“ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና (ሓደ)ኣ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ሃብክዎም። እዚ (ዝገበርኩ) ድማ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ ዝዀንካ፡ ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ . . .’ዩ።” ዮሃ 17፡21-23 ካ.ት
እዚ ሰንበት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ዳግም ትንሳኤ (ዳግማይ ትንሳኤ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተሰምየሉ ምኽንያት፡ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብእኩባቶም ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ፡ ንዅላቶም ዝተራእየሉ ዕለት ስለ ዝዀነ’ምበር፡ ክርስቶስ ክልተ ጊዜ ኻብ ሞት ከም ዝተንስአ ንምምልካት ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ’ታ “በዓል ትንሳኤ” ዘኽበርናላ ዕለት፡ ከም ዝተመሃርናዮ ካብ በዓለ ትንሳኤ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ 50 መዓልታት “ዘመነ ትንሳኤ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን፡ “ከመ አሐቲ ዕለት (ከም ሓንቲ ዕለት)” ብምባል’ዮም ዚገልጽዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ በዓል ትንሳኤን ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስን ዝተሰርዐ መዝሙርን፡ ምስባክን፡ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ቅዳሴን፡ ዝዀነ ለውጢ ዘይብሉ ሓደ ዓይነት’ዩ። እቲ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ’ውን ‘ብዘይካ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኵለንተናኡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ በዓለ ትንሳኤ’ዩ። እታ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ምስ ካህናት እናተኣዛዘልና (እናተቐባበልና) እንብላ፡ “ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታን”፡ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣገልገልትና ዀነ ንሓድሕድና ኽንራኸብ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ተራ ሰላምታ ኽንብሎ ዚግባእ’ዩ። ኣብ’ዚ “ዘመነ ትንሳኤ”፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ተኣምኖ ኽንእመን ብቕዱሳን ኣቦታትና ዝተሰርዓልና ግሩም ምስጢር’ዩ። መንፈሳዊ ኣፍልጦና ኣዝዩ ስለ ዝተዳኸመ ግን፡ ብዘይካ ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪኡ ዘሎ ጊዜ ዚዝክራን ዚደግማን “ዳርጋ የለን” ኪበሃል ዚከኣል’ዩ። ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ’ውን፡ ነቲ ናታቶምን ናይ’ቲ ምእመንን ግደ እቶም ካህናት’ዮም ንበይኖም ዚብልዎ’ምበር፡ ንእኡ ፈሊጡስ እናተቐባበለ ንትንሳኤ ጐይታኡ ብልሳኑ ዚእመን ምእመን የለን ኪበሃል’ዩ ዚቐልል። ምናልባት ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጕሙ ኸም ዚመሃሮ እንተ ዚግበር፡ ኣብ ተዘካርነቱ ዀነ ኣብ ተጠቃምነቱ ልዑል ኣበርክቶ ኺህልዎ ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ኣገልገልትን ምእመናንን ተገዲስና ብምስትውዓል ክንጥቀመሉን፡ ነዚ ናይ ትንሳኤ ቅዱስ ተኣምኖ ኸነዘውትሮን ይግባእ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም ዝተመሃርናዮ፡ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ኽሳዕ ዳግማይ ትንሳኤ (ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም ዘሎ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ነናቱ ዝተሰርዓሉ ኣርእስቲ ኣለዎ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ድማ፡ በቲ ነንዕለቱ ተዋሂብዎ ዘሎ ኣርእስቲ ምእንቲ ኸነስተምህረሉን ክንመሃረሉን ከነስተንትነሉን’ዩ። በዚ መሰረት’ዚ ኸኣ፡ ሰኑይ፡ “ማዕዶት (ፀአተ ሲኦል)” ሰሉስ ፣ “ቶማስ” ፣ ረቡዕ ፣ “ኣልኣዛር” ፣ ሓሙስ፡ “ኣዳም” ፣ ዓርቢ፡ “ቤተ ክርስትያን” ፣ ቀደም ድማ “ቅዱሳት ኣንስቲ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ’ቲ ዕለታዊ ዚወሃብን ስብከተ ወንጌል ከኣ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስትታት’ዚ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኪስራዕን ኪወሃብን ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ ቕንያት’ዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ናትና ትንሳኤ ሙታንን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ክንመሃረሉን ከነስተንትነሉን ዝተሰርዓልና ቕንያት’ዩ። እዚ ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ሻብዓይ መዓልቲ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ዝረኸብዎ ኣስተርእዮ ናይ ጐይታ እንመሃረሉ ዕለት’ዩ፡ “ሃዋርያ” ምዃን ማለት፡ “ምስክር ትንሳኤ ክርስቶስ ምዃን” ማለት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ጐይታና ኽሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ዘሎ 40 መዓልታት፡ ብተደጋጋሚ ተራእዮም (ግብ 1፡2,3 ፣ 1ቈረ 15፡3-9)። መተካእታ ናይ’ቲ ስፍራን ማዕርግን ናይ ሃዋርያነቱ ዝደርበየ ይሁዳ ኺመርጹ፡ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ዝተጋብኡሉ ዕለት፡ ዕላማ ሃዋርያነት እንታይ ምዃኑ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
“. . . (ይሁዳ) ምሳና (ምስ ሃዋርያት ተቘጺሩ) ነበረ፡ ኣብ’ዚ ኣገልግሎት’ዚ ኺሳተፍ’ውን ጽውዕ ነበረ። . . . ስለ’ዚ ኻብ’ዞም ጐይታና ኢየሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ’ታ ኻባና ናይ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበረለን ኵለን መዓልታት ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብ’ዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምስክር ኪኸውን ይግባእ’ዩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 1፡17,21,22 ካ.ት)። እምበኣር እዚ ኣብ’ዛ “ዳግማይ ትንሳኤ” ተሰምየ ዘላ ዕለት’ዚኣ ዝተፈጸመ ፍጻመ፡ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ደቀ መዛሙርቱን፡ ብቑዓት መሰኻኽር ናይ ናይ ትንሳኤኡ ምእንቲ ኪዀኑ ስለ ዝተፈጸመ፡ ብሓቂ’ዚ ዕለት’ዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ክቡርን ዕለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡ ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ዝጸለዮ ጸሎት ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ቲ ጸሎቱ ድማ ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ጸልዩ ኣሎ። ቤተ ክርስትያን እቶም ኣካላ ዝዀኑ ኣገልገልትን ምእመናንን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝሃቦ ኽብሪ ንቤተ ክርስትያን ከም ዝሃባ ገሊጹ ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ብዛዕባ’ቲ ሓደ ዚገብረና፡ ብሓድነት ድማ ፍጹማት ዚገብረና ኽብሪ ኣምላኽ’ዩ።
ሓድነት ግን ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ ሓድነት ዘይብልና ምዃንና ዚፈጥሮ ጸገም እንታይ’ዩ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓድነት ሰዓብቱ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ተገዲሱ ምጽላይ ጥራሕ ብዓይኒ መለኮት ሓድነትና ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ መረዳእታ’ኳ ኽሳዕ ዘየድልዮ ኣዝዩ ርዱእ ሓቂ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ንኣገዳስነት ናይ ሓድነትና ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ’ዩ። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚገልጽ። ገዛእ ተፈጥሮናን ኵሉ ስራሓትናን’ውን ናይ ሓድነት ኣገዳስነት ብዘይ ዝዀነ ቓላት፡ ብግብራዊ መገዲ ኣነጺሩ ዜረድኣና’ዩ። እዚ ለቢስናዮ፡ ‘ንንቀሳቐስ ዘለና ሰብነትና ጥራሕ’ኳ፡ ዘየቋርጽ ናይ ሓድነት መልእኽትን መረዳእታን’ዩ ዜመሓላልፈና። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ሓድነት ሓያልን ንጹርን መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ምስ ደለየ ዝተጠቕመሉ ኣብነት፡ ነዚ ኣካላት ሰብነትና’ዩ። ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎ መንፈሳዊ ሓድነት ኰነ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ስድራ ቤታዊ፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ እቲ ዝበለጸ ኣብነት እዚ ሓድነት ናይ ኣካላት ሰብነትና’ዩ። ምኽንያቱ እንተ ብሕማም እንተ ብሓደጋ፡ ሓድነት ኣካላት ሰብነትና ኺናወጽ ከሎ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜሸግረና፡ ዳርጋ መዓልታዊ እንዕዘቦን እንምከሮን ተርእዮ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ዝተጠቕመሉ ናይ ሰብነትና ኣብነት ኣብ 1ቈረ 12፡12-27 ገሊጽዎ ስለ ዘሎ። ኣብ መንጎ ስብከትና ዀነ ኣብ መንጎ ንባብና፡ ነዚ ኽፍሊ’ዚ ብምስትውዓል ነንብቦ።
ካብ’ዚ ንባብ’ዚ ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ ንሓድነት ኪፈታተና ዚኽእላ ክልተ ዓይነት ኣዕነዊ ኣተሓሳስባታት ኣለዋ። እታ ቐዳመይቲ ዘይተዋህበካን ዘይኰንካዮን ክትከውን ምድላይ’ያ። እዚ ድማ እግሪ፡ እግሪ ምዃን ገዲፉ ኢድ ክትከውን ምስ ‘ትደልይ፡ እዝኒ’ውን እዝኒ ምዃን ጸሊኣ ዓይኒ ኽትከውን ምስ’ትደልይ ዜጋጥም፡ ጥዕና ዝጐደሎ ኣዕናዊ ባህግን ትምኒትን’ዩ። ምኽንያቱ ብገለ ዓይነት ተኣምር ሰሊጡ ክልቲኡ ኣእጋር ኣእዳው ናብ ምዃን እንተ ዚልወጥ፡ ቅድሚ ዅሉ ዚጠዓስ እቲ ኣእዳው ናብ ምዃን ዝተለወጠ ኣእጋር’ዩ። ምኽንያቱ ኻብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምኻድን ምጒዓዝን ምስ ተረፈ፡ ኢድ ናይ ምዃን ረብሓን ኣድላይነትን ኣዝዩ’ዩ ዚጐድል። እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ እቲ ኻልእ ኣካላት ንኣኻ ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ምኽሓድ’ዩ። ዓይኒ “ንኢድ ኣይደልየክን’የ፡ ርእሰይ ክኢለ በይነይ ክነብር እኽእል’የ” እንተ በለት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ዀነ ብዛዕባ’ቶም ስራሓ ብግቡእ ንኽትሰርሕ ዜኽእልዋ ኻልኦት ኣካላት ኣዝዩ ዝምቡዕ ዝዀነ ግምትን ርድኢትን ከም ዘለዋ’ዩ ዜቃልዕ። ኣብ ኵሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ሕብረትና ዜጋጥመና ፍልልያት’ውን ካብ’ዚ ኣብነት’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ክንዲ ንመላላእ ኽንተኻኻእ ምስ መረጽና፡ ሓድነትና ይፈርስ። ካብ’ቲ ሕብረትካ ተፈሊኻ ብገዛእ ርእስኻ ምሉእ ዄንካ ብዘይ ጸገም ክትነብር ከም ትኽእል ምሕሳብ፡ እቲ ምፍላይ ኣባኻ ኰነ ኣብ’ቶም ትፍለዮም ዘለና ዜስዕቦ ጒድኣት ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ዕውር ውሳነ’ዩ ዚኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ኣካላዊ ሓድነት ናይ ሰብነትና ዀነ፡ ነቲ መንፈሳዊ ሓድነት ናይ ቤተ ክርስትያን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ከም’ቲ ሰብነት ሓደ ኸሎስ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ እቲ ኣካላት ከኣ ብዙሕ ከሎ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ’ዩ። (ምኽንያቱ) ንሕና፡ ኣይሁድ ኰንና ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ጭዋታት፡ ኵልና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፡ ሓደ መንፈስ’ውን ሰተና። እቲ ሰብነት ከኣ ብብዙሕ (ኣካላት)’ምበር፡ ብሓደ ኣካል (ጥራይ) ዝተሰርሐ ኣይኰነን። . . . ኣምላኽ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት ኣብ’ቲ ሰብነት ሰርዖ። ኵሉ (ኣካላት) ሓደ (ዓይነት ኣካል ጥራሕ) እንተ ዚኸውን፡ ሰብነት ኣይምተረኽበን ነይሩ። . . . እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት’ዮም ኣዝዮም ዜድልዩ። ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ። ንሕፍረትና’ውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና (ከምኡ ኽትገብረሉ) ኣየድልዮን’ዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ኺጻወር’ምበር፡ ኣብቲ’ቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐዩ፡ ኵሉ’ቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐይ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ ኵሉ’ቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ። እምበኣርከ ንስኻትኩም (ብሓባር) ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም (ብንጽል) ከኣ ኣካላቱ ኢኹም” 1 ቈረ 12፡12-14,18,19,22-27 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ንርድኦ፡ እግዚኣብሄር ንሰብነትና ንሓደሕዱ ኸም ዚጻወር፡ ከም ዚደጋገፍ፡ ከም ዚከባበር ገይሩ ሰርዖን ኣጋጠሞን። ዓይነት ናይ’ቲ ኣካል ዝወሰነ እቲ ፈጣሪ ባዕሉ’ምበር፡ እቲ ዝተፈጥረ ኣካላት ኣይኰነን። እቲ ሰብነት ገና ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ተጋጢሙን ሓደ ዀይኑን ተፈጢሩ’ምበር፡ ነንበይኑ ተፈጢሩስ፡ ጸኒሑን ድሒሩን ኣይተጋጠመን። ስለ’ዚ መሰረት ህላወ ናይ’ቲ ሰብነት፡ ሓድነት’ዩ። እቲ ኣካላት እንተ ተፈላልዩ፡ ህይወትን ህላወን የብቅዕ፡ ሞትን ጥፍኣትን ይነግስ። ጐይታ ኸኣ ሓደ ምእንቲ ኺገብረና’ዩ ህይወቱ በጃ ዝሃበ (ኤፈ 2፡14-16)። ምስጢረ ጥምቀት ዝተሰርዓልናን፡ ብእኡ ኣብ ሞት ክርስቶስ ክንካፈልን ዝተገብረ፡ ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና’ዩ። ፍልልያትና፡ ንሓድነትና መሰረቱ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ እግዚኣብሄር ብመደብ ዝገበሮ ተፈጥራዊ ወይ ባህርያዊ ፍልልያትና፡ ናይ ምፍልላይና ጠንቂ ኪኸውን ኣይክእልን፡ ኣይግብኦን ከኣ’ዩ። እቲ ናይ ሰብነትና ሓድነት፡ ብዛዕባ መንፈሳውን ማሕበራውን ሓድነትና ነዚ ዝተጠቕሰ ሓቂ’ዩ ዚምህረና።
ንሓድነትና ኣፍሪስና ምፍልላይ እንተ ኣንገስና፡ እቲ ሓቀኛ መልክዕ ናይ’ቲ ኣበሳና እንታይ’ዩ ዚመስል፧ እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ 1ቈረ 12፡27 ጥቕሲ ዝተመስረተ መልሲ’ዩ ዘለዎ። “ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም” ካብ ተባህለልና፡ ሓድነት ተጸዪፍና ምፍልላይ ክንመርጽ ከለና፡ ንርእስና ዘይኰነ ንሰብነት ክርስቶስ ንቘርጽ ኣለና ማለት’ዩ። ክንፈላለይ ከለና፡ ብዛዕባ ሓድሕድና’ምበር ነቲ ሰብነቱ ዝገበረና ክርስቶስ ንማለቱ’ኳ ኣይንዝክሮን ኢና። እቲ ቐንድን እንኮን ግዳይ ናይ ምፍልላይና ግን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብሓድነት ዘይኰነ ብምፍልላይ ዝና ዘጥረዩ ሰብ ቈረንቶስ፡ እቲ ናይ ምፍልላዮም ሳዕቤንን መልእኽትን እንታይ ምዃኑ ኣግሂዱሎም’ዩ።
“ኣሕዋተይ፡ ኵልኻትኩም ሓንቲ ቓል ክትኰኑ ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኴንኩም’ውን ክትሰምሩ (ፍጹም ክትጋጠሙ)’ምበር ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕጽነኩም ኣለኹ። . . . ኣብ ማእከልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ ሰብ ቀሎኤስ ነጊሮምኒ ኣለው። እዚ ማለት ብዛዕባ’ቲ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ’የ፡ ኣነስ’ባ ናይ ኣጵሎስ ኣነ ናይ (ጴጥሮስ)’የ፡ ኣነስ’ባ ናይ ክርስቶስ” (እትብልዎ) ማለተይ’ዩ። ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ’ዩ ወይስ ጳውሎስ ድዩ ምእንታኻትኩም ዝተሰቕለ፡ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም ዝተጠመቕክኩም፧” 1ቈረ 1፡10-13 ካ.ት
ስለ’ዚ ምፍልላይ ቤተ ክርስትያን ማለት፡ ንክርስቶስ ምምቕቓል ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርዳእ ጥቕሲ ምጥቃስ’ውን ኣየድልዮን’ዩ። ሰብነቱ ንሕና እንተ ዄንና፡ ንሕና ድማ ንፈላለይ እንተሊና፡ ንሰብነት ክርስቶስ ንመቓቕልን ንፈላልይን ከም ዘለና ርዱእን ግሉጽን’ዩ። እቲ ንሕና እምብዛ ኣቕሊልና እንርእዮ ምፍልላይና፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምእንታና ዝተሰውአ ጐይታ ዝተፈጸመ ኸቢድ ኣበሳ ምዃኑ ፈጺምና ኣይነስተውዕሎን ኢና። ኣይሁድ ንሰብነት ክርስቶስ ሸንኪሮምዎን ወጊኦምዎን’ምበር፡ ኣይቈራረጽዎን፡ ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ ብእኡ ዘይኣምኑ ጸላእቱ ስለ ዝነበሩ’ዮም። ከምኡ ዝገበርዎ ኸኣ ብእኡ ዘይኣምኑ ጸላእቱ ስለ ዝነበሩ’ዮም። ከምኡ ዝገበርዎ ድማ ኣብ’ቲ ውርደትን መከራን ሞትን ኪቕበል ኢሉ ዝመጸሉ ዘመን’ዩ። ንሕና ግን ኣመንቱን ሰዓብቱን ክነስና፡ በቲ መዓልታዊ እንፍጽሞ ሓጢኣት ንወግኦን ዳግማይ ንሰቕሎን ዘለና ኸይኣኽለና (እብ 6፡4-6)፡ በቲ “ኣይደልየካን’የ እናተባሃልና ንሓድሕድና እንፈላለዮ’ውን ነቲ ሰብነቱ ንመቓቕሎን ንቘራርጾን ኣለና። እዚ ኸኣ ኣብ’ቲ ንውርደትን መከራን ርእሱ ዝወፈየሉ ጊዜ ዘይኰነስ፡ ናይ መከራ ዘመኑ ወዲኡ ብዕርገት ናብ የማን ኣቦ ምስ ደየበን ብዅሎም ሰራዊት መላእኽቱ ብዘይ ምቍራጽ ይውደስን ይምስገንን ኣብ ዘለወሉ ናይ ክብሪ ዘመኑ ምዃኑ፡ ነቲ ኣበሳና ኣዝዩ ዝኸበደ ይገብሮ። ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንፍርዲ ደው ምስ በልና፡ በቲ ኣብ ንሓድሕድና ዝገበርናዮ ዝመሰለና ተግባርና ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ’ቲ ጐይታ ዘለኣለም ዝዀነ ክርስቶስ ዝፈጸምናዮ ኸቢድ በደል ኢና ኽንፍረድ። ነቶም ንጥሙያትን ዕሩቓትን ዝረድኡ ሕያዎት ሰባት ኪፈርደሎም ከሎ፡ “ጠምየ ዚብላዕኩምኒ”’ምበር፡ “ጠምዮም ዘብላዕኩምዎም” ኣይበሎምን። “እቲ ንሓደ ኻብ’ዞም (ብኣይ ዚኣምኑ) ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሎም፡ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ”፡ ዝበሎ ቓል’ውን ኪርሳዕ ዘይግብኦ’ዩ (ማቴ 25፡34-46 ፣ 1ቈረ 8፡12 ፣ ምሳ 14፡31 ፣ 19፡17)።
ብዘይካ’ቲ “ዝሃብካሚ ኽብሪ ሃብክዎም” ዝበሎ፡ ንሓድነትና ኼጽንዕ ኢሉ ዝሃበና እንታይ ካልእ ክብሪ ኣሎ፧ ኣብቲ ናይ 1ቈረ 12፡13 ጥቕሲ ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ገይሩ ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ተኻፈልቲ ዚገብረና ምስጢረ ጥምቀት፡ ሓደ ኻብ’ቶም ሓደ ንኺገብሩና ኢሉ ዝሃበና ዓብይን ረቒቕን መንፈሳዊ ውህበት’ዩ። ዘዝተጠምቐ ዘበለ ናብ ሰብነት ክርስቶስ’ዩ ዚጽምበር። ኣብ’ዚ ሓደ ሰብነት’ዚ ስለ ‘ንራኸብ ኢና፡ “ሓደ ኢና፡ ሓድነት ኣሎና” እንብል። እቲ ዚፍለይ ከኣ፡ ካብ’ዚ ክቡር ሰብነት ክርስቶስ’ዩ ርእሱ ዚፈልይ። እቲ ኻልኣይ ሓድነት ዜጸግወና፡ ነቲ ዝሃበና ሓድነት ዜጽንዓልናን ኣገዳሲ ምስጢር ከኣ፡ ምስጢረ ቍርባን ምዃኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ- “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ፡ ምስ ደም ክርስቶስ (ሓድነት) ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ (ንሕና) እንቘርሳ እንጌራ ምስ ስጋ ክርስቶስ (ሓድነት) ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ከለና ሓደ ስጋ ኢና። (ምኽንያቱ) ኻብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተኻፊልና።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 12፡16,17 ካ.ት)። ስለ’ዚ እቲ ኻብ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ርእሱ ዝፈለየ ሰብ፡ ዋላ ባእሲ ዘይብሉ ብፍቕሪ ዚነብር ሰብ ይኹን፡ ካብ ክርስቶስን ካብ’ታ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ርእሱ ፈልዩ ኸም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ኣብ ምስጢራት ተኻፊልና ማለት ግን ኣካል ናይ’ቲ ሓድነት ኴንና ኣለና ማለት ኣይኰነን። ሰብ ቈረንቶስ ኵላቶም ዝተጠመቑ፡ ቅዱስ ቍርባን’ውን ኣዘውቲሮም ዚወስዱ ኽነሶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ርስትያን ዓለም፡ እቲ ዝኸፍአ ምፍልላይ ዝተራእዮም ኰኑ። እዚ ድማ ትርጕምን ረብሓን ናይ’ቲ ዝተኻፈልዎ ምስጢራት ፈጺሞም ከም ዘይተረድእዎ፡ ብግብሪ ድማ ነቲ ኽቡር ምስጢራት የሕስርዎን ይዋግእዎን ከም ዝነበሩ’ዩ ዜረጋግጸልና። ንሕና’ውን ነቲ ዝተኻፈልናዮ ምስጢራት ብግብሪ እንተ ዘይነበርናሉን እንተ ዘየኽቢርናዮን፡ ካብቶም ረጊጾምዎ ዚወጹ ዚኸብድ’ምበር፡ ዚሓይሽ ኣይገበርናን ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እንተ ብድንቍርና ኸይፈለጥና፡ እንተ እናፈለጥና ብድፍረት ከም ዝወሰድናዮ ዜቃልዓና’ዩ። እቲ ኽቡር ጐይታና፡ በቲ ቤዛዊ መስዋእቱ ዝሃበናን ዝሰርዓልናን ክቡር ምስጢራት ስለ ዝዀነ፡ ኣካል ናይ’ቲ “ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብክዎም” ኢሉ ዝተኣመነሉ ተግባሩ ምዃኑ’ውን ክንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
ጐይታኸ ብኸመይ’ዩ ገዛእ ክብሩ ንኣና ዚህበና፧ እቲ ዝሃበና ኽብሪኸ ብኸመይ’ዩ ሓደ ዚገብረና፧ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ሓጥእ ግብርን ሓጥእ ናብራን፡ ክብሪ ኣምላኽ’ዩ ዜስእነና። “ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም።” ሮሜ 3፡23
እዚ ብሰሪ ሓጢኣት ዝረሓቐና ኽብሪ ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ካባና ምስ ረሓቐ ጥራሕ’ዩ ዚምለሰና። ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣት ዜርሕቕ ገንሸል፡ ኰይኑ ዝተገልጸ ድማ፡ ነቲ ዝሰኣንናዮ ኽብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመልሰልና’ዩ። ስለ’ዚ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ምንባሩ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከም’ዚ ኸማና ምፍታኑ፡ ሓጢኣትና ጽዊሩ ምእንታና ኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ ክብርቲ ህይወቱ ምሕላፉ፡ ምእንቲ ኼድሕነናን ኬጽድቐናን ኢሉ ምትንሳኡ፡ ንዅላትና ደቂ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ፡ ዝተዋህበ ኽብሪ ኣምላኽ’ዩ። ብሓጢኣት ዝዀብለልና ጥፉኣት ክነስናስ፡ ብምሕረቱ ግን ውሉድ ኣምላኽን መዋርስቱን ክንከውን፡ መሰል ውልድነት ጸገወና (ዮሃ 1፡12)። ከም’ቲ ኣብ’ቲ ጸሎቱ ተኣሚንዎ ዘሎ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝሃቦ ኽቡር ቃል፡ ንኣና ኺህበና ፈቐደ (ዮሃ 17፡8,14)። ነቲ ኽቡር ስም ናይ ኣቦኡ ኣፍሊጡና ብእኡ ኸኣ ይሕልወና (ዮሃ 17፡6,12,26)። ማሕደርን መቕደስን ናይ መንፈስ ቅዱስ ክንከውን፡ ብደሙ ቐደሰና (ዮሃ 14፡16,17,26 ፣ 16፡7 ፣ 1ቈረ 3፡16,17 ፣ 6፡19,20)። ብመስዋእቱ ህይወት ምስ ተረፉ፡ ማለት ዘለኣለማዊ ህይወት ሂቡ፡ ኣብ መንግስቲ ሰማያት ወረስቲ ገበረና። ናቱ ዕርገት ኰነ ምጽኣት፡ ኣብኡ ስፍራ ምእንቲ ኼዳልወናን ናብኡ ምእንቲ ኺወስደናን ዝገበሮ’ዩ (ዮሃ 14፡1-3)። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣቓሑ ቝጥዓን ውርደትን ዝነበርና ናብ ኣቓሑ ምሕረትን ኣቓሑ ክብርን ለዊጡ፡ ብጽድቅን ቅድስናን ክንነብር እንኽእል ሰባት ገይሩ ኣቘመና (ሮሜ 6፡13,14,19 ፣ 9፡21-24 ፣ 2ጢሞ 2፡20,21) በቲ ብእምነት ዚፍጸምን ብእምነት እንካፈሎን ምስጢራት ገይሩ፡ ኣካላት ሰብነቱ ናይ ምዃንን ኣብኡ ናይ ምንባርን ክብሪ ዓደለና (1ቈረ 12፡13,27 ፣ ሮሜ 2፡4,5)። እቲ ዝርዝር ጸብጺብካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ጐይታና ነዚ ዓብይ ግብሪ ሕያውነት’ዚ ኣብ ልዕሌና ብምፍጻም እንተ ዘየኽብረና፡ ህላወ ቤተ ክርስትያን ክርስትያንን ኣይምተረኽበን። ዋላ እንተ ሃለወ’ውን ሓድነት ፈጺሙ ኣይምሃለወን።
እዚ ንድሕነት ኢሉ ዝገበሮ ዅሉ ግብሪ፡ ክብሪ ጥራሕ ዘይኰነ ሓድነት’ውን ሂቡና ኣሎ። ዋላ ንሕና ኸም ዚግባእ ኣይርድኣናን ኣይረኣየናን፡ እቲ ብወገን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚግበር ሓድነት ዚህብ ክብሪ ድሮ ተፈጺሙ’ዩ። ብግብራዊ ምርጫናን ኣካይዳናን ግን፡ ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ከነርሕቖ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ነቲ ሓድነትና ኸነፍርሶ ንረኣይ ኢና። እቲ ኽብሪ ዀነ እቲ ሓድነት ንኣና ዀነ ነቲ ኻባና ወጻኢ ዀይኑ ዘዕዘበና ዘይረኣዮ ዘሎ ድማ፡ ጐይታ ስለ ዘይሃበና ዘይኰነስ፡ ንሕና ስለ ዝተጻረርናዮን ስለ ዘፍረስናዮን’ዩ። ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን እዚ ኽብሪ’ዚ እምብዛ ጐሊሑ ስለ ዝተራእየ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ መጐስ ከም ዝነበሮም፡ እቲ ህዝቢ ድማ የኽብሮም ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ብዝበለጸ ግን በቲ ብዙሓት ሰባት ናብ እምነት ጐይታ ምጽንባሮምን፡ ብዅሉ ነገር ብርኪ (ሓቢሮም ብማዕረ ዚካፈሉ) ሓንቲ ዝልቦም ሓንቲ ዝሓስቦም ምንባሮም ተመስኪሩ ኣሎ (ግብ 2፡43-47 ፣ 4፡32-37 ፣ 5፡12-14)። ዝዀነ ዚፈላልይ ነገር እንተ ኣጋጠሞም ድማ፡ ብዜደንቕ መንፈሳዊ ኣገባብ ፈቲሖም ነቲ ሓድነቶም የጽንዕዎ ነበሩ (ግብ 6፡1-7 ፣ 15፡1-30)። እዚ ዅሉ ዝተጠቕሰ ድማ፡ ናይ’ቲ ኣባታቶም ዝዓሰለ ኽብሪ ኣምላኽ መርኣያ’ዩ። ክብሪ ኣምላኽ ርሒቑና እንተ’ልዩ፡ ብሓጢኣት ርእስና ኣሕሲርና ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዜሕዝን ሃለዋት ከለና፡ ዋላ ሓድነትና ንኸነጽንዕ ብርቱዕ ድልየት ኣሕዲርና ብዅሉ ሓይልናን ጥበብናን እንተ ንጋደል’ኳ፡ መሊስና ብዝኸፍአ መልክዕ ፋሕፋሕ ኢልና ንበታተን’ምበር፡ ናብ ጥዕና ዘለዎን ኣምላኽ ዚቕበሎን ሓድነት ክንበጽሕ ኣይከኣልን’ዩ። ብሓጢኣት ርእስና ኣሕሲርና ኸለና፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ’ውን ሓደ ኽንከውን ኣይደልየናን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ከም’ቲ ነቶም ህንጻ ባቤል ዚሰርሑ ዝነበሩ ህዝቢ ዝገበሮም፡ ንኣና’ውን ከምኡ’ዩ ዚበታትነና (ዘፍ 11፡1-9)። ነብዪ ዘካርያስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዚእዘዞን ዜኽብሮን ህዝቢ፡ ብጸጋን ብስምረትን ከም ዚጓስዮ፡ ነቲ ብሓጢኣቱ ዘሕስሮ ግን ጸጋኡን ስምረቱን ስሒቡ፡ ንሓድሕዶም ኪባልዑ ኸም ዚፈርዶም ገሊጹልና ኣሎ (ዘካ 8፡10 ፣ 11፡7-14 ፣ 14፡13)።
ብሓድነት ፍጹማት ክንከውን ዚከኣለና ብኸመይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ሓድነት ኣብ ኣምላኽ ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ ክንድ’ቲ ብዝሕና፡ ሓሳባትና ባህርይናን ኣሰራርሓናን ክንድኡ ብዙሕን ዝተፈላለየን’ዩ። ስለ’ዚ ሓደ ኽንከውን ዘይኰነስ ክንፈላለይ’ዩ ዚቐልለና፡ ኵላትና ነናይ ውልቅና ምርጫታት ንጐኒ ገዲፍና፡ ነታ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘላ ሓሳባትና ጥራሕ ምስ ንመርጽን ምስ ንትግብራን ግን ናብ ሓደን ብሉጽን ሓሳባት ተጠርኒፍና ስለ ዘለና፡ ኣዝዩ ጽኑዕን ፍጹምን ሓድነት ኪህልወና ይኽእል’ዩ (ፊል 2፡1-5 ፣ ሮሜ 15፡5,6)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ’ዩ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ኣካል ሰብነቱ ዝገበረና (ሮሜ 15፡7 ካ.ት)። ንሕና’ውን ናይ ብሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ እንተ ዄንና፡ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ኽንቀባበልን ሓድነት ኸነጽንዕን’ምበር፡ ካልእ ኣማራጺ ኺህልወና ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኽብሪ ኣምላኽ ዝዓሰሎ ውልቀ ሰብን ህዝብን’ዩ። ንዅሉ ተግባሩ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ኺገብሮ ዚኽእል (1ቈረ 10፡3 ፣ ፊል 1፡20,21)።
እምበኣር ኣካይዳና ንመርምር’ሞ ክብሪ ኣምላኽ ወይ ከኣ ውርደትና ናይ ሰይጣን፡ ኣየናዩ ዓሲሉናን ማሕደሩ ገይሩናን ከም ዘሎ ነረጋግጽ፡ “ክርስትያን’የ” ኢልና እናሓሰብናን እናኣመንናን፡ ንክርስቶስ ጐይታና ግን ብምፍልላይና ኣይንቘራርጾ። ብሓሳባትና ዀነ ብዅሉ ኣካይዳና፡ ከም ስጋ ጕዚ ተቘራሪጽናን ተመናጺርናን ኣይንንበር። ተፈጥሮ ሰብነትና ዀነ ቃል እግዚኣብሄር ዘይመሃረና፡ ጐይታናን ሃዋርያቱ ብግብሪ ዘየርኣዩና ሕማቕ ኣርኣያ ኣይንከተል። ነቲ ፈጺምና ዘይንበቕዖ ኽብሪ ዝጸገወና ኣምላኽ፡ ብሓድነትና ነኽብሮ። ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ብደረጃ ስድራ ዀነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣብ ‘ንገብሮ ጸሎት፡ “ሓደ ዚገብር ክብርኻ ጸግወና” ኢልና ንማሕጸን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
12 ግንቦት 2024 | ግንቦት 4, 2016 ግዕዝ (መበል 35 ሰንበት: ቊ.፴፭/35) |
||
ምስባክ መዝ.መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “ቡሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር። ባርክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-36 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ |መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ