“..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጒን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ…”(እንባቆም 2፡3) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ፣ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ከተማ ስያትል ካብ ሓሙስ 10 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 13 ሓምለ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ።
እግዚኣብሄር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
ሓሙስ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ይኸውን ናይ ክብሪ ዕዱም ብፁእ ሊቀ ጳጳስ ዳዊት ኣብ ቤተ ክርስትያን ተረኺቦም ነቲ ጉባኤ ባሪኾሞ። ንዝተገብረሎም ዕዙዝ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፣ እግዚኣብሄር ጉባኤና ክባርኽ ጸሎቶምን ሰናይ ባህጊ-ልቦምን ገሊጾም። ንምእመናን ድማ ማዕዳን ምትብባዕን ዝመልኦ መልእኽቲ ሂቦም። ንሶም፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይትዓርፍ፣ ፈተና ብመሰረቱ፣ ክልተ ዓይነት ነገራት ሓዚሉ ከምዝመጽእ፣ ፈተና ንረብሓ ወይ ንጥፍኣት ምኽንያት ከምዝኸውን ትምህርቲ ድሕሪ ምሃቦም፣ ነዚ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ወሪዱ ዘሎ ፈተና ድማ ንጽድቂ ወይድማ ንኹነኔ ምኽንያት ከምዝኸውን ትምህርቲ ሂቦም።
ምእመናን ኣብ እዋን ፈተና መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ እምነቶም ደው እንተድኣ ኢሎም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ከም እያሱ ንህዝቢ ብትብዓት ክመርሑ እንተኽኢሎም፣ እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ወሪዱ ዘሎ እዋናዊ ፈተና ንጽድቂ ምኽንያት ከምዝኸውን ኣብ መንፈሳዊ ማዕዳኦም ኣብርሆም።
ሃገረ ስብከት ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደባት መሰረት ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን በብዝተመደበሎም ግዜ መደባቶም ኣቕሪቦም። ከም ኩሉ እዋን: ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ጉባኤ’ውን ኣብ ስብከት፣ ትምህርቲ፣ ጸሎት፣ ከምኡውን ህዝቢ ብክፉት ልቢ ዝተሳተፎ ናይ ሕቶን መልስን ሰሚናር ዘድሃበ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ሃገረ ስብከት ውሳኔ ብምሕላፍ ጉባኤኡ ደምዲሙ።
ካልእ ተወሳኺ ድርብ ሓጎስ ዝሃበና ድማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ ምስቲ ዓመታዊ ጉባኤ ብሓደ ምብዓሉ እዩ። ቀዳም ምሸት ብዋዜማ ዝጀመረ፣ ወጋሕታ ሰንበት ብስብሃታትን ማህሌትን ተሰንዩ ምሉእ ለይቲ ጸሎት-ምስጋና ክግበር ሓዲሩ። ቅዳሴ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ፣ ኣብ እዋን ረፍዲ ድማ ዑደት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ተፈጺሙ። ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ካህናትን መዘምራንን ብሓደ ወገን፣ ጻዕዳ ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ምእመናን በቲ ካልእ ነቲ ንግደት ተወሳኺ ግርማ ሂቦምዎ። ብድሕሪኡ ኣጋይሽን ደቂ-ዓድን በሓባር ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ብምእታው ነታ መዓልቲ' ዝተዳለወ ሽሻይ ተኻፊሎም። እግዚኣብሄር ፈቒድዎ ድማ በዚ መደምደምታ ናይቲ በዓል ኮነ።
ሃገረ ስብከት ዝመደቦ ናይ መዳባት ውጥን ንመንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት፣ ብምኽሪ፣ ብኻልእ ሓገዝ ዝደገፍኩምና ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለኹም ኣቦታት፣ ምእመናን፣ ኣሕዋት፣ ኣሓት ኣምላኽ በረኸት የብዝሓልኩም። ብዝያዳ፣ ንምእመናን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ስያትል፣ ንካህን ቅድስት ስላሴ ስያትል ኣቦና ቆሞስ ተኸስተ ገ/ሚካኤል፣ ሰብኻ ጉባኤ፣ መዘምራን፣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባልን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ኣገልግሎት ዝዓየዩን ዘገልገሉን ኹሎም ምእመናን እግዚእብሄር ዓስቦም ይሃቦም።
ከምቲ ሳሙኤል "እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ድማ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ" (1 ሳሙ 7.12) ዝበሎ ንሕናውን እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረዲኡ 10ይ ዓመት ጉባኤና ብሰላም ኣፈጺሙና እዩ'ሞ "ኤብን-ዔዘር" ንብል።
እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያንናን ህዝብናን ሰላሙ ይሃብ!
እግዚኣብሄር ንኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም።
ምሉእ መደብን መግለጽን ጉባኤ 2008 ዓ.ም.ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ Click here for complete program
ክፍሊ ስነ ጽሑፍ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ
15 ሓምለ 2008
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ