ንምክትታል ምእንቲ ኪጥዕም፣ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ተሰሪዖም ዘሎዉ መደባት ብምሕባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኪኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።
ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ኣኽሊ ብዙሕ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም’’ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ! (ማቴ 9፡35) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ እቲ ብሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ብዙሓት ኣመንትን፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝተመደቡሉ ዕለት 17 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ንደሓር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብፅዑነቶም ዝተሳለጡ መደባት ብዙሓት ኢዮም። ናይ
ዓደ’ቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ወደቓ ኬጋጥሞም ከሎ’ዮም፣ ”ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ዚብሉ። ከምዚፍለጥ ብዛዕባ ሞት እንተዀይኑ፣ ኵሉ’ዩ ዚመውት’ሞ፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ እነጥፍኦ ግዜ የብልናን። ብዛዕባ ሕልፈት ግን፡ ዋይ! እናበልና እንተ’ልቀስና፣ ዜኽፍኣልና ኣይኰነን። ከመይሲ ሞት መምህር ተወልደብርሃን ንደምበ ተዋሕዶና ናይ ሕልፈታት ሕልፈት ስለ ዝዀነ፣ ዘይንበኽየሉን ዘይንሓዝነሉን ምኽንያት የብልናን።
ቦኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ብደገፍ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ገዲፉ ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ብልዕሊ 350 ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ ምእመናን ነጋድያን ምስ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን
ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ብ30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ፈረንጂ ፈላሚ ስርዓርተ ቅዳሴ ኣካይዶም። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛን ግእዝን ዝተሰርዐ ኣገልግሎት'ዚ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ እዮም ኣካይዶሞ።
ናብ ኩሎም ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላምን ደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ