S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዓርቢ ሚያያ 9 ክሳብ ሰኑይ ሚያያ 12, 2010 ዓ.ም.ፈ.  ብፁዕ  ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣሜሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝኂ ምእመናን ብኽብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ መድኃኔ ዓለም ንግደት ዝተፈላለየ መንፈሳዊን፥ ባህላዊን፡ ስፖርታዊን መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

ኣብ ዕለተ ዓርቢ፡ ብብፁዕ  ኣቡነ መቃርዮስ ፍሉይ ሰሚናር ንውሉደ ክህነት ተዋሂቡ “ስልጠና ካህናት” ብዝብል ብሃገረ ስብከት ዝተማእከለ እዩ ኔሩ። እቲ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኣስተምህሮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናውን መጻእን መደባት ሃገረ ስብከት ዝወጸ ውጥን ዘድሃበ ብቐጥታ ምስ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያንን ሕይወት ኣገልገልትን ዝተተሓሓዘ ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዘጠቓለለ እዩ ኔሩ። ሰሚናር ምስ ተወድአ ብዋዜማ ናይ ዓርቢ መደብ ተዛዘሙ።

ቀዳም ካብ 3፣00 ናይ ለይቲ ጀሚሩ  ብሊቃውንቲ ዝተመርሔ ስብሓታት ዝተጀመረ ክብሪ  በዓል ንዘንጸባርቅን ዜማታትን ምህለታትን ተኻየደ። ከምኡ ውን ብሰፊሑ ንምኽንያት በዓል ዘረድእ ብትግርኛን እንግሊዘኛን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ  ስብከት ትምህርትን  ድሕሪ ቅዳሴ ተዋሂቡ።

ኣስዒቡ  ድማ  ድማ ዑደት ብመዘምራንን ሊቃውንትን ምስ  ምእመናን  ኣብ ገጽ ኩላቶም  ክብ ዝበለ ፍስሃን ሓጐስን ይንበብ ኔሩ። ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ።  ከምኡ ‘ውን ቆልዑን መንእስያትን ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ዝተዳለወ መጻወቲን ዝተፈላለየ ናይ ስፖርት መደባት ብምግባር ተዘናጊዓም።

ንጽባሒቱ ሰንበት ድማ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ድሕሪ ቅዳሴ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ተቀቢሎም። እቲ ሕቶታት ብወረቓቕቲ ዝቐረበ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዘተኮረን ኩነታት  ቤተክርስቲያንን ኣብዚ ሕጂ  ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን መበገሲኡ እንታይ ምዃ  ዘጠቓለለ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ። ኣዕጋብን ኣዝዩ መሃርን መልስታት ብብፁዕ  ኣቦና ብቋንቋታት እንግሊዘኛን ትግርኛን ተዋሂቡ። ምእመናን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሊቅ ዶግማዊን፤ ቀኖናዊን መጽሓፍ ቅዱስን ተንቲኖም ዝምህሩ፡ ብዓል ዓሙቕ ፍልጠት ኣቦ ብምርካብና  ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን ኢልካ ምምስጋን እዩ ብምባል፡ጸጋና ኣይነርሕቕ ምባል ጥራሕ እዩ። ሰኑይ ድማ ብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኃዋርያዊ ምሕዝነት ምስ ዝተፈላለያ ቤ/ክርስትያናት ኣካይዶም ።

ንብፁእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመ ይሃበልና!
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ መጓሴኦም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃቦም።
ንቤተ ክርስትያንን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ። ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጐይታ!

ምስጋና ንኹሎም ነጋድያንን ኣብ ኩሉ ምስላጥ ዕዮ ዝተሳተፉን

ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን!

Photos | ስእሊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div