ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ብ30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ፈረንጂ ፈላሚ ስርዓርተ ቅዳሴ ኣካይዶም። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛን ግእዝን ዝተሰርዐ ኣገልግሎት'ዚ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ እዮም ኣካይዶሞ።
ካብቲ ከባቢ ዝመጹ ብዙሓት ምእመናን ኣብቲ ቅዳሴ (ሓባራዊ ጸሎት) ዝተሳተፉ ክኾኑ ኮለዉ፣ ብርክት ዝበሉ ወጻእተኛታት ዜጋታት'ውን ከምዝተሳተውፍዎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተፈጸመ ቅዳሴ፡ ኣብ ልቢ ምእመናን ዓቢይ ሓጎስን ፍስሓን ከምዝፈጠረን ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝእምት ምንባሩን ብዙሓት መስኪሮም ኣሎዉ። እቲ ዝያዳ ዘሕጉስ ድማ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ቅዳሴ ምንባሩ ዝዓበየ ተስፋ ዝህብ ኩነት እዩ ኔሩ።
ኣብ ግዜ ቅዳሴ ኣብ ዝሃብዎ “ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ መሰረታን መጻኢ ህላዌኣን” ዝብል ስብከት ድማ ብሓደ ወገን ጥንታውነት ቤተ ክርስትያን ዝምህር፣ በቲ ካልእ ድማ መጻኢ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንታይ ክኸውን ከምዝግብኦ ዘበስር ትምህርቲ ሂቦም።
እግዚኣብሄር ኣገልግሎቶም ተቐቢሉ ንብዙሓት ንበረኸት ክኾኑ ምእንቲ፣ ምእመናን ንካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ኣብ ጸሎቶም ክዝክርዎም ሓደራ ንብል።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ