ካህን ሓለፎም ዓ/ማርያም ምስ ራድዮ ኤረና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት
“ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና (ሓደ)ኣ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ሃብክዎም። እዚ (ዝገበርኩ) ድማ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ ዝዀንካ፡ ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ . . .’ዩ።” ዮሃ 17፡21-23 ካ.ት
ህዝቢ ነቲ ሓቂ ክፈልጦ፥ ቃለ መሕትት ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም (1ይ ክፋል)
ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም ምስ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝነበሮም ርክብ ከመይ ይመስል? ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝነበሮም ርክብ ምስቶም ካልኦት ጳጳሳት ተዋህዶ ካብ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈልየ ድዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት 5 መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሮም ከምዝተወስዱ ካብ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣረጋጊጽና ኣሎና። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ገዳማውያን ኣቦታት ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መቐጸልታ ዕንወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብምዃኑ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኣጽንዖት ይኹንኖ።
እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 7ይ ዓመት ኣብቲ ኩሉ ጊዜ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐንየ ብረድኤት እግዚኣብሔር ብሰላም ተዛዚሙ።
ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 11፡1-2)
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ