“ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቕን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደልይ’ሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ዮሃ 4፡23-24።
“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51።
መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።
ጾመ ነነዌ ካብ የካቲት 6 ክሳብ 8 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን February 6 - 8) ብግእዝ ድማ ጥሪ 29 - የካቲት 1 2009 ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ኣሜን።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ ን2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።
ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧” ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧” ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 10፡31-33)።
ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ
"ኩሎም ሰማእታት ቤተ ክርስትያን ብሓደ ወገን: ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ድማ በቲ ካልእ ኣብ ሓደ ሚዛን እንተዝምዘኑ: ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ሚዛን ሰማእታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምዛየደ" ይብል ተርቱልያን ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስትያን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ