“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ (መንፈሳዊ) ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ሕይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩም’ውን ምስኡ ኽትግለጹ ኢኹም።” ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ “ተንሢአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ” (ተንሲኡስ ንዅላቶም ምውታት ኣተንስኦም) ዘርእስቱ፡ ናት ትንሳኤ መዝሙር’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ትንሳኤ ሙታን’ዩ ዝተፈጸመ። ምኽንያቱ ቅድሚ ክርስቶስ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ኪትንስእ ዚኽእል የልቦን። ንሱ ቐዲሙና ተንሲኡ በዅሪ ትንሳኤ ስለ ዝዀነ ግን፡ ካብ ትንሳኤ ዚበኵርን ዚተርፍን ሰብ ከቶ ኣይኪህልውን’ዩ። ሓጥእ ይኹን ጻድቕ፡ ብዘይ ዋላ ሓደ ተረፍ፡ ኵሉ ኺትንስእ’ዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ዓይነት ትንሳኤናን፡ ኣብ’ቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዚህልወና ዓይነት ናብራን’ዩ ኪኸውን። ነቶም ገና ሓጥኣን ከለና ሞት-ስጋ ዘርከበና፡ ትንሳኤና ተካል ትንሳኤ’ዩ ኪኸውን። ንሓጥኣን ትንሳኤ ክርስቶስ ኰነ ትንሳኤ ሙታን ኣዝዩ ዜርዕድ ኣሰንባዲ መርድእ’ዩ። ጐይታና ኺፈልዮ ኸሎ፡ ነቲ ናይ ጻድቃን፧ “ትንሳኤ ህይወት” ነቲ ናይ ሓጥኣን ግን “ትንሳኤ ፍርዲ” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ (ዮሃ 5፡29)። ፍርዲ ሓጥኣን እንታይ’ ከም ዚኸውን ከኣ፡ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብተደጋጋሚ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ገሃነም እሳት፡ ኣብ’ቲ ብዲን (ብሳልፈር) ዚፈልሕ ቀላይ-ሓዊ፡ ሃልሃልታ ኸለዎስ ግን ከኣ ፈጺሙ ብርሃን ዘይብሉ ድቕድቕ ጸልማት ሓዊ፡ ንዘለኣለም ኣብ’ዚ ቐላይን ስቓይን’ዚ ተኣሊኽካ ምንባር’ዩ። ወንጌላዊ ማርቆስ ካብ ልሳን ጐይታ ጠቒስዎ ኸም ዘሎ ንኼሳቕዩ ዝተፈጥሩ በቲ ሓዊ ፈጺሞም ዘይሞቱ ሓሳኹ ድማ ኣለውዎ። ካብ’ቲ ናይ ዲን ሓዊ ዘይንእስ ስቓይ ዜውርዱ ምዃኖም ግን ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ (ማር 9፡43-48 ፣ ኢሳ 66፡24)። እቲ ኣብ ራእ 14፡9-11 ተገሊጹ ዘሎ ስቓይ ድማ ኣዝዩ ዜሰክሕ’ዩ።
ትንሳኤ ጻድቃን ግን “ይሃበኒ፡ ይሃብካ” ዜብል’ዩ። እቲ ኻብ መቓብር ሒዝናዮ እንትንስእ ስጋና ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ፡ ዘይመውት፡ ዘይደክም፡ ዘይሓምም ስጋ ዀይኑ፡ ነቲ ዚባላዕ ሓውን ዘይቅረብ ብርሃንን ዝዀነ እግዚኣብሄር፡ በዒንቱ እናረኣየ፡ ኣብ’ቲ ሰማያዊ መቕደስ ንእኡ እናወደሰን እናቐደሰን ንዘለኣለም ምስኡ ኺነብር’ዩ (A)። እዚ’ዩ ተስፋ ትንሳኤና!! ነቲ ተስፋ’ዚ እና’ማዕደወ፡ ንህይወቱ በዚ ተስፋ’ዚ እና’ማእዘነን ዘይነብር ክርስትያን፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዜደንግጽን ውጹዕን ሰብ’ዩ።
ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንኣና ንክርስትያን ክልተ ዓይነት ትንሳኤ’ዩ ዜጐናጽፈና። እቲ ቐዳማይ ኣዝዩ ወሳንን ትንሳኤ፡ እቲ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብህይወት እናሃለና እንትንስኦ መንፈሳዊ ትንሳኤ’ዩ። ሓጢኣት ምግባር፡ ናብ መንፈሳዊ ሞት’ዩ ዜእትወና። ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንና ኽንእዘዞ ምስ ጀመርና ግን፡ እቲ ብሓጢኣት ዝሞትናዮ መንፈሳዊ ሞት፡ ብመንፈሳዊ ትንሳኤ ይትካእ። መንፈሳዊ ትንሳኤ ምስ ረኸብና፡ እቲ ብሓጢኣት ናይ ሙማት ታሪኽና ተለዊጡ፡ ካብ ሓጢኣትን ንሓጢኣትን ምውታት ዄንና፡ እቲ ግብሪ ህያዋን ዝዀነ ግብሪ ጽድቂ ጥራሕ ነዘውትር። ነዚ መንፈሳዊ ትንሳኤ’ዚ ኽሳዕ ዕለተ-ሞትና ዓቂብናዮ እንተ ጸናሕና፡ ኣብ’ታ ዅላትና ምውታት እንትንስኣላ ናይ ምጽኣቱ መዓልቲ፡ በቲ ኻልኣይ ዓይነት ትንሳኤ ኣካላዊ ትንሳኤ ብትንሳኤ-ህይወት ብኣካለ ስጋ ተንሲእና፡ ምስ’ቲ ናብ ክብሩ ኼእትወና ዝመጻልና ጐይታ ብደበና ሰማይ ናብ ሰማያት ክንዓርግ ኢና። እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ኣብ ናትና ምርጫና ናብራን ዚምርኰስ’ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣካላዊ ትንሳኤ ግና፡ ኣብ ምርጫ ናይ ጐይታ ጥራሕ ዚምርኰስ መለኮታዊ ተግባር’ዩ። እምበኣር እቶም ሓቀኛታት ክርስትያን፡ ሳላ’ታ ሓንቲ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ክልተ ዓይነት ትንሳኤ ኢና ‘ንትንስእ። እቶም ንክርስቶስ ፈጺሞም ዘይኣምንዎ ኣረማውያንን፡ እቶም ናይ ጥበራን ግብዝነትን ክርስትያን ግን፡ ትንሳኤና ኣይግበራ፡ ካብ’ታ ትንሳኤ’ቲኣ የድሕነና’ምበር፡ ሓንቲ ትንሳኤ ጥራሕ’ዮም ዚትንስኡ። ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ እቶም ሰብ ድርብ ትንሳኤ እንታይ ከም ‘ንመስልን፡ ብምንታይ ከም ‘ንልለይን ዜፍልጠናን ዜለብመናን ሃናጺ ምህሮ’ዩ።
ህይወት ናይ’ቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዝተንስአ ሰብ እንታይ ይመስል፧ በዛ ትንሳኤ’ዚኣ ምትንሳእናን ዘይምትንሳእናን ብኸመይ ኢና ‘ንፈልጥ? መሪሕ ጥቕስና፡ ከም ብርሃን ጸሓይ፡ ኣብሪሁ ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ግደ ሓቂ ድማ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሓቂ’ዚኣ ንኼርእየናን ንኼጨብጠናን’ዩ ዝተጻሕፈ። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ነዛ ሓቂ’ዚኣ ምእንቲ ኼፍልጠናን ኬልብሰናን’ዩ ርእሱ በጃና መስዋእቲ ዝገበረ። ነዛ ሓቂ’ዚኣ ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ኣገልገልቱ ብዘየማትእ መገዲ እንተ ዘየብርሃልና ነይሩ። ካብ “ኣድሒኑና” ኽንብል፡ “ገፊዑና፡ ኣጥፊኡና” ኽንብል ምቐለለና ነይሩ፡ ግናኸ፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ንሱ ንጥፍኣትና ዚኸውን ነቓዕን፡ ምኽንያትን ኣይሓደገን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፦ “ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና፡ (ነጊረዮም ስለ ዝዀንኩ)፡ ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።” ዝበለ (ዮሃ 15፡22)።
ህይወት ናይ’ቶም በቲ ቐዳማይን መንፈሳውን ትንሳኤ ዝተንሳእና ክርስትያን፡ ምስ’ቲ ኣብ መንፈሳዊ ሞት ከለና ዝነበረና ህይወት ብምንጽጻር ኢና ብዝነጸረ መገዲ ኽንርድኦ ‘ንኽእል። መንፈሳዊ ትንሳኤ ቅድሚ ምርካብና ዝነበረና መንፈሳዊ ህይወት፡ ምስ ሞት’ምበር። ምስ ህይወት ዚስራሕ ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብመንፈሳዊ ትንሳኤ ዚነብሩ ዝነበሩ ተገልገልቱ፡ ነቲ ቕድሚ ምትንሳኦም ዝነበረ ናይ መንፈሳዊ ሞት ጽዩፍ ናብራ፡ “ናብራ ቐደም” ከም ዝዀነ ገይሩ’ዩ ዚገልጾ።
“ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ ካብ ሓጢኣት (ብመንፈሳዊ ትንሳኤ) ሓራ ምስ ወጻእኩም ግና ንጽድቂ ተገዛእኩም። . . . (ቀደም) ባሮት ሓጢኣት ከለኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ (ርሑቓት) ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ በዚ ሎሚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ’ቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፡፧ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ፡ . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽ’ውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ’ሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኰይኑ’ሎ።” ሮሜ 6፡17,18,20-23 ካ.ት
“ንስኻትኩም ቀደም ከም ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ (ነቲ ርኹስ መንፈስ ንሰይጣን እናተኣዘዝኩም)። ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም ንኣኻትኩም (ብመንፈሳዊ ትንሳኤ) ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ (ነቲ ናይ ስጋ ሓሳባትን ድልየትን) እናገበርና ቀደም ብትምኒት ስጋና ምስኣቶም ንነብር ነበርና። ከም’ቶም ካልኦት’ውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበር።” ኤፌ 2፡1-3
“ንሕና’ውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።” ቲቶ 3፡3
ኣብ ካልእ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን’ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ፡ ተደጋጊሙ ንረኽቦ ኢና (1ቈረ 6፡9-11 ፣ ገላ 1፡13 ፣ 1ጢሞ 1፡13 ፣ 1ጴጥ 1፡14 ፣ 2፡10 ፣ 4፡1-3 ፣ 2ጴጥ 1፡9)። ስለ’ዚ መንፈሳዊ ትንሳኤ ኸም ዝረኸብና፡ ‘ንፈልጥ፡ ካብ’ቲ ናብራ ቐደም ተናጊፍና፡ ናቱ ኣንጻር ዝዀነ ናብራ ንነብር እንተ’ሊና’ዩ። ህይወትናን ኵሉ ኣካይዳናን ግብርናን፡ ነቲ ትንሳኤ ዝሃበና ክርስቶስ ዚመስል እንተ ዀይኑ’ዩ። መንፈሳዊ ትንሳኤ ዝረኸብኩ፡ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ክርስትያን’የ” ዚብል ሰብ፡ ብሓጢኣቱ ገና ንድያብሎስ የገልግል እንተ’ልዩ፡ ዝተጠበረ ልቢ ዘጋገዮ ግብዝ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ናይ ተለሎ (ምትላል) ኣካይዳኡ ብትንሳኤ ሙታን እቲ ዚግብኦ ዓስቢ ኺረኽበሉ’ዩ። ፍረ ህይወቱ እንታይ ከም ዚመስል ዘይፈልጥ ሰብ ኪህልወና ኣይክእልን’ዩ። እቲ ጸገም እንታይን ንመንን ከም ንመስል ዘይምፍላጥና ዘይኰነ፡ ብትንሳኤ ሙታን ንኣምን ወይ ዘይንኣምን ኣብ ምዃንና’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ከም ዘሎ ብምሉእ ልቡ ዚኣምን ሰብ፡ ሓጢኣት እና’ዘውተር ኣብ መንፈሳዊ ሞት ኣይነብርን’ዩ። ብልሳንና፡ “በቲ ዓንዲ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን እኣምን’የ” እንተ በልና፡ ግን ከኣ ብትንሳኤ ሙታን ጽቡቕ ዘይፍረዶ ህይወት ንነብር እንተ ዄንና፡ ዘይኣመንቲ፡ ዕሉላት ከሓድቲ ምዃንና ኣሉ ዘይበሃል ግብራዊ መርትዖ’ዩ ዚዀነና።
ረብሓ መንፈሳዊ ትንሳኤ እንታይ’ዩ፧ ጐይታና፡ ንሕና መንፈሳዊ ትንሳኤ ኽንትንስእ ዝደለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ናይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ቀዳማይን ዝዓበየን ረብሓ፡ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽኣና ምዃኑ’ዩ። ሓጢኣትን ሞትን፡ ሰይጣን ንሰብ ዚኣስረሎም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ረቀቕቲ መቓውሕ’ዮም (ምሳ 5፡22 ፣ A)። ካብ’ዚ ማእሰርቲ’ዚ፡ ባዕላትና ተፈቲሕና ንርእስና ሓራ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ካብ ማእሰርትና ፈቲሑ ሓራ ዜውጽኣና መድሓኒ ዘድለየና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ማእሰርትና’ዚ ብዜገርም ኣገባብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ሕጊ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ’ዩ ስለ’ዚ ነቲ ዝገበሮ ኣይፈልጦን’የ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጸልኦ’የ ዝገብሮ ዘለኹ’ምበር፡ ነቲ (ዝፈትዎ) ኣይኰንኩን ዝገበሮ ዘለኹ። እምበኣር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ ዚገብሮ ዘሎ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒ’ምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። . . . ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደለኹሉ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ’ዚ ድማ ባህርያዊ (ግድነታዊ) ኰይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ’ቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር (ውጹዕ) ሰብ ካብ’ዚ (ኣገዲዱ) ናብ ሞት (ዚስሕበኒ) ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ።” ሮሜ 7፡14-24 ካ.ት
ድሮ ርእስና ንሓጢኣት ዝሸጥና ባሮት እንተ ዄንና፡ እቲ ሓጢኣት ካብ ዝኣዘዘና ወጻኢ ካልእ ዝመረጽናዮ ግብሪ ኽንገብር ኣይከኣለናን’ዩ። ነቲ እንደልዮ ሰናይ ግብሪ ኽንገብር እንኽእል፡ ካብ’ቲ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ሞትን ተፈቲሕና ሓራ ምስ ወጻእና ጥራሕ’ዩ። ካብ’ዚ ማእሰርቲ ዚፈትሓና ድማ ትንሳኤ ክርስቶስ’ዩ። ብትንሳኤኡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ምስ ረኸብና፡ ብድሕሪኡ ብምሉእ ፍቓድና ተሓጕስና ሰናይ ግብሪ ንገብር፡ ነቲ ባሮቱ ገይሩና ዝነበረ ሓጢኣት ድማ ንጸልኦን ንፍንፍኖን፡ ንእኡ ኻብ ምግባር ድማ መከራ ምጽጋብን ህይወትና ምኽፋልን ንመርጽ (ሮሜ 6፡1,2,15 ፣ እብ 11፡23-27 ፣ ግብ 4፡19,20 ፣ 5፡29) 1ዮሃ 3፡9 ፣ 5፡18)። ጐይታና ነቲ ኣሲሩና ዝነበረ ዅሉ ሓጢኣትና ኣብ ዝባኑ ኣብ ስጋኡ ጸዊሩ ዝሞተ፡ ነቲ ሰይጣን ንኣና ዚኸስሰሉ ጽሕፈት ዕዳ (ዕዳ ሓጢኣት) ምእንቲ ኺድምስስ’ዩ (ቈሎ 2፡14,15)። እቲ “ጽሕፈት ዕዳ” ዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝተጻሕፈ ሕጊ’ዩ። ሰይጣን ከኣ ነዚ ሕጊ’ዚ መዝሚዙ፡ ብእኡ ገይሩ ንትምኒት ስጋና እና’ለዓዓለ፡ ከም ‘ንጥሕሶም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በቲ ንኣና ንምስሓት ዝተጠቕመሉ ሕጊ እናኸሰሶ ብእኡ በቲ ሕጊ ተፈሪድና ኸም ‘ንመውት ይገብረና ነበረ (ሮሜ 7፡5-11)። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ተሰኪሙ በጃና ብምሟት፡ ካብ ዕዳን ተሓታትነትን ናይ ሕጊ ሓራ ኣውጽኣና። ካብ ሓጢኣትን ካብ’ቲ ዚፈርደና ሕግን ብሞቱ ኣናገፈና። “ስቕለት ክርስትያን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኸም ዝተመሃርናዮ፡ ንሓጥእ ባህርይናን ንፍትወት ስጋናን ምስኡ ኣብ መስቀል ሰቒልና ብሙማት ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ሕግን ተፈታሕና (ሮሜ 7፡1-4,6 ፣ ገላ 2፡19)። ኣብ’ዛ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ እንተ ዘይሓበርና ግን፡ እቲ ዕዳ ሕግን ሳዕቤን ሓጢኣትን ገና ኣብ ዝባንና ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ሙታን፡ ብትንሳኤ ዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ክንከፍሎ ኽንነብር ኢና ማለት’ዩ።
ፍረ መንፈሳዊ ትንሳኤ እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ናብራናኸ ብኸመይ’ዩ ብግብራዊ መገዲ ዚግለጽ? እቲ ቐንዲ ስጋ ናይ’ዚ ትምህርትና ኣብ’ዚ ሕቶ’ዚ’ዩ ዘሎ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶና’ዚ ኣዝዩ ዜዕግብ መልሲ ሂብዎ ኣሎ። ብርግጽ እዚ ሕቶ’ዚ ምስ’ቲ ናይ መጀመርታ ሕቶና ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ’ዩ። ሓጢኣት ክንገብር ዘይክንገብር፡ ጽድቂ ኸነዘውትር ዘይከነዘውትር ዚውስኖ ኣእምሮና’ዩ። ሕልና፡ ልቢ፡ ቀልቢ፡ ሓሳብ ወዘተ ዝኣመስሉ ቓላት፡ ናይ’ዚ “ኣእምሮ” ዚብል ቃል፡ መለሳ ቓላት ስለ ዝዀኑ ኪተኻኽኡ’ውን ዚኽእሉ’ዮም። ናይ ወዲ ሰብ ኵለንተና፡ ብኣእምሮ፡ ብልቢ ወይ ብሕልና’ዩ ዚግዛእ። መንፈሳዊ ሕውየት ኪርከብ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣእምሮ’ዩ ኺፍወስ ዚግብኦ። ብድሕሪኡ ኣተሓሳስባኻ፡ ኣዘራርባኻ ዀነ ተግባርካ፡ ብቐሊሉ’ዩ ዚፍወስ። ብፍላይ ሕውየት ኣእምሮኻ ምሉእን ፍጹምን እንተ ዀይኑ፡ ብድሕሪኡ እቲ ለውጢ ናይ ህይወትካ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ “እምበርዶ ንሱ’ዩ። እቲ ዚብሉ፡ ዋላ ባዕልኻ’ውን፡ “እምበርዶ ኣነ’የ፧” ኢልካ ኽሳዕ ‘ትግረም’ዩ ዚገብረካ። ምኽንያቱ ነታ ጸገም ኣብ’ታ መበቈላ ስለ ዝረኸብካ’ያ’ዩ። ብዓባያ እታ ልቢ እንድሕር ዘይተረኺባ ግን፡ ስልታዊ ለውጢ’ምበር፡ መሰረታዊ ለውጢ ኽትረክብ ከቶ ዘይሕሰብ’ዩ። ምስ ሰብ መሓወሲ ዚዀነካ ገለ ቝሩብ ውርዝነት ተጥርይ ትኸውን’ምበር፡ ንጽድቅስ ብዝኸፍአ መገዲ ኢኻ ትርሕቃ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቃል እግዚኣብሄር
“ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፡ . . . ህይወት ካብኡ’ያ ‘ትፍልፍል’ሞ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።” ኢሉ ዚምዕደናን ዚዕድመናን (ምሳ 23፡26 ፣ 4፡26 ፣ ኤር 30፡21)። ንልብና ኣዚና ኽንፈርሆ ዚግብኣና፡ ዋላ ነቲ ዋንኡ ኸይተረፈ፡ ናይ ንጥባርን ምትላልን ሓያል ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ። ከም ነብዪ ኤርምያስ ገይሩ ንልቢ ሰብ ዝገለጻ ኻልእ ጸሓፊ ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ዚኸብድ’ዩ። ብፍላይ ብኽልቲኡ ትርጕም ምስ ‘ንርእዮ ዝበለጸ ስእሊ ይህበና’ዩ።
“ልቢ (ሰብ) ካብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱም’ዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” ቀ.ት
“ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ሕማሙ ኺሓውይ ዘይክእል ኣዝዩ ሕሱምን ተንኰለኛን’ዩ፡ መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧” ኤር 17፡9 ካ.ት
እቲ ጽቡቕ ነገሩ እግዚኣብሄር ግን ኣዳቒቑ ዚምርምሮን ዚፈልጦን ምዃኑ’ዩ (B)። እግዚኣብሄር ንልቢ ጽቡቕ ገይሩ ዘይፈልጦ እንተ ዚኸውን፡ መንግስተ ሰማያት ብግቡዛት ኣዕለቕሊቓ ‘ክትኣትዋ ዘይተመንይ ከተማ ምዀነት ነይራ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ እግዚኣብሄር ግን ምስ ተፈጥረትን ምስ ጋዕዘየትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ኣትሒዙ፡ ንናይ ነፍሲ ወከፍና ልቢ ዚፈልጥ’ዩ።
መሪሕ ጥቕስና ጽቡቕ ገይሩ ኣሚቱልናን ኣግሂዱልናን ከም ዘሎ፡ ጥዕና ልቢ ዚምዘን በቲ ኸተቕልበሉን ክትሓስቦን ዝመረጸት ቦታን ኣርእስትን’ዩ። ቀልባን ሃረርታኣን ናብ’ዛ በቲ እኩይ ሰይጣን ተታሒዛን ትመሓደርን ዘላ እክይቲ ዓለም ዝገበረት ልቢ፡ ነታ ዝበሃገታ ዓለም ክትመስል ናይ ግድን’ዩ። ከስዐና ነቲ ዝተመገቦ ምግቢ ወይ መስተ ጥራሕ ከም ዚጐስዕ፡ ልቢ ድማ ነቲ ዝበሃገቶን ቀልባ ዘውደቐትሉን ጥራሕ’ያ ትሓስብን ትገብርን። ምርጫኻ ኣበላሺኻ፡ ፍረኻ ኸተጸብቕ ከቶ ኣይከኣልን’ዩ። ጐይታና፡ “ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ፡ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ ኸም ዝበለ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ዓለሙ ኺገብር ዝመረጸ ሰብ ድማ፡ ልቡ ኣብ ዓለም’ዩ ዚገብር (ማቴ 6፡21 ካ.ት)። ብረድኤት ኣምላኽ ምርጫኡ ዜተኻኽለሉ ልቦና ኣጥር’ዩ፡ መኣዝንን ቦታን ናይ ቀልቡ ኼተኻኽልን ናብ ሰማይ ገጹ ኼማእዝኖን ዓቕሚ እንተ ረኺቡ ድማ፡ ንዓለምን ትሕዝቶኣን ጉዳያታን ንዒቑን ከምቲ መሪሕ ጥቕስና ዝኣዘዞ። ቀልቡ ኣብ ሰማይ ከም ዚኸውን ኣብ ምግባር ይዕወት ማለት’ዩ።
ልብናን ቀልብናን ኵሉ ጊዜ ናብ ሰማይ ከይንገብር ዚዕንቅፈና ዘሎ ጸገም እንታይ’ዩ?
ጸገም ዜጓንፈና ዘሎ፡ ኣብ ቀዋምነት፡ ኣብ ጽንዓት ናይ ምርጫና’ዩ። ኣብ ሃገርና፡ “ምስ ደግያት ምራጭ ዝወዓለ ይፋንን፡ ምስ ኣባ ገብረ ማርያም ዝወዓለ ድማ ይምንን” ዚብል ዝውቱር ብሂል ኣሎ። በቲ ‘ንውዕሎ ውዕሎታት፡ በቲ በዒንትና ’ንርእዮ በቲ በእዛንና ‘ንሰንዖ፡ ልብና ተገሪዙ ደድሕሪኡ እናዀብለለ መትሓዝን መጨበጥን ንስእነሉ ኣለና። ናብ ቤተ ክርስትያን ኬድና ወይ’ውን ዚረኣይ፡ ዚስማዕ ወይ ዚንበብ ረኺብና፡ ቃል እግዚኣብሄር ክንሰምዕ ከለና፡ “መንን መንን” ይመጸና። ኣብ ምድራዊ ጒዳያት ተጸሚድና ዓለማዊ ጒዳያት ዓብሊዅና ኺውዕል ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄርን መንግስቱን ተረሲዖም፡ “ፋንን ፋንን ኰብልል ኰብልል” ይመጸና። ከም’ዚ እናበልካ ናብራ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ጥራሕ’ምበር፡ ናብ’ታ ናይ ላዕሊ ዓለም ኣየብጽሕን’ዩ። እታ ልብናስ፡ ኣመንዝራ ዀይና’ላ ማለት’ዩ። ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ኣመንዝራ ልቢ እንተ’ልይዎ፡ ደድሕሪ ዝረኣያ ሰበይቲ፡ ወይ ደድሕሪ ዝረኣየቶ ሰብኣይ ስለ ዚዅብልል፡ ኪዳን ኬጽንዕ ኣይክእልን’ዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዓለምን ብማዕረ ዚግደስ ኣመንዝራ ክርስትያን ድማ ዝተፈልየ ታሪኽ ኪሃንጽ ኣይክእልን’ዩ። እግዚኣብሄር ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ልብን ህይወትን ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ተሓሊሉ’ዩ። በቲ ኣብ ኢሳ 29፡13,14
“እዚ ህዝቢ’ዚ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። . . . “፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝ 33፡32፡ “ብኣፎም (ብዛዕባይ) ፍቅሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ (ልቦም ግደ ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ)።” ዝበሎ ቓል፡ ነቲ ትዕዝብቱ ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እዛ ኣመንዝራ ልቢ’ዚኣ ኣብ ውሽጥና ሓዲራ ተመሓድረናን ተበላሽወናን እንተ’ልያ፡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ከም ዘይረኸብና፡ ገና ብመንፈስ ምውታትን ደቂ ድያብሎስን ደቂ ገሃነም ኴንና ንነብር ከም ዘለና፡ ነጋሪ ዘየድልዮ ግሁድ መርድእ’ዩ።
እዚ መልእኽቲ’ዝስ እምበርዶ ግብራዊ’ዩ፧ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናንበርካስ፡ ከመይ ጌርካ ቀልብኻ ካባኻ ተፈልዩ ናብ’ታ ዘይትርእያ ዓለም ከተግዕዞ ይከኣል፧ ነዛ ምድራዊት ህይወትናኸ በየናይ ቀልቢ ኢና ኸነመሓድራ? እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ትግባረ ናይ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ዝምቡዕ ኣተሓሳስባናን ርድኢትናን’ዩ ዘሎ። እዚ ሕቶ’ዚ ንኣገዳስነት ናይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ዜጕልሓልና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ዘቐመጣ ቕድመ ዅነት ኣላ። ኣብ’ቲ ቐዳመይቲ ትርጒም ፡ “ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩም” ብምባል ከም ዘይትስገር ቅድመ-ዅነት ገይሩ ኣቐሚጥዎ’ሎ። ኣብ’ቲ ኻልኣይ ትርጒም ድማ፡ “ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ” ብምባል ከም ውሁብ ሓቂ ወይ ከም ውዱእ (Acomlishad fact) ገይሩ ኣስፊርዎ’ሎ። ኣብ’ዛ ትንሳኤ’ዚኣ ዘየለ ሰብ፡ ብዛዕባ’ዚ ሃዋርያዊት ትእዛዝን ብዛዕባ’ዚ መልእኽትናን ኪደናገር ናይ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ንእኡ ጓና ቋንቋን ኣተሓሳስባን’ዩ። ነቲ ናይ ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ዝተንስአ ሰብ ግን፡ ቀልብኻ ኣብ’ዛ ሓላፊት ዓለም’ዚኣ ጌርካ ምንባር’ዩ ጊንጥን ግርምቢጥን ሓሳብ ኰይኑ ዚረኣዮ። ምኽንያቱ እዛ ግዕዝይቲ ዓለም’ዚኣ ናይ ስድደትን ስቓይን፡ ናይ ምስቍርቋርን ናፍቖትን ዓለም’ያ። “መዓስ’የ ናብ’ታ ኻብኣ ኻብ ላዕሊ ዝተወለድኩላ ዓለም ዝግዕዝ፡ መዓስ’ዩ ጐይታይ ተመሊሱ ዚወስደኒ፧” እናበለት’ዩ ዚሓስብ። ምኽንያቱ እታ ቐንዲ ህይወትና ምሳና ዘይኰነትሲ ምስ ክርስቶስ ግዒዛ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣምላኽ’ያ ተሰዊራ ዘላ። መሪሕ ጥቕስና ኸነድህበላን ናብ ቀልብና ኼስርጽን ደልዩ ዘሎ ሓቂ ንሳ’ያ። እዛ ሕጂ ኣብ’ዛ ምድሪ ንነብረላ ዘለና ህይወት፡ ምስ ሞት’ያ ትቝጸር’ምበር፡ ምስ ህይወት ‘ትስራዕ ኣይኰነትን። እዛ ምድራዊት ህይወትና ትርጒም ዚህልዋ፡ ነታ ኣብ ሰማይ ተሰዊራ ዘላ ህይወትና ዚውክል ናብራ እንተ ነበርናላ ጥራሕ’ዩ። ቀልብና በዛ ጒሒላ ዓለም’ዚኣ እንተ ተሰሪቑ ግን፡ ነታ ሓቀኛ ሰማያዊት ህይወትና ዚውክል ናብራ ኽንነብር ፈጺምካ፡ ዘይሕሰብ’ዩ ዚኸውን። ካብ ሓጢኣቱ ምስ ክርስቶስ ዘይሞተ፡ ጽድቂ ብ’ተፍርይ ሓዳስ ህይወት ንምምልላስ ምስ ክርስቶስ ዘይተንስኦ ሰብ፡ ህይወቱ ምስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ስለ ዘየለ፡ ነታ ሰማያዊት ሃገር ዋላ ሓንቲ ዘሕለፈላ ነገር ስለ ዘይብሉ’ ልቡን ቀልቡን ናብኣ ዜግዕዘሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት የብሉን። ጐይታና ነቶም ዚጻረርዎ ኣይሁድ ናብ’ቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ ኸም ዚኸይድ ክልተ ጊዜ ምስ ነገሮም፡ ብዘይካ’ዛ ዚነብሩላ ዘለው ዓለም ካልእ ዓለም ስለ ዘይፈልጡ ዓብይን ዘይትጽበዮን ሕቶ ፈጠረሎም።
“ገና ንቝሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ’የ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ እንተ ዀነ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ናብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ (ንስኻትኩም) ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”
ምስ በሎም፡ መጀመርታ ዝሓስብዎ፡ ናብ ግሪኽ ከይዱ ነቶም ግሪኻውያን ኪምህርዶ ዀን ሓሲቡ ይኸውን፧” ዚብል’ዩ ኣብ’ቲ ኻልኣይ ከምኡ ዝበለሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ “ንገዛእ ርእሱዶ ዀን ባዕሉ ኪቐትላ ደልዩ፧” ዚብል ዘይርድኣካ ግርምቢጥ ሓሳብ ሓሰቡ (ዮሃ 7፡33-36 ፣ 8፡21,22 ካ.ት)። እዚ ኣተሓሳስባኦም’ዚ፡ ብዛዕባኡ ዀነ ብዛዕባ’ቲ ዝዛረበሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዝዀነ ርድኢት ከም ዘይነበሮም ዜቃልዕ’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ኣእምሮኦም ብምሕዳስ ኣይተለወጡን” (ሮሜ 12፡2)። ኣእምሮ ኪሕደስ፡ ኣተሓሳስባ ድማ ኪልወጥ ዚኽእል፡ ምስ ክርስቶስ ዝተንሳእና ሰባት ምስ ‘ንኸውን ጥራሕ’ዩ።
እዚ “ቀልብኹም ኣብ ሰማይ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ “ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ውጹ፡ ከም ባሕታውያን መኒንኩም፡ ኣብ በረኻ ንበሩ፡” ማለት ኣይኰነን። “ኣይትስርሑ፡ ኣይትብልዑ ኣይትስተዩ፡ ኣይትከደኑ፡ ኣይተጥርዩ፡ ኣይትመርዓዉ፡ ኣይትውለዱ” ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ “ነዛ ምድራዊት ህይወትኩም፡ ብመንጽር’ቲ ሰማያዊ ህላወኹምን ሃገርኩምን ብጽድቂ ንበርዋን ኣመሓድርዎን። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ናብራ ሰማይ፡ ናብራ ትንሳኤ ንበሩ፡ ማለት ሓጢኣት ኣርሒቕኩም ብጽድቂ ንበሩ” ማለት ጥራሕ’ዩ። እቲ ዝተመርዓወ ብሓልዮት ሓዳር ኣይወሓጥ፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጐይታ ዘለዎ ሰማያዊ ሓዳር ብዝበለጸ ይሕለይ። እቲ ብዓል ጥሪት፡ ጥሪት ከም ዘይብሉ ሰብ ኰይኑ ልቡ ኣብ ጥሪቱ ኸየውደቐ ከይተወከለ ይንበር። ኣብ ዓለም ብዘጋጠሞ ዜሐጒስ ኰነ ዘየሐጒስ ኵነታት ልቡ ኣይተሓዝ። ከም’ቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ንገንዘቡን ጥሪቱን ብሰናይ ግብሪ ንሰማይ የግዕዞ (ማቴ 6፡19-21 ፣ ሉቃ 12፡23,24 ፣ 1ጢሞ 6፡17-19 ፣ ያእ 5፡2,3 ፣ ማቴ 19፡16-22 ፣ ምሳ 23፡4,5 ፣ መዝ 62፡10)።
እምበኣር ቅድም መንፈሳዊ ጥዕና ዘለዎ፡ ብትንሳኤ ዝተሓደሰ ኣእምሮ ዘሎናን ዘይብልናን ነረጋግጽ። እንተ’ልዩና ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ ልብና ናብ ሰማይ ተማእዚኑን ኣድሂቡን ምህላው ብዘይ ዝዀነ ስክፍታን ጥርጥርን፡ ርግጸኛታት ንኹን። ነዚ ተግባር’ዚ ዚዕወቱሉ፡ እቶም ምስ ክርስቶስ ዝተንስኡ ሰባት ጥራሕ ስለ ዝዀኑ፡ ፍረ ግብርናን ዓይነት ናብራናን መርሚርና ደቂ ትንሳኤ ምዃንና ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
26 ግንቦት 2024 | ግንቦት 18, 2016 ግዕዝ (መበል 37 ሰንበት: ቊ.፴፯/37) |
||
ምስባክ መዝ.፫፡፭,፮ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ።ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።” “ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 3፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡26-42 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 24፡33-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ|መዝሙር፦ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ