እተን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝበሃላ፡ ማለት ናይ ኦሬንታልን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስነ መለኮት ዘተ ካብ 25-28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቀንዩ።
እዘን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ብሓባር፡ ናይ ስነ መለኮታዊን ሓዋርያዊ እምነትን ዝምልከት ዝተዳለወ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምግባር ዘተ የካይዳ እየን። ብፍላይ ግን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ናይ ሓድነተንን እምነተንን ቀኖናአንን ዝምልከት ጉባኤ ብስፍሓት የካይዳ እየን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ድማ ብፍሉይ ምእንቲ እቶም ብጽንዓት እምነት ብሃይማኖቶም፡ ከቢድ ፈተና ወሪድዎም ኣብ ከቢድ ስቓይ ዘለዉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ፍሉይ ጸሎትን መዘከርታን ዝተገብረሉ እዋን ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ብፖለቲካዊ ጎነጽ ኣብ ሥልጣን ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ናይ ስም ፓትርያርክ ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ ብጉባኤ ዝውገዘሉን ብድጋሚ ዝኾነነሉን ዓቢይ ጉባኤ እዩ ነይሩ።
እቲ ጉባኤ ካብ 25- 28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ቫቲካን እዩ ተኻይዱ። ንዝመጽእ ዓመት ድማ፡ ብኣእንጋድነት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ 16 -23, 2012 ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ብምውሳን ጉባኤ ተዛዚሙ።
እቲ ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ ኣይ ሃይማኖታዊ ኣይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር፡ ኣብዚ ጉባኤ ክጽምበርን ህላውነቱ ከረጋግጽን፡ ብዙኅ ፈተናታት ከም ዝገበረን፡ እቲ ጉባኤ ግን ብጀካ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ኤርትራ ካልእ ከም ዘይፈልጥን፡ ብምልኣት ብትሪ ነጺግዎ።
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንና ይባርኽ።
በረኸት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣይፈለየና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ