ዓደ’ቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ወደቓ ኬጋጥሞም ከሎ’ዮም፣ ”ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ዚብሉ። ከምዚፍለጥ ብዛዕባ ሞት እንተዀይኑ፣ ኵሉ’ዩ ዚመውት’ሞ፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ እነጥፍኦ ግዜ የብልናን። ብዛዕባ ሕልፈት ግን፡ ዋይ! እናበልና እንተ’ልቀስና፣ ዜኽፍኣልና ኣይኰነን። ከመይሲ ሞት መምህር ተወልደብርሃን ንደምበ ተዋሕዶና ናይ ሕልፈታት ሕልፈት ስለ ዝዀነ፣ ዘይንበኽየሉን ዘይንሓዝነሉን ምኽንያት የብልናን።
ከም ዚፍለጥ፡ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ ቅድምን ድሕርን ኰይኖም ተመራሪሖም ምስ ከዱ፣ ኵለን ኣዒንቲ ናብ መምህር ተወልደብርሃን ኣቢለን ኪጥምታ ከም ዝጸንሓ ርግጽ’ዩ። ከም ትሑዝ ተቘጺሮም’ውን፡ ”ንሶም እንዶ ኣየለዉን!” ኪብሃል ጸኒሑ’ዩ። መምህር ተወልደብርሃን ክሳዕ ዘለዉ፣ ሰብ የብልናን ምባል ከም ዘይክኣል’ውን፣ ኣብቲ ደምበ ተዋሕዶና ዝጸንሐ እምነት’ዩ።
እንተዀነ እቲ ከይመጽእ ኪፍራህ ዝጸንሐ ”ሞት” ሕልፈት ኣኸቲሉ ሓደጋ ወዲቑና። ናይ’ዚ ሓደጋ’ዚ ግዳይ ከኣ፡ እቶም እንኮ ተሪፎምና ዝጸንሑ ዓቢይን ክቡርን ሊቅ ምዃኖም፣ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጸ መሪር መርድእ ይስማዕ ኣሎ። መቸም እዚ መርድእ’ዚ ሕልሚ ኰይኑ ኪሓልፈልና እንተ ዚኽእል፣ ክንደይ ኮን ምተሓጐስና ኔርና። በየናይ ዕድልና’ሞ ክንረኽቦ! ስለዚ’ውን፡ እቶም ብዅሉ መዐቀኒ ሊቀ-ሊቃውንት ኢልካ ኪግለጹ ዚኽእሉ መምህር፣ ”ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ ጕያይ’ውን ወዲአ” ብምባል፣ ምድራዊ ዑደቶም ዛዚሞም ከም ዝሓለፉ ይንገረና ኣሎ።
ንምዃኑ መምህር ተወልደብርሃን መን’ዮም?
ኣቦኦም ቀሺ ዓምደመስቀል በራኺ ዚብሃሉ ኰይኖም፣ ትውልዲ ዓዶም 4ተ-ኣሥመራ፡ ገዛ ስርንስር ኢዩ። ወለዶም፡ ገና ሕፃን ወዲ 11 ዓመት ከለዉ፡ ብመብጽዓ ንቤተ-እግዚኣብሔር ስለ ዝወፈዩዎም ግና፣ ኣብ ገዳም እንዳ ኣቡነ መርቆሬዎስ’ዮም ተወሊዶምን ዓብዮምን ኪብሃል ይክኣል። ብዝተረፈ፡ ምናልባት ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብቐረባ ዘይፈልጥ እንተ ዘይኰይኑ፣ ነዞም ኣብ ደምበ ተዋሕዶና ብዝለዓለ ደረጃ ጸብለል ኢሎም ኪረአዩ ዝጸንሑ ሊቅ፣ ዘይፈልጦም ኣሎ ኪብሃል ኣይክኣልን። ስለዝዀነ’ውን፡ ኣብቲ 1983 ዓ.ም. (1991) ዚጅምር ናይ ቤተ-ክርስቲያንና ሓዲሽ ምዕራፍ፣ ኣበርክቶ መምህር ተወልደብርሃን ዓቢይ ከም ዝነበረ’ዩ እቲ ታሪኽ ዚዛረብ። ስለዚ’ውን፡ ኣብቲ ዝተገብረ ጕባኤታት ኵሉ፣ ዋና ቀላሲ ኰይኖም፡ ካብኦም ዚድለ ዘበለ ዅሉ ከም ዝፈጸሙ፣ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ኪንገረሎም ጸኒሑ’ዩ።
መምህር ተወልደብርሃን ኣብ ገዳም’ዮም ዓብዮም። ኣብኡ ተማሂሮም፣ ኣብኡ’ውን መንኲሶም። ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ምንኵስና መዓርግ በጺሖም’ውን፣ ”መምህር” ተባሂሎም ኣበምኔት ንምዃን በቒዖም። እቲ ምስኦም ዝነበረ ንቕሓተ-ሕሊና ግን፣ ንምዕባሌ ዜማዕዱ ብሩህ መጻኢ ዚጥምት ምንባሩ’ዩ ዚንገር። እቲ ዝነበሮም ንቕድሚት ዝጠመተ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ኸኣ፣ ኣብ ገዳም ተወሊዶም ዝዓበዩ የምስሎም ኣይነበረን። ብሓጺሩ፡ ንግዜ ቀዲሞሞ ዝመጹ’ዮም ነይሮም ኪብሃል ይክኣል። ስለ ዝዀነ’ውን እቲ ደምበ ተዋሕዶና ናይ ዕቤት መስርሕ ምትእትታው ከም ዜድልዮ፣ ገና ብንግሆኡ ካብ ዝተረደኦም ምሁራን ሓደ’ዮም ነይሮም ኪብሃል ይክኣል።
ስለዝዀነ ድማ፡ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነት ከለዉ፣ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝነበረ ጸገማት ስለ ዝተረደኦም፣ ሲኖዶስ ብዚዝትዮ ዘተን፣ ንሱ ብዜመሓላልፎ ውሳኔን፣ ብዚህቦ ትእዛዝን ጥራይ እቲ ጸገም ከም ዚፍታሕ ስለ ዝተረደኦም፣ ምሁራን ዜሳትፍ ሰፊሕ ጕባኤ ኪግበር ዚብል ሓሳብ ብምልዓል፣ ነቶም ኣብቲ ሽዑኡ እዋን ፓትርያርክ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ኬረድኡ ዝጸሓፉዎ ሰነዳት የረድእ። ከም ኣተሓሳስባኦም፡ እቲ ገዳማዊ ተመክሮ ጥራይ ዘሎዎ ዓቕሚ ጳጳሳት ወይ ሲኖዶስ ንበይኑ፣ ንቕድሚት ኬሰጕም ይኽእል’ዩ ዚብል እምነት ስለ ዘይነበሮም፣ ኣተኵሮኦም ኣብቲ ምሁራን ዜሳትፍ ሰፊሕ ጕባኤ ከም ዝገበሩ ንርኢ።
ብዝተረፈ 1985 ዓ.ም. (1993) ህልውና ርእሳ ዝኸኣለት ነጻ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ተረጋጊጹ ”ግዜያዊ-ሲኖዶስ” ብወግዒ ኪቐውም ከሎ፣ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ብዓብላሊ ድምጺ ዝተመርጹ መምህር ተወልደብርሃን’ዮም። ስለ ሓቂ ኢልካ ኪዝረብ እንተደኣ ዀይኑ፣ ኣብቲ ሽዑኡ እዋን ብዅሉ መዐቀኒ እንተ ተራእየ’ውን፣ ልዕሊኦምን ቅድሚኦምን ዚጥመት ሰብ ነይሩና ኪብሃል ኣይክኣልን። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ’ዩ፣ እቲ ጕባኤ፡ ነዚ ዝተባህለ ሓቂ ዜንጸባርቕ ምርጫ ዘካየደ። እዚ ኸኣ፡ ነታ ”ሀ” ኢላ ጕዕዞኣ እትጅምር ዝነበረት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ምልክት ጽቡቕ መጻእን ብሩህ ተስፋን’ዩ ነይሩ።
ግዜያዊ-ሲኖዶስ ኣብ ሥራሕ ኣብ ዝጸንሐለን ከባቢ 7-ዓመት፣ ብዘይ ተሳትፎ መምህር ተወልደብርሃን ኪሰርሕ ኢልካ ዚሕሰብ ኣይነበረን። ከመይሲ ዓንዲ-ማእከል ባዕሎም፣ ቀላሲ’ውን ንሶም’ዮም ነይሮም። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እተን ኣብቲ እዋን’ቲ ዚቘማ ዝነበራ ኮሚቴታት፣ ብናቶም ማእከልነት ዘይተመርሐት ኮሚቴ ነይራ ምባል፣ ሓቂ ከም ምኽሓድ ኢዩ ኪኸውን። ብዝተረፈ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ዘርቀቐ ኮሚቴ ብኣኦም’ዩ ተመሪሑ። ንምርጫ ፓትርያርክ ኬፈጽም ዝቘመ ኮሚቴ’ውን፣ ንሶም’ዮም መሪሖሞ። ንትምህርቲ-ሰንበት መምርሒ ዘውጸአን መጻሕፍቲ ዘዳለወን ኮሚቴ እንተዀነ’ውን፣ ዝመርሑዎ ንሶም ኢዮም። ማኅበር ነጋድያን ኢየሩሳሌም’ውን ዘቋቘሙዎን ዝመርሑዎን ባዕሎም’ዮም። ብሓጺሩ ብፍልጠትን ብቕዓትን ዝተሰነየ ናይ ምምራሕ ክእለት ስለ ዝነበሮም፣ ንዝዀነ ነገር መምህር ተወልደብርሃን ኣለዉ እናተባህለ’ዩ እቲ ጕዕዞ ኪግበር ጸኒሑ።
ግዳስ እቲ ብዛዕባኦም ኪዝረብ ዚኽእል’ኳ ከምዚ ዝተባህለ እንተዀነ፣ እቶም ብሳንቡእ ዮፍታሔ ዜተንፍስ ምምሕዳር ግና፣ ኣብ ከባቢ 1991 ዓ.ም. (1999) ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ’’ንስራሕ ኣይተድልዩን ኢኹም!’’ ብምባል፣ ካብቲ ዝነበሮም ናይ ታሪኽን ምዕቃብ መጻሕፍትን ሓላፍነት ኣውሪዶም፣ ካብቲ ዝደኸሙሉን ዝጻመዉሉን ደምበ ደፊኦም ከም ዘውጽኡዎም፣ ገና ኣብ ምርሳዕ ዘይበጽሐ ናይ ትማሊ ፍጻሜ’ዩ። ብዝተረፈ ንዘይሓፍር ደኣ ኣየሕፍሮን ኰይኑ’ምበር፣ ንኽንዲ መምህር ተወልደብርሃን ዚኣኽሉ ሊቅ፣ ኣይንፈልጠካን ኢና ምባል፣ ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ኢድ ከመይ ዝበሉ ሓላፍነት ዘይርዳኦም ጕጅለ ወዲቓ ከም ዘላ ዜረድእ’ዩ። ንምዃኑ፡ እዚ ዅሉ ዕሽነት ዝመልኦ ተግባር ንምንታይ ኣድለየ ዚብል ሕቶ ኪልዓል ይኽእል’ዩ። እቲ መልሲ ግን ሓደ’ዩ። ንሱ ድማ፡ ህልውና መምህር ተወልደብርሃን ኣብቲ ደምበ እንተደኣ ቀጺሉ፣ ካብ ናቶም ጵጵስና ናይ’ቶም ዓቢይን ክቡርን መምህር ምንኵስና ደሚቑ ኪረአ ከም ዚኽእል ስለ ዝተረደኦም፣ ስም መምህር ተወልደብርሃን ዘይጽዋዓላ ደምበ ክትህልዎም ምርጫኦም ኰይኑ።
ብዝተረፈ ብሞያዊ ብቕዓት ወይ ብሊቅነት እንተ ዚኸውን ነይሩ፣ ንጵጵስና ኰነ ንፓትርያርክነት ብዝዀነ ተኣምር ቅድሚ መምህር ተወልደብርሃን ዚሥራዕ ኰነ ወይ ዚምረጽ፣ ኪርከብ ምኸኣለ ኢልካ ኪሕሰብ ኣይክኣልን። እቲ ደምበ ተዋሕዶና ግን ብሹመት ዝተላእኩሉ ደኣ’ዩ ኪቕበል ጸኒሑ’ምበር፣ ባዕሉ ’’ይደልዎ!’’ ኢሉ ዝመረጾ መራሕ ሃይማኖት ኣሎዎ ዚብሃል ታሪኽ የልቦን። መምህር ተወልደብርሃን ግን፡ ኣብቲ ልቢ’ቲ ሕዝቢ ስለ ዝኣተዉ፣ ንጵጵስና ዘይኰነ ንፓትርያርክነት ኪጽበዮም ዝጸንሐ ብዙሕ’ዩ። እቲ ናብኡ ዜብጽሕ መንገዲ ብዅሉ ሸነኻቱ ኃያላት ጋሪዶም ስለ ዝዓጸዉዎ ግና፣ እታ ውጽዕቲ ቤተ-ክርስቲያንና ክትረብሐሉ ዝነበራ ወርቃዊ ግዜ፣ ባኺኑ ኪተርፍ ግድነት ኰይኑ።
ብመሠረቱ እቶም ብዮፍታሄ ዝመሓደሩ ድኩማን ንመምህር ተወልደብርሃን ኬሕርቑ ዝተጠቕሙዎ ተንኰል፣ ”ኣብ ዕድመ ጡረታ በጺሕኩም ኢኹም!” ዚብል ጕልባብ ነበረ። ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ግን፡ ጳጳሳትን መንኮሳትን ጡረታ ከም ዘይምልከቶም’ዩ ዚገልጽ። ”ኃይል ካለ ሕግ ምን አባቱ!” ከም ዚብሃል ስለ ዝዀነ ግን፣ እቶም ነዚ ውሳኔ’ዚ ዝወሰኑ ጳጳሳት ኣብ ዕድመ ጡረታ ዝበጽሑ ክነሶም፣ ባዕላቶም’ውን ምስ ሞያን ስራሕን ኣብ ዘይፋለጥ መንበር ተቐሚጦም እናሃለዉ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም እንኮ ዓምዲ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበሩ ዓቢይ መምህር፣ ናይ ግፍዒ ውሳኔ ምውሳኖም ታሪኽ እናተዛረበሉ ኪነብር ዘሎዎ ኣገራሚ ፍጻሜ ኢዩ።
ሓቂ ይዘረብ ዚብሃል እንተደኣ ኰይኑ፣ ግዜያዊ-ሲኖዶስ ኰነ ንባዕሉ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ’ውን፣ ብዘይ ተሳትፎ መምህር ተወልደብርሃን ፡ ሕይወት ነይሩዎ ዚብሃል ኣይኰነን። ብምሉኡ እቲ ደምበ ብሳንቡእ መምህር ተወልደብርሃን’ዩ ዜተንፍስ፡ ነይሩ እንተ ተባህለ’ውን ዘይብሃል ኣይተባህለን። እቶም ምስ ቅዉም-ነገር ዘይፋለጡ መሉካውያን ግን፣ ነዚ ዅሉ’ዚ ኣብ ግምት ኬእትዉዎ ኣይደለዩን። ኣብቲ እቶም ዓቢይ ሊቅ ተደፊኦም ዝወጹሉ እዋን፣ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብማዕበል ከም ዝተገፍዐት መርከብ፡ ብውሽጥን ብደገን ይሕመስ’ዩ ነይሩ። እቲ ፈተና’ቲ ኸኣ፡ ኣሽንኳይዶ ንመምህር ተወልደብርሃን ኣርሒቕካ፣ ንዓኦም ሒዝካ’ውን ብቐሊል ይክኣል’ዩ ዚብሃል ኣይነበረን። እዚ ዅሉ’ዚ ግን፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ናይ መሪሕነት ጽፍሒ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብጎይትነት ዮፍታሄ ዚዝወሩ ኪስቈሮም ኣይከኣለን። ንሳቶም መምህር ተወልደብርሃን ዘይብላን፣ ስሞም ዘይጽዋዓላን ደምበ’ዮም ንበይኖም ኪብሕቱ ደልዮም።
ንኣብነት 1992 ዓ.ም. (2000) ጕዳይ መንእሰያት ወይ ትምህርቲ-ሰንበት፡ ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ኰይኑ፣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቲ ንግዜያዊ-ሲኖዶስ ተኪኡ ዝመጸ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ፣ ዋላ ሓንቲ ኪገብር ከም ዘይክእል ቍርጹ ምስ ተፈልጠ፣ እቶም ኣብ መንበር-ፓትርያርክ ዝነበሩ ናይ ክፍልታት ሓለፍቲ ብዝገበሩዎ ተበግሶ፣ መምህር ተወልደብርሃን ዜማእክሉወን ክልተ ኮሚቴታት ኪቘማ ክኢለን። ሓደ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ ግዜ ኸኣ፣ ክልተ መጻሕፍትን ሓደ መምርሕን ኪዳሎ ክኢሉ። ይተኀተም ተባሂሉ ንኺፍቀድ ድማ ናብ ሲኖዶስ ቀሪቡ። እቲ ክብደት ሓላፍነት ዘይርዳኦ ሲኖዶስ ግና፣ እቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዚፍጸም ዝነበረ መንፈሳዊ-ወራር ከይዓጠጦ፣ ነቲ ጽሑፋት ተተርኢሱዎ ንሠለስተ ዓመት መመላእታ በጥ ኢሉ ደቂሱ። መወዳእታኡ ድማ፡ እቲ በቲ እዋን’ቲ ናይ ትምህርቲ-ሰንበት ምምሕዳር፣ ”ትጽቢት ኣድኪሙና፡ ሓዲኡ ኣፍልጡና!” ኪብሎም ምስ ከደ፣ ሓደ፡ ዝዀነ ጥራይ ኣእምሮ ኣሎዎ ዚብሃል ሰብ ዘይብሎ፣ መስደመም ዝዀነ ዘረባ ተዛሪቦም። እቲ ዝበሉዎ ቃል ንቓሉ፡ ”እቲ ጽሑፋት መምህር ተወልደብርሃን ብዝኸተሙዎ ደብዳበ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። በዚ ኸኣ ሲኖዶስ ኣይተቐበሎን። ስለዚ እዚ ስም’ዚ ቀይርኩም ከተቕርቡዎ ኣሎኩም!” ከም ዝተባህለ፣ ብዙሓት ዚምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። እዚ ኬረድእ ዚኽእል ድማ፣ እቶም ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ እቶም ርእሰ-ሊቃውንት ዝዀኑ ዓቢይን ክቡርን መምህር ክሳብ ክንደይ ዚኣክል ጽልኢ ከም ዝነበሮም’ዩ። ብሕይወት ከለዉ ኪቐብሩዎም ከኣ፡ ዘይውዳእ ቃልሲ ኣካይዶም።
ብዝዀነ ስሞም ንምዝካር ዚኣክል ደኣ’የ ክጽሕፍ ዝደለኹ’ምበር፣ ታሪኽ መምህር ተወልደብርሃን ተዛሪብካን ጽሒፍካን ይውዳእ’ዩ ዚብሃል ኣይኰነን። ንሶም ኪንበቡ ዚግባኦም መጽሓፍ’ዮም ነይሮም። ብሰሪ ዮፍታሔን እቶም ከቢቦሞ ዘለዉ ጭፍራን ግን፣ እዚ ዅሉ ኪርከብ ኣይተኻእለን። መምህር ተወልደብርሃን ካብ መንበር-ፓትርያርክ እንተ ወጹ’ውን፣ ከም ትምኒት እቶም መሉካውያን፡ ኢዶም እግሮም ዓጺፎም ኣይተቐመጡን። ሓደ ብታሪኽ ዚግደስ ትካል ስለ ዝዓደሞም፣ ክብሪ ዘሎዎ ስራሕ’ዮም ኪሰርሑ ጸኒሖም። እቲ ንቤተ-ክርስቲያን ዝነበሮም ሓልዮት’ውን ኣይጐደለን፤ ከምኡ ኢሉ’ዩ ቀጺሉ። ስለ ዝዀነ’ውን፡ ኣብ 1996 ዓ.ም. (2004) መምህር ተወልደብርሃን ንቤተ ክርስቲያን ደዉ ኢሎም ሕጋ ከይድፈር ምስ ጽንዓቶም ስለ ዘርኣዩ፡ እቲ ብመምህር ተወልደብርሃን ዚመጽእ ዘበለ ዅሉ ሓቅነትን ጽንዓትን ፍለጠት ሃይማኖትን፣ ከም ዕረ ዚመሮ’ ብዮፍታሄ ዝመሓደር መንበረ-ፓትርያርክ ግን፣ ነቲ ደብዳበ ብጽቡቕ ኣይጠመቶን። ስለዝዀነ’ውን ”መምህር ተወልደብርሃንን መሰልቶምን ንጸጥታ ኣስጋኢ ስለ ዝዀኑ ብዝብል ጉልባብ፡ እቶም ርእሰ-ሊቃውንት ተባሂሎም ኪግለጹ ዚግባኦም መምህር ብዕድመ በዓል ጸጋ፣ ከም ገበነኛ ኪትሓዙን ኪምቍሑን ግድነት ኰይኑ።
ብዝተረፈ መምህር ተወልደብርሃን፡ እቲ ዅሉ ሊቅነቶም ዝተፈልጠ ከሎ፣ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ኪበጽሑ ዘይምኽኣሎም፣ ጕዳይ ቤተ-ክርስቲያን ብቐረባ ንዘይፈልጥ ኵሉ ኪገርሞ ይኽእል’ዩ። ብርግጽ’ውን፡ ዜገርም ጥራይ ዘይኰነ፣ ዜስደምም’ውን ኢዩ። እዚ ድማ ከምቲ ካርነሽም፡ ”ወዮ ሰብን፡ ብላሽ ኰነ! ወዮ ብላሽን፡ ሰብ ኰነ!” ዚብሉዎ ኪኸውን እንተ ዘይኰይኑ፣ ነቲ እንኮ ዜንጸባርቕ ድሙቕ ኮኸብ ገዲፍካ፣ ጭልምልም ዚብሉ ድኹማት ከዋኽብቲ ክትመርጽ፣ ብዝዀነ መዐቀኒ፡ ቅቡል ኪዀነሉ ዚኽእል ምኽንያት የልቦን። ግዳስ እቲ ናብ መዓርገ-ጵጵስና ዜብጽሕ መንገዲ፣ ብዅሉ ሸነኻቱ፡ ንሶም እቶም ዓቢይ ሊቅ ኪሓልፉሉ ከም ዘይክእሉ ዀይኑ ስለ ዝተለኰተ፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክልተ ኣእዳዋ ዘርጊሓ እናተጸበየቶም ከላ፣ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ስዉር ኃይሊ፣ ንመንደቕ በርሊን ዚመስል መንደቕ ሰሪሑ ስለ ዝዓገታ፣ እቲ መምህር ተወልደብርሃን ፓትርያርክ ኰይኖም ንምርኣይ ዝነበረ ተስፋ ኪጽልምት ክኢሉ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ’ውን፡ ዮፍታሔ ድሜጥሮስ ”ጸላእ ኣቦይ ኢዮም ነይሮም” ብዚብል ምኽንያት፣ እቶም ዓቢይ መምህር ናብ መዓርገ-ጵጵስና ንኸይበጽሑ ዚክኣሎ ኪገብር ጸኒሑ’ዩ። ብርግጽ መምህር ተወልደብርሃን ንመልኣከ-ሰላም ድሜጥሮስ ፈታዊኦም ኣይነበሩን። ምኽንያቱ ድማ፡ ኣቡነ ማርቆስ ልክዕ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት፡ ማለት ብ7 ሕዳር 1953 ዓ.ም. (1960) ምስ ዓረፉ፣ ኣብቲ ንዓኦም ዚትክእ ጳጳስ ንምምራጽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ምርጫ፣ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኰይኖም ካብ ዝቐረቡ ኣበምኔታት ሓደ፣ መምህር ተወልደብርሃን ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ይኹን’ምበር፡ መልኣከ-ሰላም ብዝነበሮም ሥልጣን ተጠቒሞም፣ ንመምህር ግርማጽዮን ከም ዚምረጹ ስለ ዝገበሩ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘይዕረቕ ጽልኢ ከም ዝተፈጥረ ይፍለጥ። ስለዚ ከኣ’ዩ፡ ዮፍታሔ በቲ ዘይግባኦ ሥልጣን ተጠቒሙ፣ ሕነ ኣቦኡ ኪፈዲ፡ ኣንጻር መምህር ተወልደብርሃን ኰይኑ ደው ዝበለ። እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ዓደ’ምሓራ ”ጊዜ የሰጠው ቅል፡ ድንጋይ ይሰብራል” ዚብሉዎ እንተ ዘይኰይኑ፣ ዮፍታሔ ተውሳኺቱ፡ መፈኻኽርቲ መምህር ተወልደብርሃን ኪኸውን ዚኽእል’ውን ኣይኰነን። ብዝዀነ፡ መምህር ተወልደብርሃን ኰነ፡ እቶም ቅድም ኢሎም ሓሊፎም ዝኸዱ ሊቃውንቲ፣ ሠማዕትነት ተቐቢሎም ከም ዝሓለፉ ስለ እንኣምን፣ ዮፍታሔን እቶም መሉካውያን ጭፍራኡን፡ ”መኔ መኔ ቴቄል፣ ኡፋርሲን” ይብሃለሎም ከም ዘሎ እንተ ዚርድኡ ጽቡቕ’ዩ። (ዳን. 5.25)
ዝኸበርኩም ኣቦና!
መጸዋዕታ ሞት ግዜ ስለ ዘይህብ፣ እንሆ ንስኹም’ውን ከድኩ ትብሉ ኣለኹም። ከምቲ ናይ እቶም ቅድሜኹም ዝኸዱ ሊቃውንቲ ክንርዳኦ ዘይከኣልና፣ ናትኩም ከድኩ ምባል’ውን ክንርዳኦ ኣይከኣልናን። ከመይሲ እታ ዕድሜኹም ምሉእ ዝጐየኹምላን ዝጻሞኹምላን ቤተ-ክርስቲያን፣ ንህልውናኣ ኣብ ዜስግእ ከቢድ ሓደጋ ምህላዋ፣ ካባኹም ንላዕሊ ዚፈልጦ ሰብ የልቦን። እቲ ዅሉ ክትቅበሉዎ ዝጸናሕኩም መስጐጕትን ማእሰርትን’ውን ምእንታኣ ኢዩ። እሞ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ሰብ ዚድለየሉ ሰዓት ደኣ፣ ከመይ ኢልኩም ኢኹም ክኸይድ እትብሉ? እቲ ደምበ ተዋሕዶና ብዘይ ሰብ ተሪፉ ከምዘሎዶ ኣይተረደአኩምን’ዩ? እታ ኣደ ኵላትና ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንሲ፣ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ተስምዕዶ ኣይኰነትን ዘላ! እሞ፡ ነዚ ዅሉ ገዲፍኩም ክትከዱስ፣ ሕልናኹምከ ሕራይዶ ኪብለኩም’ዩ! ስለዚ ኢና እምበኣርከስ፡ መምህር ተወልደብርሃን ዓሪፎም ዚብል መርድእ ምቕባል ዚኸብደና ዘሎ። እቲ ዘፍርሀና ዘሎ፡ ሞት ኣይኰነን፤ ዘፍርሀናስ፡ ”ሕልፈት” ኢዩ።
ዝኸበርኩም መምህር!
ኣብቲ ደምበ ተዋሕዶና፡ ንገለ ዓመታት ኀቢረኩም ክሰርሕ ምኽኣለይ ዕድለኛ’የ። ኣነ ብዕድመ ውላድኩም’የ። ንሞያ ኸኣ ጥቓ ጥቓኹም ዝበጽሕ ኣይኰንኩን። ክልቴና ንቤተ-ክርስቲያን ብዝነበረና ቅንኣት ምስ ተራኸብና ግና፣ መንገድናን ሓሳባትናን ሓደ ኰይኑ። ኀቢርና ወዲቕና፤ ኀቢርና’ውን ተንሢእና። ኣብቲ ኵሉ ምእንቲ ዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ዝተገብረ ቃልሲ’ውን፣ ከቶ ኣይተፈላለናን። ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ኪረቅቕ ከሎ፣ ብሓንሳእ ሰሪሕና። ንትምህርቲ-ሰንበት ዚኸውን መጻሕፍቲ ኣብ ምድላውን፡ መምርሒ ኣብ ምውጻእን’ውን ብኀባር ሰሪሕና። ንሃገረ-እስራኤል ኀቢርና ምጕ’ዓዝና’ውን ከቶ ዚርሳዕ ኣይኰነን። ኣብቲ እቶም መሉካውያን ዘጻወዱልና መጻወድያ’ውን ኣይተፈላለናን። ክልቴና ካርሸሊ ኣቲና፤ ክልቴና ኸኣ ተመቚሕና ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ክልቴና በቲ ብዮፍታሄ ተደፊእና፣ ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ወጺእና። እምበኣርከስ፡ ኣነ እዚ ዅሉ ተዘክሮታት ስለ ዘሎኒ፣ ከቶ ኣይርስዐኩምን’የ። ስለዚ ኸኣ’የ እቲ ሞይቶም ዚብል መርድእኩም ክቕበሎ ዚኸብደኒ ዘሎ። ብዝዀነ፡ ብዛዕባ ቤተ-ክርስቲያን ዚድቅስ ሕልና ስለ ዘይብልኩም፣ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኵሎም፣ ዘለናዮ ኵነታት ነጊርኩም፣ ምእንቲ እታ ውጽዕቲ ቤተ-ክርስቲያንና፡ ሱባዔ ሓዙልና በሉዎም። ብዝተረፈ፡ እቲ ንኽጽሕፎ ኣጥቢቕኩም ሓደራ ዝበልኩምኒ ጕዳይ፣ ንኽፍጽሞ ቃል እናኣቶኹ፣ ክሳዕ ዝኸማኹም እውን ሠናይን ሰላምን እናተመነኹ፣ ኣብ ስደት ኤውሮጳ ኰይነ እሰናበተኩም ኣለኹ። እቲ ዘገልገልኩሞ ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንግሥቱ ይቀበልኩም!
ወድኹም ተከለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ጀርመን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ