ብዕለት 26-27 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ልኡኻት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ተራኺቦም።
ኣብቲ ርክብ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ካረኪን 2ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን: ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትርያርክ ወኪልን ተረኺቦም።እቲ ልኡኽ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብኣቡነ ቆሞስ ከስተ ገብረሚካኤል ተመሪሑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ኣባ ሰመረ ገብረ ኢየሱስን ይርከብዎ። ኣብቲ ርክብ፣ እቲ ኣብ ርእሲ ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ዓመጽ ብድፍኢት እቲ ተወጊዙ ግን ከኣ ብሓይሊ ኣብ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ምስ ናይ መረድኢ ጽሑፋት ንቅዱስ ፓትርያርክ ካረኪን 2ይን ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ተገሊጹ።
ኦሬንታልን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሕጊ ጉባኤ ኒቅያ ከምዘለዎ ስለዝቕበልኦ፣ ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ተወሲዱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ውሳኔ፣ ንሕጊ ጉባኤ ኒቅያ ዝጻረር ምዃኑ ኣሚነን ክሳብ ሕጂ ወሲደናኦ ዘለዋ ውሳኔ ዘሕጉስ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ተወሲዱ ዘሎ ዓመጽ ዝኹንን ሓባራዊ መግለጺ ዘይምውጽኡ ግና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ገሊጾም።
ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ርእሲኦም ተነቢሩ ዘሎ ረዚን ውግዘት ጥሒሶም ፓትርያርክ ምሻሞምውን እቲ ዝብኣሰ በደል ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሮም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ እኳ ንስሙ ፓትርያርክ ዝብል መዓርግ ዝሓዙ ሰብ ይሃልዉ እምበር፡ ብመዓርግ ፓትርያርክ ደረጃ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ገባርን ሓዳግን ብምዃን ዝመርሕ ዘሎ ግና ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስን ሰዓብቱን ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣስዒቦም፣ ብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ካረኪን 2ይ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣርመን "ጳጳሳት ኤርትራ ህይወቶም ክሳብ ምሃብ ክበጽሑ ምተገበአ ተመሊሶም ድማ ፓትርያርክ ክሾሙ ምፍታኖም ዘሕዝን እዩ" ኢሎም።
እቶም ጉባኤኛታት እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም፡ ብፁዕ ወቅዱስ ካረኪን 2ይ ፓትርያርክ ኣርመንውን ነቲ ጉዳይ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑን፡ እንተኾነ እቲ ናብ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብይግባይ ዝቐረበ ውሳኔ ኣብ እዋኑ ከም ዘይበጽሖምን፡ ሕጂ ግን እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዝከታተልዎን ገሊጾም።ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብዘይካ እቶም ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝተሾሙ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ካልእ ፓትርያርክ ከም ዘይፈልጡን ከም ዘይቅበሉን ሓቢሮም። እቶም ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ብስም ጉልባብ ፓትርያርክ ንኸምዚ ስልጣን ምብሃጎም ድማ ኣዝዩ ከም ዘገረሞም ዳግማይ ገሊጾም።
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ እዩ ልኡኻቱ ብምስዳድ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ።
ብተወሳኺ፣ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2007 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቅዱስ ቶማስ፡ ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ካረኪን 2ይ በቲ ንክርስትና ዝገበርዎ ልዑል ኣስተዋጽኦ፡ ናይ ዶክተረይት መዓርግ ኣብ ዝተዋህበሉ ጊዜ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ