S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን

ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንንቀዳም ዕለት 27 ታሕሳስ/December 2008 (ቀዳም 17 ታሕሳስ 2001 ዓ.ም.ግ) ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን ዝኽበረሉ ዕለት እዩ። 

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ የካቲት 1 ክሳብ ሰንበት 3 የካቲት 2008 (ጥሪ ፳፫ - ፳፭ 2000 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

 “..ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይክድንጒን ድማ እዩ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ…”(እንባቆም 2፡3) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ፣ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ከተማ ስያትል ካብ ሓሙስ 10 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 13 ሓምለ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ።

እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 5፡00 – 10፡00 ድ.ቀ. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን’ዩ ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።

መባእታዊ ድሕረ ባይታ፡ ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2000 (7 ጥሪ 2008) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ብዙሕ ክስተታት በዓል ልደት ቅዱሳን መላእክት ኣብ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት

ተማሃሮ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብቑጽርን ብዓይነትን እንዳዓበየ ናብ ዝልዓለ ደረጃታት ኣብ ምድያብ ይርከብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዙቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ድሮ ሳልሳይ ዓመት ሒዙ ኣሎ። ገዳም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div