S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቕን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደልይሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ዮሃ 423-24

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን
ዕለት:- ጥሪ 4ይ ሰንበት

የሱስ ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን አፍቅሮ:: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ:: እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ::” እያ (ማቴዎስ 22:37-39)

“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51። 

መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።

እንተ ታሪኹም ታሪኽ መበቈሉ

ቆሎ ተደሪርኩም /ክርስትያን  ክትተኽሉ

ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢናዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 1031-33)

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ 2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።

ጾመ ነነዌ ካብ የካቲት 6 ክሳብ 8 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን February 6 - 8) ብግእዝ ድማ ጥሪ 29 - የካቲት 1 2009 ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ኣሜን።

“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 132 ዘሌ 124,6,8) ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div