“ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ (ናብቲ መቓብር) ኣተወ። ነቲ “ካብ ምውታት ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ” ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩ’ሞ፡ ርእዩ ኣመነ።” ዮሃ 20፡8-9።
“ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ” (ያዕ 5፡13) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቤተ ክርስቲያንና ተዋህዶ ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉን ትጠርዓሉን ጎደና-እምነት
“ነፍሲ ወከፍ ከም’ቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይ’ቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” 1ጴጥ 4፡10። እዛ ቅድስቲ ዕለት’ዚኣ ሻምነይቲ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾምን ዕለተ ሆሳእናን’ያ። ሆሳእና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣዝዩ ዓብይ ክብረ-በዓል’ዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ዓብዪ ኽብሪ ዝረኸበሉ ዕለት ድማ’ዩ። ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግሩ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ’ውን’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ውጽኢት ስራሕ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ከተማ ዘናዓበ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኪህልው ዝሰርሐን ዝወደበን ሽማግለ (ኮሚቴ) ኣይነበረን።
ሰንበት 5 ጥቅምቲ 2014፡ ንዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ።
“ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።” ሮሜ 7፡5 ካ.ት
“እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 2፡12 ካ.ት
እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዩ።
“ንሕና ግና፡ ከም’ቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና።” 2ጴጥ 3፡13
ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ኩሉ ሓሳብናን ድልየትናን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ህይወትና ማእከላይ ሰፈርን ትርጉምን ዝሓዘ ክኸዉን ኢዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ካብዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘሰጋገረና፡ ዘድልየና ኩሉ በብዕለቱ ዝምግበና ዝኣልየናን ንሱ ሰለ ዝኾነ። ስለዚ ኩለንትናና ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ንሽገረሉን ሓገዝ ኣብ ዘድልየናን ግዜ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ነእዊ፡ ስለ ስጋዊ ህይወትና ሓገዙ ንሓትት፡ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ምረት ዝተሓወሶ ጥርዓን ነቕርብ። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያትከኣ ካብኡ ወጻኢ ረዳኢ ስለ ዘይብልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ህይወትና ሓገዝን ረዲኤትን ንሓትት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እዉን ከምኡ ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ።ምክንያቱ ካብ ኣምላኽ ተፈሊና እንጉዓዞ ህይወት መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ከም ዝወስደና ስለ ዘይነፈልጥ። ብስጋ እካ ናብኡ ኣዚና ዝጠራዕና ብመንፈስ ደኣ ማዕረ ክንደይናብኡ ክንጠርዕ ዘይግብኣና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ