ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 15 - ክፋል
እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ፥ ብጀካ ኣምላኸይ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን፥ ምሳይ ኣሎ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበርኩሉ እዋን፥ እቶም መነኮሳት እንዳባ-ብሾይ ብብዝሒ ኮይኖም ከቢቦሙኒ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም ድማ “....ንፖሊስ ኢድኪ ክትህቢ’ዩ ዘሎኪ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተሓቢእኪ ክትከድዮ ዝጸናሕኪ መንገዲ፥ ሕጂ ከወጻጽኣኪ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝግበር ዘሎ ሃድን፥ እናጸበበ ይመጽእ ስለ-ዘሎ፥ ሃዲምኪ ከተምልጥሉ ትኽእሊ መውጽኢ ኣይትረኽብን ኢኺ ....” ኢሉ ክፈርህን ክርዕድን ክገብረኒ ዝኽእል ቃላት’ዩ ዝነገረኒ።
መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ-ልደት ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና፡ ብፍሉይ ክብርን ዝኽርን ክበዓል ምዃኑ ንሕብር።
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።”1ቈረ 15፡19
ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ. ም ግእዝ) ብስም "ሲኖዶስ" ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ፥ ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ እዩ። ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንናተጸበዮም ከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽር ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕ ገበን እዩ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮን ቲቪን ተዋህዶ፥
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብሓድሽ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ መገዲ ዳግም ካብ ባሕቲ ግንቦት 2019 ዝጅምር መደባት ሬድዮን ተለቭዥን ተዋህዶ ክዝርግሕ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።
መደብ ሬድዮ ተዋህዶ: መዓልታዊ ካብ ሰዓት 8: 30 ምሸት ክሳብ 9: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
መደብ ቲቪ ተዋህዶ: ዓርቢ፥ ቀዳምን ሰንበትን ካብ 9: 00 ምሸት ክሳብ 10: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ ይኸውን (Receiver Box Parameters)
Uplink to Eutelsat 7W degrees West, Space Segment of 1,5 Mb CBR (Constant bit rate).
Freq: 12521 Pol: V SR: 27.500 FEC: 7/8 Modulation: DVB-S.
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 14 - ክፋል
ምዕራፍ-6
ኣብ ልዕለይ ዝተጀመረ ሃድን
ኢንጅኔር-ሳሚር እቲ ኣብ ልዕለይ ዝካየድ ዝነበረ ሃድንን፥ ዝበጽሓኒ ዝነበረ ጸበባን መከራን ስለ-ዝሰምዐ፥ ማእምራናህ ናብ ዝተባህለ ካልእ ግልል ዝበለ ቦታ ክግዕዝ፥ ኃያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ጓለይ መጺኣ’ያ ዝነገረትኒ። ብኻልእ ክሰምዓሉ ዝኽእል ዕድል ግና ኣይነበረንን። ከመይሲ ብጀካ ኣምላኸይ፥ ካልእ ኣሎኒ ዝብሎ ጸግዒ ኣይነበረንን። ስለዚ ከኣ’የ “-ኣታ ጎይታይ-! ንፈተና ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ። በይነይ ክኸውን’ውን ኣይትሕደገኒ። ካብዚ ቀርቂሩ ሒዙኒ ዘሎ ፈተና ዝወጸሉ መንገዲ ‘ውን ባዕልኻ ኣዳልወለይ-” ብምባል ዝጸለኹ።
ኣባ ሉቃስን ግርማይን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ፥ ዝሕተትዎ ሕቶ፥ ኩነትታ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጉዳይ ሕግን መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ