“. . . ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ። ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ)፧ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 15፡52-56 ካ.ት
ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጥቅምቲ 10 ክሳብ 16 ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓድሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ።” ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ። ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ወንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን፡ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጡ ኺበልዕ ርእዮም ምስ ወቐስዎ፡ “ኣነ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ‘ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡’ ዚብል (ቃል) እንታይ ማለት ምዃኑ ኪዱ ተመሃሩ” ኢልዎም ኼብቅዕ፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ንሰባት ካብ ምፍራድ ኪናገፉ ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን (ማቴ 9፡13)። ነዚ ቓል እዚ ጐይታ ዚጠቕሶ ዘሎ፡ ካብቲ ነብዪ ሆሴእ፡ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈትው መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈትው።” ዝበሎ ትንቢታዊ ቓል እዩ (ሆሴ 6፡6)።
ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎት - ብቀሺ ኢሳይያስ የዕብዮ
ቃል ኪዳን - ምስጢረ ተክሊል ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን - ብዲያቆን ብርሃነ ስዩም
ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን (ኣቅሌሥያ) - ብዲያቆን ዑቕበ ዘመደ
ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019፥ ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 16 - ክፋል
ምዕራፍ ሾብዓተ
ስ ደ ት
እቲ ፈተና እናኸበደ ብዝኸደ መጠን፥ ልዕሊ ዓቕመይ ምዃኑ እቲ ክብደቱ ይስምዓኒ ነበረ። ብዝኾነ ካብ ግብጺ ዝወጸሉ መንገዲ ምርካብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብሕይወት ክተርፍ እንተደኣ ኮይነ፥ ብጀካ ስደት ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። እታ ዓባይ-ጓለይ ኣይተፈለየትንን ምሳይ’ያ ዘላ። ካብ ግብጺ ክንወጽእ ድማ ክልቴና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳኔ እዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ድምፅና ሓቢእና ክንቅመጥ ስለ-ዝነበረና፥ ዝብላዕ መግቢ ብምስኣን ኣዚና ብጥሜት ተጠቒዕና ኢና። ግዳስ እቲ ካብ ገዛ ወጺእካ ምርካብ ሳዕቤኑ ሞት ስለ-ዝነበረ፥ መግቢ ንምድላይ ኢልና ክንወጽእ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ (መንፈሳዊ) ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ሕይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩም’ውን ምስኡ ኽትግለጹ ኢኹም።” ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት
መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ