መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
“ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ [ሰምበደት]። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም።” ማቴ 2፡3,4።
ምሥጢረ ክህነት
ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን መለኮታዊ ጻዋዒትን:
“ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ኃጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ኃጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና” (2ቆሮ፡ 5፡18-21)።
ኩቡራት መእመናን ህዝበ ክርስቲያን፣ብቀዳምነት ካብ ልቢ ዝነቀለ መንፈሳዊ ስላምታና ኢናቅረብና ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን ንብል። ካብኡ ብምቅጻል ክኣ እዚ ዝስዕብ ብስራት ከነካፍለኩም ንፈቱ። ኦርቶዶክሳዊት
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
“ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን።” ዮሃ 10፡4,5።
ሰብ ኣብ ገነት ከሎ ቅድሚ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቑ ፍጹም ከም ዝነበረ፡ ቃል እግዚኣብሔር ይነግረና። ድሕሪ ውድቀቱ ግና፡ ኣእምሮኡ ጸልመተ’ሞ፡ ብሃሳሰ ለባም ኣብ ጸልማት ዝኳዝ ኰነ። ብሰንኪ ኣብ ጸልማት
ሓያሎ ሰባት ብተለፎንን ብኢመይልን ክትረኽቡና ጻዕሪ ዘካየድኩም፣ ስለ ምድንጓይና ይቕሬታ እናሓተትና ንኢየሩሳሌም ብርትዓዊ ዋጋን ብዝተማእከለ መገድን ክትገሹ እትደልዩ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣ በዚ ዝስዕብ ብቐጥታ ደዊልኩም ዘድሊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ