ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ቀጺልና April 9- 10 2010 (ሚያዝያ ፩-፪ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኣብዚ መንፈሳዊ በዓል ንኽትሓብሩና ትዕደሙ።
ትርጉም እዚ በዓል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ክብሪ ሰማያት ራሕሪሑ ስጋና ለቢሱ ከድሕነና ዝኸፈሎ ዋጋ ዘዘክረና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኅዋርያ ኣብ ወንጌል 3፡16 ዝብሎ ”በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ስለዚ ንድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናዘከርና ነዚ በዓል ተሳተፍቱ ንኹን።
ኣብዚ በዓል’ዚ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዝመርሕዎ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ዝሳተፍዎ ዝቐርብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።
መደብና
ዓርቢ
ቀዳም
ሰንበት፡
ሰኑይ፡
ኣኼባ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከል ምስ ሓለፍቲን መእመናንን ኦርየንታል ቤተ ክርስትያናት ኣትላንታ።
ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ኣድራሻና፣
ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣትላንታ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ