ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ከለዉ፡ ብመኽሪ መስሓቲ ሰይጣን ስሒቶም፡ ዘይብላዕ በሊዖም፡ ጸረ ኣምላኾምን ጸረ ገዛእ ርእሶምን ጸረ ደቆምን ጸረ ደቂ ደቆምን ዓቢ በደል ምስ ፈጸሙ፡ ብድነ ሕፍረት ተኸድኑ። እግዚኣብሔር ውድቀቶምን ሕፍረቶም ምስ ረኣየ ግና፡ ንሽዑ ዘይኰነ ንዝመጽእ ግዜ ዘመልክት፡ ትንቢታዊ ቓል ክኣትወሎም ከሎ፡ ንሕፈረቶም ብጸግኡ ከም ዝኸድኖ ዘመልክት፡ እንስሳ ሓሪዱ፡ ብደበሎ (ቆርበት እንስሳ) ከደኖም። ንግዚያዊ ዕርቃኖም ድማ ሸፈነሎም። እንተዀነ ጸጋ ክሳብ ዝመጽእ ግና፡ ክኽፍልዎ ዝግብኦም ክፍሊት ክኸፍልዎ ስለ ዝነበሮም፡ ንባዕላቶም ካብ ገነት ተባረሩ። ብኡ ብኡ ድማ፡ እቲ በኹሪ ወዶም ቃኤል፡ ህይወት ሓዉ ስለ ዘጥፈኤ፡ ናይ መጀመርታ ቀታል ነፍሲ ኰይኑ ተረኽበ። ካልኣይ ኣባሲን ሓጢኣተኛን ኰይኑ ተረኽበ። ቃኤል ካብ መከራኡ ዘጋላግሎ ምስ ሰኣነ፡ ህድም ወዓለ፡ ዘዕርፈሉ ምስ ሰኣነ፡ ዝረኣየኒ ዘበለ ኩሉ ክቀትለኒ እዩ በለ እሞ፡ እግዚኣብሔር ድማ ቃኤል ዘዕርፈሉ ጸጋ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ንቃኤል ዝቐተለ ሽወዓተ ግዜ ሕነ ክፍደ እዩ ኢሉ ኣብ ገጹ ምልክት ገበረሉ። እዚ ኹሉ ዘመልክት ኩሉ ናብቲ ብክርስቶስ ክፍጸም ዘለዎ ጸጋ እዩ ዘመልክት።
እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ክንርእዮ ዝግብኣና፡ ጸጋ ማለት ንሕና ብሰንኪ ሕጊ ሙሴ፡ ከይንጸድቅ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ጋሪዱና ዝነበረ መርገማዊ ሕጊ፡ ክሳዕ ክርስቶስ መጺኡ ካብ ማእከልና ቀንጢጡ ኣብ ባሕሪ ምርሳዕ ዘእተዎ፡ ንዓናን ንእግዚኣብሔርን ማለት ንሰማይን ንምድርን ፈላሊዩና ነበረ። ስለዚ ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ ደቂ ሰባት ብሃረርታ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ምልኣት ጸጋና ዝዀነ ክርስቶስ፡ ናብኡ ክመጽእ ምስ ረኣዮ፡ "እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ኢሉ መስከረ (ዮሃ፡1፡29)። ዮሃንስ ወጌላዊ ድማ፡ ንዓና ብርስሓት ሓጢኣት ጠቂርና ዝነበርና ክምስክረልና ከሎ "ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ'ውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ" ክብል ጥዑም ዜና ኣስምዓና (1ዮሃ፡1፡7) እቲ ስለ ደቂ ሰባት ዝተሰውኤ ገንሸል ፋሲካ፡ ብድሙ ስለ ዝሓጸበና፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትና ሓራ ገበረና። ንዓና ነቶም ዝተቐበልናዮ ዘበልና፡ ነጻነትን ሓርነትን ዘይግብኣና ክነሱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ዓደለና። ጸጋ ማለት ድማ ዘይግብኣካ ክነሱ፡ ኣብ ክንዳና ንሱ ሓሊፉ ሥጋኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ንእግዚኣብሔር ዝበቅዕ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንዓና ሥግኡን ደሙን ፈውሲ ነፍስናን ሥጋናን ክኾነና ብነጻ ሃበና እሞ። “… ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ኸኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሥጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም ” ተባሂሉ ተጻሕፈልና እዚ ድማ እዩ ጸጋ እንብሎ ዘሎና (ዮሃ.1፡12-14)።
ስለዚ ድማ ኢና ንሥጋን ደምን ክርስቶስ፡ ኣብ ውሽጢ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብዓይነቱ መወዳድርቲ ስለ ዘይብሉ፡ ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን እንህቦ። እምብኣር ድሕነትና በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደምን ዝተኽስከሰ ሥጋኡን ካብ ጐኑ ዝፈሰሰ ማይን ዝተረኽበ ጸጋዊ ህያብ እዩ።
እምብኣርከስ ጸጋ ማለት፡ ብቐዳማይ ደረጃ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ተበጃውነት ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓረቐና መስመር ፍትሒ እግዚኣብሔር እዩ። ፍጡር ምስ ፈጣሪኡ ከተዓርቕ እቲ ዝዓበየ ክብረት እዩ። ዛንታ እቲ ዝጠፍኤ ውሉድ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ድማ ዛንታይን ዛንታኹምን እዩ (ሉቃስ 15፡11-24)። ከመይሲ ዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ክርስቶስ ብጸግኡ ከም ዘጽደቐና፡ ኣርዑት ሰይጣን ሰይሩ ምስ እግዚኣብሔር ዕርቅን ሰላምን ከም ዝሃበና፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ መንግስቱ ከም ዘውርሰና ቓሉ እሙንን ሓቅን እዩ (ሮሜ 5፡1-31)።
ጸጋ ክርስቶስ መደምሰስ ሓጢኣት እዩ ክንብል ከሎና፡ ብዛዕባ ጸጋ ኣብዚ ተወዲኡ ማለት ኣይኰነን። ጸጋ ንሓጢኣት ድሕሪ ምድምሳሱ ነቲ ብምኽንያት ሓጢኣት ዝመጸ ሞት'ውን ናብ ባሕሪ ምርሳዕ ይድርብዮ እዩ። እቲ ብምኽንያት ሕማምን ሞትን ክርስቶስ ዝተረኽበ ጸጋ፡ ዘለዓለማዊ ህይወት ድማ የውህብ እዩ። ገነት መንግሥቲ ኣምላኽ የውርስ። ስለዚ ጸጋ ንዓና ልዕሊ ዅሉ እዩ። ፍረን ቁምነገርን ጸጋ፡ ፍቅሪን ምሕረትን እግዚኣብሔር ብምልኣት ዝተዓደለሉ እዩ።
ብኻልኣይ ደረጃ፡ ኣብቲ ናይ ኣዳም ጥንተ ኣብሶ ወይ ሱር ሓጢኣት ወይ ሥጋውነት ኣዳም ሕጊ ብምፍራሱ ምኽንያት፡ ሕዱር መርገም ስዒሩ፡ ንሞት ደምሲሱ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ጸጋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምስ ትርፉ ሃበና። ነቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ዝሰኣንናዮ ገነት መለሰልና። ስለዚ ጸጋ ማለት ካብ እግዚኣብሔር ብነጻ ዝተዋህበና ህያብ ምድሓንን ጽድቅን ማለት እዩ። ብጸጋኡ ካብ ኣረጊት ሰብ ናብ ሓድሽ ሰብ ተሰጋገርና፡ ሓደሽቲ ፍጡራት ኰና። ጸጋ! ውልድነት እግዚኣብሔር’ውን ኣውሃበና ጥራይ ዘይኰነ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ንእግዚኣብሔር ወረስቱ ክንከውን’ውን ኣብቅዓና። ንኹሉ ጓሂናን ሓዘናን ለዊጡ፡ ተኻፈልቲ ተስፋኡን ሓጐሱን ደስታኡን ክንከውን ኣብቅዓና (2ቆረ፡ 5፡17 ኤፈ፡ 1፡5-8 2፡5-10 ገላ፡6፡15 ሮሜ 14፡17)።
ኣብዚ ዝተፈላለየ ትርጉም ጸጋ ከነብርሆ እንደሊ እንተሎ፡ እግዚኣብሔር ካብ ወዲ ሰብ ዝረኽቦ ጠቕሚ ስለ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝሃበና ኪዳን ብምፍራስና ጸላእቱ ኰይና ከለና (ሮሜ 5፡6-11) ንሱ ግን ንኹሉ ሓዲጉ ብዓይኒ ምሕረት ተመልኪቱ፡ ንኣበሳና ናብ ባሕሪ ምርሳዕ ደርበዮ። ኣብ ልዕሊ ፍጡሩ ዝኰነ ኣዳም፡ ዓቢ ምሕረት ብምግባሩ ነቲ ኣዝዩ ዓቢ ዝዀነ ምሕረቱ ብዓቢ ኣድናቆት ክንምልከቶ ኣብቅዓና። ስለዚ ድማ ነብይ ዳዊት ብግብሪ እግዚኣብሔር ምስ ተደነቐ “በልዎ ለእግዚኣብሔር ግሩም ግብርከ፡ እግዚኣብሔር ሥራሕካ ዓቢ እዩ በልዎ” (መዝ፡65፡3) እናበለ ንፍቕራዊ ስራሕ እግዚኣብሔር ብምግራምን ብምስትንታንን ክንዝክሮ ይምዕደና። እምብኣርከስ እዚ ዓቢ ዘደንቕ ኣምላኻዊ ፍቕሪ እዚ፡ ጸጋ ይበሃል። ከመይሲ ወዲ ሰብ ገለ ከይከፈለሉ እግዚኣብሔር ብነጻ ዝሃቦ ናይ ረዲኤቱ ሥርሑ ስለ ዝዀነ። ንጸጋ! ጸጋ ዝገብሮ “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ መሰል ሃቦም” ከም ዝበለ፡ ነቶም ከም ዝጠፋእና፡ ዘስተውዓልና እሞ ምሕረት ነፍስን ሥጋን ካብ ኣምላኽ ዝለመንና፡ ብዘይ ዋጋ ብኸምኡ ብነጻ ምሕረት ስለ ዝረኸብና እዩ። ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ድሒና፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ሓራ ወጺእና፡ ብሓድሽ መንፈሳዊ ልደት ተወሊድና፡ ካብ ምድሪ ክሳዕ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብነፍስን ብሥጋን ካብ እግዚኣብሔር ኩሉ ዝገበረልና ረዲኤት፡ ብጸጋ ከም ዝዀነ ንኣምን። ስለዚ ድማ እዩ ንጉሥ ዳዊት “ስለ እቲ ኵሉ ዝገበርካለይሲ እንታይ ክኸፍለካ ይኽእል” ዝበለ (መዝ 115-3)። ንሕና ንእግዚኣብሔር፡ ብጀካ ተመስገን ምባሉ እንተዘይኵይኑስ ክንከፍሎ እንኽእለሉ ዋላ ሓንቲ ዓቕሚ የብልናን። ብዛዕባ ህያባት ጸጋ፡ ብዝሑ፡ ዓይነቱን ክብሩን እናሓሰብና፡ ኣብ ጽሑፍ ዘርዚርና ኵሉ ክንጽሕፎ ኣይከኣለናን። ከመይሲ እቶም ብክርስቶስ ዘለዉ ኵላቶም ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ከም ዝተጓናጸፉን ጸጋ ከም ዝበዝሓሎምን ንምርኣይ ድኣ’ምበር፡ ንህያብ ጸጋ እስር ቁጽር ኣቢልና ኣብ ሓደ ጠርኒፍናዮ ማለት ኣይኰነን። ክርስቶስ ናባና ዝመጸሉ ምኽንያት ነታ ኣብ ገነት ኤዴን ዘጥፋእናያ ክብርና እንደገና ክመልሰልና፡ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ሰማይ ተኻፈልቲ ክገብረና ኢሉ እዩ ዝመጸ። ንመርገም ሥጋና ንመርገም ነፍስና ብጸጋ ከዲኑ፡ ካብ ዕዳ ሓጥኣት ሓራ ዝገበረና ኢልና ክንጽሕፍ ዝበቓዕና ድማ ክብሪ ንዕኡ ይኹን።
መንፈስ ቅዱስ ጸጋና እዩ
መንፈስ ቅዱስ ኣባና እንተዘይሓደረ፡ ክርስቶስ ጐይታ እዩ ኢልና ክንምስክር ከም ዘይከኣለና፡ ድሮ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽዩ ገሊጽዎ ኣሎ (1ቆረ፡12፡3)። ንብቕዓትና መንፈስ ቅዱስ እንተዘይ መስከረልና ድማ፡ እቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ፡ ኣሽንኳይዶ ክንረክቦስ፡ ከምቶም ብምግራም ንጸጋ ክርስቶስ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣረማውያን ክንግመት እኳ ከሸግረና እዩ። ስለዚ ትርጉም ህያብ ጸጋ ክንፈልጦ እንኽእል፡ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣቢልና እንተ ቐረብና ጥራይ እዩ። እምብኣርከስ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ህያብ ጸጋ ክርስቶስ ማለት፡ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ከም ዝኰነ ክንፈልጦ ይግብኣና። ንሱ ብመጀመርታ ንወዲ ሰብ ብረድኤቱ መሪሑ፡ ብእምነት ናብ ክርስቶስ ኣቕሪቡ ብንሥሓ ኣንጺሁ ናብ እግዚኣብሔር ክንቀርብ የብቕዓና (ዮሃ፡ 6፡37 44-45)። ንናይ ክርስቶስ ጸጋ ምድሓንን ጽድቁን ክንበቕዕ ይቅድሰና።
ኣድሓንነት ክርስቶስን ምሕረት እግዚኣብሔርን ቀዳስነት መንፈስ ቅዱስን ኣባና ዝሓድር፡ ንሕና ንመንፈስ ቅዱስ ቅሩብነትና ምስ እነርኢ ጥራይ እዩ። ከመይሲ እቲ ብምስጢረ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዝተፈላለየ ጸጋታት ኩሉ ብግብሪ መንፈስ እዩ ዝፍጸም። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብቶም ዝተቐደሱ ዘበሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ኩላትና ኣመንቲ ይሓድር። ኩላትና ዝተፈላለና ኣካላት ክነስና፡ እቲ ኣብ ልቢ ኩላትና ዝሓደረ መንፈስ ግና፡ ንኹላትና ስለ ዝፈልጠና ከከም ዓቕምናን ብኽርድኣናን ከነስተውዕሎን ንክእለሉ መገዲ ገይሩ ሃብቲ ጸግኡ ይዕድለና። እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ፍቕርን ተስፋን ክዓቢ እሞ ነታ ክርስቶስ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ከጽንዓ ምእንቲ ኢሉ እዩ (1ቆረ፡ 12 ሮሜ 12፡6-8)።
ድሕረ ባይታ መርገም
ጸጋ ካብቲ ብሓይሊ ሕጊ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ኩነኔ የድሕነና። ብጸጋ ዝመጸ ክቡር መንነት ድሕነት ክትፈልጥ፡ ኣቐዲምካ ብሓይሊ ሕጊ ሙሴ ዝመጸ ሓጢኣት ኩነኔ ክትፈልጥ ኣድላዩ እዩ። ከመይሲ ሓይሊ ሕጊ፡ ንምቕታል ነፍስን ሥጋን ክሳዕ ክንደየናይ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ምልላይ ነቲ ብነጻ ዝተዋህበና ጸጋ ክንፈልጥ ኣጸቢቑ ይጠቕመና እዩ። ብመጀመርታ ሓጢኣት ብምኽንያት ኣዳም ናብዚ ዓለም እዚ ምእታዋ፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ናብ ኩላቶም ደቁን ደቂ ደቁን ከም ዝተመሓላለፈት ቓል ኣምላኽ ኣብሪሁ ይዛረብ (ሮሜ 5፡12) እታ ካልኣይቲ ተግባራ ድማ፡ ኣብ ቤተሰብ ኣዳም ማለት ኣብቶም ክልተ ቀዳሞት ደቁ ቅንአትን ምቕታል ነፍስን ብዘገርም መገዲ ምፍጻማ እዩ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚራ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣዳም እናዓበየትን እናደልደለትን ከደት። ዓለም ድማ ኣብ ክንዲ ሰፈር ተማህለልትን ተነሳሕትን እትኸውን፡ ሰፈር ቀተልቲ-ነፍሲ ኰነት። ክፍኣትን ተንኰልን ቅንእን ዓመጽን ብሰሪ ድንቁርና ኣብ ልቢ ሰብ ነገሠ።
ብሰሪ ሓጢኣት ዝተላዕለ ድማ እግዚኣብሔር ንሰብ ኣብ ምድሪ ምፍጣሩ ክሳዕ ዝጠዓስ ኰነ። እቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ቀዳሞት ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ብዘይካ እቶም ሸሞንተ ሰባት ዝነበርዋ ስድራ ቤተ ኖህ፡ ዓለም ብምልእታ ብማይ ኣይሂ ኣጥፍኦም። ካብዚ ታሪኽ እዚ ድማ ውጽኢት ሓጢኣት እንታይ ከም ዘስዕብ ክንመሃር ንኽእል። ከመይሲ ንሰብ ኣብ ሥጋኡን ነፍሱን ሥቓይን መከራን ኣብ መውዳእታኡ ድማ ፍዳ ሞት ዘስዕበልና ሓጢኣት ስለ ዝዀነ። ሓጢኣት እቲ ካብ ገነት ዘውጽኣና፡ ንዓለም ብማይ ኣይሂ ከም እትድምሰስ፡ ንሶዶምን ጐሞራን ከም ዝግምጠላ ዝገበረ፡ እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ዓማጺ ተግባርና እዩ። ንሓጢኣት፡ እግዚኣብሔር ብጸግኡ ገይሩ ደረት እንተዘይገብረሉ ነይሩ፡ ተስፋ ወዲ ሰብ፡ እቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን (ኣጋንንቲ) ዝተመደበ ምዀነ ነይሩ (ዘፍ፡ 6፡1-14 11፡1-9 ኢሳ፡1፡9)። እምብኣር ጸጋ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ክገብረና ከም ዝመጸ ጽሑፍ ከምዚ ይብለና “እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅነኔ የብሎምን” ስለ ዝበለ ካብ ዅነኔ ሓራ ወጺና ክንነብር ኣምላኽ ይደግፈና።
ይቕጽል....
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ