ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዕለት ጥቅምቲ 7, 2018 “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ማቴ 6፡25-34 መሰረት ብምግባር ከም ዝተመሃርናን፡ ናይ ጭንቀት ዓብይ መድሓኒት ድማ፡ “ቀዳምነት ሂብካ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ” ምዃኑ ምድምዳምናን ዝዝከር እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸመይ ኢኻ እትደልያ፧ ዝጠፍአት ዕንቁ ምድረ-ቤት ገዛኻ ኰስቲርካ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ ሩባን ኵርባን ኰሊልካ ኢኻ ትደልያ። ድልያ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብኸምዚ ዝተጠቕሰ መገዲ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
ብዓይኒ እትረኣይ፧ ብኢድ እትድህሰስ ስለ ዘይኰነት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እንደልየሉ ጥበብ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዮም ዚጸልእዋን ብምሉእ ሓይሎም ዚቃለስዋን ፈሪሳውያን፡ ናብ ጐይታ መጺኦም፡ “መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ’ያ እትመጽእ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ። መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብ ውሽጥኹም እያ ዘላ፡ ‘እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ’ ዚብላውን የልቦን።” ብምባል ንኽትርድኦ ዜጸግም መልሲ ሃቦም (ሉቃ 17፡20,21)። ስለዚ ብመሰረት’ዚ ናይ ጐይታ መልሲ፡ ክትደልያ እንተ ዄንካስ ኣብ ውሽጥኻ ኢኻ ኽትደልያ ማለት እዩ። ሰብ ግና፡ ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መንግስቲ ሰብ ስለ ዜወዳድራ ኣብ ሓደ ቦታ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ኾፍ ኢላ ኽትገዝእ ክትጸንሖ እዩ ዚጽበይ። ከምቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባኩም ልዕል ዝበለ እዩ።” ዝበለና፡ መንግስቱ’ውን ከም መንግስቲ ሰብ ኣይኰነትን (ኢሳ 55፡8,9)። ስለዚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ ንዝጠፍአ ንብረት ወይ ሰብ እንደልየሉ ዓይነት ድልያ ጌርና ኽንደልያ ኣይግብኣናን እዩ። ጐይታ ብዛዕባ ምጽኣቱ ኺምህር ከሎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “’እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡’ እንተ በሉኹም ኣይትውጽኡ። ‘እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ፡’ እንተ በሉኹም’ውን ኣይትእመኑ።” ኢሉ ኸም ዘጠንቀቖም ንዘክር (ማቴ 24፡26)። ነታ ናቱ መንግስቲ’ውን “እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ” ዚብላ የልቦን። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ዀይና ትገዝእ እንተ ዘየልያ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኼድካ ኽትረኽባ ኣይከኣልን እዩ።
ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተመላለሱ ጥራይ፡ ኣካል ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀኑ ይመስሎም እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ምድራዊት ኣካል ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣትው ርጉጽ ሓቂ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር፡ “ጽውዓት ብዙሓት ሕሩያት ግና ሒደት እዮም” ብዝበሎ መሰረት ግና፡ ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለው ብዙሓት ጽውዓት፡ እቶም ውሑዳት ጥራት እዮም ናብ ሕርየት ዚበቕዑን ኣካል መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀኑን (ማቴ 20፡26)። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘላ፡ ኣካል መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀንና፡ ነቲ ን”መንግስቲ ኣምላኽ ድለዮ” ዚብል ቃል ተኣዚዝና ብሓቂ ንደልያ ኸም ዘሎና ዜረጋግጹልና ምልክታት ኪህልውና ናይ ግድን እዩ። ግለ ኻብኣቶም ድማ እዞም ዚስዕቡ እዮም።
1 ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር፦ ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታና፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 7፡21)። እቲ እንስዕቦ ዘሎና ጐይታ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡ’ውን ክፍጽም እዩ፡” ካብ በለ፡ ንሕና’ውን ካብኡ ዝተፈልየ ምርጫን መርገጽን ኺህልወና ኣይግባእን እዩ (ዮሃ 4፡34)። ብዘይ ምግቢ ብህይወት ኽንነብር ፈጺሙ ዚከኣል ኣይኰነን። እቲ ነታ ኣብ ውሽጡ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዚደልያ ሰብ ግና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ካብ ምግቢ ንላዕሊ እዩ ዚሰርዖ። ምኽንያቱ ምግቢ ስጋ ዘይምምጋብ ጊዝያዊ ዝዀነ ናይ ጥዕና ምዝንባልን ስጋዊ ሞትን ጥራይ እዩ ዜስዕብ። ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ብልዕኻ ዘይምግባር ግና ናብ ዘለኣለማውን መንፈሳውን ሞት’ዩ ዜብጽሓካ። እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጽሙ ንክርስቶስ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ስለ ዝዀኑ ኣብታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣብ የማኑ ቀይሞም፡ ምስኡ ኪወርሱን ኪኸብሩን እዮም (ማቴ 12፡49,50 ሮሜ 8፡17)።
2 ብመንፈስ ድኻ ምዃን፦ እቲ ጐይታና፡ “ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” ዝበሎ ቃል፡ ንሓደ ኻብቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ እንደልየሉን እንገብረሉን ጥበብ ዚገልጸልና እዩ (ማቴ 5፡3)። እዚ ማለት ግና “መንፈስ ቅዱስ ዘይብልካ ወይ ዚውሕደካ ምዃን” ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝበዝሓልካ እተንጸባርቖ ባህርይ እዩ። ብመንፈስ ድኻ ዝዀነ ሰብ ሓቀኛ ትሕትና ኣለዎ፡ ኣንነት ኣይስምዖን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ይውከል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ እምበር ፍቓዱ ኺገብር ኣይደልይን እዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። . . . መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፦ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፡ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፡ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” ምባል ብመንፈስ ድኻ ምዃን እንታይ ከም ዚመስል ኣብሪሁልና ኣሎ (መዝ 34፡18 51፡16,17)። እግዚኣብሄር ባዕሉ’ውን ኣብቲ ንሕና ዝሰራሕናሉ ውቁብ ህንጻታት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንሱ፡ “. . . ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣለኹ፡ . . . ኣብቲ ሽጉርን ድቁስን መንፈስ ዘለዎን፡ ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ (ክሓድር) ደኣ’የ ዝጥምት ዘለኹ።” ብምባል ኣገዳስነት ናይዚ ባህርይ’ዚ ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 57፡15 66፡2)። እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ናይዚ ስቡር ልቢ ዘለዎ፡ ብመንፈስ ድኻ ዝዀነ ሰብ ኪሓድር ዝመረጸ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ኸም ዘላ ስለ ዝረኣየ እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ተጸዪፉ፡ ንመንግስቲ ሰይጣን ኣብ ልቡ ዝተኸለ ሰብ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣርሒቑ ደኣ ይድርብዮ እምበር ኣብ ውሽጡ ኺሓድርን መቕደሱ ኺገብሮን ኣይመርጽን እዩ።
3 ገበርቲ ሰላም ምዃን፦ ጐይታና፡ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ፡ “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” ዝበሎ ቓል፡ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚደልይዋ ሰባት ዚልለዩሉ ምልክት ኣነጺሩልና ኣሎ (ማቴ 5፡9)። እቲ እንስዕቦ ጐይታ ኻብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደ፡ “መስፍን ሰላም” ዚብል እዩ (ኢሳ 9፡6)። ነቶም ዚስዕብዎ ዅላቶም፡ ዓለም ክትህቦ ዘይትኽእል ሰላም እዩ ዚመልኦም (ዮሃ 14፡27)። ውሉድ ሰላም ስለ ዝዀኑ ምስ ዝረኸብዎ ሰብን፡ ኣብ ኵሉ ኵነታትን ብሰላም ናይ ምንባርን ግብሪ ሰላም ናይ ምግባርን ዓቕሚ ኣለዎም። ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሰብ ኣብ ህይወቶም ዕግርግር ኬእትውን ሓዊ ኺኣጕድን እንተ ሃቀነ እኳ፡ ንሳቶም በቲ ጐይታኦም ዘርኣዮምን ዘውረሶምን ሰላም እዮም ዚምርሑ። ነቲ “ብወገንኩም ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዚከኣለኩም (ኵሉ) ግበሩ። . . . ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልዎ ተጋደሉ።” ዚብል ሃዋርያ ትእዛዝ ኬኽብሩ እዮም ዚደልዩ (ሮሜ 12፡18 ኤፌ 4፡3)። ሰላም ዚኣክል ዓብይ መንፈሳዊ ንብረት ካብ ዚጠፍእ፡ ብስጋ ኺጕድኡን ኪውጽዑን’ዮም ዚመርጹ። ቂም በቐል ዚበሃል ኣብ ጥቓኦም ኣይቀርብን እዩ። እቶም ናይ ሰላም ሰባት እዮም፡ ነቲ ኸቢድ ዚመስል፡ “የማነይቲ፡ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻልኣይቲ’ውን ምለስሉ። ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደልይ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።” ዚብል ቃል ጐይታ ብዘይ ዝዀነ ጻዕርን ጸገምን ኪትግብርዎ ዚኽእሉ (ማቴ 5፡39-41)። እቶም ባህርይ ጐይታኦም ወሪሶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት፡ ንዝጸረፎም ኪጸርፉ፡ ኪቕየሙ፡ ኺጸልኡ፡ መከራ ንዘጽገቦም ሰብ ድማ ንኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፎም ይህብዎ እምበር ኬፈራርሁ፡ ኪኸስሱ ኣይመርጹን እዮም። ብኣንጻሩ፡ ነቲ፡ “ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጕስ ኣለኹ።” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ብልሳኖም ኪደግምዎን ብተግባር ኪነብርዎን ፈጺሞም ኣይሽገሩን እዮም (1ቈረ 10፡33)።
4 ንድሕሪት ዘይምምላስ፦ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰባት ካብ ምዃን ዚዕንቅፉና ባህርያት ሓደ፡ እቲ ጐይታና፡ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን’ዩ” ዝበሎ እዩ (ሉቃ 9፡62)። “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ኣሎ” ማለት፡ ገና ኣብቲ ዕዮ ወንጌል ተጸሚዱ ኸም ዘሎ ዜመልክተና እዩ። እቶም ዚሓርሱ ኣብዑር ንቕድሚት እናኸዱ ኸለው ንሱ ግና ንድሕሪት ይጥምት እንተልዩ፡ እቲ ማሕረሻ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ይርእዮ የለን ማለት እዩ። እምበኣር እዚ ቓል ጐይታ እዚ፡ ነቶም ንክርስቶስ ብወግዒ ሓዲጎም ናብ ዓለም ዝተመልሱ ዘይኰነስ፡ ነቶም “ኣብቲ ዕዮን ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣለና” እናበሉ ኸለው ልቦምን ዓይኖም ግና ብዓለም ዝተማረኸ ዚምልከት መልእኽቲ እዩ። ካብቲ ዝነበረካ ጸጋ እናጐደልካ ምኻድ ንድሕሪት ምምላስ እዩ። ካብቲ ዝነበረካ መንፈሳዊ ተወፋይነት፡ ካብ ንቓል እግዚኣብሄር ምንባብን ምእዛዝን፡ ካብ ጸሎትን ጾምን ፍቕርን፡ ትዕግስትን፡ ኣገልግሎትን ወዘተን እናጐደልካ ትኸይድ እንተ’ሊኻ፡ ንድሕሪት ትምለስ ኣለኻ ማለት እዩ። ምጕዳል ጥራይ ዘይኰነ ፡ ዘይምውሳዅን ርእሱ ዝኸኣለ ንድሕሪት ምምላስ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ፡” ኢሉ እዩ እሞ፡ ንሕና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑን ንቕድሚት ዚግስግሱን እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፋት ንድሕሪት ዚምለሱ ዘይምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባና (እብ 10፡38,39)። እምበኣር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ምህላዋን፡ ነቲ ንሳ እትጠልቦ ንእኣ ናይ ምድላይ ረቛሒታት ነማልእ ምህላውናን ርግጸናታት ንኹን። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣባላን ኣካላን ዘይኰነ ሰብ፡ ኣብ ሰማይ ኪርእያን ኪረኽብና ኢሉ ፈጺሙ ኺሓስቦ ኣይግባእን እዩ። ጐይታን ሃዋርያቱን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ቀረባና ኸም ዘላ ኣረጋጊጾምና እዮም እሞ፡ ደሊና ንርከባ፡ ናትና ንግበራ፡ ንሕና’ውን ናታ ምዃንና ብምልኣት ነረጋግጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ጥቅምቲ 14, 2018 (ጥቅምቲ 4, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 103፡14, 15 “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ወሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋእሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ “ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይመጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ኤፌ 6፡1-10 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 12፡16-32 |
ራእ 12፡1-13 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ |
ግብ 7፡23-30 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ