ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።
Worries are growing about the fate of the two bishops kidnapped on April 22 near Aleppo, in Syria. More than a month after the kidnapping, there is still no news of the Greek Orthodox bishop of Aleppo, Boulos Yazigi, and Youhanna Ibrahim, the Syriac Orthodox metropolitan of the same city. According to several sources, the two prelates were kidnapped in the village of Kafr Dael as they were trying to mediate on behalf of two priests kidnapped by rebel groups several months earlier.
The 10th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 10-13, 2008, iat the Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Seattle, WA.
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።
ቅዱስ እንጦንዮስ ክፍትሑ፥ መሰል ሃይማኖት ክረጋገጽ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝተገብረ ምኽንያት ዝወጸ መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት።
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን
ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፣ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባት’ዮም።
ኣብዚ ቕንያት’ዚ ካብ ሥርዓት ኣሥመራ ተላኢኾም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት፡ በቲ ከሕልፍዎን ክገብርዎን ዝቐነዩ ውዱቕ ፕሮፖጋንዳ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣጉህይዎም ዝቐነየ ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ንተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወኪልና ኢና መጺና እናበሉ፡ መሳርሒ ናይቲ ሥርዓት ኮይኖም ምርካቦም፡ ንቤተ-ክርስቲያና ምስ ክብራን ዕቤታን ዘይከይድ ኣነዋሪ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝመጹ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወዲቓን ሓሲራን እናሃለወት፡ ናይ ዕድጊ ወኪል ኮይኖም ዝተሸሙ ክመስሉ ብምሕሳር ማሸላን ተንዲኖን ጣፍን ክዛረቡ ምርኣዮም ንቡዙሓት ሰዓብቶም ከይተረፈ ልቦም ዝሰበረ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ። ኣባ ቄርሎስ በዚ ኣየብቅዑን፡ "ዋሓጥዮ እንተ-በልኩዋስ ትጎስሞ" ከም እተባህለ፡ ነቲ ብናይ ብዙሓት ደም ንጹሃት ደቂ ሃገር ተሓታቲ ዝኾነ ጨኳኒ ሥርዓት ኢሳይያስ ክውድስዎ ምርኣዮም ከየንዓቆም ኣይተረፈን።
ናይ ዓርቢ ስቅለት ስርዓተ ጸሎት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ