"እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። . . . እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዐይ እፈልጠን፡ እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ እየን።” ዮሃ 10፡11, 14። እዚ ቕንያት እዚ ክሳዕ ታሕሳስ 27 (ብግእዝ) ዘሎ ቕንያት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ “ኖላዊ” ማለት “ጓሳ፡ ሓላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እግዚኣብሄር ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ጕስነትን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰዓብን ኣገልጋልን ናይ ጕስነት ሓላፍነትን እነስተንትነሉን ርእስና እንምርምረሉን ጊዜ እዩ። ጕስነት ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ተግባርን እዩ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብቓሉ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩና ኣሎ። ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና ድማ፡ ካብቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ኣካፊሉና እዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ጕስነታዊ ባህርዩ’ዚ ገና ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። ገና ንሰብን ንኻልእ ኵሉ ህያው ፍጥረትን ከይፈጠረ ኸሎ፡ ቅድም ንምድሪ ንዅሎም ህያዋን ከም እትኸውን ገይሩ ፈጠራ። ካብ ማይን ብርሃንን ጀሚርካ ንእንስሳ ንኣትክልቲ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰብ፡ ዚከውን ኵሉ ኣዳለወ። ዚነባበሩሉ ሕጊ ሰርዐ። እዚ ድማ ናይቲ ጕስነታዊ ባህርዩ ነጸብራቕ እዩ። እቲ ሽዑ ዘዳለዎ ዅሉ፡ እንሆ ፍጥረታት ንዓሰርታት ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ ኽነሶም ክሳዕ ሕጂ ኣይተወድአን። ብፍላይ ወዲ ሰብ ብዜሰክሕ መጠን ንፍጥረት እናመዝመዞ ኽነሱ፡ ገና ግን እቲ ሃብቲ ኣምላኽ ኣይተጸንቀቐን።
“ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡ 11-12። እግዚኣብሄር ብወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንዘርኢ ሰብ ካብ ዝሃቦ ዝዓበየ ሓለፋን ክብርን ሓደ፡ መሰል ውልድነት እዩ። ካብ ወለድና ብስጋ ስለ ዝተወለድና እንረኽቦ ሓለፋታት ማእለያ የብሉን። ፍቕሪ፡ ክንክን፡ ሓለዋ፡ ሓልዮት ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ፡ ንህላወናን ድሕነትናን (safety) ኣገዳስቲ ዝዀኑ ተግባራት ውጽኢት ናይ ውልድነት እዮም። ካልኣ ሰብ፡ ካብቲ ገዛ ዘይተወልደ ሰብ፡ ነቶም ወለድን ስድራኦምን ዋላ ካብ ደቆም ንላዕሊ ጽቡቕ እንተ ገበረሎም ከም ሕያዋይ ፈታዊ እምበር ከም ውላዶም ተቐቢሎም መሰል ውልድነት ኣይህብዎን እዮም። ብስም እቲ ወላዲ ኣይጽዋዕን፡ ኣይወርስን ከኣ እዩ። ስለዚ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ውልድነት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኻብ ከበረ፡ እቲ ሰማያዊ ውልድነትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክብሪ ኣለዎ ማለት እዩ፧ ነቲ ሕያውነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜጕልሖ ድማ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ውሉድ ዲያብሎስ ንዝነበሩ ዅሎም ውልድነት ኪህቦም ምፍቃዱን፡ ነዛ ውልድነት እዚኣ ምእንቲ ኺህበና ድማ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ ኺስውእ ምፍቃዱን እዩ።
ጾመ ነነዌ ካብ የካቲት 6 ክሳብ 8 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን February 6 - 8) ብግእዝ ድማ ጥሪ 29 - የካቲት 1 2009 ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ኣሜን።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ ን2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።
“ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ‘እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ከኣ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ፊሊጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካ’፡ ኢሉ መለሰሉ።” ዮሃ 1፡ 47-48።
ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ
"ኩሎም ሰማእታት ቤተ ክርስትያን ብሓደ ወገን: ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ሚዛን እንተዝምዘኑ: ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ይብል ተርቱልያን ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስትያን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ