“ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ [ሰምበደት]። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም።” ማቴ 2፡3,4።
እዚ ሕጂ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ንጾመ-ነብያት ብረድኤት ኣምላኽ ኣሕሊፍና በዓለ-ልደት እነብዕለሉን፡ ብመንጽር ልደት ክርስቶስ ርእስና እንምርምረሉን እነማእዝነሉን ቅንያት’ዩ። እቲ ቓሉ ዘይዓጽፍ፡ ንዅሉ ግብሩ ድማ ብምዱብ ጊዜ ዚገብር ልዑልን ከኣል-ኵሉን ኣምላኽ፡ ነቲ ኻብ ገነት ኤድን ኣትሒዙ ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ነብያቱ ዘተስፈዎ ንልደት መድሓኒና ኢየሱስ ዚምልከት ኵሉ ተስፋታቱ ዝፈጸመሉ ኽቡር ቅንያት ክንዝክርን ከነብዕልን ስለ ዘብቅዓና፡ ክብርን ምስግናን ውዳሴን ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። እቲ ንዓለምና ዘናወጸን ሕይወት ኣእላፋት ዝቐዘፈን ፌራ ብሰላምን ብሕይወትን ኣሕሊፍና ነዚ ኽቡር ቅንያት’ዚ ኸነብዕል ብምብቃዕና ድማ፡ ንእግዚኣብሔር ሓለፋ ኽብርን ምስጋናን ክንህቦ ይግብኣና’ዩ።
እዚ ቅዱስ በዓል ልደት’ዚ፡ ንኣምላኽ ዚኣምን ኰነ ዚኽሕድ ኵሉ ዜብዕሎ፡ መንፈሳዊ መኣዝኑ ዝሰሓተ በዓል’ዩ ዀይኑ ዘሎ። ናይ “ብላዕ-ስተ”፡ ናይ ዕብዳንን ዳንኬራን ባህሊ ውሒጥዎ፡ ካብ ናይ ክርስቶስ በዓል ንላዕሊ ናይ ሰይጣን በዓል ናብ ምምሳል ተለዊጡ ኣሎ። እዚ ንክርስቶስ ኣርሒቑ ዘግለለ ኣገባብ ኣበዓዕላ ልደት ክርስቶስ፡ ነቲ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ግቡእ መልሲ ካብ ዘይምሃብና ዚነቅል’ዩ። ነቲ ንልደት ክርስቶስ ከም ሓደ ሕሉፍ ታሪኽ ዚርእዮ ሰብ፡ እዚ ሕቶ’ዚ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ተወሊዱ፧” ናብ ዚብል ሕቶ ተለዊጡ’ዩ። ስለዚ ድማ ኣካይዳ ሕይወቱን ኣከባብራ በዓሉን ዚምርምረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። እቲ ንክርስቶስ ከም ሕሉፍ ናይ ታሪኽ ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ህሉውን ህያውን ንጉስ ናይ ሕይወቱ ገይሩ ዚርእዮ ግን፡ ልደት ኣብ ሕሉፍ ዘመን ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣብ ቊሸት ቤተ ልሄም ዝተፈጸመ ኽስተት ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቡ ኣብ ውሽጡ ዝተፈጸመን ዚፍጸምን ነባሪ ኽውንነት ኰይኑ’ዩ ዚነብር። ልደት በዓሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ዕለታዊ ናብራኡ’ዩ። ንሕና እምበኣር፡ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስቲያን ህዝቢ መጠን፡ ንልደት በቲ መንፈሳዊ መልእኽቱን ትርጒሙን’ምበር፡ በቲ ዓለምን ዓለማውያንን ዜብዕልዎ መገዲ ኸነብዕሎን ክንነብሮን ከም ዘይግብኣና፡ ኪስሓት ዘይብሉ ርዱእ ሓቂ’ዩ።
እዚ ሕቶኣዊ ኣርእስትና ዘይምልከቶ ሰብ ደኾን ይህሉ ይኸውን፧ ነብያት ንእስራኤል ጥራሕ ስለ ዝተነበዪላ፡ እቶም ካልኦት ኣሕዛብ ብዛዕባ ልደቱ ዚነግሮም ስኢኖም ደዀን ይዀኑ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ንጣኦታት ዜምልኹ ኣሕዛብ’ውን ዝተወልደ። ስለዚ ድማ ነቶም ሰብ ርሑቕ ምብራቕ ዝዀኑ፡ ስግለት ከዋኽብቲ ዜጽንዑን ብእኡ ዚምርሑን (astrologers) ተገልጸሎም። ነብያት ስለ ዘይነበርዎም በቲ ዚኣምኑሉን ዚምርሑሉን ጥበቦም ገይሩ፡ ንጉስን መድሓንን ከም እተወልደሎም ሓበሮም። እቲ ትእምርቲ ክርስቶስ ዝዀነ ኰዀብ ድማ ካብ ሃገሮም መሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብጽሖም። እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እቲ መራሒኦም ኰዀብ ተሰወረ። ብዛዕባ ንጉስ ኣብ እንዳ ነገስታት ስለ ዚሕተት ድማ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ንጉስ ሄሮድስ ከዱ። ሰሚዕዎን ተጸብይዎን ዘይፈልጥ ነገር ምስ ሰምዐ ድማ፡ ሄሮድስ ኣዝዩ ሰምበደ። ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ኵሎም ሄሮድሳት፡ ኤዶማዊ መበቈል ዘለዎም ካብ ሶርያ ዝመጹ፡ እምነት ኣይሁድ ዝተቐበሉ፡ ብሮማውያን ቄሳራት ዝተሾሙ ነገስታት’ዮም ዝነበሩ። ስለዚ ድማ ሕቶ ናይቶም ሰብ-ጥበብ (ሰብኣ-ሰገል) “ካብ ዝፋንኩም ዚዓልወኩም ንጉስ ኣብ ማእከልኩም ተወሊዱልኩም” ዚብል መርድእ ከም ዝሰምዑ ዀይኖም ሰምበዱ። ኢየሩሳሌም’ውን ምስ ሄሮድስ ሓቢራ ሰምበደት። ናይ ጥዕና ሕቶ ደኣ ኣይኰነን’ምበር፡ ሄሮድስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ሓተተ። መንፈሳዊ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ነዚ ሕቶ’ዚ እንተ ዚሓትት ብዙሕ’ዩ ዚረብሕ። ነቲ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነት ዘሎ ግና፡ እዚ ሕቶ’ዚ ሰላም ስለ ዘይህቦ ኣንጻር ክርስቶስ ኪለዓል’ዩ ዚደፋፍኦ። ነገስታት ምድሪ “ንጉስ ተወሊዱ” ዚብል ወረ ንምንታይ ብርቱዕ ሰምባድ ከም ዚፈጥረሎም ርዱእ’ዩ። እታ ኣብ ትሕቲ ባርነት ሮማውያን ዝነበረት፡ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ኢየሱስ እትጽበ ዝነበረት ኢየሩሳሌምከ ንምንታይ ሰምበደት፧ ብዛዕባ’ዚ ኰዀብ’ዚ ዝተነግረ ትንቢት ነይሩ ደዀን ይከውን፧ ኣብ መወዳእታ ነቲ ንጉስ ሒዛ ዝቐተለት ኢየሩሳሌም ምዃና ምዝካር፡ ኣብ ልደቱ ዘሰምበዳ እንታይ ምዃኑ ክትርዳእ ይሕግዝ’ዩ።
እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ወጺኦም ናብታ ምድሪ ተስፋ እናተጓዕዙ ኸለው፡ ናይ ሞኣብ ንጉስ ንኣታቶም ዚረግም ሓደ ነብዪ ኺዓስቡ ይጋደሉ ነበሩ። እዚ ኻብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ነብዪ ኺረግም እናተወናወነ ኸሎ ግና፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ኪምርቕን ኪንበን ኣገደዶ። ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ድማ ተነበየ።
“ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ “በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡” እቲ ክፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡ <እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዚኽፈታሉ፡> ከምዚ ይብል፡ ‘እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም። ኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር እዩ። ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኺወድኦ እዩ።’ ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ “ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ። ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ እትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ። እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ። ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ‘ወይለይ፡ እግዚኣብሔር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብሕይወት ይነብር፧’ ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኬጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ። በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።” ዘሁ 24፡15-25።
እዚ ኰዀብ እዚ’ዩ ነዞም ሰብ ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ መሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምጽኦም። ጐይታና ድማ እቲ ኻብ ሱር ዳዊት ዝዀነ ኰዀብ ጽባሕ ንሱ ምዃኑ፡
“ኣነ ኢየሱስ፡ “ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ አሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡””
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ1። ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ጠፈር ዚነብሩ ብርሃናውያን ፍጥረታት’ዮም። ናይዚ ዘለናዮ ኽፋል ጠፈር ዝደመቐት ኰዀብና ድማ ጸሓይ’ያ። ክርስቶስ ጐይታና ብኰዀብ ዝተመሰለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኻብ ኵሎም ከዋኸብቲ ዚበርህ ብርሃንና ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ንሱ ባዕሉ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ተኣሚኑ ኣሎ2። ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን’ውን ጸልማት ኪሕዞ ዘይክእል ብርሃን ናይ ዓለም ንሱ ምዃኑ መስኪሮምሉ’ዮም3፡፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ ኸምቶም ካልኦት ግኡዛን ከዋኽብቲ፡ ኣብ ጠፈር ተንሳፊፉ ኣካላዊ ብርሃን ዚህብ ኣይኰነን፡ ናብ ውሽጢ ልቢ ኣትዩ ዜብርህ ኰዀብ ደኣ’ዩ። እቲ ንሰብኣ-ሰገል ዝመርሐ ትእምርታዊ ኰዀብ ኣብ ሰማያት’ዩ ተራእዩ። እቲ ሓቀኛን ብሩህን ኰዀብ ጽባሕ ግን ኣብ ልቢ ሰብ ኣትዩ ዜብርህ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” 2ጴጥ 1፡19።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብ ልቢ ዚወጽእ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ’ዩ። ነቲ ንዓለም ብእምነት ዚስዕራ ክርስቲያን ዚወሃቦ ዝዓበየ ክብረትን ስልማትን ድማ ንሱ’ዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ’ዩ።
“ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧” 1ዮሃ 5፡4,5።
“እቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሕዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” ራእ 2፡26,27።
እቲ ንልደት በቲ ሓቀኛ ትርጉማ ብኽብሪ ዜብዕላን ዚነብራን ድማ፡ እቲ ብእምነት ንዓለም ብምስዓሩ፡ ነቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዝተቐበለ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘይተቐበለን ዘየብርሃሉን ሰብ ግና፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ፡ ንርእሱ ጸልማትን ወዲ ጸልማትን ስለ ዝዀነ፡ ክርስቶስን ልደቱን ኣይብጽሕዎን’ዮም። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ስለ ዘይተወልደን ስለ ዘይረኸብናዮን ኢና፡ ካብ ዕዳጋ ጽሕዲ ልደት ዓዲግና ብእልፊ ከዋኽብትን መብራህትን ከነከሓሕሶ ንጋደል ዘለና። ዘመነ-ትእምርቲ ኣብቂዑስ ናብ ዘመነ-ክዉንነት ኣቲና ኢና። ስለዚ ነቲ ሓቀኛ ኰዀብ ኣብ ልብና ኣብሪህና’ምበር፡ ንእኡ ምልክት (ትእምርቲ) ዚኸውን ሰብ-ሰርሖ (ኣርቲፊሻል) መብራህትን ከዋኽብትን ከነዳሉ ኣየድልየናን’ዩ። ከምቶም ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምስ ስኣንዎ፡ ብሰብ-ሰርሖ ጣኦታት ዚትክእዎ ኣሕዛብ ኣይንኹን። ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝተወለድና ደቂ ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ንዓለም ብእምነትን ብግብርን ብምስዓር እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ኸም ዝወጸን ከም ዝተወልደን፡ ንርእስናን ንዚዕዘበና ዅሉን ብግብሪ ነረጋግጽ። ኣብቲ ዘንበብናዮ ናይ ራእ 2፡26,27 ጥቕሲ ከም ዝተገንዘብናዮ፡ እቲ “ሰዓሪ” ዚበሃል፡ እቲ “ግብረይ ክሳዕ መወዳእታ (ናይ ሕይወቱ) ዝሕሉ” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ ክርስቶስ ግብሪ ገዲፉ፡ ናይ ውልቁ ግብሪ ዚገብር ሰብ ስዑር’ምበር ሰዓሪ ኺበሃል ኣይበቅዕን’ዩ። ግብሪ ክርስቶስ ኪገብር ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ምሉእን ሓቀኛን እምነት ዘለዎ ጥራሕ’ዩ። ክርስቶስ ናብ ልቡ ኣትዩ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኰይኑ ዜብርሃሉን ብርሃን ዓለም ዚገብሮን ድማ ንእኡ ጥራሕ’ዩ።
ወዲ ሰብ፡ ስጋ-ለበስ ፍጥረት’ዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ከኣ ስጋና ብርሃን ዘይብሉ ጸልማት ኰይኑ’ዩ ተሪፉ። እዚ ጸልማት ዝዀነ ስጋና ድማ ግብሪ ጸልማት፡ ግብሪ ስጋ ጥራሕ’ምበር ግብሪ ብርሃን ኪገብር፡ ኣጽዋር ብርሃን ኪዕጠቕ ኣይክእልን’ዩ4፡ ስለዚ ድማ’ዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡
“ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሓጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።”
ብምባል ዝመዓደናን ዝመሃረናን5። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምዃን ዚልውጠና፡ እዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ’ዩ። ጐይታና ነቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቦም ሰፈር ዝሃብዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን‘ዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ኢልዎም ኣሎ6። እምበኣር እቶም ብርሃን ዓለም ኪዀኑ ዝተዓደሉ ሰባት፡ ንብርሃኖም ብጽቡቕ ግብሮም’ዮም ንሰባት ዜርእይዎም።
በታ ልደቱ ምፍላጥ ጥራይከ ኣኻሊ ድዩ፧ እንታይ ሓደጋኸ ኣለዎ፧ እቶም ንኣምላኽ ብቕዱሳት ጽሑፋት’ምበር ብግብሪ ዘይፈልጥዎ ሊቃውንቲ ኣይሁድ፡ ሄሮድስ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ንጽሑፋት ነብያት ተወኪሶም፡ “ኣብ ቤተ ልሄም ናይ ኣውራጃ ይሁዳ’ዩ ዚውለድ” ኢሎም ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ’ዮም ዝሃብዎ። ቤተ ልሄም ይሁዳ ግና፡ ንክርስቶስ ስለ ዘይተቐበለቶ፡ ሰብ ቤተ ልሄም ንልደቱ ኪኸውን መብልዕ-ማል’ምበር ገዝኦም ኪህብዎ’ኳ ኣይፈቐዱን። ምስ ሰብ ዘይኰነስ፡ ምስ እንስሳታት ኪሰርዕዎ’ዮም መሪጾም። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከም እንስሳ ኺሕረድ ተፈርዶ። ካብዛ ፍርዲ’ዚኣ ምእንቲ ኸይመልቚ’ሞ ኸየምልጥ፡ ኣብ ቤተ-ልሄምን ከባቢኣን ዝነበሩ ትሕቲ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ቈልዑትን ብዘይ ምሕረት ተሓርዱ። ዓለምን እቶም ግብሪ ጸልማት ዝግብሮም፡ ጸልማት ዝመንነቶም ሰባትን እዚ’ዩ ንክርስቶስ ኣብ ልደቱ ዝቐረቡሉ ህያብ። ኣብ ልደቱ ኸም ዘምለጦም ምስ ኣረጋገጹ ድማ፡ እቲ ብርሃን ሰላም ስለ ዝኸልኦም፡ ኣብ መበል ስላሳን ሰለስተን ዓመቱ፡ ህዝብን ኣሕዛብን ተኣኪቦም፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ምስ ሮማውያንን ሄሮድሳውያንን ተሓባቢሮም፡ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ፡ ከም ገንሸል ድማ ሓረድዎ። ስለዚ ከኣ፡ “ገንሸል ፋሲካና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ’ዩ” ተባህለልና7። ሕጂ’ውን ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ኰይኑ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኣብ ሰማያት ኰይኑ ይዕዘበናን ይጽበየና ኣሎ8። ዓለምን እቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉን፡ ንጸልማት መንነቶምን ግብሮምን ኪገብርዎ ዝመረጹ ሰባት፡ ኣብ ልደቱ ዀነ ኣብ ፋሲካኡ ዝቐረቡሉ ህያብ ነቲ ብርሃኑ ኬጥፍኡን ኪድምስሱን ምፍታኖም ጥራሕ’ዩ። ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ሰባት፡ ብርሃነ ልደቱ ዀነ ብርሃነ ትንሳኤኡ ዓቕሎም’ዩ ዜጽብበሎም። ምኽንያቱ ብርሃኑ ነቲ ናይ ጸልማት ግብሮምን መነንቶምን እናቐልዐ ስለ ዜሸግሮም’ዩ። ናብ የማን ኣቦ ዓሪጉ ኼረኻክቡሉ እንተ ኣጸገሞም ድማ ነቶም ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኰይኑ፡ ኣብ ልቦም ዜብርሃሎም ዘሎ ክርስቲያን ደቁ ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ክሳዕ ሕጂ ክሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ዚከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ። ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ገና ሳውል ከሎ፡ ነቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቦም ሒዞም ብርሃን ዓለም ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኼሳድድ ይግስግስ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ መገዱ ተጓኒፉ ብብርሃኑ ደጒሑ፡ ናብ ምድሪ ጻሕ ኣቢሉ ኣውደቖ። “ሳውል፡ ሳውል ንምንታይ ትሰጒጐኒ ኣለኻ፧” ኢሉ ድማ፡ ግብሩ ኣግሃደሉ። ሳውል ነቶም ብርሃን ወንጌል ብስብከቶምን ብሕይወቶምን ዜብርሁ ሰባት ኬሳድድ ከሎ፡ ንሰብ እምበር ንኻልእ የሳድድ ከም ዘሎ ኣይፈለጠን። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኢየሱስ፡ በቲ ብርሃናዊ መንነቱ ተገሊጹ፡ “ንምንታይ ተሳድደኒ ኣለኻ፧” ምስ በሎ ግና፡ ምስ መን ይገጥምን ይበኣስን ከም ዘሎ ተጋህደሉ። “ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ ድማ፡ “ኣነ፡ እቲ ንስኻ እትሰጒጎ ዘለኻ ኢየሱስ’የ፡” ዚብል ንጸልማቱ ዝቐንጠጠ ንርእሱ’ውን ናብ ብርሃን ዝለወጦ መልሲ ረኸበ9። ሳውል፡ ምስጢር ሕይወት ጽቡቕ ገይሩ ኸም ዝተገልጸሉ ዝተጋህደ፡ ብዓይነት ናይቲ ዘቕረቦ ሕቶ’ዩ። ነቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እተዕግቦ፡ ንስኻ ድማ ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብኻ ከም ዝተቐበልካዮ እተረጋግጽ ሕቶ “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደልይ ኣሎኻ” እትብል’ያ። እቲ ነዛ ሕቶ’ዚኣ መልሲ ዝረኸበ ሰብ’ዩ፡ ናይታ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፡” እትብል ሕቶ ሓቀኛ መልሲ ዚረክብ።
“እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኪወጸለይ’ዩ” ዝተባህለሉ ኣካላዊ ልደት ቅድሚ 2013 ዓመት (2020) ኣብ ቤትልሄም ተፈጺሙ ኣብቂዑ’ዩ10። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቢ ሰብ ዚወጻሉ ጊዜ ግን መዓልታዊ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ልቢ ሳውል ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ሰላሳታት ዓ.ም ተፈጺሙ። ኣባናኸ መዓስ ኰን ተፈጺሙ ይኸውን፧ “እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ንዚብል ሕቶ እንታይ ዚብል መልሲ ዀን ንህብ ንህሉ፧ ኣዘንተውቲ ታሪኽ ጥራሕ ዲና፧ ወይስ ታሪኽ ናይቲ ብሩህ ኰዀብ ኣባና ይስራሕ ኣሎ፧ “እቲ ብርሃናዊ ኰዀብ ኣብ ልበይ ተወሊዱስ ንኣይ’ውን ብርሃን ዓለም ገይሩኒ” ዚብል ታሪኽ ሕይወት ደዀን ይህልወና ይኸውን፧ ወይስ ኣብ ጸልማት ተቐሚጥና፡ ግብሪ ጸልማት እናኣዘውተርና፡ ንርእስና ጸልማት ኴንና፡ ልደት ክርስቶስ ግና ብሰብ-ሰርሖ (ኣርቲፊሻል) ብርሃን ነብዕሎ ኣለና፧ ከምቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ዝኣተዋን ዝተወልደላን ልቢ እናኣተና ኻብኣ ኸነውጽኦ፡ ኣብ ሰባት ንዝረኣናያ ብርሃኑ ኸነጥፍእ እንጋደል ሰባት ዲና፡ ወይስ ነዛ ብርሃናዊት ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ከተብርህ ዚጋደሉ ናይ ብርሃን ልኡኻት ኢና፧ ልደት ክርስቶስ መንነት’ምበር በዓል ኣይኰነን። ብርሃን ኴንካ ዚበዓል እምበር ሽምዓ ወሊዕካ ዚበዓል በዓል ኣይኰነን። ነቲ ንጸልማትካ ኼብርህ ዚጋደል ዘሎ፡ ኣብ ኣፍ ልብኻ ዀይኑ እናዃሕኵሐ “ናብ ልብኻ ኣትየ ኸብርሃልካን ከብርሃካን ፍቐደለይ” ዚብለካ ዘሎ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ልብኻ ብምኽፋት፡ “ክርስቶስ ኣብ ልበይ’ዩ ዚውለድ” እናበልካን ከምኡ እናገበርካን ኣብዕሎ!!
ቃለይ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥሪ 2, 2013 ግዕዝ (10 ጥሪ 2021) - መበል 18 ሰንበት: ቊ.22 -[፳፪] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ሮሜ 11፡25-ፍጻ |
1ዮሃ 4፡1-9 |
ግብ 7፡17-23 |
ማቴ 2፡1-13 |
ዘእግዚእነ (ነአኵተከ) |
መዝ 88(89)፡27,28 “ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም ኣዐቅብ ሎቱ ሣህልየ” “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ” |
1ራእ 22፡16 2ዮሃ 8፡12፣ 12፡35,36፣ 3፡19 3ዮሃ 1፡4-9፣ ኢሳ 60፡1,17-20:4ሮሜ 7፡14-24 5ኤፌ 5፡8-10 6ማቴ 5፡14-16 71ቈረ 5፡7 8ራእ 5፡6:9ግብ 9፡1-7 10ሚክ 5፡2፣ ሉቃ 2፡1-5
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ