ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡ “መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒ” ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና “ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 9፡23 ተጠቒሳ ዘላ፡ “ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲ’ውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” እትብል ሃይለ ቃል እያ።
ስለዚ “እቲ ንነፍሱ ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፋኣ እዩ” ዚበሃል ዘሎ፡ ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ቀቢጽካ መስቀልካ ተሰኪምካ ካብ ምስዓብ ኬድሕና ዚደልይ ማለት እዩ። እዛ ጸባብ መገዲ መስቀል ናይ ጽድቂ መገዲ ስለ ዝዀነት፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ ጽድቂ ኼርሕቓ ይደልይ ከም ዘሎ የመልክተና ኣሎ። ስለዚ ድማ’ዩ ዜድሕና ዘሎ እናመሰሎ ኸም ዜጥፍኣ ጐይታ ዝነበረና። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለው ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ዝውቱር ኣተሓሳስባ እዩ። መንፈሳዊ ክርስትያን ምዃን፡ ዕቱብን ውፉይን ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን፡ ከም ዝደለይዎ ሓጢኣት ኪገብሩ ስለ ዘየፍቅደሎም ልክዕ ከም ጽኑዕ ማእሰርትን ስቓይን ገይሮም ብምርዳእ፡ ንክርስቶስ ምስዓብ ከም ዕሽነትን ድንቍርናን ገይሮም’ዮም ዚገልጽዎ። ስለዚ በታ ቐጣን መገዲ ተጓዒዞም በታ ናብ ህይወት እተእትው ጸባብ ደገ ኺኣትው ስለ ዘይደልዩ፡ ካብኡ ንነፍሶም ኬድሕኑ ኺብሉ፡ በታ ገፋሕ መገዲ ተጓዒዞም በታ ርሕብቲ ደገ ኣቢሎም ናብ ጥፍኣት ኪኣትው እዮም ዚጐዓዙ። ጐይታ “እቲ ንነፍሱ ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ እዩ” ዝበለሉ ምኽንያት እምበኣር ንሱ እዩ። ስለዚ ንነፍሶም ካብ ህይወት “ኣድሒኖም” ናብ ጥፋት ኪምጥውዎ ኣዝዩ ዓሻ ምርጫ ይመርጹ ኣለው ማለት እዩ።
እቶም ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ግና፡ ነዛ ሓጻርን መራርን ዕምሮም ምስ ጐይታን ምእንቲ ጐይታን ኣሕሊፎም ብምሃብ ካብቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜድሕንዋ እዮም። መብዛሕትና፡ “ንነፍስኻ ምእንቲ ጐይታ ምጥፋእ ወይ ምሕላፍ” ኪበሃል ከሎ፡ ምእንቲ ጐይታ ኢልካ መከራን ሰማእትነትን ምቕባል ጥራይ እዩ ዚመስለና። ብርግጽ እዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምእንቲ ጐይታ ርእስኻ ምጥፋእ እዩ። እንተ ዀነ እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ነፍሱ ምእንቲ ጐይታ ዘጥፍእ ጥራይ እንተ ዀይኑ ዚድሕን፡ እዞም ንኣመንቲ ክርስቶስ ስደትን መከራን ኣብ ዘየውርዱሉ ሃገራት ዚነብሩ ክርስትያን ህዝብታት፡ ሰኣን ነዚ ዕድል‘ዚ ምርካቦም ኪጠፍኡ‘ዩም ማለትና እዩ። ስለዚ፡ እዚ “ነፍስኻ ምእንቲ ክርስቶስ ምሕላፍ/ምጥፋእ” ማለት ካብቲ ብልሙድ እንሓስቦ ኣተሓሳስባ ዝስፍሐ ትርጕም ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ይግብኣና።
ጐይታና ብዛዕባ ምስላ ናይቲ ዓመጸኛ መጋቢ ኺዛረብ ከሎ፡ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕ ‘ውን ዓማጺ እዩ።” ኢሉ ኣሎ (ሉቃ16፡10፣ 19፡17)። ስለዚ እቲ ናይ ህይወት መስዋእትነት ዚኣክል ከቢድ ዋጋ ኪኸፍል ዚኽእል፡ ቅድም ንኣሽቱን ቀለልትን ዋጋታት ኣብ ምኽፋል እሙን ኪኸውን ናይ ግድን እዩ። ኣብ ዕለታዊ ናብራኡ፡ ንህይወቱ ምእንቲ ክርስቶስ ኪነብራ ዘይከኣለ ሰብ፡ “ምእንቲ ክርስቶስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ስማእት ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢልካ ክትሓስቦን ክትሓልሞን ዚከኣል ኣይኰነን። ኣብ ዕለታዊ ናብራኡ፡ ንክርስቶስ እናዓመጸ ዚነብር ሰብ፡ ዝኸበደ ዓመጽ ኪፍጽም ልዑል ተኽእሎ ኸም ዘለዎ፡ ካብ ናይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ተግባር ምርዳእ ይከኣል እዩ። ንሱ ኻብታ ኺሕዛ ዝተዋህበቶ ማሕፉዳ፡ ገንዘብ እናሰረቐ ንክርስቶስ ይዕምጾ ነበረ። እቲ ናይ ዓመጻ ባህርይ ኣብ ውሽጡ እናገበረለ ምስ ከደ ድማ፡ ነቲ “እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” ዚብል መለኮታዊ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞ ብዓብዪ ንጐይታኡ ኽሳዕ ምሻጥ በጽሑ። ዘለዎ ዅሉ ሓዲጉ ንጐይታ ዝሰዓበ ወደ መዝሙርን ሃዋርያን ነይሩ ኼብቕዕ፡ ነታ ንእሽቶ ናይ ዓመጻ ማይ ብሑቕ ናብ ውሽጡ ትእተው ምስ ሓደጋ ግና ንብዘሎ ህይወቱ ኣብኩዓ ካብ “ልኡኽ ድሕነት ከኣ ናብ “ልኡኽ ጥፍኣት” ለወጠቶ። ይትረፍ ንነፍሱ ምእንቲ ጐይታ ኼጥፍኣ፡ ብኣንጻሩ ንነፍሲ፡ ጐይታኡ ንሞት ናብ ጸላእቱ ኣሕሊፉ ሃቦ።
ድሮ እቲ እተታሕዘሉ ለይቲ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ “በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” ምስ በሎም ሃዋርያ ጴጥሮስ ህውኽ ኢሉ፡ “ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ’ውን ከቶ ኣይክሕደካን’የ፡ ንህይወተይ እኳ በጃኻ ኸሕልፋ እየ” በሎ። ጐይታ ግና ልብን ዅላሊትን ዚምርምርን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ዘረባ ሃዋርያኡ ኣይተቐበሎን ኣይኣመኖን ድማ። ምኽንያቱ፡ ንመከራ ከም ወጽዓን ጕድኣትን ከም ዚርእዮ፡ በቲ ንሱ ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን ምስ ተዛረበ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ እዚስ ኣይብጻሕካ፥ ብዝተዛረቦ ቓላት ኣረጋጊጽሉ እዩ (ማቴ 26፡31-35 ዮሃ 13፡36-38 ማቴ 16፡21-23)። ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ድማ ንነፍሱ ምእንቲ ኼሕልፋ ዘይኰነስ፡ ንነፍሱ ምእንቲ ኼድሕና ንጐይታኡ ብዜሕፍር መገዲ ኺኽሕዶ ተረኽበ። ጐይታ በቲ ናብ ንስሓ ዚድርኽ ናይ ምሕረት ቈላሕታኡ እንተ ዘይረድኦ ነይሩ፡ ካብ ጊዝያዊ መከራ ነፍሱ ኼድሕን ኪብል ከም ይሁዳ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ሂብዋ ነይሩ ማለት እዩ።
እምበኣር፡ ምልስ ኢልና ንህይወትና ንመርምር። ነዛ ምድራዊት ናብራና ምእንቲ ክርስቶስ ኣብ ምንባር እሙናትዶ ኣሎና፧ መብዛሕትና ነቲ እንነብሮ ናብራ ዀነ ነቲ እንገብሮ ኵሉ ግብርታትና ምእንቲ ርእስና ኢልና እምበር ምእንቲ እቲ ዝሞተልና ክርስቶስ ኢልና ኣይንነብራን ኢና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት ዚነብሩ) ዘለው ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” ኢሉ ዝገለጾ ቓል፡ ምእንቲ’ቲ ዝሞተልካ ምንባር ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ ምዃኑ ዜመልክተና እዩ (2ቈረ 5፡15)። ምኽንያቱ ናይ ርእስና ኸይንኸውንን ምእንቲ ርእስና ንከይንነብርን በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ኽቡር ደም ክርስቶስ ተዓዲግና ኢና። ስለዚ ኻብቲ መሰረታዊ ድሌታት/ጠለባት ህይወት፡ ካብ ምግብን ክዳንን መጽለልን ጀሚርካ ኵሉ ቓላትና፡ ኵሉ ተግባርና ኵሉ ንብረት ምውናንና ምእንትኡን ንእኡን ኢልካ ኺግበር ይግባእ ማለት እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ “እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” ተባህለልና (1ቈረ 10፡31)። እምበእር እቲ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ዚነብርን ዚገብርን ሰብ ጥራይ እዩ “ንነፍሱ ምእንቲ ጐይትኡ ዜሕልፋ ሰብ” ዝበሃል። ምእንቲ ክርስቶስ ኢልካ መስዋእቲ ምዃን ናይ ሓጺር ጊዜ ኽስተት እዩ። ዋላ ቕድሚ ሞትካ ብዙሕ ስቓይ ኪወርደካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብመንጽር ምሉእ ዕድሜኻ ኪረኣይ ከሎ ኣዝዩ ሓጺር እዩ። ስለዚ ነቲ ዝነውሐ ኽፋል ዕድሚኡ ምእንቲ ክርስቶስ ዝነበሮን ዘሕለፎን ሰብ፡ ዝዓበየ ዋጋ ይኸፍል ከም ዘሎ ነስተውዕል። ጸላኢ ብምኽንያት እምነትካ መከራ ኬጽግበካን እምነትካ ኬኽሕደካን ኪዕጠቕ ከሎ፡ ኣግሂዱ ፊትንፊት ስለ ዝመጸካ ዋጋኻ ተሚንካ ኽትገጥሞን ክትስዕሮን ይከኣል እዩ። ኣብቲ ዕለታዊ ናብራኻ ግን ቀለልትን ንኣሽቱን ብዚመስሉ ሓጢኣት ከየስተውዓልካዮ ንህይወትካ ንክርስቶስ ዘይትበቅዕ ስለ ዚገብራ ኣብ ሰላማዊ ናብራ ዘሎ ሓደጋ፡ ካብቲ ኣብ ጊዜ መከራ ዘሎ ሓደጋ ኪኸብድ ከም ዚኽእል ኣይንዘንግዕ። ዕድሜኻ ምሉእ ከም ዝመስለካ ንኣኻ ከም ዚሓይሽ ኰይኑ ብዝተሰምዓካ ክትነብር ጸኒሕካ፡ ምእንቲ ወንጌል መከራ ስለ ዝተዓገስካ ጥራይ ጐይታ ኺሕጐሰልካ ኣይክእልን እዩ። ይትረፍ ምእንቲ ወንጌል ምእንቲ ፖለቲካዊ ዕላማ እኳ ሰብ ማእለያ ዘይብሉ መከራ ይጸውር ኣዩ። ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ቅድስናኻ እምበር ስቓይ ናይ ምጽማም ዓቕምኻ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሓጢኣት እናገበርኩም መውቓዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።” ኢሉ መከራና ዘይኰነስ ግብርናን ዓይነት ህይወትናን ብዝያዳ ኸም ዜገድስ ኣዘኻኺሩና ኣሎ (1ጴጥ 2፡20)። ምእንቲ ክርስቶስ መከራ ምቕባል ኬሐጕሰናን ኬሕብነናን ከም ዚግባእ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም፡ ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለው፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።” ብምባል ነቲ እንቕበሎ መከራ ኽብሪ ዜውህቦን ተቐባልነት ዜውህቦን እቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምንባርናን ሰናይ ምግባርናን ምዃኑ ገለጸልና (1ጴጥ 4፡19)። ካብዚ ሃዋርያ ቓል ከም እንርድኦ እምበኣር፡ “ንነፍስኻ ምእንቲ ክርስቶስ ምሕላፍ” ማለት ሰናይ እናገበርካ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ማለት ምዃኑ ኽንርዳእ ይግብኣና። ኣብታ ሓጻር ሙማት ዘይኰነ ኣብቲ ነዊሕ ናብራ ንህይወትና ምእንቲ ክርስቶስ ነሕልፋ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚመውት ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና’ውን ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና።” ዝበሎ ቓል ኣብ ህይወትና ምፍጻሙ ነረጋግጽ (ሮሜ 14፡7-8)። ዕድሜኻ ምሉእ ንርእስኻ ኢልካ ንብር ኔርካ፡ ኣብ መወዳእታ ንጐይታ ኢልካ ክትመውት ዝዓይነቱ ዝተሓናፈጸ ህይወት ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ እቲ ምእንቲ ጐይታ መከራ ምቕባልን ምስዋእን ምእንቲ ኺሰምረልና፡ ነቲ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ሓዳር ኣብ ዝምድናታት፡ ኣብ ኣገልግሎት እንነብሮ ናብራ ምእንቲ ክርስቶስ ኢልና ንንበሮን ንሕለፎን። ሽዑ እሙናትን ብቝዓትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ክርስቶስ ምዃንናን፡ ድሕነትና ፍጹም ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኢና። እግዚኣብሄር ይደግፈና!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ጥቅምቲ 28, 2018 (ጥቅምቲ 18, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 74፡16, 17 “አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኃ ወአንተ ገበርከ ኣድባረ ወምድር ኵሎ ክረምተ ወሐጋየ ዘአንተ ፈጠሮከ” “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን።ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 7፡1-14 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 9፡23-31 |
ራእ 21፡21-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ |
ግብ 22፡1-7 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ