መዝሙረ ዳዊት ናይ ብዙሓት ዘመርቲ መዛሙር ዝሓዘ መጽሓፍ’ዩ። ንሳቶም ከኣ ቅዱስ ዳዊት (73)፣ ኣሳፍ (12)፣ ደቂ ቆራሕ (10)፣ ንጉስ ሰለሞን (2)፣ ነብዪ ሙሴ (1)፣ ሄማን (1)፣ ኤታን (1) እዮም። ናይ ጸሓፊኦም ስም ዘይተጠቕሰሎም መዝሙራት ድማ 49 እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገልግሎት መዝሙር ትንቢታዊ መልእኽቲ ዚምሓላለፈሉ መንፈሳዊ መገዲ ምዃኑ ኣብ 1ዜና25፡1-3፦

"ዳዊት ድማ፡ . . . ንደቂ ኣሳፍንን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን ብመሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም። . . . ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ . . . ኣብ ትሕቲ ኢድ ናይ’ቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበይ ዝነበረ ኣሳፍ (ኰኑ)። ካብ ደቂ የዱቱን . . .  ሽዱሽተ ብበገና ብትሕቲ ኢድ ናይ’ቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋንን ብምኽባርን ዚንበይ ዝነበረ ኣቦኦም የዱቱን (ኰኑ)።" 

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብ ለይቲ መዛሙር ይህቦ ኸም ዝነበረ ኣብ መዝ42፡9 ተኣሚኑ ኣሎ። ኤሊሁ፡ ዓርኪ እዮብ’ውን፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር፡ "እቲ ብለይትስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ" ብምባል ገሊጹ ኣሎ (መዝ35፡10,11)። ዝዀነ ይኹን መዝሙር ትንቢታዊ ዚኸውን ከኣ፡ ምንጩን ዓዳሊኡን እግዚኣብሄር ምስ ዚኸውን’ዩ። ነብዪ ኤልሳእ ትንቢታዊ ኣስተርእዮ ኺውሃቦ ምስ ደለየ፦

"ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጹኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዐ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጻቶ። በለ ኸኣ፡ ‘እግዚኣብሄር ከም’ዚ ይብል ኣሎ . . .’" 

ዚብል ተጻሒፉልና ኣሎ (2ነገ3፡15,16)። እግዚኣብሄር ብመዝሙር ገይሩ ትንቢት ስለ ዚህብ ከኣ፡ እንሆ ቅዱስ ዳዊት "ይብል እግዚኣብሄር" እናበለ ትንቢታዊ መዝሙር ዘመረ። እቲ "ሕጂ ኽትንስእ’የ" ዚብል ቃል፡ እቲ ላዕላዊ (ስምዓዊ) መልእኽቱ "ክልዓል’የ፡ ክብገስ’የ" ኬስምዕ ዚኽእል’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ወርቃዊ (ውሽጣዊ) መልእኽቱን ግን፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ’ቲ ዜድሕን ኢየሱስ፡ ብዛዕባ መድሃኔ ኣለም ዚዛረብ’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ኣዚና ዝናፈቕናዮን ኣዝዩ ዜድልየናን ምድሓን ብትንሳኤኡ ዝጸገወናን ዘጐናጸፈናን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ከም’ቲ ቕድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝተመሃርናዮ፡ ምድሓን፡ ግብሪ ናይ መለኮት’ዩ። ናይ ኵሉ ግብሪ መለኮት ገባሪ ድማ እቲ ስጋና ዝለበሰ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምዃኑ፡ በቲ፦ "ኵሉ ብኡእ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።" ዚብል ቃልን ብኻልእ ሃዋርያዊ መልእኽታትን ተነጊሩና’ዩ (ዮሃ1፡3 ፣ 1ቈረ8፡6 ፣ ቈሎ1፡16 ፣ እብ1፡2 ፣ ራእ3፡14)። ስለ’ዚ ዅሉ’ቲ ብኣምላኽ ዝተገብረ ግብሪ ምድሓን፡ ብኢየሱስ ጐይታና ዝተገብረ’ዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ምድሓን ድማ ብሞቱ ብትንሳኤኡን ዕርገቱን ፈጸሞ፡ ኣብ መወዳእታኡ’ውን ብዳግማይ ምጽኣቱ ኺዛዝሞ’ዩ (እብ9፡27,28)።

 ዕላማ ትንሳኤ ክርስቶስ ግን እንታይ’ዩ፧ እዚ ዕላማ’ዚኸ ንመን’ዩ ዚምልከት፧ እዚ ትንቢታዊ ምስባክና ወይ መዝሙርና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ዕላማ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ናይ ሰባት ዘለኣለማዊ ድሕነት’ዩ። እዚ ብኢየሱስ ጐይታና ዚርከብ ምድሓን፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበ ምኽሪ ኣምላኽ’ዩ። ካብ’ታ ኣዳምን ሄዋንን ብሓጢኣት ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ ከም ተስፋ ዝተዋህበን ትጽቢት ዝተገብረሉን’ዩ። ጐይታና ሰብ ምዃኑ፡ ቅዱስ ወንጌል ምስባኹን ምስትምሃሩን፡ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ሙማቱ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ምትንሳኡ፡ ናብ የማን ኣቦ ምዕራጉ፡ ኵሉ ብትንቢት ዝተነግረን ተስፋ ዝተገብረሉን’ዩ። እቲ ዝለዓለ ዕላማን ውጽኢትን ናይ’ዚ ፍጻመ’ዚ ድማ ዘለኣለማዊ ድሕነት’ዩ። ጐይታና ባዕሉ’ውን ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። 

"ኣነ ንዓለም ከድሕን’ምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን።" ዮሃ12፡47

"ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን’ምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።"  ዮሃ 3፡17

"ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልይን ኬድሕንን’ዩ ዝመጸ’ሞ፡ ንስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት’ዚኣ ምድሓን ኰነላ።" ሉቃ19፡9,10

ኵላቶም ቅዱሳንን ሃዋርያት’ውን ናይ’ዛ ሓቂ’ዚኣ ኣወጅትን ኣበሰርትን ኪዀኑ’ዮም ዝተሓርዩን ዝተላእኩን። ንሳቶም ድማ እሙናት ኰይኖም፡ ህይወቶም ክሳዕ ምኽፋል መከራ እናጸገቡ፡ ናብ ምልእቲ ዓለም ከም ዚዝርጋሕ ገበሩ። ኣብ ዘዝኣተውዎ ሃገር ነቲ ተልእኾ ንእሙናት ሰባት ብሕድሪ እናኣረከቡ፡ ቀጻልነት ናይ ተልእኾኦም ኣውሓሱ። ከምኡ ኢሉ እናተመሓላለፈ ድማ፡ እንሆ ኣባና በጺሑ ይርከብ።

"ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ፡ ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን (prince) መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ፡ ንሕና ድማ ናይ’ዚ ነገር’ዚ ምስክር ኢና። እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዚህቦም መንፈስ ቅዱስ’ውን ምስክር’ዩ።" ግብ5፡30-32 

"እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ’ሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ (ኢየሱስ)’ዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን’ሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።" ግብ4፡11,12

እዚ ሓቂ’ዚ ቕዱሳን ሃዋርያት፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ቀንድን ሕሱማትን ጸላእቲ ጐይታና ዝዀኑ ዋዕላ ኣይሁድ ዝተዛረብዎ’ዩ። ካብ ህይወቶምን ክብረቶምን ንላዕሊ ኣዝዩ ኽቡር ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ምእንትኡ ኺግረፉ፡ ኪምቍሑ ዀነ ኺስየፉ ድሉዋት ነበሩ። ጐይታና ኣገልግሎት ወንጌል ዝሰርዐን ንእኡ ዜበስሩ ሕሩያት ዝመልመለን፡ ናይ’ዛ ምድሓን’ዚኣ ምስክር ምእንቲ ኪዀነሉ’ዩ። ነዛ ምድሓን’ዚኣ ብኣገልግሎቱ ዀነ በቲ ግብራዊ ናብራኡ ዘይሰብካን ዘየጕልሓን ክርስትያን፡ እቲ ዝወጻሉ ቐንዲ ጸላኢ ናይ ክርስቶስ’ዩ። ቀባር መኽሊቱ ስለ ዝዀነ ድማ፡ መፈጸምታኡ መሰክሕ’ዩ ዚኸውን (ማቴ25፡18,24-30)። እቲ ራእሲ ህይወት፡ እቲ ቕዱስን ጻድቕን ኢየሱስ፡ ነዛ ምድሓን’ዚኣ ምእንቲ ኺጽግወና ሞት-ሓጥኣን ሞይቱ ኻብ ተንስአ፡ "ናቱ ሰዓቢ’የ" ዚብል ክርስትያንከ፡ እንታይ ካልእ ምርጫ ኺህልዎ ይኽእል፧ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ዚ ሃዋርያዊ ተልእኾኡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተኣምኖኡ ገሊጹልና ኣሎ። 

"ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኸይንዓግት ንዅሉ ንጸውር (ንዕገስ ኣለና)’ምበር፡ ነዚ መሰል’ዚ ኣይተጠቐምናሉን። . . . ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን፡ ምኽንያቱ (ንወንጌል) ክሰብኽ ምዙዝ’የ (ብግዲ በጺሑኒ’ዩ)። እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። ፈትየ እንተ ገበርክዎ፡ ዓስቢ ኣሎኒ፡ ከይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና ብሕድሪ ስለ ዝተዋህበኒ’ዩ። ዓስበይ ደኣ እንታይ’ዩ፧ ወንጌል ክሰብኽ ከለኹ፡ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዚግብኣኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ብኸምኡ (ብነጻ) እንተ ሰበኽኩ’ዩ። ኣነ ኻብ ኵሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ንብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርክዋ። . . .  ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ምስ’ቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን ንዅሉ ሰብ ኵሉ ዀንኩ። እዚ ግና ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይ’ውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ’የ ዝገብሮ ዘለኹ።" 1ቈረ9፡16-19,22-23

ጐይታና ኢየሱስ፡ ነቲ ’ንናፍቖን ኣዝዩ ዜድልየናን ምድሓን ምእንቲ ኺህበና ካብ ሰማያዊ ኽብሩ ኽሳዕ ጒድጓድ ወሪዱ፡ "ሕጂ ኽትንስእ’የ" ብምባል፡ ብትንሳኤኡ ምድሓን ኣምጸኣልና። እታ ኣባና ዝበጽሐት ምድሓን ኣባና ተቐቢራ ኸይትተርፍ ድማ፡ ልክዕ ከም ጐይታና’ውን ናይ’ዛ ምድሓን’ዚኣ ብስራት (ወንጌል) ናብ ኵሉ ሰብ ንምብጻሕ፡ "ሕጂ ኽትንስእ’የ" ኢልና ኽንትንስእ ብምእዛዝ፡ ንዓለም ብወንጌል ክንበጽሓ ለኣኸና። እዚ ተልእኾ’ዚ ናይ’ቲ ናይ ምድሓን ዕላማኡ ሰብኣዊ ግደ (ወይ ሰብኣዊ ብጽሒት)’ዩ።

ጐይታና ምእንቲ ዅሉ ሰብ ኢሉ ምድሓን ኣምጺኡ ኼብቅዕ ኵሉ ሰብ ዘይድሓነሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ መቸም እግዚኣብሄር ነቲ ኽቡር ህያቡ ንዝረኸቦ ዅሉ ብኣስገዳድ ዚዕድል ኣምላኽ ኣይኰነን። ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ሰብ፡ በቲ ሰናይ ፍቓዱን ልኡላዊ ስልጣኑን ተደሪኹ ዝሃቦ "ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን መሰል" ብቕንኣትን ክብርን ይሕልዎ’ምበር፡ ፈጺሙ ኣይግህሶን፡ ኣይጥዓሰሉን ከኣ’ዩ (ዘዳ30፡15,19 ፣ ኤፌ21፡8)። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ’ምበኣር በቲ ናይ ክርስቶስ ድሕነት ኵሉ ሰብ ዘይድሕነሉ ምኽንያት ክልተ ምዃኑ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና።

1. ዘይምእማንን ዘይምድላይን፦ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኢየሱስ ጐይታና ምድሓን ዜምጽኣሎም፡ ነቶም ንምድሓን ኣዝዮም ዚደልይዎን ዚናፍቕዎን’ዩ። እቶም ዘይግደሱሉን ፈጺሞም ዘይብህግዎን ግን፡ ዋላ "እንኩም" ኢሉ እንተ ሃቦም’ውን ኣይቅበልዎን’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ፡ "ናብ’ቶም ናቱ (እስራኤላውያን) መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቀበልዎን።" ተባህለ (ዮሃ1፡11)። እግዚኣብሄር ተደጋጋሚ ጽውዓ እና’ቐረበሎም ከሎ፡ ቤት እስራኤል ግን ብቕሉዕ ኣብያ ይነጽግዎን ኣንጻሩ ይኸዱን ነበሩ (ዘሁ10፡30 ፣መዝ81፡11 ፣ ምሳ1፡24 ፣ ኢሳ65፡12)። ጐይታና ብኣካል ተገሊጹ እንተ ዓደሞም’ውን፡ መልሶም "እምቢ" ጥራሕ ኰነ (ማቴ22፡3 ፣ 23፡37 ፣ሉቃ7፡30 ፣ ዮሃ5፡40)። ስለ’ዚ ኸኣ ነቶም ምድሓን ዝደለዩን ነቲ መድሓኒ ንዝተቐበልዎን፡ ምሉእ ድሕነትን መሰል ውልድነትን ሃቦም (ዮሃ1፡12)። ነቶም ንምድሓን ተጸዪፎም ንጥፍኣት ዝመረጹ ድማ፡ ነታ ዝደለይዋ ጥፍኣት ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ፍርዱ ኺህቦም’ዩ። ጐይታና ብዳግማይ ምጽኣት ዚመጻሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ነቶም ዚናፍቕዋን ዚጽበይዋን ሰባት ምድሓን ምእንቲ ኺጽግዎም’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፦

"ከም’ቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡ’ውን ፍርዲ ዝተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ (ኬድሕን) ኢሉ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፡ ንምድሓን ናይ’ቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ’ዩ።"

ብምባል ነቲ ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ9፡27,28)። ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስቲ ድንግል ምውላዱ፡ ሙማቱ፡ ምትንሳኡ፡ ምዕራጉ ዀነ ዳግማይ ምምጻኡ፡ ምእንቲ’ቶም ንምድሓን ብሓቂ ዚናፍቕዋን ዚጽበይዋን ፍቑራቱ ዚገብሮ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምድሓን ዘይረኸበ ሰብ እንተ’ልዩ፡ ስለ ዝነዓቓን ስለ ዝተጸየፋን’ምበር፡ ናይ ጐይታና ሓይሊ-ምድሓን ስለ ዝደኸመ፡ ወይ ከኣ ጐይታና ኼድሕኖ ስለ ዘይፈቐደ ኣይኰነን።

2. ብኵራት ቤተ ክርስትያን፦ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ነቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ምሉእ ምድሓን ናብ’ቲ ዝተረፈ ዅሉ ሰብ ኬብጽሑ፡ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኪዀኑ ዝተመዘዙ’ዮም። ልዕል ኢልና ኣብ ዘንበብናዮ ጥቕሲ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ፡ ወይለይ" ከም ዝበለ ኣንቢብና ኣለና። ኣብ ሮሜ1፡14-16፦

"ንጽርኣውያንን (ንግሪኻውያንን) ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን (ወንጌል ናይ ምስባኽ) ዕዳ ኣሎኒ። ስለ’ዚ (ብወገነይ) ኣብ ሮሜ ንዘለኹም’ውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣለኹ (ሃረርታ ኣሎኒ)። ቅድም ንኣይሁዳዊ ደሓር ንጽርኣዊ፡ ወንጌል ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ (ሰብ) ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን’ዩ’ሞ፡ ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ።"

ኢሉና’ሎ። ኢየሱስ ንወንጌል እናዞረ፡ ፈቐዶ ኸተማን ገጠርን፡ ናብ ገሊላን ሰማርያን ይሁዳን እናዞረ’ዩ ዝሰበኾ (ማቴ4፡23,24 ፣ 9፡35-37 ፣ ማር1፡35-38)። ንቕዱሳን ሃዋርይቱ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኸይዶም ምስክር ኪዀንዎን ወንጌል ኪሰብኩን ስለ ዝኣዘዞም፡ ከም’ዛ ገዛን ዓድን ዘይብሎም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኰለል እናበሉ ተልእኾኦም ፈጸሙ። ድሕሪ’ዚ ግን ቤተ ክርስትያን ህንጻ ሃኒጻ ደወል ተኺላ፡ ነቲ ንኣኣ ዝተዋህበ "ኪዱ" ዚብል ትእዛዝ ጐይታ ለዊጣ፡ "ንዑ" ናብ ዚብል ዕድመ ለወጠቶ። ዓደቦ’ኻ ገዲፍካ ናብ ዓድታትን ከተማታትን ሃገራትን እናኸድካ ምስባኽ፡ ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ዕዳጋታትን ወጺእካ ምስባኽ ናብ ዜሕፍር ነውሪ ተለወጠ። ስለ’ዚ እቲ ጐይታና መለኮታዊ ኽብሩን ህይወቱን ዝኸፈለሉ ናይ ምድሓን ዕላማ፡ ብሰሪ ብኵራት ቤተ ክርስትያን፡ ናብ ኵሉ ዓለም ከይበጽሐ ተዀሊፉ ተረፈ። እቲ ዝሰራሕናዮ ህንጻታት ቅጽጽ ኢሉ ብሰብ መሊኡ ምስ ርኣና፡ ወሃ ዘበለ ሃዋርያዊ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም ዝተዓወትና፡ ሃዋርያውያን ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና፡ ፈጺሙ ኣየሕፈረናን፡ ስኽፍታ`ኳ ኣይተስምዓናን። ነቲ "ሕጂ ኽትንስእ’የ" ዚብል ቅንኣት ጐይታና፡ "ሕጅስ ክድቅስ’የ" ኢልና ድቃስ ሞት መሪጽና ንርከብ። ዕዳ ደም ክርስቶስን ዕዳ ደም ኣእላፋትን ሚልዮናትን ሰባት ኣብ ዝባንና ተጻዒኑ እናሃለወ፡ ድቃስና መሊሱ ደኣ ዓመቘ’ምበር፡ ኣይተበራበርናን። ነብዪ ኤርምያስን ነብዪ ኢሳይያስን ዝበልዎ ቓል ድማ ኣብ ልዕሌና ይፍጸም እንሆ!!

"ኵላቶም ዓለውትን ከዳዓትን’ዮም፡ . . . ነሃስን ሓጺንን’ዮም፡ ኵላቶም ብልሽዋት’ዮም። መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ፡ እቲ ኽፉእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድልየት ናይ’ቲ ምዅላዕ (ድልየት ናይ’ቲ ምድሓን) ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። እግዚኣብሄር ወጊድዎም’ዩ’ሞ፡ "ውጉድ ብሩር" ይብሃሉ። ኤር 6፡28-30

"ከም ጥንስቲ ሰበይቲ ክትወልድ ምስ ቀረበት ቅልውላው ተታሒዛ ’ትጭርሕ፡ ዎ እግዚኣብሄር ንሕና’ውን ኣብ ቅድሜኻ ከምኡ ዀንና፡ ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሓዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን።" ኢሳ26፡17,18

ውላድ ዘይትሓቝፈሉ ጥንስን ሕርስን እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ እዚ ዅሉ ጼርካን ጽዒርካን ዘይርኣይ ዘይጭበጥ ንፋስ ካብ ምውላድ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ወጽዓኸ ኣሎ፧ ተልእኾና እቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመን ዝተዋህበን ምድሓን፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ቕዱስ ወንጌል ብምስባኽ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ እቲ ናይ ክርስቶስ ምድሓን ከነምጽኣላ’ዩ። ህዝቢ ዓለም በቲ ሓጥእን ዕቡድን ኣካይዳኡ፦

"ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሓቐ፡ ጽድቂ’ውን ኣየርክበናን’ዩ። ንብርሃን ንጽበይ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበይ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና ’ንመላለስ ዘለና። ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከም’ቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣለና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት ኰንና። ኵላትና ኸም ድብታት ንሃብብ፡ ከም ረገቢት ንቝዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣለና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱ’ውን ካባና ርሑቕ’ዩ።"

እናበለ ይግዕር ኣሎ (ኢሳ59፡9-11)። ነዚ ገዓርን ኣውያትን’ዚ ዚኸውን መልስን ፍታሕን ኣብ ኢድ ቤተ ክርስትያን’ዩ ዘሎ። ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሓይሊ-ምድሓን ዘለዎ ቕዱስ ወንጌል ኣብ ኵሉ ቦታን ንዅሉ ሰብን ብምስባኽ’ዩ። ስለ’ዚ ልክዕ ከም ጐይታኣ፡ "ሕጂ ኽትንስእ’የ" ኢላ ነቶም ምድሓን ዚደልዩን ዚናፍቑን ብወንጌል ክትበጽሖም፡ እዚ ዘለናዮ ናይ መወዳእታ ዘመን ብዓውታን ብጭድርታን ይጽውዓ ኣሎ።

እምበኣር ነዚ ብትንሳኤ ጐይታ ዝተዋህበና ምድሓን ናይ ብሓቂ ንደልዮን ንናፍቖን ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። እዚ ናይ ትንሳኤን ምድሓንን ፍጻመ፡ ቅድሚ 2000 ዓመታት ከም ዝተፈጸመ ጥዑም ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ህይወትና ልዑል ግደ ዘለዎ፡ ባዕላትና’ውን ’ንሓብሮ፡ ብግብሪ ድማ ’ንነብሮ እምነትና ምዃኑ ነረጋግጽ። ሕጂ’ውን ብምጽኣቱ ኼድሕነና፡ ብብርቱዕ ናፍቖትን ሃንቀውታን፡ "ማራናታ፡ ኣሜን ጐይታ ኢየሱስ ንዓ" እናበልና ንንበር!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

26 ሚያዝያ 2026 | ሚያዝያ 18, 2018 ግዕዝ (መበል 33 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፲፩(፲፪)፡፭,፮ "ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር። እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ። ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ።"

" ‘ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ’ይብል እግዚኣብሄር። ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት’ዩ፡ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር’ዩ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡1-19

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡29-33

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ ወበእሑድ ሰንበት

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div