ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም
ብምንባሩ ብብዙሒ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምድማቑ፣ ኣብ ገጽ ዕዱምን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ።
ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዋዜማን ኣስተምህሮን ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ተዋሂቡ። ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ህጻናት ዝተማሃርዎ ትግርኛን እንግሊዘኛን ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ከኣ ኣብ ገጽ ኩላቶም ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጎስን ይንበብ ኔሩ። ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተኸፊቱ። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ብወረቓቕቲ ዝቐረበ ኣብ ማሕበራዊ፡ መንፈሳዊ ህይወት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስርዓት ቤተክርስትያንን ኣብዚ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትይንና ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን መበገሲኡ እንታይ ምዃኑ … ዘጠቓለለ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ። ኣዕጋብን ኣዝዩ መሃርን መልስታት ብብፁእ ኣቦና ብቛንቛታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ተዋሂቡ። ምእመናን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኃዋርያዊ ሕግን መጽሓፍ ቅዱስን ተንቲኖም ዝምህሩ ኣቦ ብምርካብና ንኣምላኽ ኣመስጊኖም።
ብድሕሪዚ ቅ. ማርያም ቤተክርስትያን "ካበይ ናበይ" ብዝብል ኣርእስቲ ብኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ሕጽር ዝበለ ድሕረ-ባይታን ጉዕዞን ቤተክርስትያን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምትንታን ናበይ ገጽና ነማዕዱ ከምዘሎና ብብሮጀክተር ዝተሰነየ ሓጺር ጸብጻብ ቀሪቡ።
ንሰንበቱ ድሕሪቲ ልሙድ ቅዳሴን ሃናጺ ኣስተምህሮን ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ። ብቀሺ (ዶር) ኣስመሮም ሞሳዝጊን ዲ. (ዶር) በርሃነ ስዩምን ብዛዕባ ደም ብዝሕን ሕማም ሽኮርን ኣተኣላልይኡን ዝምልከት ኣዝዩ ሰፊሕን መሳጥን ሰሚናር ተዋሂቡ። ብዙሓት ምእመናን ከኣ ኣድናቆቶም ገሊጾም።
ብተወሳኺ ፍሉይ ኣስተምህሮ ንመንእሰያት ብቀሺ (ፕሮፌሰር) ኣትናቴዎስ ገብርኣብ ተዋሂቡ፣ ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ኣዝዮም ከምዝረብሕሉ ገሊጾም።
ኣብ መጨረሻ “ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታ” ዝብል መዝሙር ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።
ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ኣብዚ ስእላዊ መግለጺ (Pictorial report) ተኸታተሉ።
እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ኣስተርእዮ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር!
ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።
ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ