ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ክርስትና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክስታትን ዘደንጽዉ ፍርድታትን ተራእዮም እዮም። ከም መንፈሳዊ ሥርዓት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ብጊዜ ጾመ-ኣርብዓ ዝኾነ ክሲ ይዕበ ይንኣስ፡ ከቢድ ነገር ይኹን
ቀሊል ዝቕበሎ የብሉን። ምኽንያት ናይዚ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ሕጊ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሶት ዝወረደ ክስታት ንምዝካር ተባሂሉ ምዃኑ ይንገረና። ናይ ሓሶት ክስታት ቅድሚ ልደት ጎይታና እንተ ኾነውን ኣብ ልዕሊ ነቢያትን ናይ እግዚኣብሔር ሰባትን ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ግፍዕን ውርደትን ክስን ሞትን ይበጽሖም ከም ዝነበረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጾሞ ኣለዉ። ኣምበኣር ኣብዚ ቅንያት ሰሙነ-ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጾመ-ኣርብዓ መወዳእታ ሰሙን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ ግፍዒ፡ ጸርፊ፡ ክስን ፍርዲ ሞትን ዘኪርና ከነስተንትን፡ ብዝተዋህበና ጸጋ ንኣምላኽ ከነመስግን ንሕድሕድና ድማ ካብ ምክሳስ ምብኣስን ክንእረም ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ግሩም ዝኾነ ኣብነትን መልእኽትን ሓዲጉልና ኣሎ።
መሠረት ናይ ኩሉ ክስን ባእስን ካብቲ ቀንዲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን እዩ ዝምንጩ። ሰይጣን ኣቦ ሓሶትን ሞትን ከም ምዃኑ መጠን ንብዙሓት ቅዱሳንን ንጹሓንን ከምኡውን ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ከይተረፈ ብሓሶት ከሲስዎ እዩ። ወላኳ ሰይጣን ዝወደቐ መልኣኽን ዝተሳዕረ ፍጡርን ይኹን እምበር ከምቲ “ጸላኤ-ሠናያት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ፡ ኩሉ ግዜ ድራሩ ካብ ክስን ባእስን ካብ ኃጢኣትን ሞትን ምዃኑ ክንፈልጥ የድሊ። ኣብዚ ቅንያት ናይ ሰሙነ-ሕማማት ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሶት ዝወረደ ክስን ናይ ዓመጽ ፍርድን እናዘከርና ጎይታ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና ብቑስሉ ከም ዘሕወየና፡ ብሞቱ ሕይወት ከም ዝሃበና ንርድኣሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ናይ ንስሓን ኣስተንትኖን ግዜ እዩ። ሰይጣን ብምንታይ ከም ዝኸሰና ስለ ዘይንፈልጥ ግና ወትሩ ብጾምን ጸሎትን ክነቅሕ ይግብኣና። ደፋር ሰይጣን ንጻድቕ ኢዮብውን ብእምነቱን ክብረቱን ብሃብቱን ስድራ ቤቱን ስለ ዝቐንኣሉ ከሲሱ ኣብ ፈተና ዕንወትን ሕማማትን ከም ዘእተዎ ማንም ሰብ ክርስዖ ዝግባእ ኣይኮነን። ኢዮ 2፡7።
ኣብ ልዕሊ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሶት ዝወረዱ ክስታት ብዙሓት እኳ እንተ ኾኑ እተን ቀንዲ ግና ኣርባዕተ እየን። ንሳተን ድማ
“ኣነ ወዲ ኣምላኽ እየ” ይብል
“ንቄሳር ግብሪ ኣይግብኦን እዩ” ይብል
“ክርስቶስ ንጉሥ ኣይሁድ እየ” ይብል
“ነዚ መቕደስ ኣፍርስዎ እሞ ኣብ ሠለስተ መዓልቲ ክሓንጾ እየ” ዝብላ ነበራ። እምበኣር ኣይሁድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሶት ከሲሶም ኣብ መስቀል ክመወት ፈሪዶሞ ከብቅዑስ ምስ ሞተውን ኣብ መቓብሩ ወተሃደራት ጌሮም ይሕልዉዎ ነበሩ። እዚ ድማ እዩ እቲ ዝገርም ናይ ዕሽነት ስርሖም። ሓሶት ብዙሕ እዩ።ብዙሕ ኃይሊ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽርን ናይ ዓመጽ ደገፍትን የድልዩዋ። ሓቂ ግና ሓንቲ እያ። ምእንቲ ሓቂ ሓደ ሰብ ደው እንተ በለ ከኣ እኹል እዩ። ምኽንያቱ ንሓቂ ብርእሳ እንተ ቐበርካያ ብእግራ ስለ ትወጽእ! እቲ ብዘመን ነቢይ ኤልያስ ዘጋጠመ ኣብ መንጎ 450 ነቢያት ሓሶትን፡ እንኮ ሓቀኛ ነቢይ እግዚኣብሔር ዝነበረ ክርክር ድማ ናይዚ ግሩም ኣብነት እዩ። እቲ ሓቂ ዝሓዘ እሙን ነቢይ ኤልያስ ንበይኑ ነቶም 450 ነቢያት ሓሶት ከም ዝሰዓሮምን ኣብ ሩባ ቂሶን ክሕረዱ ከም ዝተፈርዶምን ነንብብ። 1 ነገሥት 18፡22-40።
ኣብ መጽሓፈ ሶስና እንተ ኣንበብና እቶም ክልተ ደያኑ ዝነበሩ ዓመጽቲ ሰባት ብሓሶት ኣብ ልዕሊ ቅድስት ሶስና ከንቱ ዝኾነ ናይ ሓሶት ክሲ ከም ዝመስረቱ ነንብብ። እዞም ክልተ ሰባት ብመልክዕ ሶስና ተማሪኾም ብርኹስ ፍቕሪ ነዲዶም ምስኣ ኃጢኣት ክገብሩ ምስ ሓተትንዋ ንሳ ግና እምቢ ካብ ምሳኻትኩም ብሥጋዊ ፍትወት ዝኃጥእሲ ሓቅን ንጽህናን ሒዘ ሞት ይሕሸኒ ኢላ ስለ ዝኣበየቶም፡ ብሓሶት “ክትዝሙ ረኺብናያ” ኢሎም ሥልጣኖም ተጠቒሞም ንሞት ፈረድዋ። እቲ ናይ ፍትሕን ርትዕን ናይ ሓቅን ጽድቅን ሕያው ኣምላኽ ግና ብነቢይ ዳንኤል ጌሩ “ኣብዳንኑ ኦ ኣንትሙ ኣዕሩገ እስራኤል ዘእንበለ ታእምሩ ወትጥይቁ ዘገብረት ትኴንኑ” ማለት “ኣቱም ዓበይቲ እስራኤል ካንዶ ዓያሹ ኢኹም! ዝገበረቶ ከይመርመርኩምን ከይፈልጥኩምንሲ ሱቅ ኢልኩም ትፈርድዋ?” ኢሉ ንፍርዲ ሞት ናብ ፍትሓዊ ሕይወት ለወጦ። ነቶም ብኽሲ ሓሶት ንሶስና ክቐትልዋ ዝሓሰቡ ክልተ ሰባት ድማ እቲ ፍርዲ ሞት ናብ ገዛእ ርእሶም ተመልሰ። መጽ ሶስና ምዕ 1 ክሳብ ምዕ 4።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ናይ ኩሉ ክስታት ሱርን መሠረትን ዲያብሎስ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ከሳሲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዲያብሎስ እዩ። ብመገዱ ዝጓዓዙ ሓገዝቲ ሰባት ግና ኣይስእንን እዩ።
ከሰስቲ ናይ ጻድቃን እቶም ኃጥኣን እዮም።
ከሰስቲ ናይ ሰማዕታት እቶም ዓመጸኛታት እዮም።
ከሰስቲ ናይ ቅዱሳን እቶም ርኹሳን እዮም።
ከሰስቲ ናይ ኣመንቲ እቶም ከሓድቲ እዮም።
እምበኣርከስ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ ኩሎም ሓዋርያት፥ ሰማዕታት፥ ቅዱሳን ይኾኑ ጻድቃን ብምልኦም ተኸሲሶም ደኣ እምበር ከሲሶም ዝብል ጽሑፍ ብፍጹም ኣይንረክብን ኢና። ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ብኻልኦት ዓመጽቲ ሰባት ክኽሰስ ደኣ እምበር ክኸስስ ክርስቲያናዊ መገዲ እምነት ኣይኮነን። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ “ብርግጽ ኣብ ንሕድሕድኩም ምክሳስ ምህላዉ ብሱሩ ዕንወት እዩ፡ ተበዲልኩምን ተገፊዕኩምን እንተ ትተርፉዶ ኣይምሓሸን” ክብል ሠናይ ምኽሩ ሓዲጉልና ኣሎ። 1 ቆሮ 6፡7። እወ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምክሳስ ናብ ዕንወት እምበር ናብ ዓወት ኣየብጽሕን እዩ። ኣታ ንካልኦት እትኸስስ ንስኻኸ ብሓቂዶ ጻድቕ ኢኻ? እስከ ንገዛእ ርእስኻ ቅድም መርምር።እሞኸ ደኣ እቶም ኣብዚ ናይ ፈተና ዘመን ንቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን እዚ መናፍቕ እዩ፥ እዚ ተሃድሶ እዩ፥ እዚኦም ጸረ-ማርያም እዮም …….. ወዘተ እናበሉ ዝተፈላለየ ናይ ሓሶት ክስታትን ጸለመታትን እናፈጠሩ ንቅድስት ቤተ ክስርቲያንን ንህዝቢ ኣምላኽን ዝኸሱን ዘባእሱን ዘለዉ ድኹማት ሰባት ካበይ ዝተማሃርዎን ዝረኸብዎን እዮም ዝገብሩ ዘለዉ? ኣታ ግብዝ ቅድም ካብ ዓይንኻ ሠርወ ኣውጽእ፥ ብድሕሪኡ ካብ ዓይኒ ኃውኻ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ክትርኢ ኢኻ። ማቴ 7፡5።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዕርቂ፥ ፍቕሪ፥ ምሕረት፥ እምነት፥ ደኣ እምበር ክሲ፥ ባእሲ ሓሶትን ኃጢኣትን ፈጺማ ኣይትምህረናን እያ። ኩሎም እቶም ቅዱሳን ኣቦታትናውን ሓቂ ሒዞም ከለዉ ተኸሲሶም እምበር ንማንም ሰብ ከሲሶም ኣይፈልጡን እዮም። ምኽንያቱ ክሲ ቀንዲ መሳርሒ ሰይጣን ምዃኑ ኣጸቢቖም ስለ ዝርድኡ። እሞኸ ደኣ እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሓሶት ዝቐረበ 6ተ ክስታት ብሓቂዶ መሠረት ዘለዎ እዩ? ያእ ኣይፋሉን። ባዕሎም ከሰስቲ፥ ባዕሎም ፈረድቲ ብምዃኖም ጥራይ እኳ ሓቂ ከም ዘይብሎም ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ብኸንቱ ዝኸሱን ዘባእሱን ንባዕሎም እዮም መዓት ዝእክቡ ዘለዉ።ኣቱም ንቅኑዓት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ብሓሶት እትኸሱ፥ ኣቱም ምስ ኣሕዋትኩም ብኸንቱ ትባኣሱ፥ ኣቱም ንቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ተፍርሱ ዘሎኹም ወይልኹም! ግዜ ከሎኹም ካብ ጌጋኹም ተመለሱ፡ ተጣዓሱ፥ ተነስሑ።
ሓዋርያት ብሓሶት ተኸሲሶም ግናኸ ካብ መጋባእያ እናተሓጎሱ ወጺኦም። ኣዴና ቅድስት ማርያም ካብ መን እያ ጠኒሳ ተባሂሉ ብኣይሁድ ተኸሲሳ፡ ማየ-ዘለፋ ኣስትዮማ፥ ግናኸ ብኣምላኽን ሰብን ተሞጕሳ ንብርሃን ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ወሊዳትልና። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ብዓመጽቲ ተኸሲሱ ግናኸ ብጽንዓት ክሳብ ሞት ተዓጊሱ። ጻድቕ ኣቡነ ፊልጶስ ብሰብ ግዜ ተኸሲሶም ግናኸ ንባሕሪ ኣንዲዶም ናብ ንቑጽ ምድሪ ምስ ቀየሩ ጳጳስን ንጉሥን ተነሲሖም። ብሓፈሻ ከምቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም ተሓጎሱ። ሓደ እኳ ካባኻትኩም ከም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ ብምዃኑ ስቓይ ዝቕበል ኣይሃልኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር” ዝበሎ ምዃኑ ንዘክር። 1ጴጥ 4፡16። ኣብ መደምደምታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና “ንስኻትኩምሲ ምርቓ ክትወርሱ ኢኹም ተጸዊዕኩም እሞ መርቑ ደኣ እምበር ኣይትርገሙ” ስለ ዝበለና ክንምርቕን እቲ ንሰማዕቱ ባህ ዘብል ጥዑም ዘረባ ክንዛርብ መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ስለቶም ዝጸርፍኹምን ዝሰጕኹምን ጸልዩ፥ ንዝጸፍዕኩም ተዓገሱ፥ በቶም ዝኸስኹም ድማ ኣይትሰንብዱ፥ ንሓቂ ሓዝዋ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ ዝብል ህያው ቃል-ተስፋን ምጽንናዕን ተጻሒፉልና ኣሎ። ኣምላኽ ብምሕረቱ ይቕረ ይበለልና!!!
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ