“ንጽባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ . . . ደው ኢሉ ነበረ፡ ንኢየሱስ ኪሓልፍ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ ‘እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ’ በለ። እቶም (ክልተ) ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ (መምህሮም) እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ይስዕብዎ ኸም ዘለዉ ርእዩ፡ ‘እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘መምህር፡ ኣበይ’ዩ ሰፈርካ፧’ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንዑ ርኣዮ” በሎም። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሕው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።” ዮሃ 1፡35-39
1. ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ትምህርቲ (semester) ፈተና ካብ ዕለት ጥሪ 20, 2020 ጀሚሩ ክወሃብ እዩ፣
ስለዚ ኩልኹም እዚ ክፍሊ ትምህርቲ (semester) ዝተመሃርኩም፥ ፈተናኹም ተኸታቲልኩም ክትወስዱ ነዘኻኽር።
2. ሓደሽቲ ተመሃሮ መዝገባ ካብ ጥሪ 1, 2020 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት የካቲት 15, 2020 ዝሎ ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም ክትምዝገቡ ንሕብር።
ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምዝገባ ጸገምን እንተሎ፥ በዚ Email ርኸቡና። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 17 - ክፋል
ከምዚ ኢለ ድማ፥ ምስቶም ካህን ዝነበረኒ ምዝርራብ ወዲአ፥ ተሳናቢተዮም ምስ ከድኩ። ብዙሓት መልሲ ዘይረኸብኩሎም ሓሳባት እናመጹ የጨንቑኒ ነበሩ። እቲ ዝዓበየ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ግብጺ ክሳብ ዘሎኹ ንሕይወተይ ውሕስነት ክህልወኒ ስለ-ዘይክእል፥ ልበይ ወዲቑለይ ደቂሰ ክሓድር ዝኽእል ኣይነበርኩን። ስለዚ’ውን ምዩቕ እናበልኩ፥ ብጽላሎተይ እናተዳሃልኩ ምንባር፥ ከም-ዘየወጻጽኣኒ ብምርዳእ፥ ብኸመይ ካብ ሃገረይ ክወጽእ ከም-ዝኽእል ከሰላስል ግድነት’ዩ ነይሩ።
ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።
“ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ እምበኣር፡ ብስሕተት ናይ’ቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብ’ቲ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን (ፍልጠትን) ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ፡ ኣሜን።” 2ጴጥ 3፡17,18 ካ.ት
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ