ቦኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ብደገፍ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ገዲፉ ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ብልዕሊ 350 ዝኣኽሉ ተሳተፍቲ ምእመናን ነጋድያን ምስ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን
ብሓባር ተኸቢሩ ዝወዓለ ዝኽሪ በዓል ቅዱስ ሚካኤል፥ ካብ ትጽቢትን ተታሒዙ ዝነበረ መደብን ንላዕሊ ብዝበለጸ ማዕሪጉ ምውዓሉ መርኣያ ናይ ህዝበ ክርስቲያን ንመንፈሳዊ ድሌትን ንፍቕሪ ኣምላኽን ምዃኑ እኳ ብሩህ እንተ ኾነ ተረዳእነት ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ዝተጋህደሉ ኣጋጣሚውን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ቅዱሳን መላእክቲ ወትሩ ንምሕረት፥ ንብሥራትን ንበረኸትን ደቂ ሰባት ካብ ርህሩህ እግዚኣብሔር ዝለኣኹ ብምዃኖም ‘’ሚካኤል ግሩም፥ ነዓ ማእከሌነ ቁም’’ ኢሉ ህዝቢ ክዝምር ከሎ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝወዓለ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣቦና ዳዊት ‘’ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚኣብሔር ንትፌሣሕ ወንትሓሰይ ባቲ’’ እዚ ማለት ‘’እታ እግዚኣብሔር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ፥ ብእኣ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን’’ ክብል ኣቐዲሙ ብመንፈስ ትንቢት ከም ዝተዛረበ፥ መዝ 118፡24 ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ድማ ንህዝበ ክርስቲያን ሻርሎትን ከባቢኣን ብሓቂ ዓቢይ ሓጎስን መንፈሳዊ በረኸትን ዘለዎ መዓልቲ ኢዩ ኮይኑ ውዒሉ። ‘’ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ’’ ከም ዝበሃል እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ብጸሎትን ቅዳሴን ዝሓለፍ ጊዜ ድማ ውሽጣዊ ፍስሓን ደስታን ዝህብ ኢዩ። ዓርቢ ምሸት ብዋዜማ፥ ብጸሎተ-ሰርክን ምህለላን ዝጀመረ ክብረ-በዓል ቅዱስ ሚካኤል ድማ ቀዳም ንጉሆውን ብማህሌትን ስብሓታትን ኢዩ ቀጺሉ ኣርፊዱ። ብድሕሪ እዚ ካብ ሰዓት 9፡30 ቅ/ቀትሪ ጸሎተ-ቅዳሴ ብኣቦና ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል ተመሪሑ ሰዓት 11፡30 ተዛዚሙ። ብምቕጻል ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ዕለት ዝምልከት ንልቢ ምእመናን ዝተንከፈ መንፈሳዊ መዛሙር ኣስሚዖም። ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ወንጌል ከኣ ምስ ዕቤትን ኣገልግሎትን ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ኣወሃሂዶም ካህን ቀሺ ወልደትንሣኤ ብርሃነ ስፍሕ ዝበለ መልእኽቲ በዓል ኣመሓላሊፎም።
ኣብዚ ብዝያዳ ክጥቀስ ዝግብኦ ድማ ምእመናን ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ በቶም ውፉይ ካህን ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ ተመሪሖም፥ ብዙሓት ዲያቆናት ኣኸቲሎም፥ ኣቦታትን ኣዴታትን ተጠርኒፎም ብኽልተ ዓበይቲ ኣውቶቡሳትን ተወሰኽቲ ነኣሽቱ መካይንን መሊኦም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ በረኸት ቅዱስ ሚካኤል ብምስታፍ ንምእመናን ህዝቢ ሻርሎት ኣማዕሪጎምን ኣተባቢዖሞምን ኢዮም እሞ ዕዙዝ ምስጋና ይግብኦም። ከምቲ ‘’እንሆ ህዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ሓቢሮም ክነብሩስ፥ ኣዝዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ’’ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ሓቢርካን ተፋቒርካን ንኣምላኽ ምግልጋል ስራሕ ጽድቂ ብምዃኑ ኩሉ ሰብ ክስዕቦ ዝግባእ ጽቡቕ ተበግሶ ኢዩ። መዝ 133፡1። ብሓፈሻ ነዚ ግሩም ዝኾነ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዘማዕረጉን ዘጸበቑን ኩሎም ምእመናን፥ ነቶም ብጸሎትን ምህለላን ዘገልገሉ ውሉደ ክህነትን ነቶም መጻኢ ተስፋ ቤተ ክርስቲያንና ዝኾኑ መንእሰያት ደቕናን ንነፍሲ ወከፎም ልዑል እግዚኣብሔር ሰማያዊ ጻማን ዓስቢ በረኸትን ክህቦም ናይ ወትሩ ጸሎትና ኢዩ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ብልዑል ጻዕሪ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ብጸሎት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብሠናይ ድሌት ምእመናን ህዝቢ ሻርሎትን ኣገልጋሊ ካህን ተመዲቦም፥ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትን ተዋሂብዎም፥ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝመሓደር፥ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት ተማእኪሉ፥ ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝጥርነፍ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2003 ዓ.ም. ግእዝ ብወግዒ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ ሓዲሽ ቤተ ክርስቲያን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ምስ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ብዘርኣይዎ ተወፋይነትን ሃይማኖታዊ ቅንኣትን ነዚ ክቡር ዕለት በዓል ቅ/ሚካኤል ብሓቂ ኣምላኽ ዝኸብረሉን ህዝቢ ዝተባረኸሉን ክቡር መዓልቲ ደስታ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። በዚ ድማ ነቲ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን! ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ።
በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!
ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ