በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።
እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።
ጸሎተ ነግህ (መዓልታዊ )- Daily Morning Prayer
ጸሎተ ሰርክ (መዓልታዊ )- Daily Evening Prayer
እዚ ጸሎት'ዚ ንግሆን ምሸትን መዓልታዊ ብርሑቕ ይመሓላለፍ - The Daily Morning and Evening Prayer Service is streamed live from here
ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 2፡17።
እንሆ ድማ ድምፂ ብሃንደበት እንካብ ሰማይ መጽአ። እቱ ምልክቱስ ተገንዚብኩሞዶ፧ እዙ ጴንጠ-ቈስጠኸ እንታይ ኢዩ፧ እቱ ማዕጺድ ኣብ ዓጺድ ዚስደደሉን፥ ዚእከበሉን ጊዜ ኢዩ። እቱ ክውንነቱ ርኣዩ፥ እቱ ቃል ማዕጺድ እተሰደሉ ጊዜ ምስ መጽአ: ናብዙ፥ ከመዮ ማዕጺድ ዚብልኁ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ንቃላት ክርስቶስ ጽን በሉ: በለ እውን፥ እንሆ ኣዕይንቲኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ግራትውቲ ንዓጺድ ድሮ ከም ዚፃዕደወ ርኣዩ።
ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ግእዝ
ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ እዝል
“እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።” 1ጴጥ 2፡1-3 (ኤፌ 4፡14,15)
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን
ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
መዓልታዊ ጸሎተ ነግህ- Daily Morning Prayer
መዓልታዊ ጸሎተ ሰርክ- Daily Evening Prayer
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ