ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:- ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሕይወትን ጥዕናን ሓልዩ እንቛዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና ንብል። እዚ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ (2016) ከኣ፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ፍቅርን፡ ሰላምን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።
ኤርትራዊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ልዕሊ ሸሞንተ ቋንቋታት (እብራይስጢ፣ ዓረበኛ፣ ግሪኽ፣ ኮፕቲክ፡ ኢጣልያ፣ እንግሊዘኛ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ግእዝ) ኪዛረቡ ክጽሕፉ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ከምቲ ልሙድ ቀዳም ዕለት 23 ሕዳር 2013 ኣ.ፈ
ኤርትራዊት ቤተ ክስርቲያን ተዋህዶ ስለቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዳ። እቲ ጸሎተ ፍትሓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ እዩ ተፈጺሙ። ምእመናን ድማ ብጸሎትን ንብዓትን ዝተሰነየ ሓባራዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቦም። ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ'ሞ ኣምላክ ንመከራና መወዳእታ ይግበረሉ። ኣሜን።
ነቲ ዝተገብረ ጸሎት ንምርኣይ ኣብዚ ዝቕጽል መላግቦ ተወከስ፡ Prayer vigil Service - Washington, DC
በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
ቃል ርትዒን ምሥክርን፡
ጥርዓን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኃየንታን ውሉደ-ሰብ ዝግህስ ሕሱም ጭካኔን -፡ ማእከላይ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዓለም-ለኸ ማሕበር-ክርስትና፡ (World Council of Churches)
ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ