“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ፡ ሻብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበት’ዝን እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ሰሙንን (ክሳዕ ድሮ ሆሳእና)፡ “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኒቆዲሞስ፡ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ፈሪሳዊ መምህር ዝነበረ’ዩ። ዘይ ከም ካልኦት ፈሪሳውያን ብጾቱ ግን ፍሉይ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ኰይኑ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝተላእከ ዚኣምን ፈሪሳዊ ነበረ። ዘይከም ካልኦት ፈሪሳውያን መንፈሳዊ ብርሃን ዝረኸበ ቕኑዕ ፈሪሳዊ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ዝተዛረቦን ዘንጸባረቖ ባህርይን ምርዳእ ይከኣል’ዩ። ካብ’ቶም ንጐይታና ዚጻብእዎ ፈሪሳውያን ስግኣት ስለ ዝነበሮ ግን ጕልባቡ ቐሊዑ ዅሉ ሰብ እናረኣዮ ምስ ጐይታ ኺዘራረብ ኣይተብዐን። ንጸልማት ከም ከውሊ ተጠቒሙ ግን ብዛዕባኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ከም ዚመስል ንጐይታ ብቕንዕና ገለጸሉ። ጐይታ ድማ፡ ኣመላልሳኡ ቝሩብ ትርር ዝበለ’ኳ እንተ መሰለ፡ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ዘይተዛረቦ ፍሉይ ምስጢር ደኣ ገለጸሉ። እዚ ንእኡ ዝገለጸሉ ናይ ካልኣይ ልደት ምስጢር፡ ናይ እምነት ክርስትና እምኒ-መኣዝን’ዩ። ናይ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን መሰረተ እምነትና፡ ኣብ’ዚ ንመምህር ኒቆዲሞስ ዝተነግሮ ቓል ዝተሰረተ’ዩ። “ካብ ማይን ካብ መንፈስን ምውላድ” ማለት፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ካብ ማይ እንውለዶ፡ ብምስጢረ ሜሮን ከኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ መንፈሳዊ ልደት ዜመልክት’ዩ። በዘን ምስጢራት’ዚኣተን ዝሓለፈ ክርስትያን፡ “ካብ ላዕሊ፡ ካብ ኣምላኽ” ተወሊዱ ይበሃል። ካብ’ታ ኻብ ላዕሊ ዝተወልደላ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ጓናን ስድደተኛን ይኸውን። ዓለም ብግህዶ ትጸልኦ፡ ንሱ ኸኣ ጸላኢኣ ይኸውን። ነዛ ልደት’ዚኣ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኵሉ ቐልቡ ኣብ’ታ ሰማያዊት ሃገሩ ይገብር። ዋላ’ኳ ህይወቱ ድሮ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊራ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጣ እንተ’ላ ስጋኡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ተሪፉ ገና ምድሓኑ ይጽበይ ስለ ዘሎ ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገሩ ዚግዕዘላ ዕለት ብልዑል ሃንቀውታ’ዩ ዚጽበያ (ቈሎ 3፡1-3 ፣ ኤፌ 2፡6,7 ፣ ፊሊ 3፡20,21 ፣ ሮሜ 8፡22,23 ካ.ት)። ናብ’ታ ዝተወልደላ ሰማያዊት ሃገሩ ኽሳዕ ዚምለስ ዘሎ ናይ ምድራዊ ህይወቱ ዘመን ከኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ልደቱን መንነቱን ዚምጥንን ዚውክልን ናይ ጽድቅን ቅድስናን ናብራ’ዩ ዚነብር። ሰማያዊ ልደቱን መንነቱን ዘንጊዑ፡ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዝተበከለ ዓለማዊ ናብራ ዚነብር እንተ ዀይኑ’ሞ፡ ብንስሓ ንልደቱ እንተ ዘይሓዲስዎ፡ ነቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝረኸቦ ኽቡር ልደትን መንነትን ንሓዋሩ ኺስእኖ ይኽእል’ዩ። ከም ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽቡቕ ኣረኣእያ ስለ ዘሎካን፡ ብዛዕባኡ ግሩም ቃላት ስለ ዝተዛረብካን ጥራሕ፡ መንግስተ ሰማያት ምእታው ኣይርከብን’ዩ። ካብ ላዕሊ ካብ መንግስተ ሰማያት ብማይን ብመንፈስን ክትውለድ ናይ ግድን’ዩ። ካብ ላዕሊ ምውላድ ጥራሕ’ውን ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ሰማያዊ ልደትካን መንነትካን ኣብ’ዛ እክይትን ጸላኢትን ዝዀነት ዓለም ብግብሪ ኽትነብሮ ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ተወሊደላ’የ” ጥራሕ ዘይኰነስ፡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ እነብራ’ለኹ” ኪብል ዘይክእልን ኣምላኽ’ውን ዘይምስክረሉ ክርስትያን፡ ምስ’ቶም ጐይታና፡ “ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩ ከም ዘይኰነሎም (ብሓቂ) እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ዝተዛረበሎም ሰባት’ዩ ዚስራዕ’ምበር፡ ነታ ምእታው ኣይኪረኽባን’ዩ። ምስ’ቶም ብዙሓት ኰይኑ ማዕጾ እናዃሕኵሐ “ኣነ’ኮ ካብኣ ተወሊደ’የ፡ ክኣትው ይግብኣኒ’ዩ” ዜስምዕ ናይ መርትዖ ቓላት እንተ ኣብዝሐ ድማ፡ እቲ ብእኡ ዝተበደለን ዝተዋረደን ንጉስ ናይ’ታ መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካባይ ርሓቁ” ኢሉ ኺመልሰሉ’ዩ (ሉቃ 13፡22-30)። ኣብ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደትን ሰማያዊ ናብራን፡ ዋጋ ዕዳጋ ፈጺሙ የልቦን። ናይ’ዚ “ኒቆዲሞስ” ዝተሰምየ ቅዱስ መዓልቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ መልእኽቲ እዚ ዝተባህለ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ’ዚ ዘመነ ጾም’ዚ ናይ ኒቆዲሞስ መዓልቲ ዝሰርዓትልና፡ በዚ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ተመሪሕና መፈጸምታና ምእንቲ ኸነጸብቕ’ዩ። ነቲ ብቕዱሳን ኣቦታትና ገይሩ ነዚ ዕለት’ዝን ነዚ ምስጢር’ዝን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣብ ኵሉ ወለዶታት ክብሪ ይዅኖ!! ኣሜን!!
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ሖረ ኀቤሁ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ዝተሰርዐ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ ድማ፡ ነዚ ልዕል ኢልና ኸነንብቦ ዝጸናሕና ሓሳብ ዚድርዕ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ብእግዚኣብሄር ተመርሚሩስ ዝዀነ ዓመጻ ኸም ዘይተረኽቦ ተኣሚኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ ልሳኑ ቓል ዓመጻ ኸይወጽእ ቈራጽ ውሳነ ወሲዱ ስለ ዘተግበሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብምእዛዝ፡ ካብ መገዲ ዓመጸኛታት ስለ ዝረሓቐን’ዩ። ሰማያዊ ልደትና ንዅላትና ዚጠልበና ህይወት ድማ ከም’ዚ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና፡ እግዚኣብሄር ንሕና ሰማያዊ ልደት ረኺብና ኻብ ጥፍኣት ድሒንና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብህይወት ወዱ ኽሳዕ ዚብጀወና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኸም ዘፍቀረና ዚገልጽ’ዩ። ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ናይ ሰማያዊ ልደት ህያብ’ዩ። ሰማያዊ ልደት ከኣ ናይ መስዋእቲ ክርስቶስ ፍረ’ዩ። መስዋእቲ ክርስቶስ ድማ ናይ’ቲ ዕዙዝ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝለዓለ መግለጺ’ዩ።
ንኣና ንዓለም ከይነፍቅራ ኣዚዙናስ፡ ንምንታይ’ዩ ባዕሉ ንዓለም ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዘፍቀራ፧ ወይስ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ዓለማት’ዩ ዚዛረበና ዘሎ፧ ናብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና ብምስትውዓል ደጊምና እንተ ኣንበብናዮ፡ እቲ መልእኽቱ እንታይ ምዃኑ ብቐሊሉ ኺበርሃልና’ዩ። ብዛዕባ ሰባት’ምበር፡ ብዛዕባ’ዛ ህይወት ዘይብላ ግእዝቲ ዓለም ይዛረብ ከም ዘየለ፡ ድሮ በቲ “ብእኡ ዚኣምን ኵሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ” ዚብል ቃል ስለ ዘብርሃልና፡ “ኣብ ዓለም ንዘሎ ዅሉ ሰብ” ንምባል’ምበር፡ ብቐንዳ ነዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለም ማለቱ ኸም ዘይኰነ ብሩህ’ዩ። እዛ ዓለም’ዚኣ ቦታ ኽሳዕ ዘይርከበላ ኣሰር ዘይብላ ዀይና ብሓዊ ነዲዳ ኽትጠፍእ፡ ገና ቕድሚ ምፍጣራ ዝተወሰነላ ዓለም’ያ (ራእ 20፡11 ካ.ት + ቀ.ት ፣ 2ጴጥ 3፡7,10-12)። እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እንነብር ብምስሉን መልክዑን ዝፈጠረና ደቂ ሰባት’ዩ ዘፍቀረ (1ዮሃ 3፡1,16 ፣ 4፡9,10)። እቲ ንሕና ንዓለም ከይነፍቅራ ዝተነግረና ድማ፡ ነቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚገዝእ ዘሎ፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን’ምበር፡ ነዛ ግእዝቲ ዓለም’ዚኣ ኸም ዘይኰነ ብተደጋጋሚ ተማሂርናዮ ኢና። እዛ ዓለም’ዚኣ በቲ እኩይ ድያብሎስ እትመሓደር እክይቲ ዓለም’ያ (1ዮሃ 5፡19 ፣ ገላ 1፡3,4)። ንጊዚኡ እንጸንሓላ ድንኳና’ምበር፡ ነባሪት ሃገርና ኣይኰነትን። ጥፍኣት ኣወናዊኑናን ኣብሂጉናን እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስኣ ብፍቕሪ ዜዛምድ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ፍቕሪ ዓለም፡ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ዕዙዝ ፍቕሪ ናብ መሪር ፍርዲ ዚልውጥ ዓሻ ምርጫ’ዩ። እቲ ኣብ ልብና ብዘይ ልክዕ ዝፈሰሰ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ነቲ ዚፈታተነና ፍቕሪ ዓለም እንተ ዘይኣጥፊእዎ፡ እቲ ጥቕሲ ተገልቢጡ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪረክብ’ምበር፡ ከይድሕንሲ” ኪዀነልና መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ።
ፍቕሩ ንምግላጽሲ ንምንታይ ናይ ግድን ህይወት ወዱ በጃ ኺህብ ኣድለዮ፧ ህይወት ወዱ እንተ ዘየሕለፈ፡ እቲ ፍቕሩስ ፍቕሪ ኣይከውንን ማለት ድዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ብዛዕባ ባህርይ እግዚኣብሄርን ብዛዕባ ኽብደት ሓጢኣትን ኣዕሚቝና ኽንምርምር ዚድርኽ’ዩ። እቲ ኸቢድ ጸገም ዚዀነና፡ ነዚ ዓሚቝን ረቂቕን ምስጢር’ዚ፡ ኣብ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜን ኣብ ንእሽቶ በራሪ ወረቐትን ክትገልጾ ኣዝዩ ዜጸግም ምዃኑ’ዩ። ብመሰረቱ’ውን፡ ዋላ ኣዝዩ ይብላሕ፡ ኣእምሮ ሰብ ኪግንዘቦን ኬቋጽሮን ዘይክእል፡ ዋላ ኣዝዩ ብሉጽ ይኹን፡ ቋንቋ ሰብ ኪገልጾ ዘይክእል፡ ጊዜ ስለ ዝነውሐ፡ ወረቐት’ውን ስለ ዝበዝሐ ዘይፍታሕ ግድል’ዩ። በቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና መጠን ግን ብዓቕምና ኽንድህስሶ ዘይከኣል ኣይኰነን። ንምርድኡ ምእንቲ ኺጥዕመና ግን ኣብ ክልተ ንኡሳን ኣርእስቲ ኸፊልና፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ንዳህስሶ።
1) ክብደት ሓጢኣት፦ ኣምላኽን ንሕና ብዛዕባ ኽብደት ሓጢኣት ዘሎና ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ ብዝዀነ ዓይነት ሰብኣዊ መለክዒ ኺግለጽ ዘይክእል እምብዛ፡ ኣዝዩ፡ ኣመና፡ ምሒር፡ እምበረ መጠን ገፊሕ’ዩ። ንሓጢኣት እምብዛ ኣቕሊልና ኻብ ምርኣይና ዝተላዕለ፡ ብዘይ ሓጢኣት ኪንበር ከም ዘይከኣል ክሳዕ ምድምዳም ዝተበላሸናን ዝጋዕዘናን ፍጥረት ኢና። እዚ ኸኣ፡ ንሓጢኣትና ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ንኣድላይነትን ክብርን ናይ ንስሓ ድማ እምብዛ ኣሕሲርዎን ኣቕሊልዎን ኣሎ። ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግን ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ፡ በቲ ንሓጥእ ሰብ ኬድሕን ንሓደ ወዱ መስዋእቲ ምግባሩን፡ ንሓጢኣተኛ ንዘለኣለም ኣብ ቀላይ ሓዊ ኪሳቐይ ኪነብር ምፍራዱ ብመጠኑ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ናይ እግዚኣብሄር ጽድቅን ቅድስናን ኣዝዩ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ነታ ንሕና “ዝነኣሰት ሓጢኣት” እንብላ’ኳ በዒንቱ ኺርእያን ሸለል ኢሉ ኺሓልፋን ኣይክእልን’ዩ (ኣን 1፡13 ፣ ህዝ 36፡17)። ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሓጢኣት ግቡእ ዓስቡ ኸይሃበ ኣይሓልፎን’ዩ። ናይ ኵሉ ሓጢኣት ፍርዲ ድማ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን’ዩ። ምኽንያቱ ይዕበይ ይንኣስ፡ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ኵሉ ሓጢኣት ኣብ ልዕል’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዚፍጸም ከቢድ በደል’ዩ (መዝ 51፡4)። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ግቡእ ፍርዲ ኸይሃበ ሸለል እንተ በሎ፡ ነቲ ጻድቕን ቅዱስን ፍትሓውን ባህርዩ ሸለል ምባል ስለ ዚኸውን፡ ፈጺሙ ኣይውዕሎን’ዩ። ነዚ ሓጢኣት’ዚ ሕድገት ዚገብረሉ፡ ንእኡ ነቲ ሓጢኣት ዚምጥኖ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣዝዩ ዚዓብዮ ሞት ሞይቱ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዚኸፍል ኣካል ምስ ዚርከብ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ንዝተፈጸመ ከቢድ በደል ብሞቱ ኪኸፍሎ ዚኽእል፡ ካብ ፍጥረት ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ሰብ ከይከፍሎ፡ ንርእሱ ሞት ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ይትረፍ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም፡ ነታ ናቱ’ውን ኪኸፍላ ኣይክእልን’ዩ። ዋላ መልኣኽ ስጋና ለቢሱ እንተ ዚሞተልና’ኳ፡ ንኣምላኽ ዚምጥን ክብሪ ስለ ዘይብሉን፡ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ዚረኽበሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘለኣለማዊ ህይወት ስለ ዘይብሉን፡ ሓጢኣት ዓለም ብሞቱ ኼተዓርቕ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ብሞቱ ዓስቢ ሓጢኣት ብምልኣት ከፊሉ ብድሕሪኡ ብትንሳኤ ህይወት ኪህብ ዚኽእል፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኻልእ ኣካል ኣይነበረን፡ የለን ከኣ። እዚ ኸኣ ሓጢኣት ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ዜብርሃልና’ዩ።
2) ባህርይ እግዚኣብሄር፦ እግዚኣብሄር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዎ፡ ማለት ሸለል ዘይብሎን ዘይግህሶን ጻድቕን ቅዱስን ፍትሓውን ባህርይ ከም ዘለዎ ድሮ ጠቒስና ኣለና። ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ ግን እዚ ዝተጠቕሰ ጥራሕ ኣይኰነን። ፍቕሪ፡ ሕያውነት፡ ምሕረት’ውን ሸለል ዘይበሃልን ዘይገሃስን ባህርዩ’ዩ። ጽድቁን ፍትሑን ኪፈርድ’ኳ እንተ ደረኾ፡ ፍቕሩን ሕያውነቱን ድማ ኪምሕር ይድርኾ’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ዘይከም ሰብ፡ ኣብ መንጎ ባህርያቱ ምብልላጽ ዘይገብር ሚዛናዊ ኣምላኽ’ዩ። ንፍትሓዊ ባህርዩ፡ ነቲ መሓሪ ባህርዩ መስዋእቲ ብምግባር ኣይኰነን ዚፍጽሞ። ከምኡ’ውን ብኣንጻሩ፡ ነቲ መሓሪ ባህርዩ፡ ነቲ ፍትሓዊ’ውን ጻድቕን ባህርዩ ብምጕሳይ ኣይፍጽሞን’ዩ። ከኣል-ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብሓንቲ ተግባሩ ንዅሉ ባህርዩ ብማዕረ ብዜዕግብ መገዲ ኺገብር ዚኽእል ኣምላኽ’ዩ። ንሓጥኣትን ንሓጢኣተኛን ኬጥፍእ ፍትሓዊ ባህርዩ ኺድርኾ ከሎ፡ ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ግን ከኣ ብሓጢኣት ዝነወረን ዝበደሎን ዘርኢ ኣዳም ኪምሕር እቲ ፈቃርን ሕያዋይን ባህርዩ ደረኾ። ንፍትሓውን መሓርን ባህርዩ ብማዕረ ኽትግብረሉ ዚኽእል ረቂቕ መለኮታዊ ምኽሪ ድማ መኸረ፡ ብዕብየት ሞቱ ንሞት ናይ ኵሉ ሰብ ከፊሉ፡ ብትንሳኤኡ ድማ ንዅሉ ሰብ ምሕረትን ህይወትን ኪህብ ዚኽእል ድማ፡ እቲ ፍጹም ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ኰነ። መለኮት ግና ኪመውት ስለ ዘይክእል፡ ዚፈስስ ደም’ውን ስለ ዘይብሉ፡ ምስ ስጋ ተዋሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኪኸውን ናይ ግድን ኣድለየ። እዚ ምስጢር’ዚ ኸኣ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተፈጸመ። ብመልክዑ ስለ ዝተፈጠርና ንሕና ብመንፈስ ኣካሉ ኢና፡ ስጋና ብምልባሱ ድማ ንሱ ምሳና ሓደ ኣካል ኰነ። ስለ’ዚ ሞቱ ናትና ሞት፡ ትንሳኤኡ ድማ ናትና ትንሳኤ ዚዀነሉ መሰረት ተነጽፈ። እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ፡ ነዚ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ ነቲ ፍትሓዊ ባህርዩ ኣብኡ ፈጸሞ። ናይ ኵሉ ሓጢኣት ዓለም ዓስቢ ልዕሊ ዚግብኦ ብዜዕግብ መገዲ ስለ ዝተኸፍለ ድማ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ብምሃብ ነቲ መሓሪ ባህርዩ ተግበሮ። እዚ ዅሉ ኺገብር ዝደረኾ ድማ፡ እቲ ንኣና ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና ደቂ ኣዳም ዘለዎ መግለጽን መለክዕን ዘይርከቦ ዕዙዝ ፍቕሩ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ (1ዮሃ 4፡8,16)። ነዛ ባህርዩን መንነቱን ዝዀነት ፍቕሪ ኺጐስያ ኣይኰነሉን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ንሓጢኣት ኣዝዩ ዚጽየፎ ኽነሱ፡ ነቲ ኪፍቀር ዘይግብኦ ሓጥእ ሰብ ግን፡ ብዋጋ ህይወት ናይ’ቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ ኣፍቀሮ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኵሉ ዋጋ’ዚ ስለ ዝኸፈለስ፡ ንምንታይ ኢና ንሕና ኻብ ተሓታትነት ሓራ ንኸውን፧ እዚ ተግባር’ዚ ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ፧ ወይስ ተኻፈልቲ ናይ’ዚ ፍርዲ’ዚ እንዀነሉ መገዲ ኣሎ’ዩ፧ ናይ’ዚ ጐይታና ዝኸፈሎ ዋጋ ተኻፈልቲ እንተ ዘይኴንና’ሞ፡ ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ኺበሃል ኣይምተኻእለን ነይሩ። ነቲ ፍርዲ’ቲ ብቀጥታ ባዕላትና ኽንቅበሎ ዘይተፈርደልና ክንጾሮ ዘይንኽእል ዘይዓቕምናን ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ዝፍጸምናዮ በደል፡ ብዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን እንፍረደሉ ምኽንያት፡ ከም’ዚ ናይ ክርስቶስ፡ ብሓንትን ሓጻርን ሞት ክንከፍሎ ስለ ዘይንኽእል’ዩ። ክርስቶስ ግና በዛ ናይ ሳልስቲ ሞቱ፡ ንናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ዓስቢ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ከፊሉ ስለ ዝወድአ፡ ካብ ዕዳ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ገበረና። እቲ ንሱ ዝኸፈሎ ሞት ናትና ሞት ኪኸውን ግን ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ብዓቕምና ኣብ’ቲ ሞቱ ተኻፈልቲ እንዀነሉ ምስጢራት ተሰርዓልና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸመይ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ኸም ‘ንመውትን ‘ንቕበርን ‘ንትንስእን ብብሩህ መገዲ ገሊጹልና’ዩ።
“......ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርሲ ኸም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኣ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና (ብትንሳኤ) ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና፡ ...... እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ፈሊጥና ኣለና።” ሮሜ 6፡1-7
“ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ናይ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም፡ .... ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።” ቈሎ 2፡12,13
ስለ’ዚ “ጥምቀት” ማለት ምስ ክርስቶስ ሙማትን ምቕባርን ምትንሳእን ማለት’ዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞቶ ናይ ስጋ ሞት ድሕሪ ሙማትና፡ ተንሲእና ብህይወት ክንቅጽል ስለ ዘይንኽእል፡ ብጥምቀት መንፈሳዊ ሞት ብሙማት ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ሞት ክንሓብር እግዚኣብሄር ብረቂቕ ምኽሩ ረድኣና። ብምስጢረ ቍርባን ካብ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተቘርሰ ስጋኡን ዝፈሰሰ ደሙን ስለ ንካፈል፡ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ምእንታና ዝሞቶ ሞት ንኸውን። ምስጢረ ንስሓ’ውን፡ ካብ’ቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ከም ንመውት (ከም ንፍለይ) ስለ ዚገብረና፡ ተኻፈልቲ ሞቱ ዚገብረና ምስጢር’ዩ። ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣሚንና ክርስትያን ኴንና ኸነብቅዕ፡ ካብ’ዚ ምስጢራት’ዚ እንተ ተረፍና ግን፡ “ክርስቶስ ብዛዕባ ሓጢኣተይ ክሞተለይ ኣይደልን’የ፡ ኣብ’ቲ ንሱ ዝሞቶ ሞት ክሓብር ኣይደልን’የ፡ ነቲ ዝተመደበለይ ዘለኣለማዊ ሞት ባዕለይ ክኸፍሎ’የ ዝደልይ” ዚብል ዓሻን ኣነዋርን ምርጫ መሪጽና ኸም ዘለና ንፍለጥ። ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይፈለጦ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦን ቅዱስ ወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝኸፈልዎ መሪር ዋጋ ዘየስተውዓለን ዘይተቐበሎን ሰብ ዚመርጾ ሓደገኛን ሰንካምን ምርጫ ድማ’ዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ናይ ድሕነት ምስጢራት’ዮም። ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ናይ ድሕነት ምስጢራት’ዮም። ምስጢረ ጥምቀት ዘይድገም ምስጢር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንሱ ዝተፈጸመሉ ዕላማ ብምንባር፡ ማለት ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግን ህያዋን ኴንና ብምንባር ኢና ተኻፈልቲ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ እንኸውን። እተን ክልተ ምስጢራት፡ ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ቍርባንን ግን፡ ብዘይ ምቍራጽ ኵሉ ጊዜ ብምክፋል ኢና ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ሕቡራት እንኸውን። እቲ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሕዝንን ግና፡ ብዘይካ’ታ ኣብ ጊዜ ህጻንነትና ዝተፈጸመት ምስጢረ ጥምቀት፡ ንንስሓን ንቝርባንን ከም ዘይምልከተና ጌርና ረጊጽናዮን ጐሲናዮን ንቕጽል፡ ገና ኸኣ ክርስትያን ምዃንና ንኣምንን ንሓስብን ምዃንና’ዩ። እዚ ምርጫ’ዚ ንፍቕሪ ኣምላኽን፡ ነቲ ብእኡ ዝተፈጸመ መሪር ሞትን ከም ዝነዓቕናዮን ከም ዝኸሓድናዮን፡ ኣብ እምነት ከም ዘየለናን ዜቃልዕ’ዩ። ፍቕሪ ንእግዚኣብሄር ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኸም ዚምጠጥ ገይርዎ’ዩ። ንሕና’ውን ብደረጃ ናይ’ቲ ሰብኣዊ ዓቕምና፡ ንኣምላኽ ብዘለና ፍቕሪ ክንድኡ ኽንምጠጥ መድለየ። እዚ ፍቕርና’ዚ ንሓጢኣት ምዉታት ኴንና ብምንባርን ንጽድቂ ህያዋን ብምዃንን፡ ኣብ’ቲ ሕድገት ሓጢኣት ኣውሒሱ ብህይወት ኽንነብር ዜኽእለና ምስጢራት ብምክፋልን ዚግለጽ’ዩ።
እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ምልስ ኢልና ንመርምር’ሞ፡ ብመንጽር’ቲ ኣምላኽ ዘፍቀረና ቤዛዊ ፍቕሪ ኸመይ ከም ዘለና ርእስና ንፈትሽ። እቲ ብወገን ናይ ኣምላኽ ኪግበር ዚኽእል ኵሉ ተገይሩልና’ዩ። ዚተርፍ ዘሎ እቲ ናትና ንእሽቶ ብጽሒትን ሓላፍነት’ዩ። ክንዲ’ቲ ንሱ ዝገበሮ ኽንገብር እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ ክንዲ’ቲ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ክንገብር ግን ናይ ግድን’ዩ። እዚ ሕጂ ኣብ’ዛ ምድሪ ‘ንነብረሉ ዘለና ዕድመ፡ ፍቕርን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ክንቕበል ዝተሰርዓልና ኣዝዩ ሓጺር ናይ ትዕዝብቲ ዘመን’ዩ። ብድሕሪኡ ተሰሪዑ ዘሎ ዘመን ግና ናይ ፍርዲ ዘመን’ዩ። እቶም ነቲ ዝተገብረሎም ፍቕርን ምሕረትን ዚምጥን ግብረ መልሲ ዝሃቡ፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ሓጐስን ዕረፍትን ምጽንናዕን ኪፍርደሎም’ዩ። ነቶም በቲ ዝተገብረሎም ፍቕርን በቲ ዝተኸፍለሎም ሞትን ዘላገጹን ዝተጻወቱን ግን ናይ ዘለኣለም ስቓይን ውርደትን ኪፍረዶም’ዩ’ሞ፡ ነቲ ዜሕሸናን ዜርብሓናን ንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
21 ሚያዝያ 2024 | ሚያዝያ 13, 2016 ግዕዝ (መበል 32 ሰንበት: ቊ.፴፪/32) |
||
ምስባክ መዝ.፲፮(፲፯)፡፫-፬ “ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።” “ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 7፡1-14 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡34-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም| መዝሙር፦ ሖረ ኅቤሁ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ