“(ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት) ክሳዕ ዘለና፡ (ብኣካል) ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና ንፈልጥ ኢና። (ግናኸ) ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። ምኽንያቱ ብእምነት’ምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን ንነብር ዘለና። ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብር ድማ (ባህጊ ኣሎና)። (ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ (ንኣምላኽ) ከነሐጕስ ንጽዕት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ’ቲ ብስጋዊ ህይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሰናይ ወይ እኩይ (ግብሪ ዓስቢ) እምንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” 2ቈረ 5፡6-10 ካ.ት
መዓልታዊ ጸሎተ ነግህ- Daily Morning Prayer
መዓልታዊ ጸሎተ ሰርክ- Daily Evening Prayer
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 2፡17።
ካብ "ኣሰተንትኖ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት" ብቅ. ኣቡነ ሹነዳ ሣልሳይ ጳጳስ መንበረ ማርቆስን ፓትሪያርክ ዘስክንድርያ ዚተተርጐመት
እታ ቀዳመይቲ ቃል: “ኦ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)
ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ግእዝ
ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ እዝል
“. . . ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ። ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ)፧ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 15፡52-56 ካ.ት
ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር። ኣብቲ ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ዑደት። ንሓደ ካህንን ሠለስተ ኣናጉኒስጢስን መዓርግ ሂቦም። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ቴል-ኣቪቭ። ተጠርኒፎም ዝርከቡ ዘለዉ ማኅበረ-ምእመናን ድማ፣ እዚ ኣጋጣሚ`ዚ ዕጽፍን ድርብን ሓጎስ ክኾነሎም ክኢሉ`ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ዝኾኑ መንእሰያት ንመዓርግ ከተብጽሕ ምኽኣል። ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ዕድል ኣይኮነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ