The 10th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 10-13, 2008, iat the Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Seattle, WA.
“እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
ብፁዕ ኣቦና ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ ኣብ ዕለት 25/03/2020 ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣትዮም። ኣብ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምውራዶም ድማ፣ ኣብ ከባቢ ካስል ናብ ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ኣምሪሖም። ድሕሪ ናይ 4ተ ሰዓት ናይ ማኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ዝመሓደርን ዝምራሕን ገዳም ክበጽሑ ክኢሎም።
ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። (ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዔ) ዝብል ኮይኑ፡ ስለ ክርስቶስ ካልኣይ ምምጻእ፡ ብዛዕባ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዘሎ ፍርዲ እንዳተዘከረ ትምህርቲ ዝዋሃበሉ ዕለታት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።” ዝበሎ፡ ንጐይታ ተዳሊና እንተጸኒሕናዮ፡ ካብ እንጌራኡ ኣጽጊቡ ምድሓን ጽድቁ ከልብሰና፡ ኣብቲ ናይ ሓጎስ ጽድቂ ንካፈለሉ መገዲ ንጸርገሉን ንዳለወሉን እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ክንዓቁሮ ዝግባኣና ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፣ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባት’ዮም።
ኣብዚ ቕንያት’ዚ ካብ ሥርዓት ኣሥመራ ተላኢኾም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት፡ በቲ ከሕልፍዎን ክገብርዎን ዝቐነዩ ውዱቕ ፕሮፖጋንዳ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣጉህይዎም ዝቐነየ ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ንተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወኪልና ኢና መጺና እናበሉ፡ መሳርሒ ናይቲ ሥርዓት ኮይኖም ምርካቦም፡ ንቤተ-ክርስቲያና ምስ ክብራን ዕቤታን ዘይከይድ ኣነዋሪ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝመጹ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወዲቓን ሓሲራን እናሃለወት፡ ናይ ዕድጊ ወኪል ኮይኖም ዝተሸሙ ክመስሉ ብምሕሳር ማሸላን ተንዲኖን ጣፍን ክዛረቡ ምርኣዮም ንቡዙሓት ሰዓብቶም ከይተረፈ ልቦም ዝሰበረ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ። ኣባ ቄርሎስ በዚ ኣየብቅዑን፡ "ዋሓጥዮ እንተ-በልኩዋስ ትጎስሞ" ከም እተባህለ፡ ነቲ ብናይ ብዙሓት ደም ንጹሃት ደቂ ሃገር ተሓታቲ ዝኾነ ጨኳኒ ሥርዓት ኢሳይያስ ክውድስዎ ምርኣዮም ከየንዓቆም ኣይተረፈን።
ናይ ዓርቢ ስቅለት ስርዓተ ጸሎት
Conference 2022 | Conference 2021 | Conference 2020 |
Conference 2019 | Conference 2018 | Conference 2017 |
Conference 2016 | Conference 2015 | Conference 2014 |
Conference 2013 | Conference 2012 | Conference 2011 |
Conference 2010 | Conference 2009 | Conference 2008 |
Conference 2007 | Conference 2006 | Conference 2005 |
Conference 2004 | Conference 2003 | Conference 2002 |
Conference 2001 | Conference 2000 | Conference 1999 |
Photos
|Photo Album 2012
|Photo Album 2011
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 11፡1-2)
A Service of Prayer to Remember His Holiness Patriarch Antonios was held at St. Mary’s-on-Paddington Green in London, UK. on Wednesday June 27, 2007. The Oriental Orthodox Churches were represented by Metropolitan Abba Seraphim of the British Orthodox Church. Below is the letter of support that was sent to the meeting by the Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ