S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡

ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓደሩ መዝሙር፡ወመኑ መሓሪ ዘከማከዚብል እዩ።ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ።ጐይታናውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ውንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነንዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂውን፡ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጡ ኺበልዕ ርእዮም ምስ ወቐስዎ፡ኣነ ንሓጥአን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ዚብል (ቃል) እንታይ ማለት ምዃኑ ኪዱ ተመሃሩኢልዎም ኼብቅዕ፡ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ንሰባት ካብ ምፍራድ ኪናገፍ ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን (ማቴ 913) ነዚ ቓል እዚ ጐይታ ዚጠቕሶ ዘሎ፡ ካብቲ ነብዩ ሆሴእ፡ኣነ ምሕረት እየ ዝፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት አምላኽ እፈትዉ።ዝበሎ ትንቢታዊ ቓል እዩ (ሆሴ 66)

ዝዀነ ይኹን ሰብ ትርጉም ምሕረት ኪርድኦን፡ ምሕረት ንምግባር ዓቕሚ ኺረክብን፡ ንምሕረት አምላኽ ኣጸቢቚ ኬስተውዕሎን ይግባእ። ኣብዛ ዓለምዚኣ ብህይወት ክነብር ዝኸአልና፡ ሳላ ምሕረት አምላኽ እዩ። ነብዩ ኤርምያስ፡ምሕረቱ ኣይተወድአን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚአብሄር እዩ።ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ደጉ 322) በብሰዓቱ ብሓሳብ፡ብቓላት ይኹን ብግብሪ እንፍጽሞ ሓጢኣት ማእለያ የብሉን። ንምድር ሓጢኣትና ዘይኰነ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣትና ንበይናውን ፍርዳ፡ ዘለኣለማዊ ሞት እዩ (ሮሜ 6 22,23):: ንሓንቲ አበሳ ዓስባ ኣብቲ ቐላይ ሓዊ ብዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ክትነብር እንተ ዀይኑ፡ ብስጋውን ብህይወት ክነብር ፍጹም ኣይምተገብአን ነይሩ። እንተ ዀነ እግዚአብሄር ነቲ ቚጥዓኡ ብምሕረቱ ሳላ ዝገትኦ ግና ብህይወት ክንጸንሕን፡ ንንስሓ ዚኸውን ኣኺሉ- ዚተርፍ ጊዜ ኽንረክብን ኣኽኢሉና ኣሎ። ብነብዩ ኢሳያስ፡ ነይሩ፡ስለ ስመይ ኢላ ቚጥዓይ ኤደንጉ፡ ከየጽንተካ ድማ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣለኹ።ብምባል ብኸመይ ብህይወት ክንነብር ኸም ዝኸኣልና ገሊጹልና እዩ (ኢሳ 489) እግዚኣብሄር ብሳህሉን ብምሕረቱን ብምኽላል እዩ ንህይወትና ካብ ጥፍኣት ዚብጀዋ (መዝ 1034) ናይ እግዚኣብሔር ሰናይነት ድማ በቲ ብዙሕን ዘለአለማውን ምሕረቱ እዩ ዚግለጽ (መዝ 1061) ነብዩ ሚክያስከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ኣበሳ ዚሐድግ፡ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዚሕልፍ መን እዩ፧ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ኩራኡ ንዘለአለም ኣይዐቁርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቑ ባሕሪ ትድርበዩ። ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ሓቂ ንያእቆብ፡ ምሕረት ከአ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ።ብምባል ንምሕረት አምላኽ ብኽብሪ ገሊጽዎ ኣሎ (ሚል 718-20) ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምውንምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። . . .  ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።ብምባል ክብሪ ምሕረቱ ገሊጻትልና ኣላ (ሉቃ 150, 54,55) እግዚአብሄር ምሕረቱ እንተ ዚርስዕ እንተ ዘይዝክር ግና፡ እስራኤል ዚባሃል ህላወ ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ።

እግዚአብሄር ኪፈጥረና ኸሎ ብመልክዑን ብምስሉን እዩ ዝፈጠረና። እግዚኣብሄር ረቂቕ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ናትና ኣካላዊ ቕርጺ የብሉን። መልክዕን መንነትን ናይ ኣምላኽ ኣብቲ ተወራስን ዘይተወራስን ባህርያቱ እዩ፡ ዚንጸባረቕ። ንሕና መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዚህልወና ድማ ካብቲ ተወራሲ ባህርያቱ ተኻፈልቲ ምስ እንኸውን እዩ። ካብቶም ክንወርሶምን፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከነንጸባርቖምን ከነተግብሮምን ዚግብኣና ባህርያቱ፡ ምሕረት እቲ ቐንድን ኣውራን ባህይርይ እዩ። እቲ ጐይታ ንፈሪሳውይን፡ ካብ ኩሉ ትሕዝቶኦም ዕሽር ስለዜውጽኡን፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኸም ብዓል ምሕረት ዝአመሰሉ ኣውራ ነገር ስለ ዚሓደጉ፡ወይለኹምኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ (ማቴ 2323) ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣውራ ነገር ሓዲግካ ናበይ ኽእተው፧ ቃል እግዚአብሄር፡ነቲ ብመልክዕ አምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱኺብለና ኸሎ፡ ንምህረትን ነቶም ኻልኦት ተወረስቲ ባህርያት አምላኽን ማለቱ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስእምበርአርሲ፡ ኸም ሕሩያት አምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኬንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ ትዕግስቲ ልበሱ።ብምባል ኣረጋጊኡልና ኣሎ (ቈሎ 312 ኤፌ 424) እምበኣር ካብቶም ዝበለጹ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሄር ዜማዕርጉና ናብ ሕርያት ዜብቅዑናን መንፈሳውያን ኣልባሳትና ሓደ፡ ምሕረት እዩ። ንበዳሊኡ ምሕረት ዘይገብር ሰብን፡ ምሉእ ብምሉእ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብን ዝዀነ ይኹን ፍልልይ የብሎምን። እቲ ዕርቃን ድማ ናይ ስጋ ዘይኰነስ ናይ ነፍሲ ዕርቃን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ዕርቃን ስጋ፡ ሰብ ጥራሕ ዚርእዩ። ዕርቃን ነፍሲ ግና እግዚኣብሄር ዚርእዮ። ዕርቃን ነፍሲ ግና እግዚአብሄር ዚርእዮ። ጐይታ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ጥራዩ ምእንቲ ኸይኮይድ፡ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርን ብሰብ ብጹእ እዩኢሉና ኣሎ (ራእ 1615) ምኽንያቱ፡ ንበዳልትና ምሕረት ምግባር ምስ ኣበና፡ እቲ ኸሊሉናን ሸፊኑናን ዝነበረት ምሕረት ኣምላኽ ካባና ይቕንጠጥ እሞ፡ እቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝረስዕ ሓጢአትና ይዝከርን ይቕላዕን ማለት እዩ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚርና ድማ ካብ ደቂ ምሕረትና ናብ ደቂ ቚጥዓ ኸም እንልወጥ ኣይንዘንግዕ። ስለዚ ንሰብ ምሕረት ክንከልኦ ኸለና፡ ነቲ ለቢስናዮ ዝጸናሕና ምሕረት አምላኽ ንቕንጥጦ ምህላውና ንገንዘብ። ስለዚ ነቲ በዳሊና ምሕረት ብምኽላእ ዝጐዳእናዮ እናመሰለና፡ ብአንጻሩ ንገዛእ ርእስና ንዘለኣለማዊ ጉድኣት አሕሊፍና ንህባ ኸምዘሎና ኸነስተውዕል ይግባኣና። እግዚአብሄር ብዘይውዳእ ምሕረት ዚናብየና ዘሎ፡ ካብቲ አምላኻዊ መሐሪ ባህርዩ ኽንካፈል ስለ ዚደልየና እዩ። ስለዚ እቲ ብምሕረት አምላኽ ኪኽለል ዚደልይ ሰብ፡ ንበደልቱ ብምሕረት ኪሓቊፍ ይግብኦ። ብአንጻሩ እቲ ጥፍኣቱ ዝተበርሆ ሰብ ድማ፡ ንበደልቱ ምሕረት ምግባር ብምእባይ ቊጥዓ አምላኽ ናብ ልዕሊኡ ይጽውዕ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ሓቂ ኸምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምሕረት ካብ ዘይምግባር ዚኸፍእ ዕሽነት ኣሎ ኺብሃል ምተኻእለዶ፧ ጐይትናመሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።ኢሉ ብንጹር ነጊሩና እዩ (ማቴ 57) ደቀ መዛሙርቱ፡ጸሎት መሃረና ኢሎም ምስ ለመንዎ እታ ቅድመ ዅነታዊ ማሕንቖ ዘለዎ ናይኣቡነ ዘበሰማያትጸሎት መሃሮም፡ ኣብኣቡነ ዘበሰማያትእታ እንኮ ቕድመ ዅነታዊት ረቛሒት ምሕረት እያ። ኣቡነ ዘበሰማያት ንመሐርቲ ጥራይ ዝተሰርዐ ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ውሽጣ፡ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልናዚብል ትሕዝቶ ኣለዋ። ንዝበደልዎ ምሕረት ዘይገበረ ሰብ፡ ናብ አምላኽ ኪጽልይ እንተ ፈተና፡ ክልተ ዓበይቲ በደላት እዩ ዚፍጽም።እቲ ቐዳማይ በደል፡ በደል ብጾቱ ኸይሓደገ ኸሎ፡ ከም ዝሓደገ ዀይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሕሳው እዩ። ነቶም ንአምላኽ ዝሓሰውዎ ሃዋርያት ጴጥሮስ፡ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕስው፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧. . . ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገር ብልብኻ ሓስብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሃሶኻንብምባል ገኒሕዎም እዩ (ግብ 53-4)።ስለዚ ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብድፍረት ብጸሎት ዚሕስዉ፡ ብድፍኢትን ምርሒትን ናይ ሰይጣን እዮም ዚገብርዎ። ምኽንያት ጐይታ፡ “ (ሰይጣን) ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ።ሓሳዊ እዩሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።ኢሉ ኣነጺሩልና እዩ (ዮሃ 844)።እቲ ኻልኣይ ኣበሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኢ ኣምላኽ ዘሎና ድፍረትን ንዕቀትን እዩ። እግዚአብሄር ልብን ኵላሊትን ዚምርምር፡ ኵሉ ዚፈልጥ፡ አምላኽ ምዃኑ እናፈለጥካ፡ ንበደልትኻ ምሕረት ዘይገብርካ ኽነስኻ፡ኣነ ንዝበደሉኒ በደሎም ሓዲገሎም እየ በደልይ ሕደገለይኢልካ ኻብ ምጽላይ ዚኸፍእ ድርቅናን ንዕቀትን ኪህልው ኣይክእልን እዩ። ኣቦና ቕዱስ ዳዊት እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ፧ኸም ዝበለ፡ ምሕረት ከይገበረ ጸሎት ኪገብር ዝደፈረ ሰብ፡ በቲ ንአምላኽ ኽነሓጉሰሉ ዝተሰርዐ ጸሎት ንአምላኽ ኬሕዝንን ኬቘጥዕን ዝተዓጥቀ ሰብ እዩ (መዝ 804) ኣቦታትናውን፡ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቊምነገር ሒዝካ ተረትብምባል መኻይዲ ዘይምዃኑ ገሊጾምልንና እዮም።

ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ ነቲ ብቕንኢ ዜስድዶ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ዘርኣዮ  ምሕረት፡ ብአምላኽዝኸም ልበይኪበሃል ከም ዘብቅዖ ቓል እግዚኣብሄር ገሊጹልና ኣሎ። ምሕረት፡ ካብ ሕነ ምፍዳይ ንላዕሊ ነቲ በዳሊና ኸም ዚረትዖን ከምዚማርኾን ዘርኣየ ፍጻመ ድማ እዩ። ንጉስ ሳኦል ዳዊት ምሕረት ከም ዝገበረሉ ምስ ፈለጠ፡ ብሕልናኡ ተረቲዑ ዓው ኢሉ ድሕቲ ምብካይኣነ ኽፋእ እናገብርኩኻ ጽቡቕ ጌርካላይ ኢኻ ንስኻ ካባይ ትጸድቕ። እግዚአብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኽንሱስ፡ ንኣይ ብዘይም ምቕታልካ ንስኻ (ምሕረት) ከም ዝገበርካለይ፡ ሎሚ ኣርኤኻ። ሰብ ንጻላኢኡ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ ይኺድ ይሓድጎ እዩ፧ ስለ (ብዛዕባ) እዚ ሎሚ ዝገበርካለይ (ምሕረት) እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻክሳዕ ምባል በጽሐ (1ሳሙ 2417-19) ስለዚ ንበዳሊኻ ምሕረት ምግባር፡ ንጻላኢኻ ናብ ንስሓ ዚድርኽ፡ ብምዃኑ፡ እቲ ዝበለጸ ናብ ዓወት ዜብጽሕ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ነቲ፡ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እዩ፧ኢሉ ዝሓተተ ሰብ፡ኣታ ሰብ፡ ንሱ ሰናይ ዘበለ አፍለጠካ፡ እግዚአብሄርሲ፡ ቕንዕና ኽትገብር፡ ምሕረት ከአ ክትፈትው፡ ምስ አማላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ (እግዚኣብሄር) ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧ዚብል ንጹር መልሲ ዚተዋህቦ (ሚክ 66-8)።መንግስቲ አምላኽ እምበኣር፡ ነቶም ምሕረት ኪቕበሉ ዚጽልዩ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ምሕረት ኪገብሩ ዚፈትዉ ጥራይ እዩ እትብጽሖም እሞ ምሕረት ምግባር ንፍተው። ካብ ዝዀነ ዓይነት መስዋእትን ኣገልግሎትን ህያባትን ንላዕሊ ዚፍተወልና ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ብፍታውና ተማቐልቲ ናይቲ መሓሪ ባህርዩ ብምዃን ንቕድስቲ ስላሴ ንምሰል።ብምሕረት ሃብታማት ንኹን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ንበት ጥቅምቲ 21, 2018 (ጥቅምቲ 11, 2011 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

         መዝ 9212-13

ጽድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኀ ከመ ዝግባ ሊባኖስ ትኩላት እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሄር

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።’”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይመጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቄረ 101-19 

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 121-22

ራእ 141-6

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ

ግብ 414-31

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div