ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሃገረ ሽወደን ተኻይዱ። እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ውሉደክህነት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፥ ኣመንትን ወከልትን ካልእ እምነታትን'ውን ተረኸቢቦም ኔሮም። እቲ ሰልፊ ብስም ቅዱስ እንጦንዮስ እኳ እንተተኻየደ፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ዝውክል’ዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።
ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት፥ መድኃኔ - ዓለም ማንቸስተር, ዓባይ – ብሪጣንያ
ኣብ መጽሔት መገዲ ሕይወት, ቁጽሪ 2 ሕታም ዝተዳለወ።
ወይዘሮ ክርስቲና ወይ ወይዘሮ ታውክልያ ተባሂለን ዝስመያ ኣኽሱማዊት ኣደ ከምዝነበራ ትፈልጡ ዶ? “ኣኽሱምን ክርስቲናን ደኣ ኣበይ ኣበይ እየን ዝራኸባ?” ኢልኩም ትሓቱ እንተለኹም፡ ምምርማር ታሪኽ ቅዱስ ያሬድ የድልየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንስርሓት ቅዱስ ያሬድ ናብቲ ዝቐጸለ ወለዶ ዘሳገሩ፡ ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ወዘተ እዮም ዝበሃሉ ኔሮም። ኣሰያይማ ስሞም ይዓጀበና እንተሎ፡ ታሪኽ ንግስነት ክርስትናን ንግስነት ኣኽሱምን ኣብ ዞባና ክንፈልጥ እዩ ዝያዳኡ ክዓጅበና ዝግባእ።
Deacon Abiel Zeweldi is a servant of the Holy Trinity Eritrean Orthodox Church in Seattle, Washington. Abel was nurtured in the Eritrean Orthodox Church and now he has become a role model of inspiration to our kids.
May God bless him and his service.
ንስሓ (1ይ ክፋል)
ንስሓ (2ይ ክፋል)
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክኣ ንሰብ ወሲዱ ከዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ
እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ይሓርዮም፡ ይቕድሶም ድማ
ከረን እተነቓንቕ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት
ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ (መዝ 68.18)
ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ ብካህን ቴድሮስ ተስፋይ. ቤተ ክርስትያንቅ. ማርያም በይ ኤርያ ካሊፎርንያ. 18 መጋቢት 2010
ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ፡ ልብኹም ኣንጽሁ ብካህንሓለፎም ዓ/ማርያም ቤተ ክርስትያን ቅ. ገብርኤል ኒው ዮርክ 28 የካቲት2010
‘ኣቲ ሃገር እግዚኣብሔር ዓቢይ ነገር ገይሩ እዩ'ሞ ኣይትፍርሂ: ተሓጎሲ ባህውን ይበልኪ’ ብካህን ወልደትንሳኤ ብርሃነ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ 31 ግንቦት 2009
By H.G. Bishop David, 10 July 2008. 10th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America at Holy Trinity Eritrean Orthodox Church, Seattle, WA
The 8th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 27 to 30, 2006 in Oakland, CA. at St. Antonius Coptic Orthodox Church.
“ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት’ዩ ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር’ኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ።” ያእ 2፡2-4,12 ካ.ት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
አሰሮ ለሰይጣን-----------------------> አግዓዞ ለአዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ኮነ------------------------------------> ፍስሐ ወሰላም።
ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እትነብሩ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣
እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2020 (2012 ዓም ግእዝ) ኣብጽሓና እናበልና: በዓል ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ።
ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር። ኣብቲ ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ዑደት። ንሓደ ካህንን ሠለስተ ኣናጉኒስጢስን መዓርግ ሂቦም። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ቴል-ኣቪቭ። ተጠርኒፎም ዝርከቡ ዘለዉ ማኅበረ-ምእመናን ድማ፣ እዚ ኣጋጣሚ`ዚ ዕጽፍን ድርብን ሓጎስ ክኾነሎም ክኢሉ`ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ዝኾኑ መንእሰያት ንመዓርግ ከተብጽሕ ምኽኣል። ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ዕድል ኣይኮነን።
"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ