S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ኩሎም ሰማእታት ቤተ ክርስትያን ብሓደ ወገን: ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ሚዛን እንተዝምዘኑ: ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ይብል ተርቱልያን ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስትያን።

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ

ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” (ሉቃ 452)

ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓብያ ሰብ፡ ብኣካል ስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 240እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ምስኡ ነበረ።ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ  ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልናውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣይ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።

ምሥጢረ ቁርባን ኣብቲ ጎይታ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ወንጌል ምሂሩ ዝዛዝመሉ ዝነበረ፡ ዜሮ ሰዓት፡ ንመዕጸዊ ትምህርቱን ተግባሩን ኣብ ምድሪ፡ ቀቅድሚ ሕማሙን ሞቱን ዝነበረት ሓሙስ ምሸት ንመስዋእቲ ኦሪት ዛዚሙ፡ ሓድሽ መስዋእቲ መስረተ።

እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካል ስጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ፡ ኽብሩ ድማ ዝገለጸላ መዓልቲ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። እቲ ስጉው ቃል፡ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነታቱ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከምዚ ኸማና ዀይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መርዓ እንተ ዓድምዎ ይኸይድ፡ እንዳ ፈተውቱ፡ እንዳ ጸላእቱ ከይተረፈ፡ ብቓላቱ ኼፈንጥርዎ ኢሎም ኣብ ዝዓደምዎ ዕድመ ኸይተረፈ ይኸይድ ነበረ። ዝዀነት ትኹን ዓይነት መድረኽ ወንጌል ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ ተዓዲሙላ ዝነበረ መርዓ ድማ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ንምግላጽ ዝመረጻ መድረኽ ነበረት። ናብቲ መርዓ ምስናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኸደ። ምናልባት ብስጋ ብዝምድና ናይ ዚብጽሕዎም ሰባት መርዓ ነይሩ ኪኸውን ይክእል እዩ።

ስለ ምንታይ ምእመናን ተዋህዶ ጥራይ ብሓላፊ ጉዳይ ንሕድሕዶም ዝራግሑ ?

ኣብ ቅንያት ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ባህርያት ኣምላኽ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምምራሕ ባህርይ እዩ። ብዓብዩ ንሰብ-ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብታ ጐይታና ዝነበራ መብልዕ ማል መሪሑ ኸም ዘምጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተማሂርና ኢና። ነቲ ቕዱስ ህጻን ስግደትን ገጸ በረኸትን ኣበርኪቶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብራእይ ለይቲ ተገሊጹ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ዓዶም ኪምለሱ እምበር ናብ ሄሮድስ ከየላግሱ ነጊሩ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም፡።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div