S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ (መንፈሳዊ) ሞት ተንሲእኩም ኢኹምሞ፡ ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ ክርስቶስ ኣብ፡ ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩምውን ምስኡ ኽትግለጹ ኢኹም።ቈሎ 31-4 .

እንሆ ዕለት ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። እቲ ነዚ ዕለት ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ተንሢአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ” (ተንሲኡስ ንዅላቶም ምውታት ኣተንስኦም) ዘርእስቱ፡ ናት ትንሳኤ መዝሙርዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ትንሳኤ ሙታን ዝተፈጸመ። ምኽንያቱ ቅድሚ ክርስቶስ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ ዚኽእል የልቦን። ንሱ ቐዲሙና ተንሲኡ በዅሪ ትንሳኤ ስለ ዝዀነ ግን፡ ካብ ትንሳኤ ዚበኵርን ዚተርፍን ሰብ ከቶ ኣይኪህልውንዩ። ሓጥእ ይኹን ጻድቕ፡ ብዘይ ዋላ ሓደ ተረፍ፡ ኵሉ ኺትንስእዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ዓይነት ትንሳኤናን፡ ኣብ ድሕሪ ትንሳኤ ዚህልወና ዓይነት ናብራን ኪኸውን። ነቶም ገና ሓጥኣን ከለና ሞት-ስጋ ዘርከበና፡ ትንሳኤና ተካል ትንሳኤ ኪኸውን። ንሓጥኣን ትንሳኤ ክርስቶስ ኰነ ትንሳኤ ሙታን ኣዝዩ ዜርዕድ ኣሰንባዲ መርድእዩ። ጐይታና ኺፈልዮ ኸሎ፡ ነቲ ናይ ጻድቃን፧ትንሳኤ ህይወትነቲ ናይ ሓጥኣን ግንትንሳኤ ፍርዲኢሉ ሰምይዎ ኣሎ (ዮሃ 529) ፍርዲ ሓጥኣን እንታይከም ዚኸውን ከኣ፡ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብተደጋጋሚ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ገሃነም እሳት፡ ኣብ ብዲን (ብሳልፈር) ዚፈልሕ ቀላይ-ሓዊ፡ ሃልሃልታ ኸለዎስ ግን ከኣ ፈጺሙ ብርሃን ዘይብሉ ድቕድቕ ጸልማት ሓዊ፡ ንዘለኣለም ኣብ ቐላይን ስቓይን ተኣሊኽካ ምንባርዩ። ወንጌላዊ ማርቆስ ካብ ልሳን ጐይታ ጠቒስዎ ኸም ዘሎ ንኼሳቕዩ ዝተፈጥሩ በቲ ሓዊ ፈጺሞም ዘይሞቱ ሓሳኹ ድማ ኣለውዎ። ካብ ናይ ዲን ሓዊ ዘይንእስ ስቓይ ዜውርዱ ምዃኖም ግን ፈጺሙ ዘየጠራጥር (ማር 943-48 ኢሳ 6624) እቲ ኣብ ራእ 149-11 ተገሊጹ ዘሎ ስቓይ ድማ ኣዝዩ ዜሰክሕዩ።

ትንሳኤ ጻድቃን ግንይሃበኒ፡ ይሃብካዜብልዩ። እቲ ኻብ መቓብር ሒዝናዮ እንትንስእ ስጋና ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ፡ ዘይመውት፡ ዘይደክም፡ ዘይሓምም ስጋ ዀይኑ፡ ነቲ ዚባላዕ ሓውን ዘይቅረብ ብርሃንን ዝዀነ እግዚኣብሄር፡ በዒንቱ እናረኣየ፡ ኣብ ሰማያዊ መቕደስ ንእኡ እናወደሰን እናቐደሰን ንዘለኣለም ምስኡ ኺነብር (A) እዚ ተስፋ ትንሳኤና!! ነቲ ተስፋ እናማዕደወ፡ ንህይወቱ በዚ ተስፋ እናማእዘነን ዘይነብር ክርስትያን፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዜደንግጽን ውጹዕን ሰብዩ።

ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንኣና ንክርስትያን ክልተ ዓይነት ትንሳኤ ዜጐናጽፈና። እቲ ቐዳማይ ኣዝዩ ወሳንን ትንሳኤ፡ እቲ ካብ ዓለምዚኣ ብህይወት እናሃለና እንትንስኦ መንፈሳዊ ትንሳኤዩ። ሓጢኣት ምግባር፡ ናብ መንፈሳዊ ሞት ዜእትወና። ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንና ኽንእዘዞ ምስ ጀመርና ግን፡ እቲ ብሓጢኣት ዝሞትናዮ መንፈሳዊ ሞት፡ ብመንፈሳዊ ትንሳኤ ይትካእ። መንፈሳዊ ትንሳኤ ምስ ረኸብና፡ እቲ ብሓጢኣት ናይ ሙማት ታሪኽና ተለዊጡ፡ ካብ ሓጢኣትን ንሓጢኣትን ምውታት ዄንና፡ እቲ ግብሪ ህያዋን ዝዀነ ግብሪ ጽድቂ ጥራሕ ነዘውትር። ነዚ መንፈሳዊ ትንሳኤ ኽሳዕ ዕለተ-ሞትና ዓቂብናዮ እንተ ጸናሕና፡ ኣብ ዅላትና ምውታት እንትንስኣላ ናይ ምጽኣቱ መዓልቲ፡ በቲ ኻልኣይ ዓይነት ትንሳኤ ኣካላዊ ትንሳኤ ብትንሳኤ-ህይወት ብኣካለ ስጋ ተንሲእና፡ ምስ ናብ ክብሩ ኼእትወና ዝመጻልና ጐይታ ብደበና ሰማይ ናብ ሰማያት ክንዓርግ ኢና። እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ኣብ ናትና ምርጫና ናብራን ዚምርኰስዩ። እቲ ኻልኣይ ኣካላዊ ትንሳኤ ግና፡ ኣብ ምርጫ ናይ ጐይታ ጥራሕ ዚምርኰስ መለኮታዊ ተግባርዩ። እምበኣር እቶም ሓቀኛታት ክርስትያን፡ ሳላ ሓንቲ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ክልተ ዓይነት ትንሳኤ ኢናንትንስእ። እቶም ንክርስቶስ ፈጺሞም ዘይኣምንዎ ኣረማውያንን፡ እቶም ናይ ጥበራን ግብዝነትን ክርስትያን ግን፡ ትንሳኤና ኣይግበራ፡ ካብ ትንሳኤቲኣ የድሕነናምበር፡ ሓንቲ ትንሳኤ ጥራሕዮም ዚትንስኡ። ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ እቶም ሰብ ድርብ ትንሳኤ እንታይ ከምንመስልን፡ ብምንታይ ከምንልለይን ዜፍልጠናን ዜለብመናን ሃናጺ ምህሮዩ።

ህይወት ናይ ቐዳማይ ትንሳኤ ዝተንስአ ሰብ እንታይ ይመስል፧ በዛ ትንሳኤዚኣ ምትንሳእናን ዘይምትንሳእናን ብኸመይ ኢናንፈልጥ? መሪሕ ጥቕስና፡ ከም ብርሃን ጸሓይ፡ ኣብሪሁ ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ግደ ሓቂ ድማ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሓቂዚኣ ንኼርእየናን ንኼጨብጠናን ዝተጻሕፈ። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስውን ነዛ ሓቂዚኣ ምእንቲ ኼፍልጠናን ኬልብሰናን ርእሱ በጃና መስዋእቲ ዝገበረ። ነዛ ሓቂዚኣ ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ኣገልገልቱ ብዘየማትእ መገዲ እንተ ዘየብርሃልና ነይሩ። ካብኣድሒኑናኽንብል፡ገፊዑና፡ ኣጥፊኡናኽንብል ምቐለለና ነይሩ፡ ግናኸ፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ንሱ ንጥፍኣትና ዚኸውን ነቓዕን፡ ምኽንያትን ኣይሓደገን። ስለ ኸኣዩ፦ ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና፡ (ነጊረዮም ስለ ዝዀንኩ) ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።ዝበለ (ዮሃ 1522)  

ህይወት ናይቶም በቲ ቐዳማይን መንፈሳውን ትንሳኤ ዝተንሳእና ክርስትያን፡ ምስ ኣብ መንፈሳዊ ሞት ከለና ዝነበረና ህይወት ብምንጽጻር ኢና ብዝነጸረ መገዲ ኽንርድኦንኽእል። መንፈሳዊ ትንሳኤ ቅድሚ ምርካብና ዝነበረና መንፈሳዊ ህይወት፡ ምስ ሞትምበር። ምስ ህይወት ዚስራሕ ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብመንፈሳዊ ትንሳኤ ዚነብሩ ዝነበሩ ተገልገልቱ፡ ነቲ ቕድሚ ምትንሳኦም ዝነበረ ናይ መንፈሳዊ ሞት ጽዩፍ ናብራ፡ናብራ ቐደምከም ዝዀነ ገይሩ ዚገልጾ።

ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ ካብ ሓጢኣት (ብመንፈሳዊ ትንሳኤ) ሓራ ምስ ወጻእኩም ግና ንጽድቂ ተገዛእኩም። . . . (ቀደም) ባሮት ሓጢኣት ከለኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ (ርሑቓት) ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ በዚ ሎሚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፡፧ ዓስቢ ሓጢኣት ሞትዩ፡ . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኰይኑሎ።ሮሜ 617,18,20-23 .

ንስኻትኩም ቀደም ከም ናብ ዓለምዚኣ (ነቲ ርኹስ መንፈስ ንሰይጣን እናተኣዘዝኩም) ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም ንኣኻትኩም (ብመንፈሳዊ ትንሳኤ) ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ (ነቲ ናይ ስጋ ሓሳባትን ድልየትን) እናገበርና ቀደም ብትምኒት ስጋና ምስኣቶም ንነብር ነበርና። ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበር።ኤፌ 21-3

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።ቲቶ 33

ኣብ ካልእ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳንውን ተመሳሳሊ ሓሳብ፡ ተደጋጊሙ ንረኽቦ ኢና (1ቈረ 69-11 ገላ 113 1ጢሞ 113 1ጴጥ 114 210 41-3 2ጴጥ 19) ስለ መንፈሳዊ ትንሳኤ ኸም ዝረኸብና፡ንፈልጥ፡ ካብ ናብራ ቐደም ተናጊፍና፡ ናቱ ኣንጻር ዝዀነ ናብራ ንነብር እንተሊናዩ። ህይወትናን ኵሉ ኣካይዳናን ግብርናን፡ ነቲ ትንሳኤ ዝሃበና ክርስቶስ ዚመስል እንተ ዀይኑዩ። መንፈሳዊ ትንሳኤ ዝረኸብኩ፡ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ክርስትያንዚብል ሰብ፡ ብሓጢኣቱ ገና ንድያብሎስ የገልግል እንተልዩ፡ ዝተጠበረ ልቢ ዘጋገዮ ግብዝ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ናይ ተለሎ (ምትላል) ኣካይዳኡ ብትንሳኤ ሙታን እቲ ዚግብኦ ዓስቢ ኺረኽበሉዩ። ፍረ ህይወቱ እንታይ ከም ዚመስል ዘይፈልጥ ሰብ ኪህልወና ኣይክእልንዩ። እቲ ጸገም እንታይን ንመንን ከም ንመስል ዘይምፍላጥና ዘይኰነ፡ ብትንሳኤ ሙታን ንኣምን ወይ ዘይንኣምን ኣብ ምዃንናዩ። ትንሳኤ ሙታን ከም ዘሎ ብምሉእ ልቡ ዚኣምን ሰብ፡ ሓጢኣት እናዘውተር ኣብ መንፈሳዊ ሞት ኣይነብርንዩ። ብልሳንና፡በቲ ዓንዲ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን እኣምንእንተ በልና፡ ግን ከኣ ብትንሳኤ ሙታን ጽቡቕ ዘይፍረዶ ህይወት ንነብር እንተ ዄንና፡ ዘይኣመንቲ፡ ዕሉላት ከሓድቲ ምዃንና ኣሉ ዘይበሃል ግብራዊ መርትዖ ዚዀነና።

ረብሓ መንፈሳዊ ትንሳኤ እንታይዩ፧ ጐይታና፡ ንሕና መንፈሳዊ ትንሳኤ ኽንትንስእ ዝደለየሉ ምኽንያት እንታይ? ናይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ቀዳማይን ዝዓበየን ረብሓ፡ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽኣና ምዃኑዩ። ሓጢኣትን ሞትን፡ ሰይጣን ንሰብ ዚኣስረሎም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ረቀቕቲ መቓውሕዮም (ምሳ 522 A) ካብ ማእሰርቲዚ፡ ባዕላትና ተፈቲሕና ንርእስና ሓራ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለ ድማ ካብ ማእሰርትና ፈቲሑ ሓራ ዜውጽኣና መድሓኒ ዘድለየና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ማእሰርትና ብዜገርም ኣገባብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ሕጊ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ስለ ነቲ ዝገበሮ ኣይፈልጦንየ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጸልኦ ዝገብሮ ዘለኹምበር፡ ነቲ (ዝፈትዎ) ኣይኰንኩን ዝገበሮ ዘለኹ። እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት ዚገብሮ ዘሎምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። . . . ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደለኹሉ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ ድማ ባህርያዊ (ግድነታዊ) ኰይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር (ውጹዕ) ሰብ ካብ (ኣገዲዱ) ናብ ሞት (ዚስሕበኒ) ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒዩ።ሮሜ 714-24 .

ድሮ ርእስና ንሓጢኣት ዝሸጥና ባሮት እንተ ዄንና፡ እቲ ሓጢኣት ካብ ዝኣዘዘና ወጻኢ ካልእ ዝመረጽናዮ ግብሪ ኽንገብር ኣይከኣለናንዩ። ነቲ እንደልዮ ሰናይ ግብሪ ኽንገብር እንኽእል፡ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ሞትን ተፈቲሕና ሓራ ምስ ወጻእና ጥራሕዩ። ካብ ማእሰርቲ ዚፈትሓና ድማ ትንሳኤ ክርስቶስዩ። ብትንሳኤኡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ምስ ረኸብና፡ ብድሕሪኡ ብምሉእ ፍቓድና ተሓጕስና ሰናይ ግብሪ ንገብር፡ ነቲ ባሮቱ ገይሩና ዝነበረ ሓጢኣት ድማ ንጸልኦን ንፍንፍኖን፡ ንእኡ ኻብ ምግባር ድማ መከራ ምጽጋብን ህይወትና ምኽፋልን ንመርጽ (ሮሜ 61,2,15 እብ 1123-27 ግብ 419,20 529) 1ዮሃ 39 518) ጐይታና ነቲ ኣሲሩና ዝነበረ ዅሉ ሓጢኣትና ኣብ ዝባኑ ኣብ ስጋኡ ጸዊሩ ዝሞተ፡ ነቲ ሰይጣን ንኣና ዚኸስሰሉ ጽሕፈት ዕዳ (ዕዳ ሓጢኣት) ምእንቲ ኺድምስስ (ቈሎ 214,15) እቲጽሕፈት ዕዳዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝተጻሕፈ ሕጊዩ። ሰይጣን ከኣ ነዚ ሕጊ መዝሚዙ፡ ብእኡ ገይሩ ንትምኒት ስጋና እናለዓዓለ፡ ከምንጥሕሶም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በቲ ንኣና ንምስሓት ዝተጠቕመሉ ሕጊ እናኸሰሶ ብእኡ በቲ ሕጊ ተፈሪድና ኸምንመውት ይገብረና ነበረ (ሮሜ 75-11) ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ተሰኪሙ በጃና ብምሟት፡ ካብ ዕዳን ተሓታትነትን ናይ ሕጊ ሓራ ኣውጽኣና። ካብ ሓጢኣትን ካብ ዚፈርደና ሕግን ብሞቱ ኣናገፈና።ስቕለት ክርስትያንኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኸም ዝተመሃርናዮ፡ ንሓጥእ ባህርይናን ንፍትወት ስጋናን ምስኡ ኣብ መስቀል ሰቒልና ብሙማት ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ሕግን ተፈታሕና (ሮሜ 71-4,6 ገላ 219) ኣብ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ እንተ ዘይሓበርና ግን፡ እቲ ዕዳ ሕግን ሳዕቤን ሓጢኣትን ገና ኣብ ዝባንና ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ሙታን፡ ብትንሳኤ ዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ክንከፍሎ ኽንነብር ኢና ማለትዩ።

ፍረ መንፈሳዊ ትንሳኤ እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ናብራናኸ ብኸመይ’ዩ ብግብራዊ መገዲ ዚግለጽ? እቲ ቐንዲ ስጋ ናይ ትምህርትና ኣብ ሕቶ ዘሎ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶና ኣዝዩ ዜዕግብ መልሲ ሂብዎ ኣሎ። ብርግጽ እዚ ሕቶ ምስ ናይ መጀመርታ ሕቶና ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎዩ። ሓጢኣት ክንገብር ዘይክንገብር፡ ጽድቂ ኸነዘውትር ዘይከነዘውትር ዚውስኖ ኣእምሮናዩ። ሕልና፡ ልቢ፡ ቀልቢ፡ ሓሳብ ወዘተ ዝኣመስሉ ቓላት፡ ናይኣእምሮዚብል ቃል፡ መለሳ ቓላት ስለ ዝዀኑ ኪተኻኽኡውን ዚኽእሉዮም። ናይ ወዲ ሰብ ኵለንተና፡ ብኣእምሮ፡ ብልቢ ወይ ብሕልና ዚግዛእ። መንፈሳዊ ሕውየት ኪርከብ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣእምሮ ኺፍወስ ዚግብኦ። ብድሕሪኡ ኣተሓሳስባኻ፡ ኣዘራርባኻ ዀነ ተግባርካ፡ ብቐሊሉ ዚፍወስ። ብፍላይ ሕውየት ኣእምሮኻ ምሉእን ፍጹምን እንተ ዀይኑ፡ ብድሕሪኡ እቲ ለውጢ ናይ ህይወትካ፡ ንኻልኦት ሰባት፡እምበርዶ ንሱዩ። እቲ ዚብሉ፡ ዋላ ባዕልኻውን፡እምበርዶ ኣነየ፧ኢልካ ኽሳዕትግረም ዚገብረካ። ምኽንያቱ ነታ ጸገም ኣብ መበቈላ ስለ ዝረኸብካዩ። ብዓባያ እታ ልቢ እንድሕር ዘይተረኺባ ግን፡ ስልታዊ ለውጢምበር፡ መሰረታዊ ለውጢ ኽትረክብ ከቶ ዘይሕሰብዩ። ምስ ሰብ መሓወሲ ዚዀነካ ገለ ቝሩብ ውርዝነት ተጥርይ ትኸውንምበር፡ ንጽድቅስ ብዝኸፍአ መገዲ ኢኻ ትርሕቃ። ስለ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር

ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፡ . . . ህይወት ካብኡትፍልፍል ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።ኢሉ ዚምዕደናን ዚዕድመናን (ምሳ 2326 426 ኤር 3021) ንልብና ኣዚና ኽንፈርሆ ዚግብኣና፡ ዋላ ነቲ ዋንኡ ኸይተረፈ፡ ናይ ንጥባርን ምትላልን ሓያል ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑዩ። ከም ነብዪ ኤርምያስ ገይሩ ንልቢ ሰብ ዝገለጻ ኻልእ ጸሓፊ ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ዚኸብድዩ። ብፍላይ ብኽልቲኡ ትርጕም ምስንርእዮ ዝበለጸ ስእሊ ይህበናዩ።

ልቢ (ሰብ) ካብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧.

ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ሕማሙ ኺሓውይ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኰለኛንዩ፡ መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧ኤር 179 .

እቲ ጽቡቕ ነገሩ እግዚኣብሄር ግን ኣዳቒቑ ዚምርምሮን ዚፈልጦን ምዃኑ (B) እግዚኣብሄር ንልቢ ጽቡቕ ገይሩ ዘይፈልጦ እንተ ዚኸውን፡ መንግስተ ሰማያት ብግቡዛት ኣዕለቕሊቓክትኣትዋ ዘይተመንይ ከተማ ምዀነት ነይራ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ እግዚኣብሄር ግን ምስ ተፈጥረትን ምስ ጋዕዘየትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ኣትሒዙ፡ ንናይ ነፍሲ ወከፍና ልቢ ዚፈልጥዩ።

መሪሕ ጥቕስና ጽቡቕ ገይሩ ኣሚቱልናን ኣግሂዱልናን ከም ዘሎ፡ ጥዕና ልቢ ዚምዘን በቲ ኸተቕልበሉን ክትሓስቦን ዝመረጸት ቦታን ኣርእስትንዩ። ቀልባን ሃረርታኣን ናብ በቲ እኩይ ሰይጣን ተታሒዛን ትመሓደርን ዘላ እክይቲ ዓለም ዝገበረት ልቢ፡ ነታ ዝበሃገታ ዓለም ክትመስል ናይ ግድንዩ። ከስዐና ነቲ ዝተመገቦ ምግቢ ወይ መስተ ጥራሕ ከም ዚጐስዕ፡ ልቢ ድማ ነቲ ዝበሃገቶን ቀልባ ዘውደቐትሉን ጥራሕ ትሓስብን ትገብርን። ምርጫኻ ኣበላሺኻ፡ ፍረኻ ኸተጸብቕ ከቶ ኣይከኣልንዩ። ጐይታና፡ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ፡ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ ኸም ዝበለ፡ ነዛ ዓለምዚኣ ዓለሙ ኺገብር ዝመረጸ ሰብ ድማ፡ ልቡ ኣብ ዓለም ዚገብር (ማቴ 621 .) ብረድኤት ኣምላኽ ምርጫኡ ዜተኻኽለሉ ልቦና ኣጥርዩ፡ መኣዝንን ቦታን ናይ ቀልቡ ኼተኻኽልን ናብ ሰማይ ገጹ ኼማእዝኖን ዓቕሚ እንተ ረኺቡ ድማ፡ ንዓለምን ትሕዝቶኣን ጉዳያታን ንዒቑን ከምቲ መሪሕ ጥቕስና ዝኣዘዞ። ቀልቡ ኣብ ሰማይ ከም ዚኸውን ኣብ ምግባር ይዕወት ማለትዩ።

ልብናን ቀልብናን ኵሉ ጊዜ ናብ ሰማይ ከይንገብር ዚዕንቅፈና ዘሎ ጸገም እንታይዩ?

ጸገም ዜጓንፈና ዘሎ፡ ኣብ ቀዋምነት፡ ኣብ ጽንዓት ናይ ምርጫናዩ። ኣብ ሃገርና፡ምስ ደግያት ምራጭ ዝወዓለ ይፋንን፡ ምስ ኣባ ገብረ ማርያም ዝወዓለ ድማ ይምንንዚብል ዝውቱር ብሂል ኣሎ። በቲንውዕሎ ውዕሎታት፡ በቲ በዒንትናንርእዮ በቲ በእዛንናንሰንዖ፡ ልብና ተገሪዙ ደድሕሪኡ እናዀብለለ መትሓዝን መጨበጥን ንስእነሉ ኣለና። ናብ ቤተ ክርስትያን ኬድና ወይውን ዚረኣይ፡ ዚስማዕ ወይ ዚንበብ ረኺብና፡ ቃል እግዚኣብሄር ክንሰምዕ ከለና፡መንን መንንይመጸና። ኣብ ምድራዊ ጒዳያት ተጸሚድና ዓለማዊ ጒዳያት ዓብሊዅና ኺውዕል ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄርን መንግስቱን ተረሲዖም፡ፋንን ፋንን ኰብልል ኰብልልይመጸና። ከም እናበልካ ናብራ፡ ነዛ ዓለምዚኣ ጥራሕምበር፡ ናብ ናይ ላዕሊ ዓለም ኣየብጽሕንዩ። እታ ልብናስ፡ ኣመንዝራ ዀይና ማለትዩ። ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ኣመንዝራ ልቢ እንተልይዎ፡ ደድሕሪ ዝረኣያ ሰበይቲ፡ ወይ ደድሕሪ ዝረኣየቶ ሰብኣይ ስለ ዚዅብልል፡ ኪዳን ኬጽንዕ ኣይክእልንዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዓለምን ብማዕረ ዚግደስ ኣመንዝራ ክርስትያን ድማ ዝተፈልየ ታሪኽ ኪሃንጽ ኣይክእልንዩ። እግዚኣብሄር ብኸም ዝዓይነቱ ልብን ህይወትን ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ተሓሊሉዩ። በቲ ኣብ ኢሳ 2913,14

እዚ ህዝቢ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕዩ። . . . “ ከምኡውን ኣብ ህዝ 3332ብኣፎም (ብዛዕባይ) ፍቅሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ (ልቦም ግደ ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም ዚኸይድ)ዝበሎ ቓል፡ ነቲ ትዕዝብቱ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እዛ ኣመንዝራ ልቢዚኣ ኣብ ውሽጥና ሓዲራ ተመሓድረናን ተበላሽወናን እንተልያ፡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ከም ዘይረኸብና፡ ገና ብመንፈስ ምውታትን ደቂ ድያብሎስን ደቂ ገሃነም ኴንና ንነብር ከም ዘለና፡ ነጋሪ ዘየድልዮ ግሁድ መርድእዩ።

እዚ መልእኽቲ’ዝስ እምበርዶ ግብራዊ’ዩ፧ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናንበርካስ፡ ከመይ ጌርካ ቀልብኻ ካባኻ ተፈልዩ ናብ’ታ ዘይትርእያ ዓለም ከተግዕዞ ይከኣል፧ ነዛ ምድራዊት ህይወትናኸ በየናይ ቀልቢ ኢና ኸነመሓድራ? እቲ ጸገም ኣብ ትግባረ ናይ መልእኽቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባናን ርድኢትናን ዘሎ። እዚ ሕቶ ንኣገዳስነት ናይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ዜጕልሓልናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ዘቐመጣ ቕድመ ዅነት ኣላ። ኣብ ቐዳመይቲ ትርጒም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምብምባል ከም ዘይትስገር ቅድመ-ዅነት ገይሩ ኣቐሚጥዎሎ። ኣብ ኻልኣይ ትርጒም ድማ፡ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም ኢኹምብምባል ከም ውሁብ ሓቂ ወይ ከም ውዱእ (Acomlishad fact) ገይሩ ኣስፊርዎሎ። ኣብ ትንሳኤዚኣ ዘየለ ሰብ፡ ብዛዕባ ሃዋርያዊት ትእዛዝን ብዛዕባ መልእኽትናን ኪደናገር ናይ ግድንዩ። ምኽንያቱ ንእኡ ጓና ቋንቋን ኣተሓሳስባንዩ። ነቲ ናይ ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ዝተንስአ ሰብ ግን፡ ቀልብኻ ኣብ ሓላፊት ዓለምዚኣ ጌርካ ምንባር ጊንጥን ግርምቢጥን ሓሳብ ኰይኑ ዚረኣዮ። ምኽንያቱ እዛ ግዕዝይቲ ዓለምዚኣ ናይ ስድደትን ስቓይን፡ ናይ ምስቍርቋርን ናፍቖትን ዓለምያ።መዓስ ናብ ኻብኣ ኻብ ላዕሊ ዝተወለድኩላ ዓለም ዝግዕዝ፡ መዓስ ጐይታይ ተመሊሱ ዚወስደኒ፧እናበለት ዚሓስብ። ምኽንያቱ እታ ቐንዲ ህይወትና ምሳና ዘይኰነትሲ ምስ ክርስቶስ ግዒዛ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣምላኽ ተሰዊራ ዘላ። መሪሕ ጥቕስና ኸነድህበላን ናብ ቀልብና ኼስርጽን ደልዩ ዘሎ ሓቂ ንሳያ። እዛ ሕጂ ኣብ ምድሪ ንነብረላ ዘለና ህይወት፡ ምስ ሞት ትቝጸርምበር፡ ምስ ህይወትትስራዕ ኣይኰነትን። እዛ ምድራዊት ህይወትና ትርጒም ዚህልዋ፡ ነታ ኣብ ሰማይ ተሰዊራ ዘላ ህይወትና ዚውክል ናብራ እንተ ነበርናላ ጥራሕዩ። ቀልብና በዛ ጒሒላ ዓለምዚኣ እንተ ተሰሪቑ ግን፡ ነታ ሓቀኛ ሰማያዊት ህይወትና ዚውክል ናብራ ኽንነብር ፈጺምካ፡ ዘይሕሰብ ዚኸውን። ካብ ሓጢኣቱ ምስ ክርስቶስ ዘይሞተ፡ ጽድቂ ተፍርይ ሓዳስ ህይወት ንምምልላስ ምስ ክርስቶስ ዘይተንስኦ ሰብ፡ ህይወቱ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ስለ ዘየለ፡ ነታ ሰማያዊት ሃገር ዋላ ሓንቲ ዘሕለፈላ ነገር ስለ ዘይብሉልቡን ቀልቡን ናብኣ ዜግዕዘሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት የብሉን። ጐይታና ነቶም ዚጻረርዎ ኣይሁድ ናብ ዝለኣኾ ኣቦኡ ኸም ዚኸይድ ክልተ ጊዜ ምስ ነገሮም፡ ብዘይካ ዚነብሩላ ዘለው ዓለም ካልእ ዓለም ስለ ዘይፈልጡ ዓብይን ዘይትጽበዮን ሕቶ ፈጠረሎም።

ገና ንቝሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ እንተ ዀነ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ናብ ኣነ ዘለኽዎ (ንስኻትኩም) ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ምስ በሎም፡ መጀመርታ ዝሓስብዎ፡ ናብ ግሪኽ ከይዱ ነቶም ግሪኻውያን ኪምህርዶ ዀን ሓሲቡ ይኸውን፧ዚብል ኣብ ኻልኣይ ከምኡ ዝበለሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ንገዛእ ርእሱዶ ዀን ባዕሉ ኪቐትላ ደልዩ፧ዚብል ዘይርድኣካ ግርምቢጥ ሓሳብ ሓሰቡ (ዮሃ 733-36 821,22 .) እዚ ኣተሓሳስባኦምዚ፡ ብዛዕባኡ ዀነ ብዛዕባ ዝዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝዀነ ርድኢት ከም ዘይነበሮም ዜቃልዕዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ኣእምሮኦም ብምሕዳስ ኣይተለወጡን” (ሮሜ 122) ኣእምሮ ኪሕደስ፡ ኣተሓሳስባ ድማ ኪልወጥ ዚኽእል፡ ምስ ክርስቶስ ዝተንሳእና ሰባት ምስንኸውን ጥራሕዩ።

እዚቀልብኹም ኣብ ሰማይ ግበሩዚብል ትእዛዝካብ ዓለምዚኣ ውጹ፡ ከም ባሕታውያን መኒንኩም፡ ኣብ በረኻ ንበሩ፡ማለት ኣይኰነን።ኣይትስርሑ፡ ኣይትብልዑ ኣይትስተዩ፡ ኣይትከደኑ፡ ኣይተጥርዩ፡ ኣይትመርዓዉ፡ ኣይትውለዱማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩነዛ ምድራዊት ህይወትኩም፡ ብመንጽር ሰማያዊ ህላወኹምን ሃገርኩምን ብጽድቂ ንበርዋን ኣመሓድርዎን። ኣብ ምድሪዚኣ ናብራ ሰማይ፡ ናብራ ትንሳኤ ንበሩ፡ ማለት ሓጢኣት ኣርሒቕኩም ብጽድቂ ንበሩማለት ጥራሕዩ። እቲ ዝተመርዓወ ብሓልዮት ሓዳር ኣይወሓጥ፡ ብዛዕባ ምስ ጐይታ ዘለዎ ሰማያዊ ሓዳር ብዝበለጸ ይሕለይ። እቲ ብዓል ጥሪት፡ ጥሪት ከም ዘይብሉ ሰብ ኰይኑ ልቡ ኣብ ጥሪቱ ኸየውደቐ ከይተወከለ ይንበር። ኣብ ዓለም ብዘጋጠሞ ዜሐጒስ ኰነ ዘየሐጒስ ኵነታት ልቡ ኣይተሓዝ። ከም ጐይታ ዝበሎ፡ ንገንዘቡን ጥሪቱን ብሰናይ ግብሪ ንሰማይ የግዕዞ (ማቴ 619-21 ሉቃ 1223,24 1ጢሞ 617-19 ያእ 52,3 ማቴ 1916-22 ምሳ 234,5 መዝ 6210)

እምበኣር ቅድም መንፈሳዊ ጥዕና ዘለዎ፡ ብትንሳኤ ዝተሓደሰ ኣእምሮ ዘሎናን ዘይብልናን ነረጋግጽ። እንተልዩና ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ልብና ናብ ሰማይ ተማእዚኑን ኣድሂቡን ምህላው ብዘይ ዝዀነ ስክፍታን ጥርጥርን፡ ርግጸኛታት ንኹን። ነዚ ተግባር ዚዕወቱሉ፡ እቶም ምስ ክርስቶስ ዝተንስኡ ሰባት ጥራሕ ስለ ዝዀኑ፡ ፍረ ግብርናን ዓይነት ናብራናን መርሚርና ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

26 ግንቦት 2024 | ግንቦት 18, 2016 ግዕዝ (መበል 37 ሰንበት: ቊ.፴፯/37)

ምስባክ

መዝ.፫፡፭,፮ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ።ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።”

“ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 3፡1-11

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 13፡26-42

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 24፡33-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ|መዝሙር፦ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div