ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ሓንቲ ልበይ ዝተንከፈትኒ ግጥሚ ኣቦና ሃቡና! እትብል ብኣቶ ኪዳነ ተስፋ ዝተላእከት ኣብ ራድዮ ኤረና ስለ ዝሰማዕኩ፥ ንኣቶ ኪዳነ ተስፋ ብልቢ እንዳ ኣመስገንኩ፥ ሓቁ እዩ፥ ብገዛእ ኣቦና፥ ሓዋርያዊ ፓትርያርክና፥ ንደልዮም ዝደልዩና፥ ነፍቅሮም ዘፍቅሩና፥ ፍትሒ ብዘይብሎም ሰብ ግዜ ተረሓሒቕና ኢለ ሓዘን ተሰማዓኒ። ንህልው ኩነታት ሃገርና እንተ ረአኹውን፡ ውሉድን ወላድን ተፈላልዩ፥ ኃውን ሓፍትን፥ ሰብኣይን ሰበይትን ተበታቲኑ ዓድታት ባዲሙ፡ ስደትን ሞትን ገኒኑ፥ ብዙሕ ህዝቢ ድቃስ ስኢኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ ንሃገርና ኤርትራኸ ብድሕሪ ነጻነት ክንድዚ ዝኣክል ውድቀት ስለምታይ ኣጋጢምዋ? ከምዚ ኢልናኸ ክሳብ መኣስ ኢና? ብዝብል ሓሳብ መሪር ቃንዛ ስለ ዝተሰመዓኒ እየ ነዛ ሓጺር ጽሑፍ እወ፡ ኣቦና ሃቡና! ትብል ክንሕጥጥ ዝተገደድኩ።
Delegation of the Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America has met H. H. Pope Shenouda III of Alexandria over the weekend. At the meeting, the Diocese’s Delegation made clear its steadfast stand on Church Canon & Tradition as it relates to the current misfortune that the Eritrean Orthodox Church faces.
““ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ’ታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ሉቃ 12፡25-26
መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ ዘይመንፈሳዊ ተግባር፥ ባእስን ምትህርራምን ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሕዘነ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጥቅምቲ 10 ክሳብ 16 ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓድሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ።” ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ። ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ወንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን፡ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጡ ኺበልዕ ርእዮም ምስ ወቐስዎ፡ “ኣነ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ‘ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡’ ዚብል (ቃል) እንታይ ማለት ምዃኑ ኪዱ ተመሃሩ” ኢልዎም ኼብቅዕ፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ንሰባት ካብ ምፍራድ ኪናገፉ ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን (ማቴ 9፡13)። ነዚ ቓል እዚ ጐይታ ዚጠቕሶ ዘሎ፡ ካብቲ ነብዪ ሆሴእ፡ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈትው መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈትው።” ዝበሎ ትንቢታዊ ቓል እዩ (ሆሴ 6፡6)።
ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019፥ ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 16 - ክፋል
ምዕራፍ ሾብዓተ
ስ ደ ት
እቲ ፈተና እናኸበደ ብዝኸደ መጠን፥ ልዕሊ ዓቕመይ ምዃኑ እቲ ክብደቱ ይስምዓኒ ነበረ። ብዝኾነ ካብ ግብጺ ዝወጸሉ መንገዲ ምርካብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብሕይወት ክተርፍ እንተደኣ ኮይነ፥ ብጀካ ስደት ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። እታ ዓባይ-ጓለይ ኣይተፈለየትንን ምሳይ’ያ ዘላ። ካብ ግብጺ ክንወጽእ ድማ ክልቴና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳኔ እዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ድምፅና ሓቢእና ክንቅመጥ ስለ-ዝነበረና፥ ዝብላዕ መግቢ ብምስኣን ኣዚና ብጥሜት ተጠቒዕና ኢና። ግዳስ እቲ ካብ ገዛ ወጺእካ ምርካብ ሳዕቤኑ ሞት ስለ-ዝነበረ፥ መግቢ ንምድላይ ኢልና ክንወጽእ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ