ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጳጉሜን 1 ክሳብ ጳጉሜ 5 ዘሎ መዛሙር ከምዚ ትብሎ “ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ። ወያስተርኢ እስከ ዓረብ። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር። ምስለ ኃይለ ሰማያት በንጥረ መባርቅት። ከመ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ፡ አክሊለ አክሊላት። ዲበ ርእሶሙ ለካህናት። ትርጉሙ “ከም መብረቅ ካብ ምብራቅ ዝወጽእ፡ ክሳብ ምዕራብ ከኣ የብርህ። ምጽኣት ወዲ እግዚአብሄር። ኣብ ሰማያት ብሓይሊ ጭድርታ ክግለጽ እዩ።. . .ናይ ኣክሊለ አኽሊላት። ኣብ ርእስ ካህናት።” እዚ መዝሙር እዚ አብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርብ ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ።
ነዛ ቕድስትን ክብርትን ሰንበት’ዚኣ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ሕውየት ዓሰርተ ለምጻማትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣስፊሑ ዜስተምህር’ዩ። ጐይታና ንህዝቡን ንደቀ መዛሙርቱን እናመሃረ ኸሎ፡ እቶም ንምቅዋሙ ኵሉ ጊዜ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቑ ፈሪሳውያን ቅርብ ኢሎም፡ ፍቕሪ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኬምስሉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ’ያ እትመጽእ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ካብ ኣፉ ንመኽሰሲ ዚኸውን ኣበር እንተ ረኸቡ ተተስፍዮም ደኣ ሓቲቶምዎ እምበር፡ ፍቕሪ መንግስቲ ኣምላኽ ሃልይዎም ዘልዓልዎ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ንሳቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ዚደፍኡዋን ዚዋግእዋን ቀንዲ ጸላእታ’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደፋእታን ገፋዕታን ምዃኖም፦
“ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ (ትግስግስ)ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።” ብምባል ገሊጽዎም’ዩ። ( ማቴ 11፡12 ) ስለዚ ብዛዕባኣ ዚሓትቱ ዘለዉ ኣገዲሳቶም ወይ ኣፍቂሮምዋ ዘይኰኑስ፡ ንእኣ ዚገፍዑላ ምኽንያት ምእንቲ ኺረኽቡ እዮም። ኣካል ናይቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ስለ ዝዀኑ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ’ዮም ዝነበሩ። እንተ ዀነ ነቲ፡ “ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ’ዩ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ዝተባህለሉ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኪጻረሩ ስለ ዝመረጹ፡ ብትውልዲ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብግብሪ ግና ደቂ መንግስቲ ሰይጣን ኰይኖም ተረኽቡ። (ሉቃ 1፡32,33 ) ምኽንያቱ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ምእንቲ ኸይትገዝእ፡ ኣውጺኦም ደርብዮምዋ’ዮም። ናይ መወዳእታ ዕጫኦም እንታይ ከም ዚመስል ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣፍለጦም። “ ‘ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ’ዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን’ዩ፡’፡ እብለኩም ኣለኹ።” (ማቴ 8፡12,13) ጐይታና ን“ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ኪትርጉም ከሎ ኸም ዝገለጾ፡ ደቂ መንግስቲ እንተ ዀይኖም ክርዳድ ዘይኰነስ ስርናይ ኪዀኑ’ዩ ዚግብኦም ነይሩ። “መሊሱ በሎም፡ ‘እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ’ዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም’ያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ’ዮም። እቲ ክርዳድ ግና (እቶም ደቂ’ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ)’ዮም። እቲ ዚዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ’ዩ። እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም’ዩ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ’ዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን’ዩ። ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኺልእኽ’ዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኺድርብይዎ’ዮም፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን’ዩ፡ ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ’ዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” ( ማቴ 13፡37-43 ) እዚኣቶም ግና ዘርኢ ናይቲ ኽፉእ ድያብሎስ ኰይኖም፡ ነቲ ስርናይ ዚዘርእ ጐይታን ነቲ ዘራእቱን ኪድምስሱ ዚከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ ዝነበሩ እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ደጋጊሞም ዚሓትዎ ዝነበሩ ድማ፡ ምስቲ ዚገዝኦም ዝነበረ መንግስቲ ሮማ ዜባእሱሉ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ እዮም። ኣብ መወዳእታ ሰሊጡዎም ናብ መጋባእያ ናይ ጲላጦስ ምስ ኣቕረብዎ፡ “ንጉስ’የ” ኸም ዚብል፡ ንመንግስቲ ቄሳር ግብሪ ኸይከፍሉ ኸም ዚምህር ጌሮም ከሰስዎ። ( ማቴ 27፡11 ፣ ሉቃ23፡2,3 ፣ ዮሃ 18፡33-38)
ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ንኣታቶም ኰነ ንዅላትና ዚኸውን ኣገዳሲ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እንስሳን ሰብን መናፍስትን እትገዝእ መንግስቲ’ያ። ካብታ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና፡ እቲ መለኮታዊ ሕጉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ኣስፊሩ ኻብ ዝፈጠረና መዓልቲ ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ኣላ። ዋላ’ቲ ብኽሕደትን ብዓመጻን ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ ዝተፈልየ’ውን እንተ ዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ፡ ንሱ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣምላኽ’ዩ ዚነብር። ቅዱስ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ዚርከብ ኣምላኽ ምዃኑ ኼብርህ ምስ ደለየ፦ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ’የ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም’የ፧ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካ’ውን ክትሕዘኒ’ያ። ‘ጸልማት ይኸውለኒ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ይኹን’፡ እንተ በልኩ፡ ንስኻስ ጸልማት’ኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።” ብምባል መንግስቲ ኣምላኽ ዘይትርከበሉን ዘይትገዝኣሉን ቦታ ኸም ዘየለ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ። (መዝ 139፡7-12) ሰይጣንን መላእኽቱን ናይ በይኖም መንግስቲ ጸልማት እናሃለዎም’ኳ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛእቲ ኻብ ምዃን ኣየምልጡን’ዮም። እግዚኣብሄር ኣሕሊፉ ኣብ ኢዶም ንዘይሃቦም ሰብ፡ ነዛ ሓንቲ ጸጕሪ ርእሱ ኺትንክፉ’ኳ ስልጣን የብሎምን። እዛ መንግስቲ’ዚኣ ኸም ምድራዊት መንግስቲ ኣብ ደጌኻ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ውሽጥኻ’ውን እትርከብ’ያ። ብእኣ ኽትግዛእን ዘይክትግዛእን ምውሳን፡ ናይ ውልቅኻ ምርጫ’ኳ እንተ ዀነ፡ ዘይክትግዛኣ ወሲንካ ማለት ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዋ ስልጣንን ህላወን ገፊፍካዮ ማለት ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ኣቕሪባ ብመሰረት ግብርኻ እትፈርደካ ድማ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሌኻ ስልጣን ስለ ዘለዋ’ዩ።
እምበኣር እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስኡ ዘየላ፡ ኣብ ርሑቕ መጻኢ እትግለጽ መንግስቲ ገይሩ ዚርድኣ ሰብ፡ እቲ ንኣምላኽን ንመንግስቱን ብዝምቡዕ መገዲ ዝተረድአ ጥራሕ’ዩ። እምበኣር ኵላትና፡ በቲ መዓልታዊ እንፍጽሞ ዅሉ ንጥፈታትና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንግዝኣ ወይ ንዕምጻ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ሕጂ ነታ ኣብ ውሽጡ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ብዅለንትናኡ ዚግዝኣ ሰብ፡ ጽባሕ ንግሆ ብጭድርታ መላእኽቲ ብኽብሪ ኽትግለጽ ከላ፡ ንሱ’ውን ምስኣ ብኽብሪ ኺግለጽን ኣካላ ኪኸውንን’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጡ ተተኺላ ንዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይሃበ፡ ንእኣ ሓዲጉ ነታ ኣብ ውሽጡ ዘየላ ጓና መንግስቲ-ሰይጣን ኪግዛእ ዝመረጸ ሰብ፡ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ብኽብሪ እትግለጸላ መዓልቲ፡ ንእኡ ናይቲ ዘለኣለማዊ ውርደትን ስቓይን መጀመርታ’ያ ኽትኰኖ። እምበኣር ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን፡ ብዛዕባ’ታ ሕጂ ኣብ ውሽጥና ዘላ፡ ኣብ መጻኢ ድማ፡ ብኽብሪ እትገሃድ መንግስቲ ዝተቓነየ ኪኸውን ይግባእ። ምሉእ ቀልብኻ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ (Kingdom minded) ኴንካ እተን ዘይኰይኑ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጥኻ ዝተኸላ መንግስቲ ተገዚእካን ኣኽቢርካን ክትነብር ፈጺሙ ዚከኣል ኣይኰነን።
ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ መንግስቱ ንግዛእ ከም ዘሎና ግና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር’ዩ ዚምልሰልና። እቲ ቐዳማይ ምልክትና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ዘሎ እምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይንደልይ ምዃንና’ዩ። ስለዚ ኸኣ፡ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።” ተባህለልና። ( ቈሎ 3፡1-3 )ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡን ድለዩን” ኪበሃል ከሎ ብግብሪ ዚግለጽ እምበር፡ ብደረጃ ኣእምሮ ጥራሕ ዚግበር ምሕሳብን ምድላይን ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ምስ ሓውኻ ብዛዕባ ገንዘብ ዜስሓሕብ ጕዳይ ምስ ዚፍጠር፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እትደልይ ሰብ እንተ ዄንካ ድማ፡ ነቲ ፍቕሪ ደርቢኻ ነቲ ገንዘብ ኢኻ እትመርጽ ማለት’ዩ። እቲ ኻልኣይ ምልክትና ድማ ፍቓድ ኣምላኽ እንገብር ምዃንና’ዩ። ጐይታና ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ብፍሪኡ (ብግብሩ) ኸም ዚልለይ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ። “እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ ናይቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን።”። ማቴ 7፡20,21 ስለዚ ድማ’ዩ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ልዑል ባህጊ ኺህልወና፡ ንኣምላኽ ድማ “ምግባር ፍቓድካ ምሃረኒ” ኢልና ብጽኑዕ ኽንምሕጸኖ ዚግብኣና። መዝ 40፡7,8 ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ምስቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዚገበረና፡ ናብታ መንግስቱ ናይ ምእታው ርጉጽ ውሕስነት’ዩ ዜውህበና። ማቴ 12፡48-50 ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ለባማት ዚቝጸሩን ዚኸብሩን፡ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ብንጹር ዚፈልጥዎን ዜስተውዕልዎን፡ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ዚእዘዝዎ እዮም። ሮሜ 12፡2 ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣቦኡ ምግባር ምግቡ ኸም ዝነበረ፡ ንሕና’ውን ምግብና እንተ ጌርናዮ ኣብታ ንሱ ዝነገሰላ መንግስቲ ኽንኣትው ምዃንና፡ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ዮሃ 4፡32-34 እቲ ሳልሳይ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ናይ ምእታው ምልክትና ድማ ብቕድስናን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ምንባርና’ዩ።
“መዓልቲ ጐይታ ግና ኸም ሰራቒ ኮይና ኽትመጽእ እያ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፡ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ፡ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኩም፧ ነታ ኣምላኽ ዝመጻላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ህይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር እያ። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።” 2ጴጥ 3፡10-13ካ.ት
ብዘይ ቅድስና፡ ናብ መንግስቱ ኣትዩ ገጽ እግዚኣብሄር ኪርእይ ዚበቅዕ ሓደ’ኳ ኸም ዘየልቦ ብንጹር ተነጊሩና’ዩ። እብ 12፡14 ምኽንያቱ እቲ ዝለዓለ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና፡ ቅድስና’ዩ። 1ተሰ 4፡3-7 ምኽንያቱ እቲ ቕዱስ ኣምላኽን እቲ ርኽሰት ዘለዎ ሰብን ኣብ ሓደ መንግስቲ ኺህልዉ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ድማ’ዮም እቶም ርዅሳትን ፍንፉናትን፡ ኣብቲ ናይ ወጻኢ ጸልማት፡ ኣብቲ ቐላይ ሓዊ ዚድርበዩ።(ራእ 22፡15፣ 21፡8)
ብዘይ ፍርሃት እግዚኣብሄር ከኣ ቅድስና ፈጺምካ ኺሕሰብን ኪብጻሕን ዘይክእል ሸቶ’ዩ። ምኽንያቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር ማለት ንኽፍኣት ምጽላእ ንጽድቂ ድማ ምፍቃር ማለት’ዩ። (ምሳ 8:13፣ እዮ 28፡28) ንፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርታ (በዅሪ) ናይ ኵሉ ጥበባት ዚገበራ ድማ ንሱ’ዩ። (ምሳ 1፡7፣ 9፡10 ፣15፡33) ናብ ሓደ ገዛ ኽትኣትው ቅድም ነቲ ማዕጾ ብመፍትሕ ክትከፍቶ ናይ ግድን ከም ዝዀነ፡ ናብ ቅድስና ንምእታው መፍትሕ ኰይና እተገልግለና ድማ ፈሪሃ-እግዚኣብሄር’ያ። እምበኣር ናይ ብሓቂ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ከምቲ “ጽድቂ ፈተኻ፡ ዓመጻ ጸላእኻ” ተባሂሉ ብቕዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተመስከረሉ ክርስቶስ ጐይታና ኽንከውን ይግብኣና። (መዝ 45፡6,7 እብ 1:9 ) ናይ ፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዝለዓለ ኣርኣያና ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። (ኢሳ 11፡2 እብ 5፡7,8)
ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንዅላቶም’ቶም መግንስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ትገዝእ ምህላዋ ዚገልጹ መርትዖታት ክንዝርዝሮም ዚከኣል ኣይኰነን። በዞም ድሮ ጠቒስናዮም ዘሎና ሰለስተ ኣገደስቲ መረጋገጽታት ግና ርእስና ንመርምር። ከም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ክርስቶስ መጠን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ተተኺላ ኸም ዘላ ንፈልጥ ዲና፧ ወይስ መንግስቲ ኣምላኽ ካባና ርሒቓ ከም እትነብር ገይሩ ዚሓስብ ፈሪሳዊ ኣእምሮ’ዩ ዘሎና፧ ከምቶም “ደቂ መንግስቲ” ኽነሶም፡ ግን ከኣ ካብ ውሽጣ ተለቒሞም ናብቲ ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ገሃነም፡ ዚድርበዩ ደዀን ንኸውን፧ ወይስ ከምቶም ኣብ መንግስቲ ኣብኦም ከም ጸሓይ ዚደምቁ ጻድቃን ኢና ኽንከውን፧ ካብዚ ይትረፍ ንዘለኣለም ክትነብሮ ነዛ ንሒደት ደቓይቕ ክትሓስቦ’ኳ ዜሰቅቕ ስቓይ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ነታ ብረቂቕ ጥበቡ ኣብ ውሽጥና ዝተኸላ መንግስቲ ንገዝኣያ ደኣ!! ብዘሎ ቐልብናን ኣድህቦናን ኣብኣ ንግበር። ኣብዘን ንሒደት ናይ መርገም ዓመታት ንዘርኣናያ ንእሽቶ ኽብሪ፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ዘለኣለም፡ ካዕበት ክትፈድየና’ያ። እታ ንዝተገዝእዋ እተኽብር ፍትሓዊት መንግስቲ፡ ኣብ ውሽጥና እንሃ!! ነኽብራን ንኽበረላን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሰንበት 6 መስከረም 2020 (ጳጉሜን 1, 2012 ግእዝ) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
1ተሰ 5፡1-10 |
2ጴጥ 3፡10-18 |
ግብ 26፡1-15 |
ሉቃ17:20-37 |
ዘአትናቴዎስ |
መዝ 103/104፡30-31 ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም። ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይንበር.. ..። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ