S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ-ኣርብዓ (ዓቢ ጾም) ቅድስት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዛ ሻዱሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋን ‘ገብርሄ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን፡ ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ። ትርጉሙ ከአ፡ እሙን ባርያ መን እዩ፧ ሰናይ ክገብር ንዝጸንሖ ጐይታ ኣብ ኩሉ ንብረቱ ክሸሞ እዩ።” ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ እሙን አገልጋሊ፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግለሉ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሄር፡ ንሰባት ኵሎም ፍጡራት ዝሃቦም ውህበት ጸጋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ አምላክ ዝህቦ ውዕለት እንዳ ተዘከረ ዝዝመረሉ፡ ዝስበኸሉ፡ ዝሕሰበሉን ሰሙን እዩ።  ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።” መዝ 40፡8-9 ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንዕኡ ንምግልጋል ድላዋት ክንከው ከመይ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብዚ ከቢድ ጊዜ ሽግር ብእሙንነት ከነገልግል ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 2፡17።

ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 10ይ ምዕራፍ “1 - ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያዊ

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ። ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከም ዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና።

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን
ዕለት:- ጥሪ 4ይ ሰንበት

ታሪክ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ምልስ ኢልና እንተ ርኢናዮ ብኣስታት 333 ካብ መንበረ ማርቆስ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ መበል 20 ፓትርያርክ ግብጺ ዝተቐበአ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ናይ ኣምላክ ሰብ) ክርስትና ተቐበልና። ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ኣባ ሰላማ) ጵጵስና ተቐቢሎም ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን የገልግሉ ነበሩ። ካብዚ ጊዜ ኣትሒዙ ድማ ክህነት እናሃበት ጳጳሳት እናለኣኸት መንበር ማርቆስ እስክንድርያ ተገልግለናን ትጓስየናን ነበረት።

እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ  ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ

እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሓደረት እምነት እናዘከርኩ፡ ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ፡ ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኸመልእሲ፡ ክርእየካ እናናፈቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ አሎኹ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ። (2ይ ጢሞቴዎስ 1. 4-7)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div