ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥
እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።
“ነቲ ኽብሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ’ዩ (ኣምላኽ) ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም፡ ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ’ሞ፡ ነቲ ብቓልና ወይ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ሓዝዎ።” 2ተሰ 2፡14,15
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን።
እዚ ኣብ ዓለምና ተቐልቂሉ ዘሎ ብ Coronavirus (COVID-19) ዝፍለጥ ለበዳ፥ ንዓለምና ኣብ ሻቕሎት ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ማኅበራዊ ኣኼባታት ካብ ዝካየደሉ ሓደ ኣካል ስለዝኾነት፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 15 - ክፋል
እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ፥ ብጀካ ኣምላኸይ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን፥ ምሳይ ኣሎ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበርኩሉ እዋን፥ እቶም መነኮሳት እንዳባ-ብሾይ ብብዝሒ ኮይኖም ከቢቦሙኒ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም ድማ “....ንፖሊስ ኢድኪ ክትህቢ’ዩ ዘሎኪ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተሓቢእኪ ክትከድዮ ዝጸናሕኪ መንገዲ፥ ሕጂ ከወጻጽኣኪ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝግበር ዘሎ ሃድን፥ እናጸበበ ይመጽእ ስለ-ዘሎ፥ ሃዲምኪ ከተምልጥሉ ትኽእሊ መውጽኢ ኣይትረኽብን ኢኺ ....” ኢሉ ክፈርህን ክርዕድን ክገብረኒ ዝኽእል ቃላት’ዩ ዝነገረኒ።
ብዲያ ዶ/ር ገ/እግዚኣብሔር ደብረጽዮን
ጥቕምን ኣድላይነትን ተስፋ
ኣብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና (ተስፋ ምጽኣቱ ኣበይ ኣሎ፧ ዝብል)፡ ዳግም ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት፡ ንዓና ንሰዓብቱ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ፍጻሜ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ንሎሚ ኣብዚ ክፍሊ ትምህርትና እንምልከቶ ድማ፡ እቲ እንጽበዮ ተስፋና እንታይ እዩ፧ ዝብል ክኸውን እዩ።
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
“ስለ’ዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብግህዶ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም። እምበኣር ንሕና በዘነ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፡ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፡ ኣምላኽ ከኣ ብኣኣተን ኪሕስው ዘይከኣሎ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ (ሃዲምና) ናብኡ ተማዕቍብና ዘለና፡ ነቕ ዘይብል (ብርቱዕ) ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋ’ዚኣ ናይ ህይወትና መልሕቕ’ያ። (ተስፋና) ድልድልትን ጽንዕትን’ያ። ብመጋረጃ ሓሊፉ ኸኣ ናብ’ታ ውሽጣዊት መቕደስ እተብጽሕ’ያ። ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ብምዃን፡ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ’ዩ። እብ 6፡17-20 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ