“የሱስ ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን አፍቅሮ:: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ:: እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ::” እያ (ማቴዎስ 22:37-39)።
ጽዑቅ ደመና ዝሸፈኖ ሰማይ ጩራ ኮኾብ ብዘደንቅ ሰንጢቁ ነቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ግርማ ከልብሶ ከሎ ነቶም ምእመናን ተስፋን ሐጎስን የስንቆም:: ነቶም ሕጊ እግዚአብሄር ዝጥሕሱ ድማ መሪር ጓህን ምፍልላይን የስዕብ:: ምፍልላይ ናይ ቤተክርስትያን ብጣዕሚ ዘሕዝንን እቲ ዝከፍኤን አብ ጊዜና ዝረኤ ዘሎ እዩ። እቲ ምክንያት ናይ ምፍልላይ ብዘየገድስ ምፍልላይ ንሞራል ናይ ምእመናን የጥፍኦ ንማሕበራት እዉን የዕንወን። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ቤተክርስትያን ምፍልላይ ብዙሕ እዩ ነገር ግን እቲ አውራ ምኽንያት ሰባት ዕላማኦም አብ ክንዲ ናብ እግዚአብሄር ዝገብሩ ንቤተክርስትያን ናይ ካልኦም አጀንዳ መራከቢ ምስ ዝገብርዎ ኢዩ:: ሓጥያት አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዘሎ ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ሓጥያት ግን ንስሓ ወይ ይቅረታ ዘይምሕላው እዩ:: ዋላ ሓደ ክርስትያን ፍጹም የለን:: ካልእ ክንዕዘቦ ዘሎና ነገር ድማ ኩሎም አብ ቤተክርስትያን ኮፍ ዝበሉ ሰባት ናይ ብሓቂ ምእመናን ወይ ክርስትያን እዮም ክንብል አይንኽእልን::
"ጸጋ አምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ ንኹሉ ሰብዉን ምድሐን ኣምጺኡ:: እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ አምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና አብዛ ዓለም እዚአ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን” ክንነብር ቅ ጳዉሎስ ይምህረና አሎ (ቲቶስ 2:11-13)::
ምፍልላይ ናይ ቤተክርስትያን ብምጥዓስ ይቕረ ይኩንካ ይቕረ ይኩንካ ብምብህሃል ብክብረት ምርድዳእን ብፍቕሪ ምጉዓዝን መፍትሒኡ ኮይኑ ግን እቲ መራሕ ሃይማኖት ካብ ሕጊ እግዚኣብሄር እንተ ወጸ እቶም አመንቲ ካብ ቤተክርስትያን ክእለዩ ወይ ክፍለዩ ይግደዱ:: ምክንያቱ "ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግን አይክሓልፍን እዩ” እዩ ዝብል እቲ መጽሓፍ:: ስለዚ: ቀሺ ሕጊ እግዚኣብሄር ከየጉደለ ብተግባር ክመርሕን ክምሕርን ኣለዎ:: "ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀሮስ ነቲ ዘይረኣዮ አምላኽ ከፍቅሮ አይከአሎን እዩ እሞ ንሐዉ እናጸልኦስ ንአምላኽ ኤፍቕሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ"(1 ዮሃንስ 4:20)::
ሕዝብና ነቲ መሪር ናይ ስደት ህይወት ተፋቒሩ ተሓጋጊዙ ንዘመናት ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኑ እዩ ዝነበር ኔሩ ሕጂ ግን ናይ ቤተክርስትያን ምፍልላይ ነዕሩክ ነዝማድ ንስድራ ነሕዋት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ አቢሉ ነቲ “እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ” ዝብል ቃል መልእኽቲ ደምሲሱዎ ይርኤ:: ደቅና ድማ ካብ መዛንኦም ተፈልዮም ይዓብዩ ኣለዉ:: ድምጺ እግዚኣብሄር በዓል አቤል አበይ አለዉ ይብለና ኣሎ ከምቲ ንቃኤል አበይ አሎ አቤል ሐዉኻ ዝበሎ እሞ ሃየ የሕዋት ንሕሰበሉ ካብ ቤተክርስትያንና ዝተፈለዩ የሕዋትና ገዲፍና ቤት አምላኽ እንተ ተመላለስናስ እንታይ ትርጉም አለዎ:: እቲ ቀንዲ ነገር ከም ክርስትያን ነንሕሕድና በቲ ብርሃን ናይ መስቀል ክንርኣኤ ኣሎና:: የሕዋትና ክርስትያን ከማና የሱስ ክርስቶስ ዘስካክሕ ሞት ከምዝሞተሎም ብጸግኡ ድማ ሐጥያቶም ከምዝደምሰሰሎም አይንረስዕ:: ደቂ ክርስቶስ ኢና ባሮት ናይ ጎይታ ስለዚ ነቲ ጸግኡን ፍቕሩን ምስ ካልኦት ደቁ ክንካፈሎ ብዘይውዳእ ምሕረቱ ክሕግዘና ንጸሊ ብእምነት ድማ ህይወትና ንምራሕ (ሮሜ 12):: ኣሜን::
Asmarana91
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ