ሓደ መዓልቲ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣቆጻጽራ “ኣብ ሻድሻይ ሰዓት “ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ምኳኑ ኢዩ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎድኒ’ታ ኣብ እግሪ ጎቦ ናይ’ቲ ምድረበዳ ዘላ ናይ ቀደም ዒላ ከዕርፍ ደው በለ።
ኣመና ጸሚኡ ከምኡ’ውን ደኺሙ ነበረ። ጎይታና ኢየሱስን ደቂ መዛሙርቱን ጉዕዞኦም ናብ ገሊላ ነበረ። ኣብ ቦታ ጉዕዞኦም ገሊላ ንምብጻሕ ከኣ ብማእከል ከተማ ሰማርያ ኪሓልፍ ግዲ ኮኖም። ናብ’ዛ ከተማ ሰማርያ’ዩ እምበኣር ደቂ መዛሙርቱ ንጎይታ ኢየሱስ ኣብታ ዒላ ደገ’ታ ኸተማ በይኑ ከዕርፍ ሓዲጎሞመግቢ ኪዕድጉ ተላኢኾም ዝነበሩ።
እታ ጎይታና ኣዕሪፍላ ዝነበረ ዒላ ብዒላ ያዕቆብ ትፍለጥ ነበረት። ኣዝያ ጥንታዊትን ዓሟቕ ዒላን ነበረት። በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ ኣንፈት ብዙሓት ዒላታት ኣይነበራን። ስለ’ዚ፡ እዛ ዒላ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ብዘይ ምቁራጽ እትብጻሕን ተደላይት ማይን፡ ብርግጽ ሰሓቢት ቦታዉን ነበረት።
ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ፡ ዕትሮኣ ተሸኪማ ናብታ ጎይታ ኢየሱስ ኣዕሪፍላ ዝነበረ ዒላ መጸት። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ናብታ ዒላ ምስ ቐረበት ጎይታ ኢየሱስ “ማይ ግዳ ኣስትዩኒ፧”(ዮሓ 4፦10 ) ኪብል ተወከሳ። ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ነቲ ጎይታ ማይ ከተስትዮ ዝሓተታ ሕቶ፡ ጎይታ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸት ንሕቶኡ ብሕቶ መለሰትሉ። ዘይከም ኣይሁዳዊያን፡ ሳምራዊያን ዝተሓናፈጹ ዓሌት ህዝቢ ነበሩ። ብሓፈሻኡ ድማ ሳምራዊያንን ኣይሁዳዊያንን ነንሕድሕዶም ዘይፋተዉን ብቐጻሊ’ውን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝበኣሱ ተጻላእትን ምንባሮም ሕቶኣ ቅቡል ነበረ።
እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ብዙሓት ሰብኡት ዝነበርዋ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትረኽቦ ከላ’ውን ምስ ሓደ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝተላለየቶ ሰብኣይ ብግህዶ ዝነበረት ኣዝያ ሓጥያተኛ ሰበይቲ ነበረት። ብዛዕባ ኩሉ’ቲ ንኽትነብረሉ ዝመረጸት ዘሕፍር ህይወት ዝኾነ ዓይነት ጣዕሳ ኣይነበራን። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ናይ ሓጥያት መንገዲ ፈሊጡ፡ እዚ ዓይነት መንብሮ ጌጋ ምዃኑ ከምኡ ድማ ሓጥያታ ክትናዘዝ ክትናሳሕን ናብ እምነት ክርስትና ክትልወጥን ሓበራ። ብዛዕባ ህይወታ ኩሉ ፍልጠት ብዘለዎ ቀዲማ ፈጺማ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ብጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብጣዕሚ ተደነቀት። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ “ህያው” ዝኾነ ማይ ገለጸላ። “ማይ ህይወት” ማለት ነቶም ኣብ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑን ንዕኡ ዝእዘዝዎን ዝፈስስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ዘለዎ ናብ መንግስተ ሰማያት ዘእቱ ኢዩ። ፈለማ እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ከምቲ እዛ ዒላ ብስሙ እትጸዋዕ፡ ዓቢ ኣቦ’ዉን ዝኾነ ያዕቆብ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ዉን ነቢይ ወይ መራሒ ኢዩ ክትብል ሓሰበት። ነዚ ዝሓሰበት ከኣ ብምኽንያት’ቲ ጎይታና ንኹሉ’ቲ ፈጺማቶ ዝነበረት ብዙሕ ሓጢኣት ስለ ዝዘርዘረላ ነበረ። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ነታ ዒላ ሓዲጋ ናብታ ከተማ ምስ ተመልሰት ንነፍስ ወከፍ ከኣ “ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነግረኒ ሰብኣይ ርኣዩ፡ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ከይከውን፧” በለቶም (ዮሓ 4፦29 )።
ካብ ህዝቢ እታ ከተማ ሰባት ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ናብ ዒላ ያዕቆብ ተኸተልዋ። ንጎይታ ናብ ከተማኦም ኽኣቱ ብምህታት ከኣ ንክልተ መዓልታት ትምህርቱ ብምክትታል ምስ ጎይታ ኣሕለፍወን። ንሳቶም “እዚ ስብከት ከንደይ ስዓታት ክወስድ ኢዩ፧ ወይ ከኣ “እዚ መዓስ ክውድእ ኢዩ፧” ገለ ዝበልዖ ወይ ዝሰትዮ የብለይን፧ ክብሉ ኣይሓተቱን። እንታይ ደኣ ነቲ ኩሉ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎም ኣዝዮም ብምጥንቃቕ ተኸታተልዎ።
ብተወሳኺ’ውን እዚ ጎይታና ኢየሱስ መልእኽተኛ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ሙኻኑ ንፈለማ ግዜ ብግልጺ ዝቐረበሉ ብምንባሩ ጎሊሑ ዝርአ ዓቢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍጸሜ ኢዩ።
ብመዓልቲ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዛ ሳምራዊት ሰበይቲን ሓሙሽተ ኣሕዋታን ተጠመቑ። እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ ክትጥመቕ ከላ “ፎጢኒ” እታ ብርሃን ዝወጸላ ዝትርጉሙ ስም ተዋህባ። ቅድስቲ ፎጢኒ ወንጌል (ጽቡቕ ዜና ጎይታ) ኣብ ምስፍሕፋሕ ሓጊዛ’ያ። ድሕሪ ጥምቀት ሚስዮናዊት ወይ ልእኽቲ ወንጌል ብሙኻን ብተባዕ ክርስትያናዊ ትምህርታት እትፍለጥ ኮነት። ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ትምህርቱን ክትክሕድ ንዝቐረበላ ብምቅዋም ህይወታን ህይወት ደቃን ንጎይታ ኢየሱስ ኣወፈየት። ቅድስቲ ፎጢኒ ንዘንተእለት ከም ቅድስቲ እትፍለጥ ኮነት። ኣምላኽ ንቅድስቲ ፎጢኒ ባረኻ።
ግጥሚ
ብመንፈስ ቅዱስ ብምኹላዕ፡ በቲ ኩሉ ክብረት።
ካብ መድሓኒና ክርስቶስ ሰተኺ ማይ ድሕነት።
ብፍቱሕ ኣእዳው ሃብክዮም ነቶም ጸሙኣት።
ዓባይ ሰማእት ፎጢኒ፡ ማዕረ ምስ ሃዋርያት።
ናብ ክርስቶስ ጸልይልና ንነፍሳትና ድሕነት።
ሕቶታት
1 )እታ ሳምራዊት ሰበይቲ መን ነበረት ፧
2)ድሕሪ ጥምቀታ ስማ እንተይ ነበረ ፧
3)ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሳምራዊት ሓጥእ ሰበይቲ ኣፍቀራ ኢልካ’ዶ ትኣምን ፧
4)ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ን ሓጥኣን ኣፍቀረ ኢልካ’ዶ ትኣምን ፧
5)እታ ሓጥያተኛ ሳምራዊት ሰበይቲ ብድሕሪ ትምህርቲ ጎይታ ምስምዓ እንታይ ጌራ ፧ ግለጽ ፧
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ