“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት፡ ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዩ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ “ገብርኄር” (ገብር ሄር) ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ገብር ሄር” ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ምስ ዚትርጐም ከኣ፡ “ሕያዋይ ባርያ” ወይ “ሕያዋይ ኣገልጋሊ” ማለት’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ካብ’ቲ “ኣገልጋሊ” ዚብል ቃል፡ “ባርያ” ዚብል ቃል ብዝያዳ ተመራጺ’ዩ። ምኽንያቱ “ባርያ” ዚብል ቃል ብዛዕባ ዋንነት ግሉጽ መልእኽቲ ዘለዎ ቓል’ዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ’ቲ ብኢዱ ዝፈጠሮን ብደም ቅዱስ ወዱ ዝዓደጎን ወዲ ሰብ፡ ምሉእ ዋንነት ሰለ ዘለዎ፡ “ባርያ” ኽንበሃል’ዩ ዚምጥነና (ሮሜ 14፡7-10 ፣ 2ቈረ 5፡15)። ጐይታና ብሕያውነቱ ተደሪኹ፡ “ኣዕሩኸይ’ምበር፡ ደጊም ‘ባሮት’ ኣይብለኩምን’የ” እንተ በለ’ኳ፡ ንሕና ግን ብኽቡር ደሙ ዝዓደገና ባሮቱ ምዃንና እንተ ሓሰብና ንኸምኡ እንተ ተዋሳእናን’ዩ ዜሕሸና (ዮሃ 15፡15)። እቲ “ገብር” ዚብል ናይ ግእዝ ቃል’ውን፡ “ባርያ፡ ጊልያ” ዝትርጕሙ’ዩ።
እዚ “ሕያዋይ ባርያ” ዚብል ቃል ካብ’ቲ “ምስላ መክሊት” ዘርእስቱ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወሰደ’ዩ። ተመሳሳሊ ታሪኽ ኣብ ሉቃ 19፡11-27 ንረኽቦ ኢና። ካብ’ቲ ንባብ ተረዲእናዮ ኸም ዘለና፡ እቶም ባሮት ሰለስተ ዝቝጽሮም፡ ግን ከኣ ክልተ ዝዓይነቶም’ዮም። እቶም ክልተ ቐዳሞት፡ ብዓይነቶም “ሕያዎትን እሙናትን ባሮት” ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ሳልሳዮም ግን ብዓይነቱ “ክፉእን ሃካይን ባርያ”’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ሕሱምን ጠላምን ባርያ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ’ውን ይኽእል’ዩ። እቶም ቀዳሞት ነዚ ልዑል መንፈሳዊ ማዕርግ’ዚ ዝበቕዑ፡ በቲ ጐይታኦም ኣሚኑ ዝሃቦም ገንዘብ፡ ብትግሃትን ብቕንዕናን ነጊዶም፡ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) መኽሰብ ወይ ትርፊ ስለ ዘፍረዩ’ዩ። እቲ ሳልሳይ ግና፡ እንኳዕ ደኣ መጣፍእቲ ዝዀኖ ብጻይ ኣይረኸበ’ምበር፡ ካልእ ዋኒኑ ምእንቲ ኺገብር፡ ገንዘብ ጐይታኡ ምድሪ ፍሒሩ ዝቐበረ ጠላም ሰብ’ዩ ዝነበረ። እቲ ቐቢሩ ኣብ ምሕባእን ፍሉይ ምኽንያት ኣብ ምድራስን ዚባኸኖ ሓይልን ጊዜን፡ በታ መኽሊቱ ኣብ ምስራሕ ኣሕሊፍዎ እንተ ዚኸውን፡ ካልኣይቲ መኽሊትሲ ኣይምሰኣነላን ነይሩ። ሕሰምን ጥልመትን ነቲ ሕልናኡ ኸም ብመቝሕ ስለ ዝኣሰራኦ ግን፡ ንጐይታኡ ዜኽብርን ንእኡ ዜርብሕን ስጕምቲ ኺወስድ ኣይፈቐደሉን። እቲ ንጉስ ሰለሞን “እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር” ዝብሎ ቓል ኣብኡ ተፈጺሙ ማለት’ዩ (ምሳ 5፡22)።
እዚ ሃካይ ባርያ ኺዕወት ዘይከኣለ፡ እቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ስለ ዝወሓዶ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ሓደ መክሊት፡ ኣስታት 6000 ዲናር ይሽረፍ ነበረ። ሓደ ዲናር ድማ፡ ንሓደ ናይ ጕልበት ሰራሕተኛ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዝ’ዩ ዝነበረ። ስለ’ዚ እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ሰብሲ ንሰላሳ ሽሕ መዓልታት፡ ማለት 82 ዓመታትን 70 መዓልታትን ዜስርሖ ደሞዝ ተቐቢሉ ማለት’ዩ። እቲ ብዓል ክልተ መክሊት ድማ 12,000 መዓልታት፡ ማለት 32 ዓመታትን 11 ኣዋርሕ ንዜስርሕ መጠን ገንዘብ’ዩ። ናይ’ቲ ሃካይ ድማ ብውሑዱ ንልዕሊ 16 ዓመታት ዘስርሕ መጠን ገንዘብ’ዩ ተቐቢሉ። ስለ’ዚ ናይ ምውሓድን ናይ ምብዛሕን ጕዳይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሕልና ጕዳይ’ዩ ዝነበረ። ሕልናኡ ዝቐተለ ሰብ፡ እቲ ‘ትህቦ እናበዝሐ ብዝኸደ መጠን፡ ብኽነቱ’ዩ እናበዝሐ ዚኸይድ’ምበር፡ ቍም ነገር ኣይገብርን’ዩ። እቲ ብዓል ጥዑይ ሕልና ግን ጸጋኻ ምብኻንን ነቲ ዝኣመነካ ጐይታ ምጥላምን ፈጺሙ ስለ ዘይወሓጠሉ፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ በቲ ዝሃብካዮ መጠን ወርትግ’ዩ ፈራዪ ዚኸውን።
ናይ መክሊት ጕዳይ ኪለዓል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዚምልከት ኣርእስቲ ጌርና ኽንርእዮ ኢና ‘ንቕሰብ። ብርግጽ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብደም ክርስቶስ ናይ ዝተዓደጋ ኽቡራትን ብዙሓትን ነፍሳት ሓላፍነት ዝተሰከሙ ብምዃኖም፡ እዚ ምስላ’ዝን ንሱ ኣጕሊሕዎ ዘሎ ናይ ሕያውትን እሙንነትን ኣርእስትን፡ ሓለፋ ኻልእ ኵሉ ሰብ ብዛዕባኦም ከም ዚዛረብ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ’ኳ ዘየጠራጥርን ዘየማትእን’ዩ። እንተ ዀነ ንዓብይን ንእሽቶን፡ ንሰብኣይን ሰበይትን፡ ንምሁርን መሃይምን፡ ንምርዑውን ዘይተመርዓውን፡ ንዝወለደን ዘይወለደን፡ ኰታ ንዅሉ ብክርስቶስ ክርስትያን ንዝዀነ ሰብ ከም ዚምልከት’ውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ኵላትና ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ብዙሕ መኽሊታት ዝተቐበልና ሰባት ኢና። እቲ ዝተቐበልናዮ መክሊታት መንፈሳዊ ወይ ስጋዊ፡ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት ገንዘብ፡ ሓይሊ፡ ንብረት እንተ ዀይኑ ስጋዊ መክሊት ይኸውን። ቃል እግዚኣብሄር፡ መንፈሳዊ ውህበት፡ ናይ ኣምላኽ ጸጋን ሓይልን ምስ ዚኸውን ከኣ መንፈሳዊ መኽሊት ይኸውን። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎ፧” ኸም ዝበለ፡ ናትና እንብሎ’ሞ፡ ካብ ኣምላኽ ዘይተቐበልናዮ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብልና፡ ብምሉእ ልብና ብቕንዕና ኽንእመነሉ ዚግባኣና ሓቂ’ዩ (1ቈረ 4፡7)። ከይረሳዕና ምስኣ ኣልጊብና ዅሉ ጊዜ ኽንዝክራ ‘ትግብኣና ሓቂ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዝተቐበልናያ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት መክሊት፡ እቲ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዝሃበና ጐይታ፡ በብሓደ ኺጸባጸበና ምዃኑ’ዩ። ሽዑ ሕሰምና ዀነ ሕያውነትና፡ እሙንነትንና ዀነ ጥልመትና፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኽግለጽ’ዩ። ዓዓስብና ድማ ተሰፊሩን ተጠሚሩን ይጽበየና’ሎ። ስለ’ዚ ዜሕፍር ናይ ጥልመትን ሕሰምን ታሪኽ ዘይኰነስ፡ ዜሐብን ናይ ሕያውነትን እሙንነትን ታሪኽ ንሰርሕ ከም ዘለና ርግጸኛታት ንኹን። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን፡ “መኑ ውእቱ ገብርኄር” (መን’ዩ’ቲ ሕያዋይ ባርያ) ኢሉ ይብድሃና ስለ ዘሎ፡ ሕልናና ብዘይ ወቕሰናን፡ ኣምላኽን ሰብን ብዚምስክሩሉ ኣገባብ፡ ናይ ጸጋ መኽሊታት ብጽድቂ ኸነመሓድር ንጠንቀቕን ንትጋህን።
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸመይ’ዩ “ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ” ክሳዕ ምባል ዝተብዐ፧ ከም’ዚ ኸማና ስጋ ዝለበሰ ድኹም ሰብ፡ ናይ ብሓቂ ኻብ ወቐሳ ሕልና ሓራ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ከመይ ደኣ ዘይከኣል!! ተኻኢሉስ፡ እንሆ’ኳ ተጻሒፉልና። እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ፡ ይትረፍ ናብ ምውቃስን ዘይምውቃስን ኪበጽሕ፡ ኣብ ውሽጥና ሕልና ኸም ዘሎ’ኳ ዘይንፈልጥን ዘይንሓስብን ምዃንና’ዩ። ንሕልናና ናይ ምስማዕን ብግቡእ ናይ ምምሕዳሩን ልማድ እንተ ዚህልወና፡ ኣብ ውሽጥና ኻልኣይ ሰብ ከም ዘሎና’ምበር፡ ነዛ ንውልቅና ኸም ዘይኰንና ተረዲኡና፡ ንእኡ’ውን ምተጠንቀቕናሉ ኔርና። እንተ ኻብ ወቐሳ ሕልና ሓራ ምዃን ግና፡ ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾን’ምበር፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዚኣትው ጕዳይ’ውን ኣይኰነን። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝተፈጠርና፡ ምስክርና ሕልናና’ዩ። እቲ ነዚ መልክዕን ምስልን ናይ ሕልናኡ ዝዓቐበ ሰብ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ሰብ’ዩ። እቲ ንሕልናኡ ኣጓንዩን ረጊጹን ዚኸይድ ሰብ ከኣ፡ ቍመናኡ ስለ ዘይለወጠን በርባዕተ መሓዉሩ ስለ ዘይከደን’ዩ’ምበር፡ ካብ በሃም እንስሳ ዚፈልዮ ዋላ ሓንቲ ረቛሒ’ኳ የብሉን። ኣተሓሳስባና፡ ኣዘራርባና ኣሰራርሓና ዚጥዕይ፡ ሕልናና እንተ ተፈዊሱን እንተ ጥዕዩን ጥራሕ’ዩ። ነገራት ኣብ ሕልና እንተ ተበላሽዮምና፡ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ቦታን ደረጃን ኪዕረዩ ኣይከኣልን’ዩ። ሓንቲ መኪና ኣብ ጐደናታት እናተሓምበበት ከላ፡ መዘወራ (wheel ወይ ስቴርሶ)፡ ወይ ልጓማ (Brake ወይ ፍሬኖ) እንተ ተበላሽዩና’ሞ ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ካብ’ታ መኪና ዘሊልና ወጺእና፡ ነቲ መሓውራ ሒዝና መኣዝኑ ኸነቕንዖ፡ ወይ’ውን ከይሽክርከር ዓጊትና ደው ከነብሎ ይከኣልዶ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ሕልና እንተ ተበላሽዩ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዀነ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ልክዕ ከም ናይ’ዛ መኪና’ዩ ዚኸውን። ክርስትያን ምዃን ማለት ድማ፡ ብዝተፈወሰን ጥዕና ብዝመልኦን ህያው ሕልና ምንባር ማለት’ዩ። መስዋእቲ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ መስዋእቲ እንስሳታት ኪገብሮ ዘይከኣለ ምንጻህ ሕልና ኪገብር’ዩ ዝተፈጸመ። ብዛዕባ’ዚ ጸኒሕና ኽንርእዮ ኢና።
እዚ ዕዉት ሃዋርያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ። ነዚ ምስጢር’ዚ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጦ፡ ንሕልናኡ ብኸመይ ይጥቀመሉን ይጥንቀቐሉን ከም ዝነበረ ደጋጊሙ ጽሒፉልና ኣሎ። ካብ ሓድሽ ኪዳን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብዛዕባ ሕልና ዝበዝሐን ዝሰፍሐን ዝጸሓፈ ንሱ’ዩ። ኣብ መጋባእያ ናይ ዋዕላ ኣይሁድ ኰነ ኣብ መጋባእያ ሮማውያን ገዛእቲ ብዛዕባ ሕልናኡ ብትብዓት ኪእመን ዝኸኣለ ዕዉት ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ።
“ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ (ነገር) ብሰናይ ሕልና’የ እተመላለስኩ።” ግብ 23፡1
“ከም’ቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡ’ውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ’ሎኒ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዘይብሉ ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ጊዜ እጽዕር ኣለኹ።” ግብ 24፡15,16
ከም’ዚ ዝበለ ዕዉት ሰብ፡ “ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ” እንተ በለ፡ ንምንታይ’ዩ ዜገርመና፧ ነዚ ፍሉይ ተኣምኖ’ዚ ኸም ዚግባእዶ ዀን ኣቕሊብናሉ ንህልው፧
1. ንሕልናኡ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ዚጥንቀቕ ሰብ ነበረ። ገሌና ንኣምላኽ እንተ ዘከርና፡ ንሰብ ንርስዕ። ገሌና ኸኣ ብኣንጻሩ ንሰብ እንተ ዘከርና፡ ንኣምላኽ ንርስዕ። እዚ ዝንባለ’ዚ ብዓል ማንታ ሕልና፡ ብዓል ክልተ ልቢ ስለ ዚገብር፡ ክልቲኡ ብላሽ’ዩ። ገሌና ኸኣ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘይኸውን ድፉን ሕልና ዝሓዝና ሓውሲ እንስሳ ኢና። ጽዉዓና ግና፡ ከም’ዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብሓንቲ ሕልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ኣበር ዘይብሎም ንጹሃት ክንከውን’ዩ።
2. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ገለ ገለ ጕዳያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ብዓል ሰናይ ሕልና ነበረ። መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ፡ ዓብይ ይኹን ንእሽቶ፡ ቀጥታዊ ዀነ ተዘዋዋሪ ጕዳይ፡ ኣብ ህይወትና ንሕልና ዘይምልከት ዝዀነ ይኹን ጕዳይ የብልናን። ንሕልናና ብዚምልከት፡ “ጸባ ላም ይፍላሕ፡ ጸባ ጤል ይጽናሕ” ዝዓይነቱ ኣተሓሕዛን ምሕደራን እንተ’ልዩና፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ሰብ ጥዑይ ዘለዎ ዝምድና ኺህልወና ኣይክእልን’ዩ። መመሪጽካ፡ “ብዛዕባ’ዚ ብሰናይ ሕልና ኽመላለስ’የ፡ ብዛዕባ’ዚ ግን ሕልናይ ዓሚተ ኸም ዝደለኽዎ ኽገብር’የ” ምባል፡ “ፍርቂ ጐነይ ሰቢሐ፡ ፍርቂ ጐነይ ግን ክዓብር’የ” ዝዓይነቱ ሕሙም ኣተሓሳስባን ኣካይዳን’ዩ ዚዀነና። እዚ ብዓል ወርቃዊ ሕልና ቅዱስ ጳውሎስ ግን፦ “ኣነ ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ፡ ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ። ነዚ ዅሉ ኸኣ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይ’ውን ካብኡ (ካብ’ቲ በረኸት ናይ ወንጌል) ክካፈል ኢለ’የ ዝገብሮ ዘለኹ።”
“ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ (ናይ’ቶም) ብዙሓት’ምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጕስ ኣለኹ።” ብምባል፡ ብኸመይ ከም ዝተዓወተን ንመን ኢሉ ኸም ዝገብሮን፡ ከምኡ ብምግባሩ ንርእሱ እንታይ ከም ዝረብሐን መስኪሩልና እንሆ (1ቈረ 9፡22,23 ፣ 10፡33)። ሰናይን ንጹህን ሕልና ማዕረ ኽንደይ ክትምጠጥ ከም ዜኽእለና ካብ’ዚ ዚበልጽ ስእላዊ መግለጺ ኽትረክብ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ንሕልናኻ ኣጋዕዚኻ፡ ብእግሩ ኪቐውም ከም ዘይክእል ጌርካ ኣሰንኪልካ፡ ጥዑይ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወት ኪህልወካ ምትስፋው፡ ከቶ ዘይፍጸም ሕልሚ ደርሆ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ሰናይ ሕልና ረብሓኻን መሰልካን ምእንቲ ኻልኦት መስዋእቲ ኽትገብር ዜኽእል ቤዛዊ (ተበጃዊ) ባህርይ ዜልብስ’ዩ።
3. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሕልናኡ ዅሉ ጊዜ ዚጥንቀቕን ዚጽዕርን ሰብ ነበረ፡ ከም’ቲ ንዓለምና ንዅነታት ኣየራ (ክሊማን) ዚምልከት ኣርባዕተ ወቕትታት ዘለዋ፡ ንሕልናና ግን ወቕቲ የብሉን። ኣብ ሕልና፡ ሓጋይን ክረምትን የለን። ንገለ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ብሰናይ ሕልና ኸም ክረምቲ ጠሊልካን ለምሊምካን፡ ብድሕሪኡ ድማ ሕልናኻ ከም ሓጋይ ደሪቑ ንሰብ ኰነ ንኣምላኽ ዘይተብህግ ሰብ ምዃን፡ “ብዓል ሕልና’የ፡ ንሕልናይ እጥቀመሉ ኣለኹ” ኬብለና ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብዓል ሰናይን ንጹህን ሕልና፡ ኣብ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ምስ ኵሉ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ’ዩ ሰናይ ዚኸውን።
4. ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣበር ኣልቦ ሰናይ ሕልና ሒዙ ምድራዊ ጕዕዞኡ ብዓወት ዝፈጸመ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ተስፋ ስለ ዝነበሮ’ዩ። ሰናይ ሕልና ከም ቃንጥሻ (Mashroom) ባዕሉ ዚበቍል ነገር ኣይኰነን። ድሕሪ ሞትና ንዘለኣለም ኣብ መቓብር በጥ ኢልና ንነብር ሰባት እንተ ንኸውን፡ ምእንቲ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኢልካ ብዛዕባ ሕልናኻ ምጭናቕ ዘይተደላዪ ባዕላትና ንህይወትናን ናብራናን ከም ዚተሓላለኽ ምግባር ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል’ዩ። ብምስጢረ ትንሳኤ ሙታን እንኣምን ክርስትያን እንተ ዄንና ግን፡ ጽባሕ ንግሆ ኻብ’ቲ ናይ ሞት ድቃስ ምስ ተበራበርና፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብ ውሽጥና ሕልና ሰዂዑ ዝፈጠረናን ብደም ቅዱስ ወዱ ንሕልናና ኣንጺሁ ዝሐደሰልናን ኣምላኽ ንፍርዲ ደው ክንብልን፡ ብዛዕባ ምሕደራ ሕልናና ኽንሕተትን ክንፍረድን ምዃንና ስለ ‘ንፈልጥ፡ ኣብ’ዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወትና፡ ብዛዕባ ሕልናና ኽንጥንቀቕ’ምበር ብሸለልትነት ክንጻወት ኣይኰነልናን’ዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታን ትንሳኤ ሙታንን፡ ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያንና ኺስበኽ ከሎ ብወዝቢ እንሰምዖ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ’ቲ ዝነውሐ ጊዜ ዚበልዕ ማሕበራዊ ናብራና ዘይንዝክሮ እንተ ዄንና ግን፡ ጥር ‘ትብል ሰናይ ሕልና ኸም ዘይብልና፡ ኺህልወና’ውን ፈጺሙ ኸም ዘይከኣል ርዱእ’ዩ። ተስፋ ትንሳኤ ዝተዋህበና፡ ብሰናይ ሕልና ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወት ምእንቲ ኽንመርሕ’ዩ (1ጴጥ 3፡21)። ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ዝተዘርዘረ፡ ባዕሉ ኸኣ ዝተኣመነሉ ህይወት ስለ ዝተመላለሰ’ዩ። “ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ” ኽሳዕ ምባል ዝተዓወተን ዝተብዐን።
ሕልና ይወቅስን ይንእድን’ዩ ማለትና ድዩ፧ ናይ ኵሉ ሰብ ሕልና ድዩ ኸምኡ ዚገብር፡ ወይ ከኣ ናይ ገሊኡ ሰብ ጥራሕ’ዩ፧ ሰብ ክፍጠር ከሎ፡ ምስ’ናይ ሕልናኡ’ዩ ተፈጢሩ። እቲ ሕልና ድማ ናይ ምምዛንን ምፍራድን ዓቕሚ ዝነበሮ’ዩ። ሰብ ናብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ግን፡ ዓቕሚ ሕልናኡ ኣዝዩ ተሃስዩን ተሰቢሩን’ዩ። ሓጢኣት ኣብ ምድርናን ኣብ ስጋናን ኪነግስ ዝኸኣለ ድማ ሓይሊ ሕልና ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ’ዩ (ዘፍ 6፡5 ፣ 8፡21)። ኪፍጠር ከሎ ግን፡ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ፡ “ቅኑዕ ወይ ግጕይ፡ ግበሮ ወይ ግደፎ” እናበለ ኺመርሓናን ኪሕልወናን’ዩ ተዋሂቡና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሕልና ኣብ ህይወት ዘለዎ መሪሕ ተራ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እቶም (ሕጊ ኣምላኽ) ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦም’ውን ንሓድሕዱ እናተኸሰሰ ወይ እናተኸላኸለ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ልቦም (ኣብ ሕልናኦም) ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ’ሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዩም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም’ኳ፡ ንርእሶም ሕጊ’ዮም (ማለት ሕልናኦም ንርእሱ ሕጊ’ዩ)።” ሮሜ 2፡14,15
ስለ’ዚ ሕልና ይምስክር፡ ይኸስስ (ይወቅስ)፡ ይከላኸል፡ ይፈርድ ከኣ’ዩ። ብዛዕባ ምስክር ናይ ሕልና ደጋጊሙ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኢልዎ ዘሎ፦ “ብክርስቶስ ሓቂ ከም ዝዛረብ’ምበር ከም ዘይሕሱ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ’ዩ። .... ንሕና ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ፡ ኣወራ ኸኣ (ብዛዕባ’ቲ) ምሳኻትኩም ዘሎና ርክብ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ቅድስናን ንጽህናን ከም ዝነበረና፡ ሕልናና ይምስክረልና’ዩ። ነዚ ኸኣ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ ብጸጋ ኣምላኽ ስለ ዝገበርናዮ (ንተኣማመነሉ) ኢና።” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ሮሜ 9፡1 ካ.ት ፣ 2ቈረ 1፡12 ካ.ት)። ስለ’ዚ ሕልናኡ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምስክረሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ በቲ ናይ ሕልናኡ ፍርድን ምስክርነትን ኪተኣማመን ይኽእል’ዩ። እቲ ሕልናኡ ብደም ክርስቶስ ዘይነጽሀን ብመንፈስ ቅዱስ ዘይምራሕን ሰብ ግን፡ ኣብ ሕልናኡ ኺምርኰስ ኣይክእልን’ዩ።
ሕልና ግን ብኸመይ’ዩ ዚፍወስን ዚጥዕይን፧ ባዕላትና ንሕልናና ኽንልውጦን ከነጥዕዮን ንኽእል ዲና፧ ሕልና፡ ናይ ሰብ ናይ ኢድ ስርሓት ስለ ዘይኰነ፡ ሰብ ባዕሉ ሕልናኡ ኪቕይርን ኬጥዕይን ኣይክእልን’ዩ። ከም’ዚ ናይ ምግባር ስልጣንን ክእለትን ዘለዎ፡ እቲ ንሕልና ዝፈጠረ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ። ሕውየት ሕልና ግን ንኣምላኽ ነቲ ሓደን ቅዱስን ወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ’ዩ (ዮሃ 3፡16)፡ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስ ደኣ ትንቢታዊ ስርዓት ኰይኑ ኣገልጊሉ’ምበር፡ ንጊዚኡ ነቲ ስጋ ኻብ ሓጢኣት ካብ ምጽራይ ሓሊፉ፡ ነቲ ሕልና ኼጽርዮ ስለ ዘይከኣለ፡ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብ ኬዕርፉ ኣይከኣሉን (እብ 10፡1-4 ካ.ት)። ሓጢኣት ናይ ሕልና ጕዳይ ስለ ዝዀነ ግና፡ ንሕልናና ኼንጽህ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ ደሙ ኣፍሰሰልና።
“ደም ድቤላታትን ኣራሑን ...... ኣብ’ቶም (ብሓጢኣት) ዝረኸሱ ሰባት ተነጺጉ (ንሰብነቶም ብምንጻህ) ዚቕድሶም ካብ ኰነ፡ ደም ናይ’ቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረበ ግዳ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ክንደይ ንሕልናና ኻብ’ቲ ሞት ዜስዕብ (ሓጥእ) ግብሪ ኣዝዩ ዘየንጽሆ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፡ ክርስቶስ ናይ ሓድሽ ኪዳንን መንጎኛ (ማእከላይ) ኰነ። እቶም ጽዉዓት ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺወርሱ፡ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ’ታ ቐዳመይቲ ኺዳን ከለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኼድሕኖም፡ በጃ ዀይኑ ሞተ።” እብ 9፡13-15 ካ.ት
ስለ’ዚ ሰናይን ንጹህን ሕልና ኺህልወና ዚኽእል፡ ብክርስቶስ ኣሚንና ብደሙ ዝተቐደስና ክርስትያን እንተ ዄንና ጥራሕ’ዩ። ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈሊና፡ ንጹህ ሕልንና ኺህልወና ኣይከኣልን፡ ኣይሕሰብን ከኣ’ዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስና ክርስትያን ድሕሪ ምዃንና፡ ገና ብምዉት ሕልና ንነብር እንተ’ሊና ግን፡ ነቲ ጐይታና ዝኸፈሎ ኸቢድ ዋጋ ኣባና ኸንቱ ንገብሮ፡ ብደም ክርስቶስ ነላግጽ ስለ ዘለና ኣበሳና ዝኸበደን ዝተዓጻጸፈን’ዩ ዚኸውን። ውዱቕ ስጋ ዝለበስና ድኹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ኵሉ ጊዜ ዘይኰነስ ሳሕቲ ተዓንቂፍና ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕና ዘይተርፍ’ዩ። ጐይታና ብሞቱን ብደሙን ዘውሓሰልና ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎና ግና፡ ሓጢኣት ብዝፈጸምና መጠን ሓቀኛን ልባውን ንስሓ ብምእታውን ብምስጢረ ቍርባን ካብ ስጋኡን ደሙን ብምውሳድ ንሕልናናን ንስጋናን ካብ ሓጢኣት ሓጺብና ኸነጽርይን ከነጻዕድውን ይግብኣና። ምኽንያቱ ዅሉ ሓጢኣት ብደም ክርስቶስ’ዩ ዚጸርይ። ብዘይ ደም ክርስቶስ ከኣ ይቕሬታን ሕድገት ሓጢኣትን ኣይርከብን’ዩ (እብ 9፡22 ፣ 1ዮሃ 1፡7-9 ፣ ሉቃ 24፡47 ፣ ግብ 3፡19,20 ፣ 5፡30,31)። ከምኡ እንተ ዘይገበርና ግና፡ ሕልናና ዅሉ ጊዜ ኺወቕሰናን ኪፈርደናን ኪነብር’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ንሕልናና ምእንቲ ኼንጽህ መሪር ስቓይን ውርደትን ተቐቢሉ ደሙ ዘፍሰሰልና ጻድቕ ፈራዲ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንፍረድ ኢና። መድሓኒና ኪኸውን ዝተገልጸ ጐይታ፡ ርኹስን ምዉትን ሕልና ዝመረጽና ጥራሕ፡ ናብ ፈራዲና ኺልወጥ ምግባርና ድማ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ዕሽነት’ዩ።
እምበኣር ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና፡ ብምንታይ ዓይነት ሕልና ንነብር ከም ዘለና ንመርምር። ሕልናና ይወቕሰናን ይኸስሰናንዶ ኣሎ፧ ወይስ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጽቡቕ ይምስክረልና ኣሎ፧ ሕልናና ዚወቕሰና ብንስሓ ምእንቲ ኽንምለስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ወቐሳኡ ንረብሓናን ንድሕነትናን ንጠቐመሉ። ካብ’ቲ ንሕልና ዜጽርይ ደም ክርስቶስ ርእስና ኣይንፍለይ። ነቲ ንጹህን ዜንጽህን ምስሊ ህይወትና ኸም መስትያት ኰይኑ ዜርእየና ቓል እግዚኣብሄር ኣዘውቲርና ነንብቦን ንተኣዘዞን (ዮሃ 15፡3)። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብዅሉ ነገርን ኵሉ ጊዜን ብንጹህን ሰናይ ሕልና ንነብር ከም ዘለና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
14 ሚያዝያ 2024 | ሚያዝያ 6, 2016 ግዕዝ (መበል 31 ሰንበት: ቊ.፴፩/31) |
||
ምስባክ መዝ.፴፱(፵)፡፯.፰ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፴፫፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 4፡1-9 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡11-19 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 16፡9-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 25፡14-30 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘባስልዮስ | መዝሙር፦ መኑ ውእቱ ገብር ኄር |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ