ብዕለት 26-27 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ልኡኻት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ተራኺቦም።
ኣብቲ ርክብ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ካረኪን 2ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን: ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትርያርክ ወኪልን ተረኺቦም።እቲ ልኡኽ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብኣቡነ ቆሞስ ከስተ ገብረሚካኤል ተመሪሑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ኣባ ሰመረ ገብረ ኢየሱስን ይርከብዎ። ኣብቲ ርክብ፣ እቲ ኣብ ርእሲ ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ዓመጽ ብድፍኢት እቲ ተወጊዙ ግን ከኣ ብሓይሊ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ምስ ናይ መረድኢ ጽሑፋት ንቅዱስ ፓትርያርክ ካረኪን 2ይን ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ተገሊጹ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብማለት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 2ይ ፓትርያክር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ምእመን ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ቅድስነቶም፡ ካብ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13-1 መወዳእታ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃዲሩ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሞይቱ ብትንሣኤኡ ድማ ሓራ ኣውጺእና እዩ።
![]()
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2008 ግእዝ (7 ጥሪ 2016 ፈረንጂ) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ሕይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ