S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 15, 2020፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መፃጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበት ሠርዐ።” አምላክ ኣዳም ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓሉ (ዝፈጠረሉ) እዩ፡” ዚብል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ብዛዕባ ምፍዋሱ፡ ትእምርቲ ምግባሩ፡ዝጎበጠ ምቅንዑ፡ ለምጻማት ምንጽሁ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ታአምራት ሓይሉ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይዝመር፡ ይስብከን፡ ይዝከርን።

ምሳሌ 4:23 "ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ።"

ጾመ ነነዌ ካብ የካቲት 6 ክሳብ 8 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን February 6 - 8) ብግእዝ ድማ ጥሪ 29 - የካቲት 1 2009 ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ኣሜን።

እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን ‘ምኵራብ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ፡ ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።

"ኩሎም ሰማእታት ቤተ ክርስትያን ብሓደ ወገን: ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ሚዛን እንተዝምዘኑ: ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ይብል ተርቱልያን ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስትያን።

"ምስጢር ድልዱል ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ምዃኑ ዝተበጽሐ ሓድሽ መጽናዕቲ" ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪንግሃም ያንግ - ምዕራባዊ ሸነኽ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ዘወግዱ መጻምድቲ፡ ሓዳር ምስ መስረቱ ዝሓየለ ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን ከም ዘስተማቕሩ ሓቢሮም።

ናይ ወዲ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ፡ ንምስሊ ኣምላኽ ምንጽብራቕ እዩ። ፍጥረት ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ፡ ወዲ ሰብ ንመልዕን ምስልን ኣምላኽ ከንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብፍጥረት ተካፈልቲ ባህሪይ ኣምላኽ ዀንና። ብምኽንያት እታ ዝተገብረት ኣበሳ እዚ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ኣባና ተበላሸወን ተደወንን። እንተዀነ ኣምላኽ በዚ ዝተበላሸወ መልኽዕ ንሓዋሩ ክንነብር ኣይሓደገናን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተበላሸወ መልኽዕና ከሐድሶ፡ ንዝጠፍአ ነገርና ክመልስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወረደ። ነዚ ወረደ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከነስተንትን ቐኒና ክንከውን ተስፋ ይገብር። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ዝወረደሉ ዕላማ ነቲ ዝተፈጠርናሉን፡ ናይ ህይወትና ተልእኾውን ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እነንጸባርቐሉን መልኽዕናን ምስልናን ንምሕዳስ እዩ።

ነቲ ክፉእ ፍልጻታት እተጥፍእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ (ኤፌ 6,16) More...

“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።

መእተዊ፥  እዚ ሰንበት እዚ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div