“ሰብ ጥበብ፡ 'እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ሪና እሞ ክንስግደሉ መጺእና’ እናበሉ . . . መጹ። . . . እንሆ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ።” ማቴ 2፡1- 2; 9 -10።
ሰላምታ ብምቕዳም፣ “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ? ክብል ንዝሓተተ ሓውና ተኪኤ መልሲ እንሆ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሮማውያን "እቲ ዚዅንንከ መን እዩ? ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ"(ሮሜ 8.34) ክብል ጽሒፍሎም። ከምኡውን ኣብ እብራውያን "ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” (እብ 7.25) ዝብል ጽሑፍ ንረክብ።
"እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። . . . እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዐይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ እየን።” ዮሃ 10፡11, 14። እዚ ቕንያት እዚ ክሳዕ ታሕሳስ 27 (ብግእዝ) ዘሎ ቕንያት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ “ኖላዊ” ማለት “ጓሳ፡ ሓላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ጕስነትን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓብን ኣገልጋልን ናይ ጕስነት ሓላፍነትን እነስተንትነሉን ርእስና እንምርምረሉን ጊዜ እዩ። ጕስነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ተግባርን እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብቓሉ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና ድማ፡ ካብቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ኣካፊሉና እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ጕስነታዊ ባህርዩ’ዚ ገና ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። ገና ንሰብን ንኻልእ ኵሉ ህያው ፍጥረትን ከይፈጠረ ኸሎ፡ ቅድም ንምድሪ ንዅሎም ህያዋን ከም እትኸውን ገይሩ ፈጠራ። ካብ ማይን ብርሃንን ጀሚርካ ንእንስሳ ንኣትክልቲ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ፡ ዚከውን ኵሉ ኣዳለወ። ዚነባበሩሉ ሕጊ ሰርዐ። እዚ ድማ ናይቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ነጸብራቕ እዩ። እቲ ሽዑ ዘዳለዎ ዅሉ፡ እንሆ ፍጥረታት ንዓሰርታት ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ ኽነሶም ክሳዕ ሕጂ ኣይተወድአን። ብፍላይ ወዲ ሰብ ብዜሰክሕ መጠን ንፍጥረት እናመዝመዞ ኽነሱ፡ ገና ግን እቲ ሃብቲ ኣምላኽ ኣይተጸንቀቐን።
“ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡ 11-12። እግዚኣብሄር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንዘርኢ ሰብ ካብ ዝሃቦ ዝዓበየ ሓለፋን ክብርን ሓደ፡ መሰል ውልድነት እዩ። ካብ ወለድና ብስጋ ስለ ዝተወለድና እንረኽቦ ሓለፋታት ማእለያ የብሉን። ፍቕሪ፡ ክንክን፡ ሓለዋ፡ ሓልዮት ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ንህላወናን ድሕነትናን (safety) ኣገዳስቲ ዝዀኑ ተግባራት ውጽኢት ናይ ውልድነት እዮም። ካልኣ ሰብ፡ ካብቲ ገዛ ዘይተወልደ ሰብ፡ ነቶም ወለድን ስድራኦምን ዋላ ካብ ደቆም ንላዕሊ ጽቡቕ እንተ ገበረሎም ከም ሕያዋይ ፈታዊ እምበር ከም ውላዶም ተቐቢሎም መሰል ውልድነት ኣይህብዎን እዮም። ብስም እቲ ወላዲ ኣይጽዋዕን፡ ኣይወርስን ከኣ እዩ። ስለዚ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ውልድነት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኻብ ከበረ፡ እቲ ሰማያዊ ውልድነትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክብሪ ኣለዎ ማለት እዩ፧ ነቲ ሕያውነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜጕልሖ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ውሉድ ዲያብሎስ ንዝነበሩ ዅሎም ውልድነት ኪህቦም ምፍቃዱን፡ ነዛ ውልድነት እዚኣ ምእንቲ ኺህበና ድማ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ኺስውእ ምፍቃዱን እዩ።
ድኻም ወዲ ሰብን ኃይሊ ኣምላኽን!
እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስና ነማዕቍብ ኣሎና እምበር ብተንኮል ኣይተመላለስናን፥ ንቓል ኣምላኽ ኣየጋጌናን፥ ነቲ ብህቡእ ዚግበር
“ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ‘እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ከኣ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ፊሊጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካ’፡ ኢሉ መለሰሉ።” ዮሃ 1፡ 47-48።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ