“እዞም ኵላቶም (ቅዱሳን’ዚኣቶም) ነተን (ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለው ዝተዋህባኦም ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ (ብዓይኒ እምነት) ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብዛ’ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞተ። እቶም ከም’ዚ (ዚገብሩ) ኸኣ፡ (ነታ ሰማያዊት) ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዮ ኣለው። ነታ ዝወጹላ (ምድራዊት) ሃገር ሓስቦም እንተ ዚዀኑ፡ (ናብኣ) ኺምለሱ ጊዜ ነይሮም’ዩ። ሕጂ ግና (ነታ ዝበለጸት ማለት ነታ ሰማያዊት ሃገር) ይናፍቑ ኣለው። ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ (ሰማያዊት) ከተማ ኣዳሊወሎም ኣሎ’ሞ፡ “ኣምላኾም” ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡13-16,47 ካ.ት
ካብ 10 ክሳብ 12 የካቲት 2020 ዓ. ም (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን) ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበረልና። ኣሜን።
ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ:
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 160 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሓምለ 7, 2019 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህ ተጀሚሩ ብገምጋም ዝተዛዘመን ነይሩ።
መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ተደጋጊሙ ክዝረብን ክጸሓፍን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መዛረቢ ኣርእስቲ ክትከውን ካብ እትጅምር፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምንም ምምሕያሽ ክግበር ስለ-ዘይተራእየ ከኣ። እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብቐጻሊ’ያ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተስምዕ ትርከብ ዘላ።
ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ዋሽንግተን
ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ከተማ ኣትላንታ ጅዮርጅያ
ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 11፡1-2)
“ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ (ኪመርሓካ ከም ዚኽእል) ሰኣን ምፍላጥካስ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻ” ሮሜ 2፡4-5
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ